ዓለም ለኸዊ ዜናታት
መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ በቲ ዝተቐመጠሉ ሰደቓ ቀፂሉ አሎ
Jul 1, 2024 422
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2016 /ኢዜአ /ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ንጆርጂያ ስዒራታ። ስፔን ንጆርጂያ 4 ን 1 ብምስዓር ኢያ ካብቲ ፅዋዕ ወፃእ ገይረታ። ብመሰረት እዚ ስፔን ናብ ርብዒ ፍፃመ ተፀንቢራ። ስፔን ኣብ ርብዒ ፍፃመ ምስ ኣሰናዳኢት ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝኾነት ጀርመን ክትጋጠም ኢያ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝን ስፔንን ናብ ርብዒ ፍፃመ ዝተፀንበራ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ። ብካልእ ዜና እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ። ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ እንግሊዝ 1 ን 0 እናተመርሐት ፀኒሓ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሸቶ ብምምዝጋባ ብሓደ ማዕረ ውፅኢት ናብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት ክተምርሕ ክኢላ። እንግሊዝ ንኽትዕወት ቤሊንግሃም ኣብ መበል 90+5 ደቒቕ፣ ሃሪ ኬን ኣብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት እንተመዝግቡ፤ ንስሎቫኪያ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ሸቶ ድማ ሽራንዝ ኣመዝጊቡዋ። ዓወት ዝቐንዓ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ምስ ስዊዘርላንድ ክትራኸብ ኢያ።
 መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ቐፂሉ አሎ
Jun 27, 2024 445
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ሮማኒያ፣ ቤልጂየምን ስሎቫኪያን ናብ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ እንትፅምበራ ዩክሬን ተሳናባቲት ኮይና። ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣብ ምድብ 5 ዝተደልደላ ሃገራዊ ጋንታታት ስሎቫኪያን ሮማኒያን ሓደ ማዕረ እንተፈላለያ፥ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ዝገበረኦ ፀወታ እውን ባዶ ንብዶ ተፈላሊየን። ውፅኢት እቶም ፀወታታት ስዒቡ ዩክሬን ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ካብቲ ውድድር ዝተሰናበተት ሃገር ኮይና፡፡ ብተዛማዲ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓር ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተፀምቢራ ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ ሃገራዊት ጋንታ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓራ ንቱርኪን ፖርቹጋልን ስዒባ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተሓዊሳ። ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ጆርጂያን ፖርቹጋልን ብዓወት ጆርጂያ 2 ን 0 ተዛዚሙ። ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቱርኪን ቼክ ሪፐብሊክን ድማ ሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ኣቐዲማ ምሕላፋ ዘረጋገፀት ፖርቹጋል ብሽዱሽተ ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ቱርኪ ብተመሳሳሊ ሽዱሽተ ነጥቢ ካልኣይቲን ጆርጂያን ድማ ብኣርባዕተ ነጥቢ ሳልሳይቲን ብምዃን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክፅምበራ ክኢለን።
ኣብ መበል 17 ውድድር ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ መወዳእታ ወሰንቲ ፀወታታት ምድብ 5 ን 6 ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክግበሩ ኢዮም
Jun 26, 2024 442
አዲስ አበባ /ሰነ/ 19/2016(ኢዜአ)፦በአብ ምበል 17 ፅዋዕ አውሮፓ አርባዕቲአን ሃገራት ሎሚ ናብ አውዲቐካ ምሕላፍ ንምእታው ዝካየድኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረ ኣብ መበል 17 ውድድር ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ መወዳእታ ወሰንቲ ፀወታታት ምድብ 5 ን 6 ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክግበሩ ኢዮም። በዚ ድማ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ከምኡ እውን ፖርቹጋል ምስ ጆርጂያ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡ ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ምሸት ሰዓት 1 ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ከምኡ እውን ስሎቫኪያ ምስ ሮማኒያ ክጋጠማ ኢየን፡፡ ኣብዚ ምድብ ዝርከባ ኩለን ሃገራዊ ጋንታታት ማዕረ ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ምፅምባር ዕድል ኣለወን፡፡ ብሙዃኑ ድማ እተን ሃገራዊ ጋንታታ ናብ ቀፃሊ ዙር ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡ ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ንቱርኪን ቼክሪፐብሊክን ብምስዓር ኣቐዲማ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፖርቹጋል ምሸት ሰዓት 4 ኣብቲ ምድብ ኣብ መወዳእታ ምስ ትርከብ ጆርጂያ ክትፃወት ኢያ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብዚ ምድብ ትርከብ ቱርኪ ምስ ቼክ -ሪፐብሊክ ክትነሓናሕ ኢያ፡፡ ንቱርኪ ማዕረ ምውፃእ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ዝኣኽላ እንትኸውን÷ ቼክ ሪፐብሊክ ድማ ናብ ቀፃሊ ንምሕላፍ ክትዕወት ኣለዋ፡፡
ፈረንሳይ፣ እንግሊዝን ኔዘርላንድስን ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ሓያል ንሕንሕ ክገብራ ኢየን
Jun 25, 2024 426
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ -ግብሪታት ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ብርቱዕ ንሕንሕ ዝፅበየን ሃገራዊ ጋንታታት ክፃወታ ኢየን፡፡ ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝተደልደላ ፈረንሳይን ፖላንድን ከምኡ እውን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ምስ ኦስትሪያ ክገጥማ ኢየን፡፡ ንምድብ ኣርባዕተ እናመርሐት ትርከብ ኔዘርላንድስ ንኦስትሪያ ክትስዕራ ኢያ ዝብል ቅድመ-ፀወታ ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡ ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብዚ ምድብ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ፈረንሳይ እውን ንፖላንድ ከምትስዕራ ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡ ኦስትሪያ ሰለስተ ነጥቢ እንትህልዋ፤ ፖላንድ ብግደኣ ብዘይ ምንም ነጥቢ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ትርከብ፡፡ ብካሊእ መዳይ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝርከባ ዴንማርክ ምስ ሰርቢያ ከምኡ እውን እንግሊዝ ምስ ስሎቬኒያ ክነሓንሓ ኢየን፡፡ እቲ ምድብ እንግሊዝ ብኣርባዕተ ነጥቢ እንትትመርሖ÷ ዴንማርክን ስሎቬኒያን ብተመሳሳሊ ክልተ ነጥቢ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ፡፡ ሰርቢያ ድማ ሓደ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ምድብ መወዳእታ ደረጃ ትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኢያ፡፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ÷ ኣሰናዳኢት ሃገር ጀርመን፣ ስዊዘርላንድ፣ ጣልያን፣ ስፔንን ፖርቹጋልን ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ (ብሉፃት 16) ምፅምባረን ዘረጋገፃ ሃገራት ኢየብ፡፡
ፅዋዕ አውሮፓ 2024 ሎሚ አማስዩ ክጅመር እዩ
Jun 14, 2024 442
  አዲስ አበባ/ ሰነ /7/2016/ኢዜአ/ ጀርመን እተዳልዎ ምበል 17 ፅዋዕ አውሮፓ ሎሚ አማስዩ ክጅመር ምኹኑ ታሓቢሩ ። መኸፈቲ ፀዋታ እቲ ውድድር አብ ምድብ ሓደ ብተመደቡ ጀርመንን ስኮትላንድን ምሸት ሳዓት አርባዕተ 75 ሽሕ ህዝቢ አብ ዘታናግድ ስታድዮም አሊያንዝ አሬና ክሳለጥ እዩ ። ፅባሕ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ሃንጋሪ ምስ ስዊዘርላንድ፣ ምሸት ሰዓት 1 ስፔን ምስ ክሮሽያ፣ ምሸት ሰዓት 4 ጣልያን መስ ኣልባኒያ ክፃወታ ኢየን። ኣብ መርሃ ግብሪ ፀወታ ቀዳማይ ዙርያ አብ ምድብ ሓደ፥ ጀርመን፣ ስኮትላንድ፣ ሃንጋሪን ስዊዘርላንድን አብ ምድብ ክልተ፥ ስፔን፣ ክሮሽያ፣ ጣልያንን ኣልባኒያን አብ ምድብ ሰለስተ፥ ስሎቬኒያ፣ ዴንማርክ፣ ሰርቢያን እንግሊዝን አብ ምድብ ኣርባዕተ፥ ፖላንድ፣ ኔዘርላንድስ፣ ኦስትሪያን ፈረንሳይን አብ ምድብ ሓሙሽተ፥ ቤልጂየም፣ ስሎቫኪያ፣ ሮማንያን ዩክሬንን አብ ምድብ ሽዱሽተ፥ ቱርኪ፣ ጆርጂያ፣ ፖርቹጋልን ቼክ ሪፐብሊክን ተሰሪዐን ኣለዋ። 24 ሃገራት ዝሳተፋሉ ፀወታታት ፅዋዕ ኣውሮፓ 2024 ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ምኹኑ እቲ ሓበሬታ የመላኸት ።
ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም 39 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ የመን ሞይቶም፡ 150 ደሃዮም ጠፊኡ
Jun 11, 2024 473
  አዲስ አበባ/ሰነ/4/2016/ኢዜአ/ ኣብ ገማገም ባሕሪ የመን ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ ኣስታት 39 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢን ዓለምለኸ ትካል ስደትን (IOM) ገሊጾም። እታ ኣስታት 260 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፡ ትማሊ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ከም ዝጠሓለት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሮም። ክሳብ ሕዚ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣስታት 150 ሰባት ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ዓለምለኸ ትካል ስደት፡ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝድሓኑ 71 ውጻእ መዓት ሓገዝ ይገብረሎም ከም ዘሎ ገሊፁ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን፡ ንየመን ከም መሰጋገሪ ከም ዝጥቀሙላ ይንገር። ዳይሬክተር ምምሕዳር ሩዱም ሃዲ ኣል-ኩርማ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ናብ ገማገም ባሕሪ ቅድሚ ምብጽሓ ከም ዝጠሓለት ሓቢሩ። “ገፈፍቲ ዓሳን ነበርትን ካብቶም ስደተኛታት 78 ከድሕኑ ክኢሎም፤ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ምስኦም ዝነበሩ ኣስታት 100 ካልኦት ከም ዝጠፍኡ ድማ ሓቢሮም” ኢሉ። ወሲኹ፡ “እቲ ናይ ምድላይ ስራሕቲ ሕዚ’ውን ይቕጽል ኣሎ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ንሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጡ ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ 97 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ኣትዮም። ኣብ የመን ዋላ’ውን ኲናትን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽሙዎ መጥቃዕቲ እንተቐጸለን፡ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክኣትው ዝብገሱ ስደተኛታት ብየመን ከቋርፁ ካብ ምፍታን ንደሓር ኣይበሉን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024፡ ኣብ ሰሜናዊ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ ስዒቡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝከር። እታ ጀልባ 60 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ የመን ከም ዝተበገሰትን ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ጐዶርያ ብምግልባጣ 38 ካብቶም ተሳፈርታ ከም ዝሞቱን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሓቢሩ ነይሩ።
ሃገራት ኣፍሪካ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታውድብ ሕቡራት መንግስታት  ንኽቀላጠፍ ሓቲተን
Jun 11, 2024 445
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/4/ 2016 /ኢዜአ/ሃገራት ኣፍሪካ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ንኽቀላጠፍ ሓቲተን፡፡ ካብ 10 ሃገራት ዝተውፃእፅአ ኮሚቴ ሚኒስትራት ሕብረት ኣፍሪካ÷ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ብዝምልካት ኣብ መበል 11 ጉባኤ ኣብ ኣልጀርስ ተኻይዱ፡፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀጥታን ባንኮሌ ኣዲኦዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ለውጢ የድልዮ፡፡ እዚ ለውጢ ብቕልጡፍ ንኽትግበር ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ምኽክር ንኽግበር እውን ሓቲቶም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣህጉር ኣፍሪካ ድምፂ ተኹሲ ዘይስመዐላ ምግባር፣ ግብረ ራዕዲ ምእላይ፣ ኣፍሪካዊ ውህደት ምፍጣርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ውክልና ምምሕያሽ ኣብ ኣፍሪካ ቅድሚት ትኹረት ክወሃቦም ዝግብኡ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጄሪያ ኣህመድ ኣታፍ ብግደኦም፥ “ኣፍሪካ ታሪኻዊ ኢ-ፍትሓውነት፣ ወጥሪን ምክፍፋልን ፈጢሩ ግደኣ ካብ ዘህስሰላ ስርዓት ትላቐቐሉ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምምሕያሽ ንኽግበር ትጠልብ” ክብሉ ገሊፆም፡፡ ነቲ ኮሚቴ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ሴራሊዮን ቲሞቲ ሙሳ ካባ፥ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምምሕያሽ ንኽገብር ኣብ ኣፍሪካዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ከምዘድሊ ብምሕባር፤ መራሕቲ ኣፍሪካ እዚ ዕላማ ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ዝተሃቀነ ምኽክር ንኸቀላጥፋ ሓቲቶም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2005 ዝተጣየሸ እቲ ኮሚቴ÷ አልጄሪያ ፣ ኮንጎ ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ ፣ ኬንያ ፣ ሊቢያ ፣ ናሚቢያ ፣ ሴራሊዮን ፣ ሴኔጋል ፣ ኡጋንዳን ዛምቢያን ከምዘጠቓልል ተፈሊጡ አሎ።
ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ክተበርኽ ይግባእ ተባሂሉ
May 24, 2024 602
  ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/16/ 2016 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ንክተበርኽ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ተሳትፎን ኣመራርሓን ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መሓዉር ፀጥታ ሰላምን ድሕንነትን ምክታት የድሊ ኢሎም። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ሓዊሱ ዓለም ለኸ ምምሕዳር፥ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሰንሰለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምእታው ዝነበራሉ እዋን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዓለም እንተተለወጠት እውን ዓለም ለኸ ትካላት ግን ኣብ ዘለዋሉ ደው ከምዝበላ ገሊፆም። ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ድርድር አውን እንተኾነ መንበር ከምዘይረኸባ ኣብሪሆም። ስለዝኾነ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ድምፃ ክተስምዕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ እዚ ዕላዊ ንክኸውን ሃገራት ኣፍሪኪ ብማዕረ ኣብ ዓለም ለኸ ውዳበታት ምምሕዳር ክሳተፋ ኣለወን ምባሎም ዢኑዋ ፀብፂቡ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም