ሓባራዊ መድረኽ ዘተ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ መቐለ ተሳሊጡ

 

ኣዲስ ኣበባ / ግንቦት/19/ 2015 (ኢዜአ)ሓባራዊ መድረኽ ዘተ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት ሓዊሱ ፕሬዚዳንታትን ሓለፍቲ ስራሕን ኣብያተ ፍርዲፌደራል፣ ሓላፊ ቤት ዕዮ ምምሕዳር ጉባኤ ዳያኑ ፌዴራልን ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ክልላት ተሳቲፎም፡፡

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት፥ ብሰንኪ ኩናት ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ዝተማልአ ኣገልግሎት ዳይነት ኣብያተ ፍርዲ ንክቕፅል ዓሊሙ እቲ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ምድላዉ ኣረዲኦም፡፡

ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምንጋስ ኣብያተ ፈርዲ ትፅቢት ዝግበረለን ትካላዊን ሕገ መንግስታዊን ግደ ምውፃእ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቦም።

ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሎም ኣካላት ብምግንዛብ ንልዕልነት ሕጊን ምንጋስ ዉሑስ ሰላምን አዎንታዊ ግደ ከበርክቱ ይግባእ ምባሎም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝየረክበ ሓበሬታ የረድእ።

ብሰንኪ ኩናት ስራሕቲ ዳይነት ጠጠው ዘበላን ዝዓነዋን ኣብያተ ፈርዲ ክልል  ትግራይ ዝግበር ደገፍ  ከምዝቕፅል ኣረዲኦም፡፡

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ንሰለስቲኦም ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ብምትሕብባር፥ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ስራሕ ንምጅማር ዝሕግዝ  ልዕሊ 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ቀዋሚን ሃላቒን ናውትታት ቢሮ ሓገዝ ገይሮም፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም