ማሕበራዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራዊ
ናይ ሎሚ ዘመን በዓል ሹዋሊድ “ሹዋሊድ ንሕብረብሄራዊ ሓድነትናን ንዕብየት ቱሪዝምናን” ብዝብል ቴማ ክኽበር 'ዩ
Apr 16, 2024 15
አዲስ አበባ/ሚያዚያ/8/2016/ኢዜአ/ ከምቕርሲ ዓለም ብዩኔስኮ ዝተመዝገበን ኣብ ሃረሪ በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበርን በዓል ሹዋሊድ ክኽበር 'ዩ። እዚ በዓል “ሹዋሊድ ንሕብረብሄራዊ ሓድነትናን ንዕብየት ቱሪዝምናን” ብዝብል ቴማ ኣብ ክልል ሃረሪ ሚኒስትራት፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኻልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ክኽበር 'ዩ። በዓል ሹዋሊድ ሎሚዓመት ብዩኔስኮ ከምቕርሲ ዓለም ኾይኑ ድሕሪ ምምዝጋቡ ዝኽበር ብምዃኑ መንግስቲ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝገበረ ተፈሊጡ። ኣብቲ በዓል ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር መፅናዕቲ ዝተገበረሉ ኖታ ሙዚቃ ብሄረሰብ ሃረሪ ቐሪቡ ዘተ ከምዝግበረሉን ኻልኦት መርሃ ግብርታት ከምዝሳለጡን ተሓቢሩ።
3 ቢሊየን ብር ዝቀራረብ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና – ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ
Apr 15, 2024 27
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/7/ 2016 /ኢዜአ/ 3 ቢሊየን ብር ብዝቀራረብ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ኣብ ቀረብን ፅሬትን ትካላት ጥዕና እናተሰርሐ ብዘሎ ሰፊሕ ስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን ፅቡቕ ምምሕያሽ እናተርአየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ቀረብ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን፣ ምምሐዳር ሓይሊ ሰብ፣ ደረጃ ትካላት ጥዕና ምዕባይን ዘለዉ ብምሕዳስን ለውጢ ከምዝተረኸበ እውን ኣልዒሎም። “ኢማጂንግ ሴንተር” ብዝተባህለ ኢኒሼቲቭ 11 ክላስተር ስራሕ ንዝተወደቡ ሆስፒታላት ከም ሲቲ ስካን ዝበሉ ዓበይቲ፣ ክባራትን ወሰንቲን መሳርሒታት ሕክምና ምምላእ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡ ናብ 3 ቢሊየን ብር ብዝፅጋዕ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዘየቋርፅ ቀረብ አፋውስ ንምርግጋፅ ብዝተትሓዘ ትልሚ ሞዴል ፋርማሲታት ማሕበረሰብ 457 ምብፃሕ ክኢልና” ኢሎም፡፡ ቁፅሪ ኣባላት መድሕን ጥዕና ሕብተሰብ ናብ 27 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከምዝዓበየ እውን ገሊፆም።
ፋና ላምሮት ሃገር ለኸ ብርሃን ሽምዓ ፌስቲቫል ኪነጥበበን ባህልን ኣብ ዝኾነሉ ኣገባብ ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ኢዩ- ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው
Apr 13, 2024 31
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/5/ 2016 /ኢዜአ/ፋና ላምሮት ሃገር ለኸ ብርሃን ሽምዓ ፌስቲቫል ኪነጥበበን ባህልን ኣብ ዝኾነሉ ኣገባብ ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ 12 ሰሙናት ኣብ መንጎ 16 ተወዳደርቲ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ፋና ላምሮት፥ ሎሚ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ብዝካየድ ዘሎ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ክዛዘም ኢዩ። ኣብቲ መድረኽ ብምርካብ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ፥ ፋና ላምሮት ብቐጥታ ፈነወ ብሞያዊያንን ህስብን ዝተዳነየ ታሪካዊ ውድድር ሰብ ውህብቶ ናይገዛእ ርእሱ ድሙቕ ኣሰር ብፉሉይ ኣንቢሩኢዩ ኢሎም። ፋና ላምሮት ዕድል ንዘይረኸቡ ዕድልን ተስፋን ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ሓዱሽ ናይ ሙዚቃ ትውልዲ ብምፍላጥን ናብቲ ኢንዱስትሪ ብምእታውን ናይ ባዕሉ ኣሰር ብምንባር ዝዘልቕ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም። ሙዚቃ ስምዒት ደቂ ሰባት ኣብ ምልዕዓልን ንባዕልኻ ናይ ምግላፅ ክእለትን መማዕበሊ ዝኾነ ምግቢ ስነ ልቦና ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ክብሪ ንዝግበኦ ክብሪ እናሃበ ትውልዲ ክብሪ ንክህልዎ መርኣዪን መድመቒን ሜዳ ብምፍጣርን ጥበብ ኣብ ውሽጢ ትውልዲ ሃገር ብምዃን ሃገር ንክሃንፅ ምስራሕ ፈላማይ ዕላምኡ ኢዩ ኢሎም። ብመሰረት እዚ ላምሮት ዝተብሃለ መኣዲ ብምቕራብ በቢሰሙኑ ሙዚቃ እናኣንገደን በቢምዕራፉ ኮኾባት ሰብ ሙያ እናፍረየን ባህጊ ሙዚቃ ዘማልኡ ውድድራት ንተዓዘብቲ ምቕራቡ ብምቕፃል መበል ራብዓይ ምዕራፍ መድረኽ መብፅሑ ኣገንዚቦም። ፋና ላምሮት ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ፃንሒቱ ምልክት ፋና፣ ናይ ውድድራት ኩሎም ላዕለዋይ ብምዃን ምዝላቑ ናይ ኣድመፅትን ተመልከትቲን ቅኑዕ ዳይነት፣ ናይ ተፃወትቲ ሙዚቃን ዳያኑን ሓዊሱ ናይ መላእ ቤተሰብ ጥበብ ተሳትፎ ውፅኢት ከምዝኾነ ብኣኽብሮት ገሊፆም። እቲ ሙዚቃ ፍቕሪ ሃገር ካብ ቃል ንላዕሊ ብተግባር ዘርኣዩን ብስርሖም ካብ ኮባኽብቲ ንላዕሊ ዘብርሁ ዝኸበሩ ሰብ ሙያታት ከምዘበርከተ እውን ሓቢሮም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ቀፃሊ ካብ መሀደሲ ኢንዱስትሪ ብተወሳኺ ሓበሬታን ፍልጠትን ዘጨብጡ ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ሚዲያ ብምስንዳእ ከምዘቕርብ ተዛሪቦም።
14 ሚልዮን መናእሰይ ኣብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክሳተፉ ብምግባር ንህንፀት ሃገርን ህዝብን ዝጠቕሙ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም
Apr 13, 2024 30
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2016 (ኢዜኣ) 14 ሚልዮን መናእሰይ ኣብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክሳተፉ ብምግባር ንህንፀት ሃገርን ህዝብን ዝጠቕሙ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ። ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ መናእሰይ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዘላቒ ንምግባርን ማሕበር ሰናይ ፍቓድ መናእሰይ ብምጥያሽ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣሰራርሓ እናተዳለወ ምዃኑ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስቴር ሰላም መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ገመቺሳ ቲቻ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣርን ዘላቒ ህንፀት ሰላም ኣብ ምጥንኻርን መናእሰይ ኣስተዋፅኦ ንክገብሩ ዘኽእል ዓላማ ሒዙ ኣብ 2013 ዓ/ም እዩ ጀሚሩ። መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ ብምስታፍ ምስቲ ማሕበረሰብ ምትእስሳር ንክፈጥሩ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሓባራውነትን ንከጠናኽሩ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም። ክሳብ ሕዚ መናእሰይ ኣብ 8 ዙራት ብምስልጣን ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፤ መናእሰይ ንብሄራዊ ምርድዳእ እጃሞም ንክዋፅኡን ስምዒት ፍቕሪ ሃገሮም ንክጠናኸርን ከምዘኽኣለ ከም ኣብነት ኣረዲኦም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊነን
Apr 13, 2024 25
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2016 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 74.6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊነን። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣብ ውሽጢ ጫካ ንምንባር ኣብ ዘይምችዉ ቦታታት እናነበራ ንዝነበራ ኣዶታትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ዘህነፆም መንበሪ ኣባይቲ ጉለሌ 44 ገዛውቲ በምግዛእ ደገፍ ገይሩ። ካብቶም ደገፍ ዝገበሩ ኣካላት፦ 1. ቲ ኤን ቲ ኮንስትራክሽን - ብ16.8 ሚሊዮን ብር ዓሰርተ ስቱዲዮ 2. ቶኩማ ስታር ቢዝነስ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ክልተ ስቱዲዮን ክልተ በዓል ሓደ መደቀስን 3. መሃመድ ሱጃጃ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ 4. ጌታመሳይ ዘመድኩን - ብ8.5 ሚሊዮን ሓሙሽተ ስቱዲዮ 5. ኤም ደብልዩ ኣስ ትሬዲንግ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ 6. ጀኔራል ትሬዲንግ ቲ ኤፍ ጂ - ብ8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ 7. ኖህ ሪል ስቴት- ብ5.3 ሚሊዮን ብር ክልተ በዓል ሓደ መደቀሲ መንበሪ 8. ዲሪባ ደፈርሻ - ብ4.2 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮን ሓደ በዓል ሓደ መደቀስን 9. ማህደር ገብረመድህን ኃ/የተ/የግ/ ኩባኒያ - ብ4.2 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮን ሓደ በዓል ሓደ መደቀስን 10. ኣኮርዲያ ኢንቨስትመንት ግሩፕ- ብ1.6 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮ ደገፍ ምግባሮም ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን። ̎እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ብሓፈሻ 74.6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ስለዘወፈዩ የመስግን̎ ኢለን። ኣብ ቀፃሊ እውን ደገፍ ንምግባር ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ እጃምሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ መፅንሒ ኣረጋዊያንን ማእኸል ሕክምና ህፃናትን ዑደት ኣሳሊጦም
Apr 13, 2024 25
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/5/ 2016 /ኢዜአ/ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ መፅንሒ ኣረጋዊያንን ማእኸል ሕክምና ህፃናትን ዑደት ኣሳሊጦም። ብተወሳኺ ኣብ ሆስፒታል ኢትዮ-ኢስታንቡል ዑደት ከምዝገበሩ ተገሊፁ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሐጂ ኢብራሂም ቱፋ፣ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌልን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ብርሃን ተድላ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝመፅኡ ፀገም ልቢ ዘለዎም ህፃናት ናፃ ሕክምና ልቢ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፆም። ብመሰረት እዚ ህይወት ህፃናት ኣብ ምድሓን ከምዝርገብ ኣብሪሆም።
ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ከባቢ እንጦጦ ዝተሰርሐ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ጉሌሌ ተመሪቑ
Apr 13, 2024 23
አዲስ አበባ/ሚያዚያ/5/2016/ኢዜአ/ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ከባቢ እንጦጦ ንዝተሰርሐ ዝተዋደደ ልምዓት ጉለሌ ሎማዓንቲ ብምምራቕ ንአግልጋሎት ኽፍቲ ገይረን። እቶም ፕሮጀክትታት ብዋናነት ኣብቲ ከባቢ ዕንፀይቲ ብምእራይ ንዝመሓደሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን ኣብ ሓፂር ግዜ ውሽጢ ተጀሚሮም ዝተዛዘሙን ስራሕቲ ልምዓት 'ዮም። ዝተዋደደ ልምዓት ጉለሌ ኣብ ውሽጡ:-ጉለሌ መንበሪ ቑሸት፤ ማእኸል እንጀራ ጉለሌ፤ ጉለሌ ማእኸል ፀባ ከምኡ እውን ማእኸል ምገባ ይርከቦ። ብሓፈሻ ኣብ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ንሓደ ሽሕን 533 ነበርቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም።
ዝኸሪ ዓዎት ዓድዋ ተርሚናል አውቶብስን ፕላዛታት ዓድዋን ንአገልግሎት ህዝቢ ክፉት ኮይኑ -- ከንቲባ አዳነች አቤቤ
Apr 12, 2024 29
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/4/ 2016 /ኢዜአ/ዝኸሪ ዓዎት ዓድዋ ተርሚናል አውቶብስን ፕላዛታት ዓድዋን ንአገልግሎት ህዝቢ ክፉት ከምዝኮነ ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ አፍሊጡ። እቲ ተርሚናል ተገልገልቲ ካብ ፀሓይን ዝናብን ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ድሕንነት ተሳፈርቲ ብዝበለፀ ንምሕላው ዘኽአል ካሜራ ድሕንነት ዝተገጠመሉን መዕረፊ ሰባት ዘለዎን ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳናች ኣቤቤ ኣብሪሀን። እቶም ፕላዛታት እውን ነባሪ እታ ከተማ ከንደይ ዝኣክል ሓበራዊ መገልገሊታትን መዘናግዕታትን ከምዝደሊ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፀን። ከፊሎም ምእታው ዘይኽእሉ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ነበርቲ እታ ከተማ ከምዚ ኣብ ዝበሉ ሓበራዊ መገልገሊታት ነክህደሱን ክጥቀሙን እንተለዉ ምርኣይ ከምዘሐጉስ ተዛሪበን።
ኣድስ ኣበባና ንዝኾነ ይኹን ዘትርሕቐ ናይ ኩላህና ከተማ ኢያ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Apr 11, 2024 21
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/3/ 2016 /ኢዜአ/ኣድስ ኣበባና ንዝኾነ ይኹን ዘይተርሕቐ ናይ ኩላህና ከተማ ኢያ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፥ ብልምዓት ኮሪደርን መሊስካ ምልማዕን ዝተልዓሉ ነበርቲ ሓዱሽ ኣብ ዝኣተውዎ መንበሪ ኣባይቲ ኣስቤዛ ባዓል ሒዝና ርእይናዮም ኢለን። እቶም ነበርቲ ኣብ ዝተተከአሎም መንበሪ ኣባይቲ ማሕበራዊ ዝምድነኦም ሓሊዮም ከይተበታተኑ ተመሳሳሊ ናይ መንበሪ ከባቢን ህንፃን ከምዝተረኸቡ ሓቢረን። እቶም ነበርቲ ዝሓሸ ኣነባብራ፣ ዝተማልአ መንበሪ ኣባይቲ፣ ፁሩይ ዝስተ ማይ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ጣቢያ ጥዕና ከምኡውን ንቆልዑ መፃወቲ ዝኸውን ቦታታት ብምርካቦም ከምዝተሓጎሱ ተዛሪቦሙና ኢለን።
ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገይራ
Apr 11, 2024 25
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/3/ 2016 /ኢዜአ/ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ድጋፍ ገንዘብ ገይራ። ሓላፊት እቲ ሊግ እሌኒ ዓባይ፥ ሊግ ደቂ ኣኒስትዮ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮ ንምርግጋፅን ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ኲናት ሰሜን ጉድኣት ዘጋጠመን ደቂ ኣኒስቲዮ ንምድጋፍ “ሓደ ሰድራ ንሓደ ስድራ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣታዊ ብምትእኽኻብ ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ድጋፍ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺረን። ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ ንምፍታሕን ሰላም ንምርግጋፅን ከምዝተሰርሐ ብምግላፅ፥ “ሰላም ኢትዮጵያ ክሕሊ ኢየ፣ ንደቀይ ልምዓት ከውርስ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢረን። ካብ መንጎ እቲ ዝተኣከበ ኣስታት 6 ሚሊየን ብር ንቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ክልል ኣምሓራ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።
ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት
Apr 11, 2024 23
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/3/ 2016 /ኢዜአ/ ዓው ዝበለ ምሕርናኽ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ “obstructive sleep aponia (OSA)” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ምዝባዕ ድቃስ ዝተሓሓዝ እንትኸውን ኣብዚ ግዜ ምስትንፋስ ጠጠው ከም ዝብልን እዚ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ ከም ዘጋጥምን ሰብ ሞያ ይገልፁ። እዚ ምዝባዕ፥ መንደቕ ጕሮሮና ክዛነን ክፀብብን ብምግባር ንቡር ምስትንፋስ ብምቁራፅ ዋሕዲ ኦክስጅን የስዕብ። ስለዝኾነ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት እዞም ዝስዕቡ ምዃኖም ሰብ ሞያ ይምዕዱ። ክብደት ሰብነት ምጉዳል፣ ብጐድኒ ምድቃስ፣ ቅድሚ ምድቃስካ ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ ከምኡ’ውን ምዕሩይ ድቃስ ምልምማድ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ መሜላታት ኢዮም ይብሉ። ምሕርናኽ ደው እንተዘይኢሉ ግን፥ ምልክት ምቍራፅ ምስትንፋስ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንበዓል ሞያ ጥዕና ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ኣብ ክልል ሃረሪ መበል 1445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብድምቀት ተኸቢሩ
Apr 10, 2024 29
አዲስ አበባ/ሚያዝያ/2/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ሃረሪ መበል 1445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ከተማ ሃረር ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት እናተኸበረ ይርከብ። ኢማም መስጊድ ጁምዓ ሃረሪ ሼኽ ሙክታር ሙባረክ ህዝበ እስልምና ነቲ በዓል እቲ ሃይማኖት ብዝአዘዞ መሰረት ንፅጉማት ወገናት ብምድጋፍን ሕብረት ብምጥንኻርን ምሕላፍ ይግባእ ኢሎም። ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንክጠናኸር ትኩረት ሂብካ ምንቅስቓስ ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Apr 9, 2024 20
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/1/ 2016 /ኢዜአ/ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም÷ “ሓቢርካ ጠጠው ናይ ምባልን ምትሕስሳብን ባህልና ብምጥንኻር ሓድነትና ክነጎልብት ይግባእ ክብሉ አረዲኦም። ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ወርሒ ረመዳን እናገበሩዎ ዝፀንሑ ተግባር እዝነት ክቕፅለሉ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ዒድ ኣል-ፈጥር ህዝበ ሙስሊም ናይ ኩሎም ሰናይ ስራሕቲ ዝኾነ ወርሒ ረመዳን ብምፍናው፣ ፆም ብምፍጣር ብሓጎስ፣ ብምትሕስሳብን ብምትሕዝዛንን ዘኽብሮ በዓል ከምዝኾነ በምግላፅ፤ እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም። ህዝበ ሙስሊም ኣብ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ግዴታኡ ብግቡእ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም። በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ናይ ምትሕስሳብ፣ ምትሕትታት፣ ምርድዳእን ናይ ምትሕብባርን በዓል ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኢዮም፡፡ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ቅዱስን ዓብዪ ወርሒ ረመዳንን ንኢትዮጵያ ሰላምን ፀጋን፣ ንህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ወርሒ ሙሉእ ብፆምን ዱዓን አሕሊፉ ካብ ፈጣሪ እዝነትን በረከትን ዝቅበለሉ ፍሉይ ዕለት ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
መበል 1445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንትኽበር ብምትሕግጋዝ ክኸውን ኣለዎ -ሸኽ ኣደም ዓ/ቃድር
Apr 9, 2024 17
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዚያ/1/ 2016 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓ/ቃድር መበል 1445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ማሕበረሰብ ሙስሊም መበል 1445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንትኽበር ዘለዎ ንዘይብሉ ብምክፋል ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊፆም። ዋና ቃዲ ሸሪዓ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ሸኽ መሓመድ ኣሚን ሙስጦፋ ብግደኦም፥ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር ሰዓቢ እምነት እስልምና ኣብ ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ንዝተፀገሙ ወገናትና ብምሕጋዝ ከብዕሎ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ብምድጋፍ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ንክኽበር ፃውዒት ቀሪቡ።