ማሕበራዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራዊ
ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ክስታት ኢንቨስትመንት ብዓወት ዛዚማ-ሚኒስቴር ፍትሒ
Apr 8, 2026 122
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝቐረቡላ ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ክስታት ኢንቨስትመንት ብዓወት ከምዝዛዘመት ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ፍትሒ ኣይተ በላይሁን ይርጋ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዳይነት ግልግል ዝረኸበቶም ክልተ ዓወታት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም እውን፤ እታ ሃገር ብተኸታታሊ ዝረኸብቶም እዞም ዓወታት ብሚልዮን ዶላር ዝቑፀር ክፍሊት ካሕሳ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ልኣላዊ ረብሓ እታ ሃገር ዘረጋገፁ እዮም ኢሎም። ሚኒስቴር ፍትሒ ብመሰረት ብቁፅሪ ኣዋጅ 943/2008 ዝተውሃቦ ስልጣን ረብሓ ፍታብሄር ህዝብን መንግስትን ናይ ምርግጋፅ፣ዋና ኣማኻሪ መንግሥቲ ፌዴራል ናይ ምዃንን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እታ ሃገር እንትትኽሰስ ናይ ምክልኻልን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣረዲኦም። እቲ ሚኒስቴር ዓለም ለኸ ማእኸላት ግልግል ቢሮኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንክኸፍቱ ካብ ምግባር ጀሚሩ ብሰብ ሞያ ወፃእን ውሽጥን ዝተደገፈ ስራሕ ሪፎርም ኣብ ምስላጥ ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም። ካብቶም ብዓወት ዝተዛዘሙ ዋና ዋና ክስታት እቲ ናይ መጀመርያ ኩባንያ ኮንስትራክሽን ቱርኪ ዝኾነ Akgun Insaat Makina Sanayii ve Dis Ticaret Ltd. Sti. ዝተብሃለ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ብድምር ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ክሲ ከም ዝኾነ ፀሪሖም። እቲ ኩባንያ ኣብ ቀረባ ግድባት ለገዳዲን ድሬን ዞባ ኢንዱስትሪ ልምዓት ንምልማዕ ፍቓድ ተዋሂብዎ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም። እቲ ከባቢ ፍልፍል ፅሩይ ማይ ኣዲስ ኣበባ ስለዝኾነ እቲ ሕጊ ግምገማ ፅልዋ ከባቢ ብዝእዝዞ መሰረት ንከቕርብ ብተደጋጋሚ ንዝቐረበሉ ሕቶ እቲ ኩባንያ ኣዕጋቢ ምላሽ ክህብ ብዘይ ምኽኣሉ እቲ ስራሕ ኢንቨስትመንት ናብ ካሊእ ምችው ቦታ ንክዘዋወር ኣማራፂ ቀሪቡሉ ከምዝነበረ ኣረዲኦም። እቲ ኩባንያ ግና ዝቐረበሉ ኣማራፂ ብዘይ ምቕባል ጥሕሰት መሰል ሓለዋ ኢንቨስትመንት በፂሑኒ ብዝብል ክሲ ከም ዘቕረበ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታቱ ፅሩይ ማይ ናይ ምቕራብ ሓላፍነቱ ከም ዝተዋፅአ ኣብቲ መጋባእያ ተኣሚንሉ እቲ ክሲ ውድቂ ተገይሩ እዩ ኢሎም። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተመዝገበ ኩባንያ African Asset Finance Company Holding B.V ወይ ድማ ብተለምዶ ኢትዮ ሊዝ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኩባንያ ሃገራዊ ግቡኣት ንከኽብር ዝተውሃብዎ መጠንቀቕታታት ከም ጥሕሰት መሰል ኢንቨስትመንት ብምቑፃር ካብ 334 ሚልዮን ዶላር ክሳብ ልዕሊ 400 ሚለዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝሓተተ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ሄግ፣ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ክርክር ቃል ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ብዘቕረብዎ ጠንካራ ክርክር ብሰለስቲኦም ዳያኑ ውድቂ ተገይሩ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ነቲ ክርክር ዘውፀአቶ ወፃእን ኪሳራን እቲ ኩባንያ ንክኸፍል ከምዝተወሰነ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ዝቐረቡላ ክስታት ብዓወት ምዝዛማ ኣብ ምህዳር ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ኣሉታዊ ፅልዋ ንከይህሉ ካብ ምግባር ብዝዘለለ ብ100 ሚልዮን ዶላር ዝቑፀር ካሕሳ ንከይትኸፍልን ኣብ ትሕቲ ኢኮኖሚያዊ ፅልዋ ንከይትወድቕን ኣኽኢሉዋ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ
Apr 8, 2026 101
ኣርባ ምንጭ/መጋቢት 30/2018(ኢዜኣ) ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር ገሊፆም። ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምንሽርታት መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት 10 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሮም። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምንሽርታት መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ። ሎሚ መዓልቲ እውን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ 5 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ከምኡ እውን ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሮም እዮም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ትካላት ውልቀ ብምትሕብባር ደገፍ 5 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ገይሩ እዩ። ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንገብሮ ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ መስኖን ከባብታት ቆላን ተስፋዬ ይገዙ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ሓጎስ ይኹን ኣፀጋሚ ኩነታት ባህሊ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሕድ ሕድ ከም ዘሎ ሓቢሮም። ብመሰረት እዚ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ጎኒ እቶም ተጎዳእቲ ከም ዝኾነ ንምርኣይ ደገፍ 5 ሚልዮን ብር ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን ንገብሮ ደገፍ ቀፃሊ እዩ ኢሎም።
በዓላት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ካብ ዘለና ብምክፋልን ክኸውን ይግባእ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Apr 8, 2026 187
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) በዓላት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ካብ ዘለና ብምክፋልን ክኸውን ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ መፃኢ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ትሑት ኣታዊ ንዘለዎምን ዓቕሚ ዘይብሎምን ክፋላት ሕብረተሰብ መኣዲ ኣካፊለን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ በዓላት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ካብ ዘለና ብምክፋልን ክኸውን ይግባእ። እቲ ምምሕዳር እዚ ተግባር በቢ ዓመቱ ዘሳልጦ ድማ ዜጋታት በዓላት ብሓጎስ ንከሕልፉ እዩ ኢለን። ዓቕሚ ዘይብሎምን ዓበይትን ብምድጋፍ በዓል ብሓባር ምኽባር ዝፀንሐ ሰናይ ፀጋ ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ እውን እዚ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፀን። እተን ከንቲባ፤ እዚ ደገፍ ንክግበር ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ሰብ ሃፍትን ትካላትን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
Apr 7, 2026 619
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/29/ 2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓዘን፤ ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብምሕላፈን መሪር ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢሎም። ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንሃገረን ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንዘበርከተኦ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ፣ ኣስተምህሮን ንቑሕ ኣመራርሓን ኩሉ ግዘ ክዝከራ እየን ክብሉ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ቆንጂት ትግህትን ከም ሓፂን ዝጠንከራን ዲፕሎማት ከምዝነበራ እውን ኣዘኻኺሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም
Apr 7, 2026 161
ኣዲስ ኣበባ/29 መጋቢት/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ንኢትዮጵያ ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ዘገልገላ ኣምባሳደር ቆንጂት ሥነ ጊዮርጊስ ብምዕራፈን ዝተሰመዐኒ ሓዘን ክገልፅ ይፈቱ ኢሎም። ኣምባሳደር ቆንጂት ካብ ቁልዕነት ክሳብ ፍልጠት ንኢትዮጵያ ብዲፕሎማትነት ብምግልጋል፣ ካብ ኣምባሳደር ዮዲት እምሩ ቀፂለን ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣምባሳደር ከም ዝኾና ኣዘኻኺሮም። ንሕጊ፣ ንኣሰራርሓ፣ ፕሮቶኮልን ንረብሓ ኢትዮጵያን ብዝበነበረን ፀኑዕ እምነት ክንዝክረን ኢና ኢሎም። ድሕሪ ንሰን ብዙሓት ደቂ ኣነስትዮ ዲፕሎማታት ኣብቲ ዓውዲ ክዋፈራ መንገዲ ከፊተን እየን ክብሉ እውን ሓቢሮም። ንቤተሰበን፣ንመሳርሕተንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እውን ፅንዓት ተመንዮም።
ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን
Apr 7, 2026 164
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/29/ 2018 (ኢዜኣ) ነበር ዲፕሎማት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብሕክምና ደገፍ ክግበረለን ድሕሪ ምፅናሕ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን። ኣምባሳደር ቆንጂት ኣብ 1950ታት ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተፀንቢረን ካብ ዴስክ ኦፊሰርነት ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓነት ኣገልጊለን እየን። ኣምባሳደር ቆንጂት ካብ ዮዲት እምሩ ብምቕፃል ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣምባሳደር እየን። እተን ኣምባሳደር ኣብ ኦቶዋ፣ ካይሮ፣ ተል ኣቪቭን ቬየናን ኣብ ዝርከቡ ሚስዮናት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሙሉእ ስልጣን ብምዃን፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ቀዋሚ ወኪል ኮይነን ሰሪሐን እየን። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሞት ኣምባሳደር ቆንጂት ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላፅ ንስድራን ፈተውቶምን ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ። መርሃ ግብሪ ምፍናው ቀብሪ ኣብ ቐፃሊ ከም ዘፍልጥ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ በዓል ፋሲካ እኹል ሃለቕቲ ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ይቐርቡ ኣለዉ - ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ
Apr 6, 2026 731
ኣዲስ ኣበባ /መጋቢት /28/2018(ኢዜኣ)፡- ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ በዓል ፋሲካ እኹል ሃለቕቲ ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ይቐርቡ ከም ዘለዉ ሓላፊት ንግዲ ቢሮ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሀቢባ ሲራጅ ገሊፀን። እተን ቢሮ ሓለፍቲ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ምርግጋዕ ዕዳጋ ብዝምልከት መግለፂ ሂበን። ብምኽንያት እቲ በዓል ግቡእ ዘይኮነ ናህሪ ዋጋ ፍርያታት ከይፍጠር ንምክለኻል እኹል ምድላው ከም ዝተገበረ ገሊፀን። ምስ ዝተፈላለዩ ክልላት ብምትእሳሰር ሃለቕቲ ፍርያትን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ብፅሬትን ብስፍሓት ናብታ ከተማ ክኣትዉ እናተገበረ ከም ዝኾነ ተዛሪበን። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ማእኸላት ዕዳጋ፤ 14 ዕዳጋታት ሰንበት፣ማሕበራት ሸማቶን ትካል ስራሕቲ ንግድን ንሕብረተሰብ ብዝተመጣጠነ ዋጋ እኹል ፍርያት እናቐረበ ከም ዝኾነ ሓቢረን። ከምኡ እውን ኣብ ዓሰርተ ሓደኤን ክፍለ ከተማታት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ፍርያት ንዕደጋ ዝቐርበሉ ባዛር ከም ዝኽፈት ተዛሪበን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝካየዱ ዘለዉ ወለንታዊን ሰብ ማእኸል ዝገበሩን ስራሕቲ ብተግባር ረብሓ ሕብረተሰብ ዘረጋገፁ እዮም
Apr 3, 2026 772
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /25/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝካየዱ ዘለዉ ወለንታዊን ሰብ ማእኸል ዝገበሩን ስራሕቲ ብተግባር ረብሓ ሕብረተሰብ ከም ዘረጋገጹ ኮሚሽን መተሓባበሪ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ብዙሓት ዜጋታት ተራባሕቲ ንምግባር ዘኽኣለ ዓቕሚ መናእሰይን ሰብ ሃፍትን ዘተሓባበረ ዓብዪ ጎስጓስ ኮይኑ ቀፂሉ እዩ። ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣስራት ንጉሴ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፣ ኣብታ ርእሰ ከተማ ኣገልግሎት ስራሕቲ ወለንታዊ ብፍላይ ሰብ ማእኸል ኣብ ዝገበሩ ዓውድታት ብዙሕ ዓወታት ተመዝጊቡ እዩ ኢለን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብመርሃ ግብሪ ወለንታውነት በቢዓመቱ ብ15 ዘርፍታት ትኹረት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋገጹ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ሓቢረን። እቶም ዘርፍታት ኣገልግሎት ሕድሳት ገዛ ዓቕሚ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ምክፋል ምግቢ፣ ልገሳ ደም፣ ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ፣ ትምህርትን ስልጠናን፣ ፅባቐን ሓለዋ ከባብን ከምኡ እውን ተሳትፎ ሓምላዋይ ኣሰር ዘካተቱ እዮም። ብፍላይ ብመዳይ ናይ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ገዛ ኣፍሪስካ ብምሕዳስ ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገበሩ ዓበይቲ ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ ተዛሪበን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ጥራሕ ልዕሊ 45 ሽሕ ገዛታት ተሃኒፆም ንነበርቲ ከም ዝተሓላለፉ ብምግላፅ፤ እቶም ገዛታት ንነበርቲ ብዝምጥኑን ንመላ መነባብሮ ብዝጥዕም መልክዑ ከም ዝተሃነፁ ኣብሪሀን። ብመርሃ ግብሪ መግቢ ምኽፋል መግቢ ልዕሊ 6.5 ሚሊዮን ነበርቲ እቲ ከተማ ብተደጋጋሚ ተረባሒ ከም ዝገበረ ሓቢረን። ሰብ ማእኸል ብዝገበሩ ተግባራት ሰብ ሃፍቲ ዘይትካእ እጃም ከም ዝተፃወቱ ዝገለፃ እተን ምክትል ኮሚሽነር፤ ሰብ ሃፍቲ ባዕሎም ሓገዝ ምግባር ካብ ምግባር ብዝዘለለ ንኻልኦት ብምትሕብባር ዝልዓለ ግደ ከም ዝተዋፅኡ ተዛሪበን። ዝተመጀመረ ባህሊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ተጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒት ገይረን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ቀረብ እታዎት ሕክምና ንምጥንኻር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝጭበጡ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም-ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደሰ ዳባ
Apr 2, 2026 629
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 24/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ቀረብ እታዎት ሕክምና ንምጥንኻር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝጭበጡ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደሰ ዳባ ገሊፀን። መበል 2ይ ኤግዚቢሽን ፍርያትን ኢኖቬሽንን እታዎት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ከምኡ እውን መበል 10ይ ዓለም ለኸ ዓውደ ርእይን ጉባኤን ቴክኖሎጂ ሕክምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መንግሥቲ ቀረብ ናውቲ ሕክምና ንምጥንኻር ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር ብዝለዓለ ኩነታት ዓብዩ እዩ። ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብዲጂታል ስርዓት ዝተደገፈ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዝበፅሕ ስርዓት ቁፅፅር ከም ዝተዘርገሐ እውን ሓቢረን። እቲ ማሕበረሰብ መድሓኒታት ኣበይ ክረክብ ከምዝኽእል ዝሕብር፣ ሓበሬታታትን ኣገልግሎታትን ጥዕና ብቐሊሉ ዝረኽበሉ ብሄራዊ መተገበሪ ኣብ ስራሕ ከም ዝወዓለ ተዛሪበን። ብተወሳኺ እውን ናይ ወፃኢ ፅግዕተኛነት ንምቕናስ ዓቕሚ ምፍራይ ብዝበለፀ ንምዕባይ ከም ዝሰርሕ ብምግላፅ፤ ትካላት ትምህርትን መሓዙት ልምዓትን እቶም ዝተተለሙ ሽቶታት ንምዕዋት ብምውዳድ ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ኣብቲ ዓመታት ለውጢ ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ንምትብባዕ ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ተለውጥታት ተረኺቦም
Apr 2, 2026 627
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብቲ ለውጢ ዓመታት ኣዋጅ ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ብምምሕያሽ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ለውጥታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ። ሚኒስቴር ስሕራን ክእለትን ብወገኑ ቁፅሪ ብሕጋዊ መንገዲ ንወፃኢ ሃገራት ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት እናዓበየ ከም ዝመፀ ኣመልኪቱ። ድሕሪ መጋቢት 24/ 2010 ዓም ሀገራዊ ለውጢ መንግስቲ ምኽባር ድሕንነትን መሰል ዜጋታት ቀዳሚ ኣጀንዳ ዲፕሎማሲ ገይሩ እዩ። ነዙይ ስዒቡ ብዝተሳለጡ ተግባራትን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት መሰሎም ክኽበር ምስተን ሃገራት ሰምምዕነት ብምግባር ዜጋታት ብሕጊ ዝተሐለወ ክብሪ ክህልዎም ገይሩ እዩ። ኣዋጅ ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ብምምሕያሽ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት ፅሕፈት ቤት ቆንስላታትን ንሓለዋ ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ከም ዝተገበረ ብኣብነት ዝልዓል እዩ፡። ዜጋታት ካብ ሃገር ቅድሚ ምውፃኦም ኣድላዪ ስልጠና ክእለትን ድልዉነትን ክወስዱ ምግባሩ እውን ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕሎ ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ፡፡ ሚኒስትር ዲኤታ ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ንኢዜኣ ከም ዝገለፀኦ፤ ዘይ ሕጋዊ ስደት ንምንካይ ብዙሓት ተግባራት እናተሳለጡ እዮም ኢለን፡፡ ብፍላይ ብበዝሒ ዘይስሩዕ ፍልሰት ዝርኣየሎም ከባቢታት በምፍላይ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ወፀዮም ጸገማት ዘጋጠሞም ተመለስቲ ፍልሰትን ማሕበረሰብን ዘሳተፈ መድረኻት መፍጠሪ ንቕሓት ከም ዝተሳለጡ እውን ተዛሪበን፡። ዕድላት ሕጋዊ ወፍሪ ስራሕ ምስፍፋሕ፣ ካብ ስደት ዝተመለሱ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ዕድል ስራሕ ክዋፈሩ ዝተገበሩ ሓገዛት ኣብ ሃገር ውሽጢ ሰሪሕኻ ምልዋጥ ከም ዝካኣል መርኣያ ከም ዝኾኑ ገሊፀን፡፡ ስለዝኾነ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምቕናስ ለውጥታት ከም ዝተረኸቡ ገሊፀን፡፡ ሚኒስትር ድኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ሰለሞን ሶካ ቁፅሪ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት ከም ዝወሰኸ ገሊፆም፡፡ ንኣብነት ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ቁፅሪ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት 300 ሽሕ ከም ዝነበረ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ኣብ 7 ወርሒ ብቻ 450 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ድሕንቶምን መሰሎምን ትሓልየ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንስራሕ ከም ዝተዋፈሩ ተዛሪቦም፡፡ እዙይ ድማ ክብርን ድሕንነትን ዜጋታት ምስ ምሕላው ተተሓሒዙ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ዘትየን
Mar 28, 2026 1001
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ከም ዝዘተያ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣብ ማእኸልን ወረዳን ዘለዉ ኣመራርሓ ብዝተገበረ ዘተ ግለፅነት ምፍጣር ተኻኢሉ ኢለን። ስለዝኾነ ድማ ምስ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ዝተገበሩ ዘተታት ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ቅሬታታትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዘዳለዎ ትልሚ መፈፀሚ ምርድዳእ ከም ዝተፈጠረ ሓቢረን። ንተግባራዊነት እቲ ትልሚ እውን ኣድላይ ወፍሪ ከም ዝተውሃቦን ኣፈፃፅምኡ እውን ክትትል ከም ዝግበረሉን ኣረዲአን።
ተመረቕቲ ማሕበረሰቦም ብተኣማንነት ንምግልጋልን ምህዞ ማእኸል ብምግባር ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባርን ብትግሃት ክሰርሑ ይግባእ
Mar 28, 2026 545
ዲላ፤ መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብልምዓት ዓውድታት ብዝሐ ኢኮኖሚ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ እጃም ተመረቕቲ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ፡፡ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ብመጀመሪያ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 287 ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ፡፡ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣማኻሪ ሚኒስትር ዲኤታ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ከም ዝበልዎ፤ ትምህርቲ መግለፂ ውልቃዊ ዕውትነት ጥራሕ ዘይኮነስ ሃፍቲ ሃገር እውን ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እቶም ተመረቕቲ ማሕበረሰቦም ብተኣማንነት ንምግልጋልን ምህዞ ማእኸል ብምግባር ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባርን ብትግሃት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም፡፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቑዓት ተመረቕቲ ካብ ምፍራይ ብዝዘለለ ሳይንስ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምርምር ኣብ ምስላጥ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ድማ ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዲላ ኤልያስ ኣለሙ (ዶ/ር) እዮም፡። በዚ እውን ብፍላይ ሓረስታይ ተጠቃሚ ክኸውን ከም ዝተገበረ ገሊፆም፡፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 76 ሽሕ ተመረቕቲ ንሃገር ከም ዘበርከተ ብምሕባር፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ተግባር-ተኮር ምላሻት እናሃበ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዛዚሙ ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓል ብትኹረት እናሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መበል 50 ዓመት በዓል እዮቤልዩ ኮርፖሬሽን ፌዴራል ኣባይቲ ይኽበር ኣሎ
Mar 28, 2026 212
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ) መበል 50 ዓመት በዓል እዮቤልዩ ወርቂ ኮርፖሬሽን ፌዴራል ኣባይቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል ምስረታ፤ “ብሓዱሽ ምዕራፍ ንዝሓሸ ፅባሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝኽበር ዘሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ከምኡ እውን ኣካቢት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ኣለምፃሃይ ጳውሎስ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግሥቲ መለስ መና፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ረሻድ ከማል (ዶ/ር) ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ በቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተሃነፁ ህንፃታት ተመሪቖም። ብተወሳኺ እውን እቲ ሃገራዊ ለውጢ መበገሲ ገይሩ እቲ ኮርፖሬሽን ብዘሳለጦ ትካላዊ ሪፎርም ዘመዝገቦ ዓወት ዘርኢ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ።
ከተማና ኣዲስ ኣበባ ንፀገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ኣብ ምስግጋር ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት ትርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Mar 27, 2026 391
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) ከተማና ኣዲስ ኣበባ ንፀገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ኣብ ምስግጋር ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት ትርከብ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊጸን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ሎሚ ረፋድ ንተጠቀምቲ ፕሮግራም ልምምድ ስራሕ ኣብ ውሕስና ምግቢን ብቕዓትን ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ብምስግጋር ኣመሪቕና። እዚ ተግባር ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕላዊ ካብ ዝተገበሩ እቶም ሓሙሽተ “ሽቶታት ዜሮ” እቲ ሓደን ቀንድን ዝኾነ ራኢ “ተመፅዋታይነትን ልመናን ዜሮ ምግባር” ኣብ ከተማና ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝርከብ መርኣያ እዩ ኢለን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፕሮግራም ሴፍትኔት ዝርድኡ ዝነበሩ ልዕሊ 695 ሽሕ ነበርቲ ናብ መፍራያይነት ብምስግጋር ባዕሎምን ቤተሰቦምን ክሕግዙ ተገይሩ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን። ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማና ልምምድ ስራሕ ካብ ዝተጀመረሉ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተመረቑ ልዕሊ 8 ሺሕን 852 መናእሰይ ሓዊሱ 49 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ተመፅዋታይነት ወፂኦም ብዝተፈጠረሎም ምትእስሳር ልምምድ ስራሕ ዛዚሞም ናብ መፍራያይነትን ዋንነት ስራሕን ተሰጋጊሮም እዮም ክብላ ገሊጸን።
መንግስቲ ክልል ሃረሪ ንበዓል ሹዋሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ
Mar 26, 2026 359
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 17/2018 (ኢዜኣ)፦መንግስቲ ክልል ሃረሪ ንበዓል ሹዋሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብጸሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡ ዓምድታት ሓድነት ህዝብታት ካብ ዘጎልብቱ ባህላዊ በዓላት ኣብቲ ክልል ብድምቀት ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ፡፡ ናይዚ ዓመት በዓል ሹዋሊድ ኣብቲ ክልል ሕብረ ብሄራውነትን ሓድነትን ብዘርእን ልምዓትን ዕብየትን ብዘጠናኽርን መልክዑ ብዱሙቕ ምድላዋት ከም ዝኽበር እውን ገሊፁ፡፡ እቲ ባህላዊ በዓል ምክእኣል፣ ዓምድታት ሓድነትን ሰላምን ብፍላይ ከዓ ዓውዲ ቱሪዝም ብምጉልባት ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ኣመላኺቱ፡፡ ናይዚ ዓመት በዓል ሹዋሊድ ብዕዉት መገዲ ንምኽባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጠ ከም ዝፀንሐ ዝገለፀ መንግስቲ እቲ ክልል፤ ኣብዚ እዋን እቲ በዓል ብድሙቕ ንምኽባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብቲ በዓል ታሪኽን ባህልን እቲ ክልል ዘፋልጡ ምድላዋት ብመንፈስ ሕውነት ንዕዱማት ክቐርቡ እዮም እውን ኢሉ፡፡ ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ክልል ሃረሪ በዓል ሹዋሊድ ሓድነት፣ ሰላምን ሕውነትን ዘጠናኽር በዓል ንኽከውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡
መናእሰይ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብልፅግና ብምርግጋፅ ዕድል መፃኢኦም ባዕሎም ክውስኑ ትፅቢት ይግበረሎም - ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)
Mar 26, 2026 223
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 17/2018(ኢዜኣ)፦ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብልፅግና ብምርግጋፅ ዕድል መፃኢኦም ባዕሎም ክውስኑ ከም ዝግባእ ሚኒስትር ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡ "ካብ ፖሊሲ ናብ ተግባር ንሰላምን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን መፍትሒ ምቅልጣፍ " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሻድሻይ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ መናእሰይ ዩዝ ኮኔክት ኣፍሪካ ኢኒሼቲቭ ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ሚንስትር ኤርጎጌ ተስፋዬን (ዶ/ር) ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራት ኣፍሪካን መናእሰይ እቲ ኣህጉርን ተሳቲፎም፡፡ እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ዩዝ ኮኔክት ኣፍሪካ ኢኒሼቲቭ ሕድሕዳዊ ምትእስሳር መናእሰይ እቲ ኣህጉር እናጠናኸረ እዩ ኢለን፡፡ መናእሰይ ኣፍሪካ ክእለትን ፍልጠትን ፈጠራኦም ንኩለመደያዊ ዕብየት እቲ ኣህጉር በርቲዖም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን፡፡ መፃኢ ዕድል እቲ ኣህጉር ናብ ዝሓሸ ዕድል ንምስግጋር ሞተርነት ለውጢ መናእሰይ ዘሳልጥ ፍልጠትን ክእለትን ክላበሱ ከምዝግብኦም ተዛሪበን፡፡ መበል 6ይ ኮንፈረንስ ዩዝ ኮኔክት ኣፍሪካ ኢኒሼቲቭ እውን ፍልጠትን ክእለትን መናእሰይ እቲ ኣህጉር ኣብ ምዕባይን ሕድሕዳዊ ምትእስሳር መናእሰይ ኣብ ምጥንኻርን ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፅላል መናእሰይ ኣፍሪካ ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢረን፡፡ መናእሰይ ኣፍሪካ እውን ኣህጉራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን መፃኢ ዕድሎም ባዕሎም ንምውሳንን ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ድሉዋት ክኾኑ ከምዘለዎም መኺረን፡፡
ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ፃዕርታት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ- ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
Mar 24, 2026 168
ኣርባ ምንጭ/መጋቢት 15/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ፃዕርታት ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም፡፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ሚኒስቴር ፍትሕን ኣብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገንዘንብ ናውትን ገይሮም፡፡ ኣብቲ ስፍራ ተረኺቦም ደገፍ ዝገበሩ ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር፤ በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ነዚ እውን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ሓገዝ 3 ሚሊዮን ብር ከም ዝገበረ ብምግላፅ፤ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣበርክቶኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ንሓደጋታት ዝተዋደደን ዝተወደበን ዓቕሚ ቅድመ ጥንቃቐ፣ምክልኻልን ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብን ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ ኣብቲ ዞባ ብምኽንያት ምድርማስ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ምድጋፍን ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽን ጻዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእን ኣብ ቀፃሊ እውን ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎን ኣገንዚቦም፡፡ ሚኒስቴር ፍትሕን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ብተመሳሳሊ ንጉድኣት ደገፍ 3 ሚሊዮን ብርን ዓይነትን ገይሮም፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሚኒስቴር ፍትሕን ንዝገበርዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም። መንግሥቲ እቲ ክልል ጉዱኣት ብዘላቕነት ንምጥያሽ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ተመሳሳሊ ጉድኣት ከየጋጥም ብዝተዋደደ መልክዑ ጻዕርታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊጾም፡፡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ደምስ ኣድማሱ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቶም ትካላት ንዝገበርዎ ድጋፍ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃቦም ሃፍቲ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ክውዕል ዘኽእሉ ደንብታትን መምርሕታትን ተዳሊዎም
Mar 23, 2026 284
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 14/2018 (ኢዜኣ) ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃቦም ሃፍቲ ብኣግባቡ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ክውዕል ዘኽእሉ ደንብታትን መምርሕታትን ከም ዝተዳለዉ ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ገሊፆም። ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ዙርያ መምርሒ ኣመዳድባ ኣመራርሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣መምርሒ ስግግር ዓርሰ ምሕደራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግሥቲ፣ደገፍ ጥሙር በጀት ዓርሰ ምሕደራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግሥቲ ምስ ፕሬዚዳንትታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን መድረኽ ዘተ ኣዳሊዉ። ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መንግሥቲ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ግልፂ ዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ምርግጋፅ ዘኽእል ሪፎርም ገይሩ እዩ። እዚ ድማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1151/2011 ላዕለዋይ ትምህርቲ ብዝተውሃቦ ስልጣን ብሞይኦም ዝሰልጠኑ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎም ኣመራርሓ ትምህርቲ ናብ ስራሕ ምምፃእ ዘኽእል ኣሰራርሓ እዩ ኢሎም። እቶም ደንብታትን መምርሕታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃቦም ሃፍቲ ብኣግባቡ ምምሕዳርን ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ምውዓልን ዘኽእሉ ከም ዝኾኑ እውን ተዛሪቦም። ፕሬዚዳንትታትን ምክትል ፕሬዚዳንትታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝምረፅሉ መምርሒ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ፍልጠትን ልምድን መሰረት ዝገበረ ሰነድ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ክብረ በዓል ሹዋሊድ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር እዩ
Mar 21, 2026 609
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 12/2018 (ኢዜኣ) ክብረ በዓል ሹዋሊድ ሰላም፣ሕብረትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽር መልክዑ ከም ዝኽበር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ክልል ሃረሪ ኣፍሊጡ። ኣከባብራ በዓል ሹዋሊድ ካብ 25 ሕዳር 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ዩኔስኮ) ዘይድሕሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑተመዝጊቡ እዩ። ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ "ሹዋሊድ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ዕቤት ቱሪዝምናን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ። እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፅኦ መግላፂ፤ ፍሉይ መግለፂ ህዝቢ ሃረሪ ዝኾነ በዓል ሹዋሊድ በዓል ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ መግለፂ ማሕበራውን ምጣነ ሃፍታውን ፀጋ ህዝቢ ሃረሪ ከምዝኾነ ገሊፁ። ኣከባብራ እቲ በዓል ፀጋ ሕብረት ህዝብታት ሃገርና እናጠናኸረ ካብ ዝርከቡ በዓላት እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቕ ክፋል ሃገርና ምልላይ ባህሊ ብምፍጣር ምትእስሳር ህዝብታት ኣብ ምጥንኻር ሃናፂ እጃም እናበርከተ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ኣከባብራ ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ እውን ሰላም፣ሕብረትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽር መልክዑ ንምኽባር ኣድላይ ምድላው እናተገበረ ከም ዝርከብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Mar 20, 2026 414
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 11/2018(ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም። እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍቕርን ምትሕስሳብን በዓል ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።