ፖለቲካ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዕዉት ከይዲ መረፃ ካብታ ሃገር ብዝዘለለ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ-ኡሁሩ ኬንያታ
Jun 1, 2026 42
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 24/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዕዉት ከይዲ መረፃ ካብታ ሃገር ብዝዘለለ ዓብይ ትርጉም ከም ዝህልዎ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ኡሁሩ ኬንያታ ገሊፆም። መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ብነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ (AUEOM) ምድላው ፈፀምትን ከይዲ ኣወሃህባ ድምፅን እናተዓዘበ እዩ ዝርከብ። ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ እዋን ትዕዝብቲ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ መረፃታት ኣብ መላእ ኣፍሪካ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ንምጥንኻር ዘለዎም ረብሓ ኣብራህሪሆም። ድምፂ ምሃብ ማለት ዜጋታት ተወከልቶምን መራሕቶምን ንምምራፅ ዘለዎም ዲሞክራሲያዊ መሰል ዝለማመድሉ ከይዲ እዩ ኢሎም። ዋላ ኳ ከይድታት ዲሞክራሲ ፈተናታት ከጋጥምዎም እንተኸኣሉ ሕድ ሕድ መረፃ ምምሕያሽ ንምምፃእን ዲሞክራሲ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ምችው ኣጋጣሚ ከም ዝፈጥር ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ፍልይቲ ዋና ዲፕሎማሲያዊ መቐመጢት ኣፍሪካ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዕዉት ከይዲ መረፃ ካብታ ሃገር ብዝዘለለ ዓብይ ትርጉም ከም ዝህልዎ ኣረዲኦም። መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ተስፋ ዲሞክራሲ ኣፍሪካ ዘንፀባርቕ እዩ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ብንጉሆኡ ወፂና ድምፂ ምሃብ ብምኽኣልና ሕጉሳት ኢና-መረፅቲ
Jun 1, 2026 35
ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 24/2018(ኢዜኣ)፦ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ብንጉሆኡ ወፅዮም ድምፆም ምሃብ ብምኽኣሎም ሕጉሳት ከም ዝኾኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝርከቡ ጣብያታት መረፃ ድምፆም ዝሃቡ መረፅቲ ገሊፆም። ከይዲ ድምፂ ምሃብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ሎሚ መዓልቲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኢትዮጵያ እናመረፀት እያ። መረፅቲ መንነቶም ዝገልፅ መለለዪ ካርድን ካርዲ መረፅኦምን ብምሓዝ ኣብ ጣብያታት መረፃ ብምርካብ ድምፆም እናሃቡ እዮም ዝርከቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ዝርከብ ጣብያ መረፃ ቅዱስ ማርቆስ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ድምፆም ዝሃቡ መረፅቲ፤ ብንጉሆኡ ወፂና ድምፅና ስለዝሃብና ሕጉሳት ኢና ኢሎም። ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ነባራይ ወረዳ 01 በቀለ ቀናአ ድምፂ ንምሃብ ንጉሆ 11 ሰዓት ካብ ገዛኦም ከም ዝተበገሱ ተዛሪቦም። ይኾነኒ ንዝበልኩዎ ፓርቲ ድምፀይ ሂበ ኣለኹ ኢሎም። ድምፀይ ንምሃብ ብጉሓቱ ሰዓት 10 ካብ ገዛይ ብምውፃእ ይኾነኒ ዝብሎ ፓርቲ መሪፀ ኣለኹ ዝበላ ድማ ካልእቲ ወሃቢት ርእይቶ ወይዘሮ ወሰንየለሽ ወርቅእሽት እየን። ኣብቲ ጣብያ መረፃ ዝተዳለወ ምቹው ተራ መሐለዊ ቦታ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ፈፀምቲ መረፃ ዝህብዎም ገለፀታት ድምፆም ብቕልጣፈ ክህቡ ከም ዘኽኣሎም ገሊፆም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም