ኣብ ክልል ደቡብ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ንምልማዕ ተተሊሙ-ቢሮ ግብርና እቲ ክልል

66

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 23/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 / 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ንምልማዕ ከምዝተተለመ ቢሮ ግብርና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዘበነ ምህርቲ 2015/16 / መድረኽ ወፍሪ ስራሕቲ ክረምቲ ኣብ ከተማ ቡታጅራ እናተኻየደ እዩ።

ሓላፊ ቢሮ ግብርና እቲ ክልልን ብመኣርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ገጠርን ኣይተ ዑስማን ሱሩር ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ እዋን ክረምቲ ልምዓት ንምልማዕ ምድላው እናተገበረ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ልዕሊ 951 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝኸውን ብኣዝርእቲ ዝተረፈ ድማ ብቀወምቲ ተኽልታት ከምዝለምዕ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም