ወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሙሉኡን ውፂኢታዊን ንክከውን ሰብ ሞያታት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቐሪቡ

65

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 23/2015 (ኢዜኣ) ወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኣብ ምግባር ሰብ ሞያታት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣገንዚቡ።

ዓወታት ዝሓለፉ ዓመት ወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍርን ናይ ቀፃሊ ኣንፈታትን ብዝምልከት ካብ ክልልን ፌዴራልን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ዝተሳተፍሉ መድረኽ መጨበጢ ግንዛበ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተኻይዱ።

ኣብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዱስትሪን ተወካሊ እቲ ሚኒስትርን ዶክተር ሚልኬሣ ጃገማ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ጉዕዞ ሓደ ዓመት ወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዕውት ንክኸውን ዓውዲ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ዝነበሮ ታራ ልዑል እዩ ኔሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም