ማሕበራዊ
 3 ቢሊየን ብር ዝቀራረብ  ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና – ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ
Apr 15, 2024 27
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/7/ 2016 /ኢዜአ/ 3 ቢሊየን ብር ብዝቀራረብ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ኣብ ቀረብን ፅሬትን ትካላት ጥዕና እናተሰርሐ ብዘሎ ሰፊሕ ስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን ፅቡቕ ምምሕያሽ እናተርአየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ቀረብ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን፣ ምምሐዳር ሓይሊ ሰብ፣ ደረጃ ትካላት ጥዕና ምዕባይን ዘለዉ ብምሕዳስን ለውጢ ከምዝተረኸበ እውን ኣልዒሎም። “ኢማጂንግ ሴንተር” ብዝተባህለ ኢኒሼቲቭ 11 ክላስተር ስራሕ ንዝተወደቡ ሆስፒታላት ከም ሲቲ ስካን ዝበሉ ዓበይቲ፣ ክባራትን ወሰንቲን መሳርሒታት ሕክምና ምምላእ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡ ናብ 3 ቢሊየን ብር ብዝፅጋዕ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዘየቋርፅ ቀረብ አፋውስ ንምርግጋፅ ብዝተትሓዘ ትልሚ ሞዴል ፋርማሲታት ማሕበረሰብ 457 ምብፃሕ ክኢልና” ኢሎም፡፡ ቁፅሪ ኣባላት መድሕን ጥዕና ሕብተሰብ ናብ 27 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከምዝዓበየ እውን ገሊፆም።
ፋና ላምሮት ሃገር ለኸ ብርሃን ሽምዓ ፌስቲቫል ኪነጥበበን ባህልን ኣብ ዝኾነሉ ኣገባብ ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ኢዩ- ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው
Apr 13, 2024 31
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/5/ 2016 /ኢዜአ/ፋና ላምሮት ሃገር ለኸ ብርሃን ሽምዓ ፌስቲቫል ኪነጥበበን ባህልን ኣብ ዝኾነሉ ኣገባብ ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ 12 ሰሙናት ኣብ መንጎ 16 ተወዳደርቲ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ፋና ላምሮት፥ ሎሚ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ብዝካየድ ዘሎ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ክዛዘም ኢዩ። ኣብቲ መድረኽ ብምርካብ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ፥ ፋና ላምሮት ብቐጥታ ፈነወ ብሞያዊያንን ህስብን ዝተዳነየ ታሪካዊ ውድድር ሰብ ውህብቶ ናይገዛእ ርእሱ ድሙቕ ኣሰር ብፉሉይ ኣንቢሩኢዩ ኢሎም። ፋና ላምሮት ዕድል ንዘይረኸቡ ዕድልን ተስፋን ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ሓዱሽ ናይ ሙዚቃ ትውልዲ ብምፍላጥን ናብቲ ኢንዱስትሪ ብምእታውን ናይ ባዕሉ ኣሰር ብምንባር ዝዘልቕ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም። ሙዚቃ ስምዒት ደቂ ሰባት ኣብ ምልዕዓልን ንባዕልኻ ናይ ምግላፅ ክእለትን መማዕበሊ ዝኾነ ምግቢ ስነ ልቦና ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ክብሪ ንዝግበኦ ክብሪ እናሃበ ትውልዲ ክብሪ ንክህልዎ መርኣዪን መድመቒን ሜዳ ብምፍጣርን ጥበብ ኣብ ውሽጢ ትውልዲ ሃገር ብምዃን ሃገር ንክሃንፅ ምስራሕ ፈላማይ ዕላምኡ ኢዩ ኢሎም። ብመሰረት እዚ ላምሮት ዝተብሃለ መኣዲ ብምቕራብ በቢሰሙኑ ሙዚቃ እናኣንገደን በቢምዕራፉ ኮኾባት ሰብ ሙያ እናፍረየን ባህጊ ሙዚቃ ዘማልኡ ውድድራት ንተዓዘብቲ ምቕራቡ ብምቕፃል መበል ራብዓይ ምዕራፍ መድረኽ መብፅሑ ኣገንዚቦም። ፋና ላምሮት ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ፃንሒቱ ምልክት ፋና፣ ናይ ውድድራት ኩሎም ላዕለዋይ ብምዃን ምዝላቑ ናይ ኣድመፅትን ተመልከትቲን ቅኑዕ ዳይነት፣ ናይ ተፃወትቲ ሙዚቃን ዳያኑን ሓዊሱ ናይ መላእ ቤተሰብ ጥበብ ተሳትፎ ውፅኢት ከምዝኾነ ብኣኽብሮት ገሊፆም። እቲ ሙዚቃ ፍቕሪ ሃገር ካብ ቃል ንላዕሊ ብተግባር ዘርኣዩን ብስርሖም ካብ ኮባኽብቲ ንላዕሊ ዘብርሁ ዝኸበሩ ሰብ ሙያታት ከምዘበርከተ እውን ሓቢሮም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ቀፃሊ ካብ መሀደሲ ኢንዱስትሪ ብተወሳኺ ሓበሬታን ፍልጠትን ዘጨብጡ ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ሚዲያ ብምስንዳእ ከምዘቕርብ ተዛሪቦም።
14 ሚልዮን መናእሰይ ኣብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክሳተፉ ብምግባር ንህንፀት ሃገርን ህዝብን ዝጠቕሙ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም
Apr 13, 2024 30
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2016 (ኢዜኣ) 14 ሚልዮን መናእሰይ ኣብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክሳተፉ ብምግባር ንህንፀት ሃገርን ህዝብን ዝጠቕሙ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ። ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ መናእሰይ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዘላቒ ንምግባርን ማሕበር ሰናይ ፍቓድ መናእሰይ ብምጥያሽ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣሰራርሓ እናተዳለወ ምዃኑ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስቴር ሰላም መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ገመቺሳ ቲቻ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣርን ዘላቒ ህንፀት ሰላም ኣብ ምጥንኻርን መናእሰይ ኣስተዋፅኦ ንክገብሩ ዘኽእል ዓላማ ሒዙ ኣብ 2013 ዓ/ም እዩ ጀሚሩ። መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ ብምስታፍ ምስቲ ማሕበረሰብ ምትእስሳር ንክፈጥሩ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሓባራውነትን ንከጠናኽሩ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም። ክሳብ ሕዚ መናእሰይ ኣብ 8 ዙራት ብምስልጣን ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፤ መናእሰይ ንብሄራዊ ምርድዳእ እጃሞም ንክዋፅኡን ስምዒት ፍቕሪ ሃገሮም ንክጠናኸርን ከምዘኽኣለ ከም ኣብነት ኣረዲኦም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊነን
Apr 13, 2024 25
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2016 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 74.6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊነን። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣብ ውሽጢ ጫካ ንምንባር ኣብ ዘይምችዉ ቦታታት እናነበራ ንዝነበራ ኣዶታትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ዘህነፆም መንበሪ ኣባይቲ ጉለሌ 44 ገዛውቲ በምግዛእ ደገፍ ገይሩ። ካብቶም ደገፍ ዝገበሩ ኣካላት፦ 1. ቲ ኤን ቲ ኮንስትራክሽን - ብ16.8 ሚሊዮን ብር ዓሰርተ ስቱዲዮ 2. ቶኩማ ስታር ቢዝነስ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ክልተ ስቱዲዮን ክልተ በዓል ሓደ መደቀስን 3. መሃመድ ሱጃጃ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ 4. ጌታመሳይ ዘመድኩን - ብ8.5 ሚሊዮን ሓሙሽተ ስቱዲዮ 5. ኤም ደብልዩ ኣስ ትሬዲንግ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ 6. ጀኔራል ትሬዲንግ ቲ ኤፍ ጂ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ 7. ኖህ ሪል ስቴት- ብ5.3 ሚሊዮን ብር ክልተ በዓል ሓደ መደቀሲ መንበሪ 8. ዲሪባ ደፈርሻ - ብ4.2 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮን ሓደ በዓል ሓደ መደቀስን 9. ማህደር ገብረመድህን ኃ/የተ/የግ/ ኩባኒያ - ብ4.2 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮን ሓደ በዓል ሓደ መደቀስን 10. ኣኮርዲያ ኢንቨስትመንት ግሩፕ- ብ1.6 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮ ደገፍ ምግባሮም ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን። ̎እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ብሓፈሻ 74.6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ስለዘወፈዩ የመስግን̎ ኢለን። ኣብ ቀፃሊ እውን ደገፍ ንምግባር ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ እጃምሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገይራ
Apr 11, 2024 25
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/3/ 2016 /ኢዜአ/ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገንዘብ ገይራ። ሓላፊት እቲ ሊግ እሌኒ ዓባይ፥ ሊግ ደቂ ኣኒስትዮ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮ ንምርግጋፅን ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ኲናት ሰሜን ጉድኣት ዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ንምድጋፍ “ሓደ ሰድራ ንሓደ ስድራ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣታዊ ብምትእኽኻብ ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ድጋፍ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺረን። ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ ንምፍታሕን ሰላም ንምርግጋፅን ከምዝተሰርሐ ብምግላፅ፥ “ሰላም ኢትዮጵያ ክሕሊ ኢየ፣ ንደቀይ ልምዓት ከውርስ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢረን። ካብ መንጎ እቲ ዝተኣከበ ኣስታት 6 ሚሊየን ብር ንቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ክልል ኣምሓራ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።
ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Apr 9, 2024 20
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/1/ 2016 /ኢዜአ/ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም÷ “ሓቢርካ ጠጠው ናይ ምባልን ምትሕስሳብን ባህልና ብምጥንኻር ሓድነትና ክነጎልብት ይግባእ ክብሉ አረዲኦም። ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ወርሒ ረመዳን እናገበሩዎ ዝፀንሑ ተግባር እዝነት ክቕፅለሉ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ዒድ ኣል-ፈጥር ህዝበ ሙስሊም ናይ ኩሎም ሰናይ ስራሕቲ ዝኾነ ወርሒ ረመዳን ብምፍናው፣ ፆም ብምፍጣር ብሓጎስ፣ ብምትሕስሳብን ብምትሕዝዛንን ዘኽብሮ በዓል ከምዝኾነ በምግላፅ፤ እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም። ህዝበ ሙስሊም ኣብ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ግዴታኡ ብግቡእ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም። በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ናይ ምትሕስሳብ፣ ምትሕትታት፣ ምርድዳእን ናይ ምትሕብባርን በዓል ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኢዮም፡፡ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ቅዱስን ዓብዪ ወርሒ ረመዳንን ንኢትዮጵያ ሰላምን ፀጋን፣ ንህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ወርሒ ሙሉእ ብፆምን ዱዓን አሕሊፉ ካብ ፈጣሪ እዝነትን በረከትን ዝቅበለሉ ፍሉይ ዕለት ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም