ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ኢትዮጵያ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት እናዘርገሐት እያ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
Mar 17, 2025 281
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስራሕቲ ዝርገሐ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ጌራ እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ተዛሪቦም። መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስን ምጣነ ሃፍትን ኮሚሽን ኢኮሚክ ኣፍሪካ ብብርኪ ሚኒስትራት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ክላቨር ጋቴቴ፣ዋና ፀሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ፋይናንስ፣ልምዓት ኢኮኖምን ኢንቨስትመንትን ዚምባብዌ ከምኡ እውን ተሰናባቲ ኣቦ መንበር ቢሮ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ኢኮኖምን ልምዓትን ኣንድሪው ቡቩምቤን ተረኺቦም። ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ሽግግር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምግባር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ትርከብ። ድሌት ዶብ ኣልቦ ነፃ ዕድጊት ሸቐጥን ኣገልግሎትን ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ካብ ባህጊ ዝሓለፈ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ሃገራት ስምምዕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ምፅዳቕ ብተወሳኺ ናብ ተግባር ምቕያርን ዕዉት ኮሚቴ ብሄራዊ ምትሕብባር ብምጥያሽ ብቆራፅነት ምስራሕን ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ንውህደት ንግዲ ኣፍሪካውያን ወሳኒ እጃም ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምዝርጋሕ ትኹረት ከምዝገበረት እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ዞባዊ ዓቕሚ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ዝኸውን ተመጣጣኒ፣ተሓዳስን ዘተኣማምንን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ውህደት ኢኮኖሚ ንምስላጥ እናሰርሐት ከምትርከብ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ጉባኤ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ
Mar 17, 2025 340
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/8/ 2017 /ኢዜአ/መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፣ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ዋና ፅሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ፣ ዋና ፅሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔ፣ ሚኒስትራት ፣ ሓለፍቲ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ተረኺቦም፡፡
ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ስልጣኖም ብዕሊ ተረኪቦም
Mar 13, 2025 292
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/4/ 2017 /ኢዜአ/ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ የሱፍ ሓዊሱ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ስልጣኖም ብዕሊ ተረኪቦም። ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ርኽክብ፥ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ጆአዎ ሎሬንሶ፣ ተሰናባቲን ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮሚሽን እቲ ሕብረትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም። 9ን 10ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝተሳለጠ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ናይጂቡቲ ዜግነት ዘለዎም ማህሙድ ዓሊ የሱፍን ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣልጄሪያዊት ኣምባሳደር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ ምክትል ኣዶ መንበር እቲ ኮሚሽን ንክኾኑ ምምራፁ ይዝከር።
ኢትዮጵያ ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ገሊፃ
Mar 12, 2025 249
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/3/ 2017 /ኢዜአ/ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣካል መበል 57 ጉባኤ ሚኒስትራት ዝኾነ ኣኼባ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፤ ኢትዮጵያ ንትግበራ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ መርአያ ዝኾኑ ተግባራት ምውጋን ከምዝኸኣለት ገሊፀን። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓትን ቀረብ ሓይሊን ንምትእስሳር እናሰርሐቶም ትርከብ ተግባራት ብምፅራሕ፤ ንትግበራ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፀን። እቲ ጉባኤ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ምቅልጣፍ፤ ኣፈፃፅምኡ ዘደንፍዑ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲታት ምሕንፃፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳብ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ብቐንዱ ዛዕባታት ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ዝዝቲ ጉባኤ እንትኸውን÷ ኣብ ዲጂታላይዜሽን፣ ቴክኖሎጂ፣ ጉዳያት ኢነርጂን ውሕስና ምግቢን ከምዝሽፍን እውን ተሓቢሩ።
"ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ"-ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ
Feb 17, 2025 340
አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኣፍሪካ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ገሊፆም። ኣብታ ኣህጉር ኣብ ሰላምን ፀጥታን ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ኩነታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣፍሪካን ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና መግለፂ እንትህቡ፣ ኣብ መላእ ኣህጉር ብዛዕባ ሰላምን ፀጥታን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘንፀባርቕ እዩ። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ሱዳን፣ሳሕል፣ሊብያ፣ ሞዛምቢክን ዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ፀገማት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም። ከም መግለፂ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ፤ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ሶማልያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ምቅላል ተራኦም ይፃወቱ ኣለዉ። ንዚ ድማ ካብ ፈንድ ሰላም ሕብረት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተገይሩ ኣሎ ። ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንፀገማት ኣፍሪካ ብዝብል ኣምር’ውን ነቲ ፀገም ፍታሕ ክረክብ ክደፍእ እዩ። ፀገማት ኣፍሪካ ዝተዋደደ ስጉምቲ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ክገብር ፀዊዖም። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቶም። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘሎ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ፀገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ይፅውዕ ኢሎም። ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኣገደት ኣዘኻኺሮም፤ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ዘተ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ባንኮሌ፣ ኣብቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ ቅትለት ንፁሃት ሰባት፣ፃታዊ ዓመፅ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይዕዘብ ከምዘሎ ሓቢሮም። ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ብዘይካ ዘተ ካልእ ወተሃደራዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም። ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞዛምቢክን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ንምፍታሕን ኩለመዳያዊ ሰላም ንምምፃእን ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ሴኔጋልን ሞሪሸስን ብመረፃ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝተገበረለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሶም። ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንኹሉ ዘካተተ ዘተ ብምክያድ መፍትሒ ክረኽቡ ድሌት ከምዘለዎን ነዚ እውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
"ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርዓ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ
Feb 17, 2025 314
አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን "ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርኣ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከምኡ’ውን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተሳቲፎም። እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣህጉር ዘትዩ ውሳኔታት ኣሕሊፉ። እቲ ዝተኻየደ ዘተ’ውን ኣብ ትካላዊ ፅገናታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምሕዳስ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ቀፃሊ ፃዕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ሰላምን ፀጥታን ኣህጉር ዘተኮረ እዩ። ካብ’ቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ኣተገባብራ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣህጉራዊ ንግድን ቁጠባዊ ውህደትን፡ ሕርሻን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፣ሰብኣዊ መሰላት፣ምብቃዕ ስርዓተ ፆታን መንእሰያትን ከምኡ’ውን ትካላዊ ምድላዋት ተዘትዩሎም። ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዩሱፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም፤ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ነበር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይርሎም።
ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታን ዝነገሰላ ንኸትከውን ጎንፅታት ጠጠው ንኸብሉ ክሰርሕ ኢየ-ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ
Feb 15, 2025 309
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/2017 (ኢዜአ)ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታአን ዝነገሰላ ንክትከውን ጎንፅታት ጠጠው ንኸብሉ ክሰርሕ ኢየ ክብሉ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ብምኻነ ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ በፍላይ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ፀጥታን ከምዝሰርሑ ኢዮም ተዛሪቦም። ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ዝፈጠሮ ዕድል ብምጥቃም ኣብታ ኣህጉር ስሉጥ ዘምድና ነግዲ ንክህሊ ጠመተ ብምሃብ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም። ሃገሮም ኣብ ኣፍሪካ ንዝካየዱ ዋና ዋና መደባትን ፕሮጀክታትን መፈፀሚ ዝውዕል ፋይናንስ ንምትእኽካብ መስ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ከምእትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝካየዱ ትካላዊ መመሓየሺታት ንረብሓ ኣፍሪካ ቆላሕቲ ንክህቡ ድማ ሓቲቶም።
ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ክሳብ ትረክብ ፃዕረይ ክቐፅል እዩ- ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ
Feb 15, 2025 254
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/2017 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ እቲ ሕብረት ቀዋሚ መንበር ክሳብ ትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም። ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብባዕዳዊ መግዛእትን ነግዲ ባሪያን ልዑል በደል ዝበፅሓ ኣህጉር ምዃና ክዝንጋዕ አየብሉን ኢሎም። ስለዝኾነ ግቡእ ካሕሳ ክትረክብ ከምዝግበኣ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም። ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ዘይምርካባ አልዒሎም ፥ ስለዝኾነ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም። ንሰላምን ፀጥታን ብዝግባእ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብ ሱዳንን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ጎንጎን ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ደው ንክብል ኣተሓሳሲቦም። ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዞባዊ መስሕሓብ ክእለ ከምዝግባእ እወን ገሊፆም። ሕቡራት መንግስታት እውን ዘግበር ኩለ መዳያዊ ደገፋት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም። ገብረ ራዕድነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ዘለዎ ፀቕጢ ብቐሊሉ ክረአ ከምዘይግባእ እቶም ዋና ፀሓፊ አመልኪቶም።
ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Feb 15, 2025 234
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/ብስሉጥ ይዓቢ ኣብ ዘሎ ዲጂታል ምህዳር ተወዳደርቲ ተፃወትትቲ ምዃና ንምርግጋፅ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ክትሳተፍ አለዋ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፥ ብስሉጥ እናዓበየ ዝመፅአ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢኮኖሚናን ማሕበረሰብናን ንምብራኸ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም። ዓውዲ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ተሓዳሲ ሓይሊን ሞባይል ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ከም ለውጢ ከባብያዊ አየር፣ ዘይ ሙሉኡ መሰረተ ልምዓትን ፀገም ጥዕና ሕብረተሰበን ዝኣመሰሉ ሓበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም። ብዛዕባ ሓበሬታ ሉእላዊነት፣ ተረባሕነት ሓቓፊ ቴክኖሎጂን ልምዓትን እውን ኣብ መደረኦም ብገፊሑ አቐሪቦም ።
