ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ቀዳማይ ብምውፃእ ታዓዊቱ
Sep 14, 2024 497
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም /4/2017 /ኢዜአ/ ኣብ ቤልጂየም ብራሰልስ ኣብ ዝተኻየደ ዳያመንድ ሊግ 2024 ብውድድር 5 ሺሕ ደቂ ተባዕቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ መስርዕ ሒዞም ዓዎት አመዝጊቦም ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ 12:43.66 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳማይ ወፂኡ። ሓጎስ ገብረህይወት 12:44.25 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ፣ ጥላሁን በቀለ 12:45.63 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝልዓለ ሽልማት ትራንስፖርት ቱሪዝም ተዋሂቡዎ
Sep 13, 2024 440
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/3/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝልዓለ ሽልማት ትራንስፖርት ቱሪዝም ተዋሂቡዎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቦትስዋና ጋቦሮኒ ኣብ ዝተሳለጠ ፎረም ኣመራርሓ ቱሪዝም ኣፍሪካ 2024 ልዑል ሽልማት ትራንስፖርት ቱሪዝም ተዋሂቡዎ። እቲ ሽልማት ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ንምንገደኛታት ብምቕራብ ኢሉውን ኣብ ዘላቕነትን ሓለዋ ከባቢ ኣየርን ጠንካራ ተሳትፎ ብምግባር ምኹኑ ተፈሊጡ እዚ ልዑል ሽልማት ንኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኣፍሪካ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ትካላት ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ኢዩ ።
ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀጥታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፍትሒ ክናደዪ ኢዮም- ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ
Sep 5, 2024 488
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/30/ 2016 /ኢዜአ/ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀጥታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፈትሒ ክናደዪ ኢዮም ክብሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም። ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ናይ ዩክሬን፣ ጋዛን ሱዳንን ጎንፂታት ኣብ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዓለም ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ኣረዲኦም። ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ፈትሓዊ ዘይምዃኑን ትካላት በቲ ዝድለ ልክዕ ዘይምስረሖም ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣብሪሆም። ርክብ ደቡብ ደቡብ ፀገማት ንምፍታሕ ቁልፊ ከምዝኾነን ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ነዚ ዓምዲ ከምዝኾነን ገሊፆም። ዝጋደድ ዘሎ ለውጢ ከባብያዊ አየር፣ ድሕንነትን ፀገም ፀጥታን ሐዚ እውን ምትሕብባር ዝደሊዩ ኢዮም ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ውሕመ ናይ ኣፍሪካ ሓዊሱ ብዝግባእ ዘይተወከላ ሃገራት ውክልነአን ንምርግጋፅ ናይ መመሓየሺ ስራሕቲ ከምዘድሊዩ ተዛሪቦም። ቻይና ዝመስላ ሃገራት መስ ኣፍሪካ ዝሰርሑሉ ሓበራዊ ስራሕ ውሕመ ከምዘተባብዕ ኣረጋጊፆም።
ፕሬዚዳንት ሺ ዥንፒንግ ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም
Sep 5, 2024 466
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/30/ 2016 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዥንፒንግ ንምፍጣር ዕድል ስራሕ ዝኸውን ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ዝተረኸቡሉ ጉባኤ ቻይና ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ። ፕሬዚዳንት ሺ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ንሃገራት ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ተመፃቢዖም። ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ምዕባለ ኢንዱስትሪ፣ ግብርናን ንግዲን ብዙሓት ስራሕቲ እናወገነት ምፅንሓ ኣዘኻኺሮም። እዚ ድማ ቤጂንግን ንሃገራት ደቡብ ተመራፂት መሻርኽቲ ለምዓት ከምዝገበረ ኣብሪሆም። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ቻይናን ኣፍሪካን ፅኑዕ ርክብ ምምስራቶም ብምዝኽኻር፥ እዚ ርክብ ናብ ዝሓሸ በርኪ ምስግጋር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኣብ መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ጠሚቱ ዝተዳለወ ኩነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ
Aug 20, 2024 592
ኣዲስ ኣበበ/ነሓሰ /14/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣከባብራ መሪሕ ቃል ትምህርቲ ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ጠሚቱ ዝተዳለወ ኩነት ኣብ ዋና መንበር እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ምድላው፤ ̍ን21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፣ስርዓታት ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ፣ዘበን ሂወት፣ፅሬትን ኣግባብነትን ዘለዎ ተበፃሕነት ትምህርቲ ምስፋሕ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዩ። እቲ ኩነት፤ ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ (ኣውዳ-ኔፓድ)ን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ኮይኖም ዘዳለውዎ እዩ። እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ኣከባብራ፤ ትምህርቲ፣ቴክኖሎጅን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ንልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሽት ሳዓት 4 ክጅምር ኢዩ
Aug 16, 2024 649
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/10/ 2016 /ኢዜአ/ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2024/2025 ሎሚ ምሽት ሳዓት 4 ክጅምር ኢዩ። ብመሰረት እዚ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ፉልሃም ፈላማይ ፀወታ መርሃ ግብሪ ውድድር እዚ ዓመት ክገብራ ኢየን። ፅባሕ ድማ፥ ኢፕስዊች ምስ ሊቨርፑል፣ ኣርሰናል ምስ ወልቭስ፣ ኢቨርተን ምስ ብራይተን፣ ኒውካስል ምስ ሳውዝሃምፕተን፣ ዌስትሃም ምስ ኣስቶንቪላን ኖቲንግሃምፎረስት ምስ ቦርንማውዝ ክፃወታ ኢየን። ሰንበት ድማ፥ ቼልሲ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ኣብ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 21 ሰባት ሓሊፉ
Aug 12, 2024 585
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/6/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ኡጋንዳ ኪቲዚ አብ ዝተብሃለ ስፍራ መዋህለሊ ጉሓፍ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ እንስሳትን ኣባይቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ። ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ብዝወቐዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ክሳብ ሕዚ ህይወት 21 ሰባት ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ። ኣብታ ከተማ ኪቲዚ ብዝተብሃለ መዋህለሊ ጉሓፍ ነበርቲ ኣብ ዝደቀሱሉ ሰዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ እንስሳትን ኣባይቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ ስዒቡ ድማ ክሳብ ሕዚ 21 ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈን ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉን ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ናይ ምውፃእ ስራሕ ንኽስራሕ መምርሒ ከምዝሃቦም ተዛሪቦም። እዚ ስራሕ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሮቢናህ ናባንጃ ዘተሓባብረኦ ከምዝኾነ ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።
"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ"
Jul 29, 2024 652
አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ኢጣልያዊ ኣትለት ዝላ ጂያንማርኮ ታምቤሪ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ ቀለበት መርዓኡ ድሕሪ ምጥፋኣ ንበዓልቲ ቤቱ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ። እዚ ወዲ 32 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም፡ እታ ኣትሌታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሩባ ሴን ትወርድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ባንዴራ ሃገሩ እናምበልበለ እንተሎ እያ ቀለበቱ ካብ ኣጻብዕቱ ሞሊቓቶ። "ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ" ክብል እውን በዓልቲ ቤቱ ቺያራ ቦንተምፒ ታምቤሪ ይቕረታ ክትገብረሉ ኣብ ኢንስታግራም ብወግሒ ሓቲቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ዘጋጠመ ምጥፋእ ቀለበቱ፡ ኣብ ሰብነቱ "ብዙሕ ኪሎ ምጉዳሉ"ን “ዘይሓላፍነታዊ ስምዒታውነት”ን ከም ምኽንያት ኣቐምጡ። "ክኸውን እንተኾይኑ፤ ነዛ ቀለበት ክስእና እንተኾይነ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ቦታ ክሓስብ ኣይክእልን እየ" ክብል ዝጸሓፈ እቲ ኣትሌት፡ ሕዚ እታ ቀለበት "ንዘልኣለም ኣብ ሩባ እታ ናይ ፍቕሪ ከተማ ክትነብር እያ" ኢሉ። ቀለበት በዓልቲ ገዝኡ ቺያራ'ውን ኣብቲ ሩባ ክድርብይዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ’ሎ። "[ድሕሪኡ] ንዘልኣለም ብሓባር ክነብራ እየን። ቃልና ኣሐዲስና ዳግማይ ክንምርዖ ድማ ሓደ ተወሳኺ መመኽነይታ ክህልወና'ዩ" ክብል ገሊጹ። ቺያራ ኣብ ትሕቲ እቲ በዓልቤታ ዝጸሓፎ ይቕሬታ "ነዚ ክስተት ናብ ፍቕራዊ ኵነታት ክትቅይሮ እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ" ክትብል መልሲ ኣስፊራ። እዞም መጻምዲ ኣብ መስከረም 2022 መርዓ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሓዳር ይርከቡ። ታምቤሪ ምስታ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት መዳልያ ኦሎምፒክ ዝኾነት ኣርያና ኤሪጎ ባንዴራ ኢጣልያ እናምበልበለ እንከሎ እዩ ቀለበቱ ወዲቓ ኣብቲ ሩባ ዝተሰወረት። ንሱ ኣብ ጸወታታት ቶክዮ 2020 ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበሉ ምኽንያት፡ ምስ ቀጠራዊ ሙታዝ ኤሳ ባርሺም ናይ ብራኸ ዝላ ወርቂ መዳልያ ብሓባር ድሕሪ ምምቓሉ እዩ ነይሩ። ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ኣብ እዋን ውድድራት ፍርቂ ዝተላጽየ ቅዲ ጭሕሙ ከም "መፍለዪ ምልክት" ብምግባሩ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ።
ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ
Jul 26, 2024 508
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 19/2016(ኢዜአ)፦ መበል 33ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ። ናይ ሎሚ ዘመን መኸፈቲ ስነ ስርዓት ፀወታ ኦሎምፒክ አብ ታሪኸ ውድድር ንመጀመርታ ግዘ ካብ ስታዲዮም ወፃኢ አብ ዋሓዚ ሩባ ክግበር እዩ ። አብ ፀወታታት ኦሎምፒክ ካብ 203 ሃገራት ዝተወፃፅኡ 10 ሽሕን 500 አትሌታት ብ32 ዓይነታት ስፖርት ከም ዝወዳደሩ ዓለም ለኸ መረዳእታ ኮሚቴ ኦሎምፒክ የመላኸት። ካብ እዘን ዝተፀርሓ ሃገራት ብተወሳኺ አብ ትሕቲ ፅላል ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብሕታውያን አትሌታትን ጉጅለ ስደተኛታት ኦሎምፒክን ክሳተፉ እዮም። ብአቆፃፅራ ሳዓት ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ካብ 2 ሳዓት 30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ
ኣውስትራልያ ስብርባር ናይታ ቅድሚ 55 ዓመታት ዝጠሓለትን 21 ሰባት ዝሞቱላን መርከብ ኤምቪ ኑንጋህ ረኺባ
Jul 25, 2024 427
አዲስ አበባ/ሓምለ/18/2016/ኢዜአ/ እታ 71 ሜትሮ ዝንውሓታ ናይ ጽዕነት መርከብ ብ1969 ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሓጺን ጽዒና ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠማ ህቦብላዊ ኵነታት ኣየር ከምዝጠሓለት ይግለጽ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣለሻ ትሕቲ ባሕሪ ክካየድ ምኽንያት ኰይኑ። ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 26 ሰራሕተኛታት እቶም ሓሙሽተ ሽዑ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ካብ ማይ ክወጽኡ እንተለዉ፤ ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ግን ሓደ አስከሬን ጥራይ እዩ ተረኺቡ። ሕዚ ድማ ትካል ሳይንስ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ደረጃ ጽርየት ዘለዎ ካርታ ትሕቲ ባሕሪን ቪድዮን ተጠቒሙ ስብርባር ናይታ መርከብ ዝርከበሉ ኵነታት ኣነጺሩ ኣሎ። እታ መርከብ ብ25 ነሓሰ 1969 ናይ ሓደጋ ምልክት ምስ ሰደደት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ጥሒላ። ሽዑ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ብርክት ዝበላ መራኽብን ሰፊሕ ምድላይ ከካይዳ ጀሚረን። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እውን ዝዀነ ምልክት ናይ ዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዶም። ኣብ ዝቐጸሉ 12 ሰዓታት ከኣ ክልተ ሰባት ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ህይወት ኣድሕን ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ጣውላ ዕንጸይቲ ተጣቢቘም ከም ዝረኸቡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ነይረን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ዕጫ ዝተረፉ ሰራሕተኛታትን ባዕላ እታ መርከብን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዓሚቝ ማይ ገማግም ባሕሪ ሳውዝ ዌስት ሮክስ - ኣስታት 460 ኪ.ሜ (286 ማይልስ) ንሰሜን ካብ ሲድኒ - ስብርባር ኣካል መርከብ ብምርኣዮም ንሰበስልጣን ሓቢሮም። ንነዊሕ እዋን ኣካል ናይታ ኖንጋህ ዝተበሃለት መርከብ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረታት'ኳ እንተነበረ፡ ነታ መርከብ ንምልላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ወይ ናይ ምጥላቕ ፍልጠት ግን ኣይተረኽበን ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ብትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ምርምር ሓባራዊ ሃብቲ እትውነን ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዋ መርከብ ተወሳኺ መርመራ ክትገብር ተላኢኻ። ሽዑ ነታ ዝዓነወት መርከብ ዝዓበየ ኣካላ ከምዘይተበላሸወትን ኣብ 170 ሜትሮ ትሕቲ ባሕሪ ትኽ ኢላ ኮፍ ኢላ ረኺቦማ። ኵሎም ቀንዲ ምልክታታ ከኣ ምስ መርከብ ኖንጋህ ዝሰማማዕ ከምዝነበረ እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብዚ ሕዚ፡ ካብቲ ቦታ ተወሳኺ ምስልታት ንምእካብ ናይ ምጥላቕ መደብ ዝተትሓዘ ኰይኑ እዚ ድማ እታ መርከብ እንታይ ኰይና ከም ዝጠሓለት ዘረድእ አፋፍኖት ክህብ ተስፋ ይግበር። "እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ’ዩ" ይብል ማት ኪምበር ካብ ትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ሓባራዊ ሃብቲ ምርምር። ኣባላት ስድራቤት እቶም ሰራሕተኛታት ንኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ርኽበት እፎይታ ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም። “ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮይ’ዩ ነይሩ” ትብል ፓሜላ ሄንዲ - በዓልቲ ቤት ካፒተን ሊዮ ቦትስማን። ከም ፀብፀብ ቢቢሲ።
“ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና”- ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሚኒስትር ገንዘብ
Jul 22, 2024 430
አዲስ አበባ/ሓምለ/15/2016/ኢዜአ/ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት መደረ ዝገበሩ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ፤ እዚ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምክያዱ ንዕዉትነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎ ኢሎም። ኢትዮጵያ ብባህልን ታሪኽን ሃፍታም ሃገር ምዃና ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት፣ ምንካይ ድኽነት፣ ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኻልኦትን ዘተባብዑ ውፅኢታት እናመዝገበት ምዃና ተዛሪቦም። በቢዓመቱ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን እናተሳተፉሉ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ንዘፈር ግብርና ብምጥንኻር፣ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፣ ነባሪ ኣየር ንዜጋታት ምቹው ንክኸውን ብምግባር ናይ ዓርሱ ኣበርክቶ እናበርከተ ይርከብ ኢሎም። ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ብምፍጣር፣ ንውልቃዊ ዘፈር ብምንቅስቓስ ፀገማት ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣይተ ኣሕመድ ሓቢሮም።
4ይ ቅድመ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ውሕመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ አሎ
Jul 22, 2024 436
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/4ይ ቅድመ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ኣብ ዝህልዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲታት ፃንሒት÷ ኣፈፃፅማ ዘላቂ ሸቶታት ልምዓት 2030 ውሕመን ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዝተፈረመ ስምምዕነት ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ትግበራን ከምዝግምግም ትጽቢት ይግበር። ኣብ ስፔን ካብ ዝካየድ 4ይ ዋና ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ኣቐዲሙ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። ኣብቲ ቅድመ ጉባኤ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ውሕመ ከምኡ እውን ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣባል ሃገራት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ
Jul 22, 2024 438
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ጉጅለ 20ን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (ውሕመ) ቅድሚ ምርኻቡ፤ ኣብ ውህደት ኣፍሪካ ንምዝታይን ሓደ ውፁእ ቅዋም ንመሓዝን ኣብ ጋና ምይይጥ ተገይሩ። ኣብቲ እዋን ዘተ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እቲ እዋን ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሪፐብሊክ መሓመድ ኡልድ ጋዙዋኒ ከይዲ ውህደት ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍ ኣታሓሳሲቦም፡፡ እዚ ድማ እታ ኣህጉር ንምሕጋዝን ጠለብ ዜጋታት ንምዕዋትን ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምቅልጣፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ከይዲ እቲ ውህደት ንምድጋፍ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክታት ቀረብ ፋይናንስ ዘድሀበ ዘተ ተኻይዱ፡፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብግደኦም፥ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀፃሊ ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ዝህልዉወን ርክባት ኣብ ኣህጉራዊ ሓበራዊ ጠለብ ዝተመስረተ ንኽኸውን ኣገንዚቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ኣብ ዝኾነሎም ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብሓደ ድምፂ ምዝራብ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣመላኺቶም፡፡
ፅዋዕ ዩሮ 2024 ተዛዚሙ -ስፔን ወናኒት ፅዋዕ ዩሮ ኮይና ተመዚዛ
Jul 15, 2024 557
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/8/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ትማሊ ምሸት ሰዓት 4 ምስ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ብምዃን ተዓዊታ። እቲ ፀወታ ኣብ ስታድየም ኦሎምፒያ በርሊን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 74 ሽሕ ደጋፊ ኣትዩ ተኸታቲሉዎ። ስፔይን ንእንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ኔዘርላንድስን ብተመሳሳሊ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ በፂሓ። ሃገረ ጀርመን ዘሰናደየቶ ፀወታ ዩሮ 2024፥ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ተኸንቢቱ። ስፔይን ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ፥ ኒኮ ዊልያምን ሚካኤል ኦይራዛባልን ንሕድሕዶም ብዘቑፀርወን 2 ሸቶታት ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ 2 ን 1 ተዓዊታ። ንእንግሊዝ ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ብሕታዊት ሸቶ ድማ ኮል ፓልመር ኣቑፂሩዋ።
እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ
Jul 11, 2024 504
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/4/ 2016 /ኢዜአ/ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ(ሆላድ) 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ ሓሊፋ። ብመሰረት እዚ እንግሊዝን ስፔይን ናብ ፀወታ ፍፃመ ዝሓለፋ እንትኾና፥ ክልቲአን ብሄራዊ ጋንታታት ዝገብርኡ ፀወታ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተመልኦ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ካብ አግኡ ተተንብዩ አሎ።
ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ሳዓት 4 አብ ዝካየድ ፀወታ ክልለ ኢዩ
Jul 10, 2024 519
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 3/2016 /ኢዜአ/ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ ክልለ ኢዩ። እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ፀወታ ፈርቂ ፍፃመ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ሲግናል ኢዱና ፓርክ ከካይዳ ኢየን። ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ፥ እንግሊዝ ንስዊዘርላንድ፣ ኔዘርላንድስ ንቱርክ ብምስዓር ናብ ፈርቂ ፍፃመ ምፅንባረን ይዝከር። ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ ፀወታ ናብ ፍፃመ መን ሓለፈ፥ ስፔን ኣብ ልዕሊ ፈረንሳይ 2 ን1 በዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ ኢያ። ስለዚ ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ክልለ ኢዩ።
ስፔንን ፈረንሳይን ሎሚ ምሽት ሳዓት ዓርባዕተ ናብ ፍርቂ ፍፃመ መን ሓለፈ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን
Jul 9, 2024 474
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/2/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ፀወታ ናብ ፍርቂ ፍፃመ መንሓለፈ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ። ኣብቲ ሰዓት 4 ምሸት ዝካየድ ፀወታ፥ ስፔንን ፈረንሳይን ክጋጠማ ኢየን። እተን ሃገራት፥ 75 ሺሕን 24 ተዓዛቢ ኣብ ዘተኣናግድ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና ኢየን ፀወተአን ከካይዳ። ልዑል ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ፀወታ ናብ ርብዒ ፍፃመ መን ሓለፈ፥ ስፔን ኣብ ልዕሊ ጀርመን 2 ን1 ምዕዋታ ይዝከር። ኣብ ስሩዕ ሰዓት ባዶ ንባዶ ዝተፈላለያ ፈረንሳይን ፖርቹጋልን ድማ፥ ብፍፁም ቅላዕ ፈረንሳይ ስዒራ ኢያ። ብመሰረት እዚ ሎሚ ስፔንን ፈረንሳይን ናብ ፍርቂ ፍፃመ መን ሓለፈ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ክልቲአን ሃገራት ቅድመ ሐዚ 36 ጊዜ ዝተራኸባ አንትኾና፥ ስፔን 16 ጊዜ ብምስዓር ፀብለልታ ኣለዋ። ፈረንሳይ ድማ 13 ጊዜ ተዓዊታ፤ ዝተረፉ ሸውዓተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።
ብሪክስ ባዕሉ ዝኸኣለ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝጅምር ተሓቢሩ
Jul 8, 2024 455
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/1/ 2016 /ኢዜአ/ብሪክስ ባዕሉ ዝኸኣለ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝጅምር ሩሲያ ኣፍሊጣ። ኣብ ቻይና ቤጂንግ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 12 ዓለም ለኸ ፎረም ሰላም፥ ሩሲያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ብሄራዊ ሸርፊ እትገብሮ መጠን ልውውጥ ንግዲ በቢእዋኑ ይምዕብል ከምዘሎ ተገሊፁ። ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ቻይና ኢጎር ሞርጉሎቭ፥ ሃገራት ጉጅለ ኢኮኖሚ ብሪክስ ካብ ልዕልነት ሳልሳይ ወገን ናፃ ዝኾነ ሰርዓት ፋይናንስ ንምጅማር ይሰርሓ ኣለዋ ኢሎም። ንኣብነት ልውውጥ ንግዲ ሩሲያ-ቻይና 240 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ሓቢሮም። ኣብ ፅዕንቶ ዶላር ዝነበረ ምንቅስቓስ ንግዲ ብምግዳፍ ንናፃ ሰርዓት ፋይናንስ መፍትሕታት ነዳሊ ኣለና ምባሎም ኣርቲ ፀብፂቡ።