ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ክልተ ኣምባሳደራት ኣሰናቢቶም
Jun 10, 2026 2328
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 3/2018 (ኢዜኣ)፡- ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ሉክሰምበርግ ኣብ ኢትዮጵያ ዣን ክራውዘርን ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢምሬታት ኣብ ኢትዮጵያ መሐመድ ሳሌም ኣልራሺዲንን ኣሰናቢቶም፡፡ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ውጽኢታዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ተጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ እውን ተገሊጹ፡፡ ርእይቶአን ንኢዜኣ ዝሃባ ተሰናባቲት ኣምባሳደር ሉክሰምበርግ ኣብ ኢትዮጵያ ዣን ክራውዘር፤ ኣብ ፃንሒቶም ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከም ዘሳለጡ ተዛሪበን፡ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሉክሰምበርግንን ናብ ዝልዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝተሳለጡ ተግባራት ውጽኢታዊ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢረን፡፡ በዙይ ድማ ዓቕሚ ፋይናንስ ኢኮኖሚ ሰብ ሞያ ዘዕቢ መርሃ ግብሪ ስልጠና ብምቕራፅ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ውጽኢታዊ ልውውጥ ተሞኩሮ ከም ዝተገበረ ኣረዲአን፡፡ ጠንካራ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውድታት ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ልምዓት ፋይናንስን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነተን ገሊፀን፡፡ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀልቢ ኩባንያታት ሉክሰምበርግ ኣብ ምስሓብ ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ከም ዝኾነ ተዛሪበን፡፡ ኩባንያታት ሉክሰምበርግ ከይዲ ለውጢ መማረፅታት ዕዳጋ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብምምልካት ተስፋኦም ከዕብዩ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን፡፡
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ መበል 25 ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ እዩ
Jun 10, 2026 1663
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 3/2018 (ኢዜኣ)፡- 6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መበል 25 ስሩዕ ኣኼብኡ ፅባሕ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዘቕርብዎ ረቂቕ በጀት ፌደራል መንግስቲ በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም ዝምልከት መግለፂ በጀት ክዝቲ እዩ፡፡ ድሕሪ እቲ ዘተ እቲ ረቂቕ በጀት ንዝርዝር ምልከታ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ክምራሕ ትፅቢት ከም ዝግበር እውን ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
Jun 10, 2026 1560
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 3/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ መራሒ ብምዃኖም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዓብይ ሓወይን ክቡር ፈታውየይን ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ንቑሕን ብዝኾነ ማሕበረሰብ ዲሞክራሲ ዘላቒ እምነት ብምርካብ ንህንዲ ብራእን ቆራፅነትን ብተኸታታሊ ሰለስተ ዘበናት ዲሞክራሲያዊ ስልጣን ብምምራሕ ንዘመዝገብዎ ታሪኻዊ ዓወት ዝተሰምዐኒ ሓጎስ ይገልፅ ኢሎም። ናቶም ኣመራርሓ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ድኽነት ዘውፅአ፣ዲጂታል ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ብዝለዓለ ብርኪ ዘስፋሕፈሐን ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕቤት መሰረተ ልምዓት ብምምፃእ ቅልጡፍ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ዝተረኸበሉን እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ብተኸታታሊ ንክፋል ዓለም ደቡብ(Global South) ጠንካራ ድምፂ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ እውን ኣረዲኦም።
ጎና ጎኒ ዶባት ሃገርና ምሕላው ዲሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና ድምፅና ሂብና ኣለና - ኣባላት እዚ ሰሜናዊ ምብራቕ
Jun 9, 2026 2048
ሰመራ፣ ሰነ 2/2018(ኢዜኣ)፡- ጎና ጎኒ ዶባት ሃገርና ምሕላው ዲሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና ድምፅና ሂብና ኣለና ክብሉ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣባላት እዚ ሰሜን ምብራቕ ገሊፆም፡፡ ኣብ መረፃ ፌዴሪኢ፤ ብመሰረት ኣዋጅ ምዝገባን ስነ ምግባርን ፓርቲታት ፖለቲካ፤ ዝኾነ መራፂ ድምፂ ንምሃብ ኣብ ዝነብረሉ ወይ ብቀዋሚነት ኣብ ዝሰርሐሉ ከባቢ ተመዝጊቡ ክመርፅ ከም ዝግባእ ይድንግግ፡፡ ኮይኑ ግና፤ ብዝተፈለለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ምኽንያታት ዝተፈናቐሉ ዜጋታትን ዶባት ሃገር ንምሕላው ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራትን ካምፕታትን ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ስሩዕ ጣብያታት መረፃ ተረኺቦም ድምፂ ንምሃብ ዝፅገምሉ ኩነታት ይፈጥር እዩ፡። እዚ መሰረታዊ መሰል ንምኽባርን ሓቋፋይነት መረፃ ንምርግጋፅን፤ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ፍሉይ መምርሒ ብምውፃእ ፍሉይ መረጻ ጣብያታት ኣጣይሹ እዩ፡፡ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብፍሉይ ኩነታት ኣብ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ሃገር ውሽጥን ካምፕታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ጣብያታት መረጻ ብምጥያሽ ሎሚ መዓልቲ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡ ርእይቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ኣባላት እዚ ሰሜን ምብራቕ ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ብዝለዓለ ጀግንነት ዶብን ሉኣላውነትን ሃገሩ ኣብ ምሕላው ይርከብ፡፡ ጎና ጎኒ ምሕላው ዶባትን ሉኣላውነትን ሃገር ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ይኾነና እዩ ዝበልዎ ፓርቲ ከም ዝመረፁ እውን ገሊጾም፡፡
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ወልድያ ክዕዘቡ እዮም
Jun 9, 2026 1741
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 2 /2018 (ኢዜአ)፦ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ናብ ከተማ ወልድያ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይቲ ውሩይ ራእሲ ኣሊ ከተማ፣ዓዲ ስልጠነ የጁታት፣ ኣርባዕቲኦም ኣውራ መንገድታት ዝርከቡላ፣ እምባታት ከም ሓረግ ዝተጋመዱላ፣ ማእኸል ንግዲ ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያ ናብ ዝኾነት ከተማ ወልድያ ኣቲና ኣለና ኢሎም፡፡ ንፉዓትን ቆናጁን ካብ ዝውለዱላ፣ ታሪኽን ባህልን ኣብ ዝተዓደለት፣ ካብ ምሃብ ወፃኢ ስሰዐ ኣብ ዘይብላ ከተማ ወልድያ እንትንበፅሕ ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ንዝገበሩልና ርእስ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣ካቢኒኦም፣ከንቲባ ከተማ ወልድያን ነበርቲ እታ ከተማን ካብ ልበይ ምስጋናይ ከቕርብ ይደሊ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ወልድያ ኣብ ዝህልወና ጻንሒት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ክንዕዘብ ኢና ኢሎም፡፡
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 56 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ
Jun 9, 2026 1704
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 2/2018(ኢዜ)፦ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 56 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡ ውሳነታት መበል 56 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፦ 1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ማዕቐፍ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካልን ማእኸላይ ዘመን (2019-2023) ዘትዩ እዩ፡፡ ድሕሪ ዝተማልኣ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምግባር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ዘለውዎ ማሕለኻታት እናተላቐቐን መሰረት ኢኮኖሚኡ እውን እናተጠናኸሩን መፅዮም እዮም፡፡ እቲ ማዕቐፍ ኣብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዝተባብዑ ውፅኢታት ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ምቕጻል ዘኽእልን ኣብ ዋና ዋና ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካልን ግምታት ብምምስራት መበገሲ ምድላው በጀት መንግሰቲ ፌደራል በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም ኮይኑ ከገልግል ተዳልዩ ቀሪቡ እዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ማዕቐፍ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡ 2. ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣዋጅ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2019 ዘትዩ። በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ኣካል መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣብ ዝኾነ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን 2019-2021 ዝተቐመጡ ሽቶታትን ማዕቐፍ ማክሮ ኢኮኖምን ፊስካልን ማእኸላይ ዘበን(2019-2023) መሰረት ብምግባርን፣ኣፈፃፅማ በጀት ፕሮግራም በጀት ዓመት 2018 መበገሲ ብምግባር፣ኣንፈታትን ዕላማታትን ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ትራንስፎርሜሽን ከምኡ እውን ብመንግሥቲ ዝተቐመጡ ሽቶታት ንምዕዋት ዓቕሚ ፋይናንስ መንግስትን ፈፀምቲ ኣብያተ ዕዮ ንዝተውሃቦም ሓላፍነትን ልኡኽቶን ዘድሊ ወፃእን ብምግምጋም ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። ብመሰረት እዚ እውን ንስሩዕ ወፃእታት፣ካፒታል ወፃእታት፣ደገፍ መንግስቲ ክልላት፣ደገፍ መፈፀሚ ሽቶታት ልምዓት ዝውዕል 2,339,268,126,738(ክልተ ትሪሊዮን፣ሰለስ ሚእትን ሰላሳን ትሸዓንተን ቢልዮን፣ክልተ ሚኢቲ ስድሳን ሸሞንተን ሚልዮን፣ሓደ ሚኢቲ ዒስራን ሽዱሽተን ሽሕ፣ሸውዓት ሚኢቲ ሰላሳን ሸሞንተን ብር) በጀት ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ዝቐረበ ኣዋጅ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኣብ ፍሉይ ጣብያታት መውሃቢ ድምፂ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሻብዓይ ሓምሻይ ሓፈሻዊ መረፃ እናተኻየደ እዩ
Jun 9, 2026 1288
ኣዲስ ኣበባ ፤ ሰነ 2/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ወታደራዊ ካምፕታትን ኣብ ዝርከቡ ፍሉይ ጣብያታት መረፃ ብፍሉይ ኩነታት ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ከም ዘፈፀመ ዝዝከር እዩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ቦርድ ብመሰረት“ኣዋጅ መረፃ ኢትዮጵያ ፣ ምዝገባን ስነ ምግባር መረፃን ፖለቲካ ፓርቲታት 1162/2011 ዓንቀጽ 17” ዝተውሃቦ ስልጣን ኣብ ተመዛበልቲ ሃገር ውሽጥን ወታደራዊ ካምፕታትን ፍሉይ ጣብያታት መረፃ ብምጥያሽ ነበርቲ እቶም ካምፕታት ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ክሳተፉ ብመራፅነት ከም ዝመዝገበ ዝፍለጥ እዩ፡፡ በዙይ መሰረት ኣብቶም ካምፕታት ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ከይዲ ኣወሃህባ ድምጺ እናተኻየደ ከም ዝርከብ እቲ ቦርድ ኣብ ሓበሬታኡ ኣመላኺቱ፡፡
ኣብ ካምፕታት ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ድምፆም እናሃቡ እዮም
Jun 9, 2026 972
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ወታደራዊ ካምፕታትን መዕቖቢ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ድምፆም እናሃቡ እዮም። ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ከም ዘካየደ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እቲ ቦርድ ብመሰረት“ኣዋጅ መረፃ ኢትዮጵያ ፣ ምዝገባን ስነ ምግባር መረፃን ፖለቲካ ፓርቲታት 1162/2011 ዓንቀጽ 17” ዝተውሃቦ ስልጣን ኣብቲ ስሩዕ መረፃ ብፍሉይ ኩነታት ንዘይተሳተፉ ዜጋታት ድምፂ መውሃቢ መዓልቲ ዘመቻቹ ይኸውን፡። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ወታደራዊ ካምፕታትን ፍሉይ ጣብያታት መረፃ ኣጣይሹ እዩ፡። እዙይ ድማ ነበርቲ እቶም ካምፕታት ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነት ክሳተፉ ብዝመዝገቦ መሰረት ዝካየድ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣብቶም ካምፕታት ብመራፅነት ዝተምዝገቡ ዜጋታት ሎሚ መዓልቲ 2 ሰነ 2018 ዓ.ም ድምፆም እናሃቡ ይርከቡ፡፡
ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመን ታሪኻዊ ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም
Jun 8, 2026 1354
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ብሓደሽቲ ዓውድታት ምትሕብባር ንምዕባይ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመን ቀዋሚ ልኡኽቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ለምለም ፍስሃ ደብዳበ ሹመተን ንዋና ፀሓፊ እቲ ኮሚሽን ክላቨር ጋቴቴ ሎሚ ኣቕሪበን። ኣብዚ እዋን እውን እተን ኣምባሳደርን እቶም ዋና ፀሓፍን ኣብ ክልቲኣውን ሓባራዊ ድሌታትን ጉዳያት ዘትዮም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እቲ ኮሚሽንን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብን ምሕዝነትን ኣልዒሎም። እዚ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ሓደሽቲ ዓውድታት ምትሕብባር ልውውጥ ሓሳብ ከም ዝገበሩ እውን ሓበሬት ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት። ኣምባሳደር ለምለም ፍስሃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ደብዳበ ሹመተን ከም ዘቕረባ ዝዝከር እዩ።
ፖሊስ ፌደራል ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ እናሰርሐ እዩ-ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል
Jun 8, 2026 1183
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /1/2018 (ኢዜ)፦ ፖሊስ ፌደራል ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ዘመኑን ብዝምጥን መልክዑ ተግባራዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡ ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል ከም ዝገለፅዎ፤ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ሪፎርም ዘከያደ እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ገበን ናይ ምክልኻል ጠንካራ ዓቅሚ ሃኒፁ እዩ፡፡ እዙይ ድማ ምስ ተለዋዋጥን ዲጂታልን ኩነታት ዓለም ብማዕረ ንክጓዓዝ ኣኽኢልዎ እዩ፡፡ ፖሊስ ፌደራል ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኸ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ገሊፆም፡፡ እቲ ትካል ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት መስመር ዘርጊሖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ምስ መራሒኦም ብምሓዝ ከይዲ ፍርዶም ክከታተሉ ከም ዝገበረ እውን ተዛሪቦም፡፡ ተመሳሳሊ ተግባራት ገበን ዘጋጥመሎም ዞባታት ብምፍላይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ጄኔራል፤ ሂወት ብዙሓት ዜጋታት እናቐጠፈ ኣብ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብቆራፅነት ዝሰርሖ ስራሕ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ናእዳ ክረክብ ገይርዎ እዩ ኢሎም፡፡ በዙይ ድማ እቲ ትካል ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ቁፅፅር ገበናት ዘይትካእ ግደ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡ ተግባራት ገበን ዋላ ኳ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተራቐቑ ብቴክኖሎጂ እውን እናዓበዩ እንትመፁ ፖሊስ ፌደራል ብኡ ልክዕ ዓቕሙ ብምጥንኻር ነቲ ዘበን ብዝምጥን መገዲ ከም ዝቐፀለ ምርግጋጾም ዝፀብጸበ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን እዩ፡፡
ዓወት እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ንዓለም ዘመስከርሉ እዩ
Jun 8, 2026 1261
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018(ኢዜኣ) ዓወት ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ንዓለም ዘመስከርሉ ከም ዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ገሊፆም። 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ 6 ሰዓት ከምዝተኻየደን ብዓወት ከም ዝተዛዘመን ዝፍለጥ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ዓወት ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዝተዘርግሑ ኣሉታዊ ፀብፃብን ስሑት ትምኒትን ዘምከነ ታሪኻዊ ዓወት እዩ። ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ይጠቕመኒ እዩ ዝብሎ ፓርቲ ብምምራፅ መንግሥቲ ብዲሞክራሲያዊ መረፃ ምምስራት ከም ዝከኣል ብተግባር ከም ዘርኣየ ሓቢሮም። ብተፃራሪኡ እውን ሰላም ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ዝተወሰኑ ኣካላት ዝዘርግሕዎ ከንቱ ድምፂ ብንቑሕ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ከም ዝፈሸለ ኣረዲኦም። ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተርኣየ ንቑሕ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን እውን እቲ ዲያስፖራ ማሕበረሰብ ብኣወንታ ከም ዝሪኦ ተዛሪቦም። እቲ ህዝቢ ኣብቲ መረፃ ብዝገበሮ ተሳትፎ ንህንፀት ሃገርን ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ዘለዎ ተበግሶን ቆራፅነትን ንህዝቢ ዓለም ብተግባር ከም ዘርኣየ ኣብራህሪሆም። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተስፋ ብዝሃ ዕቤት ሃገሮም ብምዕዛብን ብምጉብናይን ኣብቲ ዝተፈጠረ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ንክሳተፉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ የብለይን-ኦብነግ
Jun 8, 2026 882
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን(ኦብነግ) ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ የብለይን ኢሉ። ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን(ኦብነግ) ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ርክብ ኣለዎ ንዝተብሃለ ሓበሬታ ነፂጉዎ። ኦብነግ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ስምምዕ ሰላም ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም። ኦብነግ ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ የብለይን ክብል እውን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ኦብነግ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ርክብ ኣለዎ ንዝተብሃለ ሓበሬታ ብፅኑዕ ከም ዝኹንን ብምግላፅ፤ ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘለዎ ጠንካራ ቆራፅነት ደጊሙ የረጋግፅ ኢሉ። ድንጋገታት እቲ ስምምዕ ብሙሉእ ንምኽባርን ተግባራዊ ንምግባርን ዘለዎ ድሉውነት እውን ከም ዘረጋግፅ እውን ሓቢሩ። ስለዝኾነ ድማ ኦብነግ ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንፂ ምስ ዝሳተፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝኾነ ዓይነት ርክብ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን ከምዘይብሉ ብምርግጋፅ፤ ንሰላማዊ ርክባት ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ ኮይኑ ከም ዝቕፅልን ሰላም፣ምርግጋዕን ረብሓ ህዝብን ክልል ሶማሌ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዝኾነ ዓይነት ፍፃመ ከም ዝኹንን ኣረዲኡ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2025 ኣብ ጅግጅጋ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኦብነግ ኣይተ ኣብዲራህማን ማህዲ ካብ ኣቦ መንበርነት ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ እንትኸውን፤ ኣይተ ኣብዲካሪም ሼክ ሙሴ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ፓርቲ ኦብነግ ኮይኖም ተመሪፆም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብኣይተ ኣብዲራህማን ማህዲ ዝተገበሩ ዝኾኑ ዓይነት ስጉምቲ፣ዝተመሓላለፉ ውሳነታትን ዝተውሃቡ መግለፅታትን ንዕላዊ መትከል ፓርቲ ኦብነግ ከም ዘይውክሉን ውልቃዊ ስርሖምን ምልከትኦምን ተገይሮም ክቑፀሩ ይግባእ ኢሉ እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንክተሸንፍ ዝተትሓዘ ትልሚ ብዓወት ዝተፈፀመሉ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ
Jun 7, 2026 2030
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 30/2018(ኢዜኣ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሃገራዊ ሽቶታት ንከዕዉትን ኢትዮጵያ ንክተሸንፍን ብፓርቲ ብልፅግና ዝተትሓዘ ትልምን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ስራሕትን ብዓወት ዝተፈፀመሉ ከም ዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ኣብ ክልል ሶማሌ ሪዞርት ሸበሌ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ክሳብ እቲ መዓልቲ መረፃ ዘሎ ኣፈፃፅማ ትልሚ ስራሕቲ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ብዕምቆት ብምግምጋምን ኣብ ስራሕቲ ድሕረ መረፃ ብምርድዳእን እቲ መድረኽ ከም ዝተዛዘመ ሓቢሮም። ንዕዉትነት እቲ መረፃ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገብሩ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ፣ ሓይልታት ፀጥታ ፌዴራልን ክልላትን፣ ብተዓዛብነት ዝተሳተፉ ሃገራዊ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ከምኡ እውን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም። ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ከም ዝተዓዘቡ ኣረዲኦም። ኣብ ዑደቶም እውን፤ ብፃዕሪ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ዝተባብዑ ዓወታት ከም ዝተዓዘቡ ፀሪሖም። ዋና ትኹረት ፓርቲ ብልፅግና ኣገልጋልነት ህዝቢ ምርግጋፅን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምምዕባልን እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም፤ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተሃነፁን ኣብ ህንፀት ዘለዉን ትካላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ማሕለኻታት ቢሮክራሲ ብምፍታሕ ዕግበት ዜጋታት ብዝለዓለ ብርኪ እናዕበዩ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ብልዑል ትግሃትን ቆራፅነትን ሓቃዊ ዲሞክራሲ ምስ ዝጭበጥ ዓወታት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ብምውዳድ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብተግባር ናይ ምርግጋፅ ስራሕና ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።
825 ክልላት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ገይሮም-ቦርድ መረፃ
Jun 6, 2026 2974
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 29/2018 (ኢዜኣ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ክሳብ ሕዚ ኣብ 825 ክልላት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ከም ዝገበሩ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ገሊፀን። ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ንመራኸበቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ዝተኻየደ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብጠንካራ ተሳትፎ ህዝቢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ሓቢረን። ኣብቲ መዓልቲ መረፃ እውን ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ዝተጀመረ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ክሳብ 6 ሰዓት ፍርቂ ለይቲ ከም ዝተናውሐ ኣዘኻኺረን። ካብ ፅባሕ እቲ መረፃ ጀሚሩ ግዝያዊ ውፅኢታት በቢ ጣብያታት መረፃ እናተለጠፉ ከም ዝፀንሑ ብምግላፅ፤ ውፅኢት እቶም ጣብያታት መረፃ ምስጢራውነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ናብ ክልላት መረፃ ንክበፅሑ ከም ዝተገበረን ስራሕ ምድማር እናተሳለጠ ከም ዝፀንሐን ኣረዲአን። ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ቦርድ መረፃ ካብ ዘካየደሎም ጠቕላላ 1 ሽሕን 138 ክልላት መረፃ እቶም 825 ናይ ምድማር ስርሖም ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጠን። ናይ ምድማር ስራሕ እናሳለጡ ዘለዉ ዝተረፉ ክልላት መረፃ ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ እዞም ዝተረፉ ክልላት መረፃ እቲ ከይዲ ኣብ ውሽጢ ሓፂር መዓልትታት ዛዚሞም ውፅኢት ዕላዊ ከም ዝገብሩ እውን ኣረጋጊፀን።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብዝለዓለ ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
Jun 6, 2026 2111
ድሬዳዋ/ግንቦት 29/2018(ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብዝለዓለ ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ ከም ዝኾነ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሕፁያት መኮንናት ሁርሶ መበል 27 ዙር ዘሰልጠኖም ሕፁያ መኮንናት ሎሚ ኣመሪቑ። ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ እዩ ዝርከብ። ኢትዮጵያ በቢ ዘበኑ ሉኣላዊነታን ክብራን ኣኽቢሮም ናይ ዘረከቡ ጀጋኑ ሃገር ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እቲ ሰራዊት ዝለዓለ ብቕዓቱ ብተግባር እናመስከረ እዩ ዝርከብ ኢሎም። እቲ ሰራዊት ካብ ግዳማዊ ፀላእቲ ልኡኽቶ ተቐቢሎም ሃገሮም ንዝብድሉ ባንዳታትን ተለኣኣኽትን ተኸታቲሉ ጠንካራ ስጉምቲ እናወሰደ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። ናይ ሎሚ ተመረቕቲ እውን ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ብምምካት ብጀግንነት ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም። እቶም ተመረቕቲ ዝረኸብዎም ዘበናዊ ወታደራዊ ፍልጠት ምስ ዘለዎም ተሞኩሮ ብምውዳድ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ እቲ ሰራዊት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም።
ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት እዩ- ሚኒስትር መሀመድ ኢድሪስ
Jun 6, 2026 2146
ባህር ዳር፤ጉንቦት 29/2018(ኢዜኣ)፦ - ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከም ዓብዪ ዓወት ዝርአ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ ገሊፆም፡፡ ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝተገበሩ ብርክት ዝበሉ ፈተነታት ብምፍሻል ዕዉት መረፃ ምክያድ ከም ዝተኽኣለ እውን ሓቢሮም፡፡ እቶም ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝተገበሩ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ጥፍኣት ሙሉእ ንሙሉእ በርዒኖም ውፅኢታዊ መረፃ ከም ዝተገብረ ኣመላኺቶም፡፡ ኣብ ታሪኾም ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወፃኢ ኮሮጂ መረፃ ካብ ዘይፈልጡ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ጥፍኣት ተቐቢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስግኣት ንምፍጣር ዝደልዩ ኣካላት ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ፈተነ ገይሮም እዮም ኢሎም፡፡ እቶም ግዙኣት ባንዳታት እውን ተዋዲዶም ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ከይካየድ ንምግባር ቅድሚ መረፃ፣ ኣብ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ዝተፈላለዩ ፈተነታት ከም ዝገበሩ ተዛሪቦም፡፡ ኮይኑ ግና ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጰውያን ብሓባር ደው ብምባል ንህንጸት ጠንካራ ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራጽነት ዘርኣይሉ መድረኽ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡ ብፍላይ ፅንፍኛ ጉጅለታት ካብ ቅድመ መረፃ ጀሚሮም ዝተዛብዐ ሓበሬታትት ክውዝዑ ከም ዝፀንሑ ብምዝኽኻር፤ ኣብ እዋን መረፃ እውን ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ፈተነታት ከም ዝገበሩ ተዛሪቦም፡፡ ንኣብነት ኣብ ዩንቨርሲቲ ጎንደር ኩዕሶ እናተመልከቱ ኣብ ዝነበሩ ተምሃሮ ቦንቢ ብምውርዋር ሂወት ሓደ ተምሃራይ ክሓልፍ ከም ዝገበሩ ብምሕባር፤ ኣብ ካልኦት ተምሃሮ እውን ሓደጋ መቑሰልቲ ከም ዘብፅሑ ኣረዲኦም፡። እቶም ፅንፈኛታት ኣብቲ መዓልቲ መረፃ ሓዊሱ ዋላ ኳ ዝተፈላለዩ ትንኮሳታት እንተገበሩ እቲ ፈተነ ከይተሳኸዐ ተሪፉ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እዙይ ኣይሳኻዕን ዝበሎም ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ኣሰኮ ኣብ ልዕሊ ዜጋትት ጥቕዓት ከም ዝፈፀሙ ተዛሪቦም፡፡ በቲ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀጥታ፣ ቤት እምነት፣ መንበሪ ኣባይትን መሰረተ ልምዓትን ጉድኣት ዝበፅሐ ኮእንትኸውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዞባ ወረዳታት ሀንቀሎ ዋቤን ሺርካን ተመሳሰልቲ ፀገማት ከም ዘጋጠሙ ገሊጾም፡፡ ነቲ ጸገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኩለመደያዊ ጻዕሪ እናተገበረ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፤ ኣብዚ ከይዲ ምስ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፣ ምስ ኣመራርሓ ክልል ኦሮሚያን እቲ ጓዳይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ዘተ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ሓቂ እዙይ ኮይኑ እናሃለወ ዝተፈጠረ ጸገም ግቡእ ንዘይኮነ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምውዓል ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡ ነቲ ኩነታት ከም መበገሲ ብምግባር ናይ ባዕልኻ ፖለቲካዊ ድልየት ንምምላእ ዝጓየዩ ኣካላት ካብ ተግባራቶም ክዕቀቡ ከም ዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ኣጥፋኢ ኣካል ብሓባር ምውጋዝ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡ ብሓፈሻ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝግለጹ ፈተነታት ዝነበሩ እንትኸውን እቲ መረፃ ብዝተሳኸዐ ኩነታት ተዛዚሙ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ እዩ ኢሎም፡፡
ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነትን ተዓዛብነትን ዝተባባዕ ተሳትፎ ገይረን እየን
Jun 5, 2026 2698
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2016(ኢዜኣ) ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነትን ተዓዛብነትን ዝተባባዕ ተሳትፎ ከም ዝገበራ ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝነበረ ሓፈሻዊ ከይዲ ተሳትፎ ደቂ አንስትዮ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ። ዋና ዳይሬክተር ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ገነት ስዩም ኣብ መግለፂአን፤ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክዛዘም እቲ ፌዴሬሽን እጃሙ ከም ዝተዋፀአ ተዛሪበን። ስለዝኾነ ድማ ኣባላት እቲ ፌዴሬሽን ዘይሻራውነቶም ሓልዮም እጃም ተዓዛብነቶም ብኣግባቡ ከም ዝተዋፅኡ ሓቢረን። እቲ ፌዴሬሽን ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 14 ሽሕ ተዓዘብቲ ብምውፋር 25 ሽሕን 384 ጣብያታት መረፃ ናይ ምዕዛብ ስራሕ ከም ዘሳለጠ ኣረዲአን። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ መረፃታት ምምሕያሽ ከም ዝተርኣየ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነትን ተዓዛብነትን ዝተባባዕ ተሳትፎ ከም ዝገበራ ተዛሪበን።
እቲ ስልጠና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል እዩ
Jun 5, 2026 1752
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2018 (ኢዜኣ) ብኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ዝተዳለወ ስልጠና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋርን ዘላቒ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ከም ዘኽእል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ጃፋር በድሩ ገሊፆም። ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ዞባዊ ምትሕብባር፣ህንፀት ዓቕምን ስትራቴጂካዊ ርክብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ላዕለዋይ ስልጠና ዲፕሎማሲ ንዲፕሎማት ደቡብ ሱዳን ምሃብ ጀሚሩ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብዚ እዋን፤ ዕሙቕ ምትእስሳር ታሪኽ፣ ባህሊ፣ቋንቋን ዶብ ተሳጋሪ መንነትን ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብራህሪሆም። ክልቲአን ሃገራት ዝተጠናኸረ ምሕዝነትን ጉርብትናን ከም ዘለወን ብምግላፅ፤ ጠንካራ ሓባራዊ መፃኢ ዕድል ንምሕንፃፅ ወሰንቲ እየን ኢሎም። እቲ ዝተዳለወ ስልጠና እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋርን ዘላቒ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም። እቲ ስልጠና ኣብ ዙርያ ዞባዊ ምትሕብባርን ክልቲኣዊ ርክብን እጃም ዲፕሎማት እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሰፊሕን ጠቓምን ግንዛበ ዘጨብጥ ከም ዝኾነ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ምክትል ኣምባሳደር ኤምባሳሲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ቶክ ዴንግ ብግደኦም፤ እቲ ስልጠና ህንፀት ዓቕምን ንቑሕ ልውውጥ ልምድን ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ንዘሎ ምትሕብባርን ዕሙቕ ታሪኻዊ ርክብን ብዝበለፀ ከም ዘዕብዮ ኣረዲኦም።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣሸናፊነት ኢትዮጵያን ህዝባን ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ-ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ
Jun 4, 2026 2135
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 27/2018(ኢዜኣ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣሸናፊነት ኢትዮጵያን ህዝባን ብተግባር ዝተርኣየሉ ከም ዝኾነ ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ጉዳያት መረፃ ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣይተ ምርጫው ስንሻው ከም ዝበልዎ፤ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሓቃዊ ድሌት ኢትዮጵያውያን ዘንፀባረቐን ሞራል ታሪኻዊ ፀላእቲ እታ ሃገር ዝሰበረን እዩ። እቲ መረፃ፤ እቲ ህዝቢ ንሰላምን ሉኣላዊነትን ሃገሩ ዘለዎ ፅኑዕ ቆራፅነት ብተግባር ዘርኣየሉ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። ሃገር ካብ ጥፍኣት ሓልዩን ተኸኣኢሉን መንግሥቲ ዘጣይሽ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እቲ ሓቃዊ ኣሸናፊ እቲ ህዝቢ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። እቲ መረፃ ንከይሳለጥ ዋላ ኳ ካብ ውሽጥን ወፃእን ልዑል ፅልዋ እንተተገበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኩሎም ፈተናታት ብብስለትን ብፅንዓትን ተፃዊሩ ከም ዝመረፀ ኣረዲኦም። እቲ ህዝቢ ደላዪ ሰላም ስለ ዝኾነ እቲ መረፃ ብዓወት ክዛዘም ከም ዝኸኣለ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክምስገንን ክድነቕን ይግባእ ኢሎም። "ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ" ንዘላቒ ሰላም ሃገር ዝጠቅም ሰላማዊ ቃልሲ ጥራሕ እዩ ዝብል መትከል ብምሓዝ ናብቲ መረፃ ከም ዝኣተወ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ በዚ ድማ ውድቦም ምስቲ ህዝቢ ብምዃን ታሪኻዊ ኣሰር ከም ዘንበረ ተዛሪቦም። ዲሞክራሲያውነት መረፃ እዚ ዓመት ብዓለም ለኸን ኣህጉራውን ተዓዘብቲ እውን ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ምርጫው፤ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ጃፓንን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራትን ትካላትን ምስክርነቶም ዝሃብሉን ኢትዮጵያውያን ከም ዝኽእሉ ንዓለም ዘርኣይሉን ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም። ከይዲ እቲ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ቅድመ መረፃን እዋን መረፃን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ዘሳለጦም ስራሕቲ ቁልፊ ኣስተዋፅኦ ከም ዝነበሮም እውን ገሊፆም። ንዕዉትነት እቲ ከይዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ፀጥታ፣ ሲቪል ማሕበራትን በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን እቲ ፓርቲ ዘለዎ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣፈፃፅማ ሰላምን ድሕንነትን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ገምጊሙ
Jun 4, 2026 2011
ኣአዲስ ኣበባ/ግንቦት 27/2018(ኢዜኣ) ፀብፃብ ኣፈፅፅማ ሰላምን ድሕንነትን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ተገምጊሙ። ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ እዋናት ቅድመ መረፃ፣መረፃን ድሕረ መረፃን ዝሳለጡ ስራሕቲ ከም ሃገር ትልሚ ኣውፂኡን ኣዋዲዱን ስለዝመርሐን ብተግባር ዝተፈተሸ፣ዝተናበበን ሰላም ንምፅናዕ ጅግንነት ዝተርኣየሉን ተግባር ስለዝተሰርሐን እቲ መረጻ ብሰላም ክዛዘም ክኢሉ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብመንግሥቲ ትኹረት ተዋሂብዎ ኣብ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብዝተገበረ ሪፎርም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብጭቡጥ ዓበይቲ ልኡኽቶታት ምሽካም ዝኽእሉ ትካላት ፀጥታ ከም ዝተፈጠሩ ኣብ እዋን እቲ መረፃ ዝተመዝገበ ዓወት መርኣያ እዩ ኢሎም። እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ 7ይ ሓፈሻ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብፀላእቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝተዋደደ ዓብይ ሽርሒ ዘፈሸለ፣ሉኣላዊነት ሃገር ዘረጋገፀ፣ውፅኢት እቲ ሪፎርም ብተግባር ዝተለከዐሉን ዝተርኣየሉን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ከም ትካል ፀጥታ ክንኾርዕን ክንምካሕን ዘለና ብህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፤ ኣብ ሃገርና ዝኸውን ዘሎ ተረዲኡ፣ንኹሉ ብሚዛን ብምርኣይ፣መዓልቲ እቲ መረፃ እንትበፅሕ ንኩላትና ትምህርቲ ዘመሓላለፈ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ዘፅነዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ህዝቢ ከም ዝኾነ ዘረጋገፀሉ ከምኡ እውን ድሕሪ ሕዚ መንግስቲ ብካርዲ እምበር ብጥይት ኣይኸውን ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉ መረፃ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳውያንን ፅንፈኛታትን ዝተጀመረ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዝገለፀ እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ፤ ውፅኢት እቲ መረፃ ተፈሊጡ ምስረታ ሓዱሽ መንግሥቲ ክሳብ ዝሳለጥ ክሳብ መወዳእታ ቀፃሊ ወርሒ መስከረም ዘለዉ ህዝባውን መንግሥታውን ፍፃመታት ብዓወትን ብሰላምን ንክዛዘሙ ስርሑ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣንፈት ከም ዘቐመጠ ኣፍሊጡ።