ፍልስፍና ምድማር ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Feb 15, 2025 234
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/ፍልስፍና ምድማር ብዙህነትን ሕብረትን ንምጥንኻር ቁልፊ ግደ ምህላዉ ከምዘለዎ ኮይኑ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንኣፍሪካዊያንን ዘርዓ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ብብዕዳዊ መግዛእቲ ዝመፅአና ስምብራት ባዕልኻ ብምኽኣልን ድኽነት ብምስዓርን ክነሕውዮ ይግበአና ኢሎም። ነዚ እውን ዝተፈላለዩ ምዕቡላት ተልሚታት ግብርና ተግባራዊ ብምግባር፣ ብምግቢ ዓርስና ብምኽኣልን ድኽነት ብምስዓርን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም። ኢትዮጵያ በዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ተልሚታት ግብርና ብምጥቃም ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ምዃን ከምዝኸኣለት ኣብሪሆም። ንቐፃሊ ትውልዲ አውን ዘበን ተሳጋሪ ሰረት ንምንባር ኣፍሪካዊ ዲያስፖራ ምንቕቓሕን ምስታፍን ይግባእ ኢሎም። ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ብሓባር ብምድማር ኣፍሪካዊያን እንደሊያ ዝማዕበለት ኣህጉር መፍጣር ንኽእል ኢና ብምባል፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስምብራትና በዚ ኢና እነሕውዮ ከብሉ ኣፅንኦት ሂቦም። ናይ ኣፍሪካ ናይ ካሕሳ ሕቶ ካብ ቃል ብዝዘለለ ፍትሒ ናይ ምንጋስ ሕቶ ኢዩ እወን ኢሎም። ዝኾነ ይኹን ዘርኢ ሰብ ብማዕርነት ተኸቢሩ መእንታ ክነብር ፍትሒ ምንጋስ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Feb 15, 2025 217
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2017 /ኢዜአ/መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ፥ “መከሓሓሲ ፈትሒ ንኣፍሪካውያንን ዘርዓ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቲ ጉባኤ፥ አብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ብምምካር ውሳነታት ከማሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ኣጀንዳታት ትካላዊ መመሓየሺ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ናይ መከሓሓሲ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፣ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ዘተ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣፈፃፅማን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንግዲን ኢኮኖሚን ነፃ ዞባ ነግዲ ኣፍሪካ፣ ገብርናን ለውጢ ከባብያዊ አየርን፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰርዓተ ፆታን መናእሰይ ምብቃዕን ከምኡውን ኣወዳድባ ትካላት ዝጠመተ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ክዛተ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ። 5ን 6ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝተሳለጠ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እቶም መራሕቲ ዝዛተይሉ ኣጀንዳታት ምፅዳቑ ይፍለጥ።
ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ትፅቢት ይግበረላ
Feb 13, 2025 255
አዲስ አበባ/የካቲት/6/2017/ኢዜአ/ኣፍሪካ ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ክተረጋግፅ ከምዘለዋ ኮሚሽነር ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ ገሊፀን። መበል 46 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ይርከብ። ኮሚሽነር ግብርና፣ ልምዓት ገጠር፣ ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባቢ ኣየርን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ምግቢ ኣፍሪካ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን። ኣብ መግለፂአን ከምዝበልኦ፤ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ለበዳ፣ ለውጢ ኸባቢ ኣየር፣ ጎንፂ ዩክሬንን ሩስያን ዝኣመሰሉ ኣህጉር ለኻውን ዓለም ለኻውን ፀቕጥታት ኢኮኖሚኣ ኣዝዩ ተጎዲኡ 'ዩ። ከም መብሪሂ እተን ኣምባሳደር፤ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2050 ህዝቢ ኣፍሪካ ኽልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢሊዮን ክበፅሕ 'ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ብምዃኑ 'ውን ምስ በዝሒ ህዝባ ዝመጣጠን ቐፃልነት ዘለዎ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ትፅቢት ይግበረላ ኢለን። 70 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ኣፍሪካ ኣብ ትሕት ብርኪ መነባብሮን ኣብ ገጠርን ከምዝነብር ሓቢረን። “ኣፍሪካውያን ለማዓንቲ ዘይኾኑስ ሰብ ዋና ብርክት ዝበለ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ 'ዮም ብምባል፤ ብምዃኑ 'ውን ኣፍሪካ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብኣግባቡ ብምልማዕ ናብ ምህርቲ ምቕያር ይግባእ ክብላ ተዛሪበን።
ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንኽግበር ካብ ግብፂ ጉቦ ዝተቐበሉ ሴናተር ብ11 ዓመት ማእሰርቲ ተቐፂዖም
Jan 30, 2025 317
አዲስ አበባ/ጥሪ/22/2017/ኢዜአ/ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንኽግበር ረብሓ ግብፂ ንምሕላው ጉቦ ዝተቐበሉ ነበር ሴናተር ኒው ጀርዚ ቦብ ሜኔንዴዝ ናይ 11 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም። ንኻልእ ሃገር ብምሕጋዝ 16 ኽስታት ዝቐረብዎም ሜንዴዝ፤ እንተንኣሰ 15 ዓመታት ክፍረደሎም ከምዝግባእ ተገሊፁ። ብፍላይ ካብ መንግስቲ ግብፂ ዝተቐበሉዎም ብርክት ዝበሉ ወርቅታት፣ ጥረ ገንዘብን መርሴዲስ ቤንዝ መኪናን ንገበኖም መረጋገፂ ተገይሮም ንቤት ፍርዲ ከም መረዳእታ ምቕራቦም ፀብፃብ ሮይተርስ የመላኽት። ሜንዴዝ ብጠበቕኦም ኣቢሎም ቕልል ዝበለ መቕፃዕቲ ማሕበራዊ ግልጋሎት እንተሓተቱ 'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ሕቶኦም ኣይተቐበሎን።
ሶማሊላንድ ርኽክብ ስልጣን ፕሬዝዳንትነት ገይራ
Dec 12, 2024 574
አዲስ አበባ/ታሕሳስ/3/2017/ኢዜአ/ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ዋዳኒን ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሶማሊላንድን ዝነበሩ ኣብዲራህማን 6ይ ፕሬዝዳንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኾይኖም ንምስራሕ ቓለ ማሕላ ፈፂሞም። ኣብደልራህማን ሞሃመድ ኣብዱላሂ ካብ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ንስልጣን ፕሬዝዳንትነት ሶማሊላንድ ሎማዓንቲ ተረኪቦም። እቶም ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ምስ ኢትዮጵያ ንዘሎ ርክብ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመላኺቶም። ፕሬዝዳንት ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፤ ንሃገራዊ ሓድነት፣ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ቐዳምነት ንምሃብ ቓል ኣትዮም። ጉልቡትን ንኹሉ ዘካተተ ሶማሊላንድን ንምህናፅ ጉዕዞ ጀሚርና። ጉዳይ ፖለቲካ ዝኾነ ይኹን ንሕድሕድ ዜጋ ብሩህ ተስፋ ንክህልዎ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ንዘበርክቶ ዘሎ ኣበርክቶ ሸልማት ተዋሂቡዎ
Dec 6, 2024 501
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/27/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣየር ትራንስፖርት ንምዕባለ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ናይጄሪያ ንዘበርክቶ ዘሎ ዝለዓለ ኣበርክቶ ሸልማት ተዋሂቡዎ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ ኣቡጃ ኣብ ዝተኻየደ ኤክስፖ ቱሪዝምን ትራንስፖርትን ንምዕባለ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ናይጄሪያ ብዓውዲ ኣየር ትራንስፖርት ዘበርክቶ ዘሎ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ "Outstanding Onboarding Experience Achievements” ኢዩ ሽልማት ተዋሂቡዎ። እቲ ዓመታዊ ኤክስፖ ቱሪዝም ምትእስሳር ትራንስፖርት ንምዕባለ ቱሪዝም ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ትካላት ተሳቲፎም።
እናተጋደደ ዝመፀ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማሊያ
Nov 28, 2024 521
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 19/2017 (ኢዜኣ) ትማሊ ኣብ ፓርላማ ሶማሊያ ረብሻ ኣጋጢሙ። ኣካይዳ መንግስቲ ሶማሊያ ዝተቓወሙ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ቁጠዐኦም ኣብ ውሽጢ ፓርላማ እንትገልፁ ተራእዩ እዩ። ፓርላማ ሶማሊያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ መንግስቲ እታ ሃገር ሰራዊት ሶማሊያ ዕጡቕ ሓይሊ ኣልሸባብ ካብ ምውጋእ ኣብ ዘርኣዊ ምክፍፋል ንክፅመድ ብምግባር ዝሓዞም ቦታታት እውን ንከየመሓዳድር ገይሩ እዩ ኢሉ። ኣብታ ሃገር ግዕዝይና ሱር እናሰደደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ሰራዊት ንመሳርሒ ፖለቲካ እናተጠቐመሉ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘርኣዊ ክፍፍል ንክፍጠር እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሶማሊያ ካብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ወፃኢ መሰላት ክልላዊ ምምሕዳራት መንግስቲ እታ ሃገር እናተዳፍአ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሶማሊያውያን ንምክፍፋል ዝገብሮ ስራሕ ጠጠው ንከብል ፃውዒት ኣቕሪቡ። መንግስቲ እታ ሃገር እዞም ሓደገኛ መንገድታት ጠጠው እንተዘይኣቢልዎም ሶማሊያ ሓደጋ ምፍራስ ከምዘጋጥማ እቶም ኣባላት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣተሓሳሲቦም።