ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
አብ አፍሪካ ሙሉእ ስላም ንምምፃእ ይግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ዲፕሎማሲ ተስፋ ወሃብቲ እዮም -አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ
May 8, 2025 542
አዲስ አበባ/ ሚያዚያ/ 29 /2017 (ኢዜአ)፦አብ አፍሪካ ሙሉእ ስላም ንምምፃእ ይግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ዲፕሎማሲ ተስፋ ወሃብቲ እዮም ክብሉ አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካመሐመድ አሊ ዩሱፍ ገሊፆም። አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካመሐመድ አሊ ዩሱፍ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ቴሬስ ካይክዋምባ ዋግነር አብ አዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም። እቲ ዘተ ቀንዲ ጠመትኡ አብ ምብራቓዊ ሪፐብሊክ ኮንጎን አብ ዞባ ዓበይቲ ቃላያት (ግሬት ሌክስ) ሰላም ድሕንነትን ምርግጋእን ንምዕሳል ኣብ ዘኸእል ጉዳያት ዝጠመተ እዩ ነይሩ።
ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ደገፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም
May 6, 2025 533
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 28/2017 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣፍሊጦም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ብሓባር ብምዃን ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ ካብ 27 ክሳብ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ምስ ሰብ መዝን ዝምልከቶም ኣካላትን እታ ሃገር ዘትዮም። ክልቲኦም ትካላት ኣብ ውጽኢት እቲ ዘተን ቀፃሊ ኣንፈትን ኣመልኪቶም ሓባራዊ መግለፂ ሂቦም። እቲ ዘተ፤ ኩነታት ፖለቲካን ድሕንነትን ደቡብ ሱዳን ከምኡ እውን ከይዲ ሰላም ዘለዎ ብርኪ ዝተመልከተ እዩ። እቲ ዑደት ደቡብ ሱዳን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2018 ብዝተፈረመ ሓዱሽ ምቁራፅ ጎንፅን ስምምዕ ሰላምን ኣቢላ ኣብ ሽግግር ኣብ ዘላትሉ ወሳኒ እዋን ዝተገበረ ከምዝኾነ እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ። ኣብ ጁባ እውን ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲትን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚን ዘተ ተገይሩ። እቲ ሓባራዊ መግለፂ፤ እቲ ዘተ ዘተኮረሎም ነጥብታት ኣቐሚጡ እዩ። ውጽኢት ብልዑል ፃዕሪ ዝተረኸበ ስምምዕ ሰላም ምሕላው፣ኣሳታፊ ብሄራዊ ምኽክር ምግባርን ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕን ከምኡ እውን ብገደብ ግዜ ዝፍፀም፣ተኣማንነት ዘለዎን ግልፅን ዝኾነ ፍኖተ ካርታ ሽግግር ምድጋፍን ምጥንኻር ዓቕሚ ትካላት ምምሕዳርን ዘተ ካብ ዝተገበረሎም ጉዳያት እዮም። ብተወሳኺ እውን ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙት፣ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝሓቖፈ ትሮይካን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከይዲ ሽግግር ብግልፂ ኣካይዳ ምምራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘትዮም። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፤ ሰላም፣ምርግጋዕን ሓቛፋይ ምምሕዳርን ንዘላቒ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ዞባዊ ምትእስሳርን መሰረት ዘንብሩ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለፂ ገሊፁ። ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙት ብምዃን ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንክህሉን ቁልፊ ጉዳያት እቲ ስምምዕ ሰላም ዝኾኑ ንክሕለዉን ብሙሉእ ቆራፅነት ብሓባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም። መፃኢ ግዜ ደቡብ ሱዳን ሓድነት ዝሰፈነሉ፣ብፈተናታት ዘይሽነፍን ብልፅግና ዝተረጋገፀሉን ንክኸውን ዘይተገደበ ደገፍ ከምዝገብሩ እውን ኣብቲ መግለፂ ኣፍሊጦም።
ስትራቴጂ ቀፃሊ 10 ዓመታትን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ካዴፕ ዕላዊ ክኸውን እዩ
May 3, 2025 524
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /25/2017 (ኢዜኣ) ስትራቴጂ ቀፃሊ 10 ዓመታትን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ፕሮግራም ኩለ መዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ ሕብረት ኣፍሪካ(ካዴፕ) ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ዕላዊ ክኸውን እዩ። ስነ ስርዓት ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ካብ 27 ክሳብ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ክካየድ እዩ። እቲ ስትራቴጅን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2026 ክሳብ 2035 ዝፀንሕ እዩ። ዘላቒ መፍረያነት፣ኣግሮ ኢንዱስትሪን ንግድን ብዝበለፀ ምጥንኻር፣መጠን ኢንቨስትመንት ብምዕባይ ትራንስፎርሜሽን ስርዓተ ስነ ምግቢ ምስላጥ ከምኡ እውን ውሕስና ምግብን ስርዓተ ምግብን ምርግጋፅ ካብቶም ቀንዲ ትኹረት እቲ ስትራቴጂ ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ብተወሳኺ እውን ንዜጋታት ሓቛፋይን ማዕረን ዝኾነ ኩነታት መነባብሮ ምፍጣር፣ዘላቒ ስርዓተ ምግቢ ምህናፅን ምምሕዳር ስርዓት ምግቢ ምጥንኻርን ተወሰኽቲ ሽቶታት ካዴፕ እዮም። እቲ ስትራቴጂ መፍረያይነት ግብርና ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2035 ብ45 ሚኢታዊ ንምዕባይ ትልሚ ከምዝሓዘ ተገሊፁ። ሕብረት ኣፍሪካ ካዴፕ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ስትራቴጂ 10 ዓመት ከምዘፅደቐ ዝዝከር እዩ። እቲ ማዕቐፍ ስትራቴጂን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ካዴፕ ካምፓላ ዝብል ስያመ እውን ተዋሂብዎ እዩ። ካዴፕ ኣህጉራዊ ማዕቐፍ ኣጀንዳ 2063 እዩ። ካዴፕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2003 ኣብ ሞዛምፒክ ብዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዕላዊ ዝኾነ መርሃ ግብሪ እንትኸውን ድንጋገ ማፑቶ ዝብል ስያመ ኣብቲ እዋን ተዋሂብዎ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። እቲ ማዕቐፍ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2014 ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢኳቶሪያ ጊኒ ማላቦ ኣብ ዘካየዶ መበል 23 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ እንትኸውን ድንጋገ ማላቦ (Malabo Declaration on Accelerated Agricultural Growth) ዝብል ስያመ እውን ተዋሂብዎ እዩ።
ንፍቀ ደቡብ ዓለም ንብልፅግናን ሓበራዊ ድሕንነትን ዓለም ብምትሕብባር ክሰርሑ አለዎም -- ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)
Apr 30, 2025 533
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ምትሕብባር ክጠናኸር ሓቲቶም ኣዲስ ኣበ/ ሚያዝያ/22/ 2017/ኢዜአ/ ንፍቀ ደቡብ ዓለም ንብልፅግናን ሓበራዊ ድሕንነትን ዓለም ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ፀዊዖም እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖዎ መደረ፤ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ዓለም እናጋጠሙ ዘለው ዘይግመቱ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ብምሕባር ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ምትሕብባር ክጠናኸር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡ ጎና ጎኒ እቲ አኼባ ምስ ኣባላት ብሪክስን ሚኒስትራት ወፃኢ ጉዳይ መሓዙት ሃገራትን ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳይ ዘተ ምክያዶም ካብቲ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲ ጄኔሮ ክካየድ ዝፀንሐ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ተዛዚሙ፡፡
ሎሚ ምሸት ኣርሰናልን ክሪስታል ፓላስን ግጥመን ከካይዳ እየን
Apr 23, 2025 595
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ኤሚሬትስ ምሸት ሰዓት 4 ንክሪስታል ፓላስ ክተተናግድ ኢያ። ክልቲአን ጋንታታት ብኹሉ ዓይነት ውድድር ኣብ ዝገበረኦ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሕድሕድ ፀወታታት ኣርሰናል ንሓሙሽቲኦም ብምስዓር ፀብለልታ ኣለዋ። ኣርሰናል ሎሚ ምሸት ብክሪስታል ፓላስ እንተተሳዒራ ሊቨርፑል ፀወታኣ እንተይገበረት ፅዋዕ እቲ ፕሪሚየር ሊግ ምልዓላ ክተረጋግፅ ኢያ። ትማሊ ምሸት ብዝተገበረ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ንኣስቶንቪላ 2 ን 1 ብዘኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ። እቲ ውፅኢት ስዒቡ ማንቼስተር ሲቲ ብ61 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ኣስቶንቪላ ብ57 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ ትርከብ።
መንግስቲ ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ እዩ-ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት
Apr 22, 2025 568
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስርሑ ዝኣነድ ተግባር ከምዝኾነ ላዕለዋይ ሓላፊት ፕሮግራም ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ሚሞሪ ምዋሌ ገሊፀን። እተን ሓላፊት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ስደተኛታት ምስ ኢትዮጵያ ብምሕዝነት እዩ ዝሰርሕ። ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ጉዳይ ስደተኛታትን ድሕንነቶምን ብሕግን ስርዓትን ንክምራሕ ትገብሮ ዘላ ተግባር ዝነኣድ ስራሕ እዩ ኢለን። ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብምትሕብባር እናሰርሑ ስለዝኾኑ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እውን ተዋዲዶም ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን። ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ድሕንነትን ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ስደተኛታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ትልሚ ሃገር ለኸ ኮሙኒኬሽንን ሓባራዊ ስትራቴጂን ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝገበረ ኣዘኻኺረን። ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ምስ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን እተን ሓላፊት ሓቢረን።
ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
Apr 15, 2025 575
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 7/2017 (ኢዜኣ) መበል 24 ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሒሩት ዘመነ ንሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ብምውካል መደረ ገይረን። ኣብ መደረአን እውን ብብርኪ ዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ውጥረታት ጂኦፖለቲካ፣ጎንፅታት፣ዕዳ ልቓሕ፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ካልኦት ዘይግመቱ ኩነታትን ኣብታ ኣህጉር ፅልዋ ንከየሕድሩን ጸገማት ቅድሚ ምፍጣሮምን እቲ ሕብረት ጥበብ ዝተመልኦ ኣመራርሓ ክህብ ከምዘለዎ ገሊፀን። ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ እቲ ሕብረት ምስ ዘቐመጦ ኣጀንዳ 2063 ዝተናበበን እታ ኣህጉር ናብ ዝተረጋገዐትን ዘላቕነት ዘለዎ ኣንፈት ዕቤትን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢረን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ መረፃ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ከካይድ እዩ። ኣማኻሪ ኣወዳድባ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ(AUCIL)ን ቤት ምኽሪ ህዋ ኣፍሪካ(AfSC)ን ብተመሳሳሊ ሓደ ሓደ ኣባላት ከምርፁ እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ፤ ከይዲ መረፃ ኮሚሽነር ትምህርቲ፣ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን፣ ኮሚሽን ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝም፣ንግዲ፣ኢንዱስትሪን መዓድንን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ፀብፃብ ከምዘዳምፅ እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ የመላኽት። ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሓባራዊ ድሌት ዝኾኑ ጉዳያት ፖሊሲ ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ዘተሓባብርን ውሳነ ዝህብን ኣካል እዩ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣንጎላን ኣቦ መንበር እቲ ቤት ምኽሪ እዚ እዋንን ቴቴ ኣንቶኒዮ፣ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረት፣ኣምባሳደራት፣ዲፕሎማትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ህፁፅ ኣኼባ ጀሚሩ
Apr 15, 2025 440
ካ ህፁፅ ኣኼባ ጀሚሩ ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/7/ 2017 /ኢዜአ/ መበል 24 ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ህፁፅ ኣኼባ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላን ኣቦ ወንበር እቲ ቤት ምኽሪን ቴቴ አንቶኒዮ፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ትካላት እቲ ሕብረት ፣ ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦትን ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ሓደ ኣባል መረፃ ከምዘካይድ ተፈሊጡ አሎ፡፡ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ÷ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ሓበራዊ ድልየት ዝኾኑ ጉዳያት ፖሊሲ ዘተሓባብርን ውሳነ ዝህብን ኣካል እዩ፡፡
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ ሽልማታት ረኺቡ
Apr 14, 2025 360
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /6/2017 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ እዋን በረራ ቀረብ ሙሩፅ ምግቢ መንገዲ ኣየርን ኣብ ኣፍሪካ ቀዲሙ ብዝተረከቦም ኣውሮፕላናት ኤርባስ A350-1000 ብዝህቦም ዘበናዊ ኣገልግሎታትን ክልተ ሽልማታት ረኺቡ። እቲ መንገዲ ኣየር፤ ኣብ ጀርመን ሃምቡርግ ኣብ ዝተሳለጡ ክልተ መርሃ ግብርታት ኣብ ኣፍሪካ ኣብ እዋን በረራ ቀረብ ሙሩፅ ምግቢ መንገዲ ኣየርን ኣብ ኣፍሪካ ቀዲሙ ብዝተረከቦም ኣውሮፕላናት ኤርባስ A350-1000 ብዝህቦም ዘበናዊ ኣገልግሎታትን እዩ ሽልማታት “Cabin Concept of the Year 2025” ዝተቐበለ። እዞም ሽልማታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝህቦም ኣገልግሎታት ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘጎናፀፉዎን ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳሪነት ዘጠናኽሩን ከምዝኾኑ ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።
ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ
Apr 9, 2025 501
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /1/2017 (ኢዜኣ) ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ባህልን ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ መበል 11 ፎረም ክልላዊ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ። ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እዩ ተጀሚሩ። እቲ ፎረም፤ “ኣብ ዘላቕን ሓቛፍን ሳይንስን ሓበሬታን መሰረት ኣብ ዝገበሩ መፍትሕታት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ምቅልጣፍን ፤ ኣጀንዳታት 2063 ክውን ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን ብምትሕብባር ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን መንግስቲ ዩጋንዳን እዩ ተዳሊዉ። ኢትዮጵያ እውን ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ባህልን ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ብዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ እናተሳተፈት እያ ትርከብ። ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ኣብቲ ፎረም ይሳተፉ ኣለዉ። ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ካጉታ ሙሴቬኒ ኣብቲ ፎረም ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ኣፍሪካ ኣቕራቢት ጥረ ኣቑሑ ካብ ምዃን ተላቒቓ ብፀጋታት ዝማዕበለ ውፅኢት ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ተረባሕነታ ክተረጋግፅ ይግባእ። ዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምጥንኻር እውን ተረባሕነት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ከምዘቀላጥፍ ሓቢሮም። እቲ ፎረም፤ ኣፈፃፅማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2015 ዝፀደቐ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ከምኡ እውን ኣጀንዳታት ሓቛፍን ዘላቒ ልምዓትን 2063 ከምዝግምግም ትፅቢት ይግበር። ትግበራ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት እቶም ዝተረፉ 5 ዓመታት ኣመልኪቱ እውን ኣብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ምኽረ ሓሳብ ክዝቲ እዩ። ዘላቕን ሓቛፍን ከምኡን እውን ሳይንሳውን ብሓበሬታ ዝተደገፈን መፍትሒ ንዕዉትነት ትልሚ ዘላቒ ልምዓት 2063 ኣፍሪካ ዝተብሃለ ሰነድ ውሳነ ሓሳብ ካምፓላ ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። እቲ ፈሮም ክሳብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝፀንሕ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካምፓላ ይሕብር።
ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተገሊፁ
Apr 5, 2025 342
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/27/ 2017 /ኢዜአ/ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተሳተፍቲ ጉባኤ መናእሰይ ኣመራርሓ ፓን ኣፍሪካ ገሊፆም፡፡ መናእሰይ ኣመራርሓ ፓን ኣፍሪካ ዘፈር መናእሰይ ሚኒስትራት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣብ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣፍሪካን ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዑደት ገይሮም። እቶም ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንስልጣነ ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ምብርካታ ከምዝቐፀለት ብምግላፅ፤ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናገበረቶ ትርከብ ምንቅስቓስ ንካልኦት ሃገራት እውን ኣብነት ከምዝኾነ ፀሪሖም። ኣብ ዑደቶም ዝተዓዘቡዎም ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣፍሪካን ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ናይ ኢትዮጵያ ኣርኣያ እቲ ኣህጉር ዘርእዩ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብቶም ትካላት ብዝረኣዩዎ ነገር ከምዝተደነቑ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዕዉት ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ ከምዝተገንዘቡን፤ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ምስራሓ ከምዝተዓዘቡን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
“ኹለመዳያዊ ዕብየት ኣፍሪካ ንምቕፃል መንእሰይ ወለዶ ቐንዲ ተዋሳኣይ ክኸውን ይግባእ” - ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Apr 3, 2025 324
አዲስ አበባ/መጋቢት/25/2017/ኢዜአ/“ኹለመዳያዊ ዕብየት ኣፍሪካ ክቕፅል ንምግባር መንእሰይ ወለዶ መርሓይ ክኸውን ከምዘለዎ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ጉባኤ መናእሰይ ኣመራርሓታት ፓን ኣፍሪካ “ዓቕሚ መናእሰይ ንዝማዕበለት ኣፍሪካ” ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ይርከብ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝገለፅዎ፤ ቐዳሞት ኣያታትና ቓል-ኪዳን ናፅነት ኣፍሪካ ብምሕላው ነቲ ናይ ሕዚ ወለዶ ኣረኪቦም። ካባ ሓላፍነት ለውጢ ኣፍሪካ ኣብ መንእሰይ ምውዳቑ ብምግላፅ፤ ኣብ ኹሉ ዘፈር ንቑሕ ተሳትፎ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ምክያድ ጀሚሩ
Apr 3, 2025 301
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 25/2017 (ኢዜኣ) መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ። ተጠባባቒ ጀነራል ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፤ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ብዝለዓለ ብርኪ እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፆም። እቲ ብብርኪ ሰብ ሞያ ሎሚ ዝተጀመረን ፅባሕ ድማ ብብርኪ ሚኒስትራት ዝካየድን ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኡጋንዳ ሓላፊ ምትሕብባር ክልላዊ ኢኮኖሚ ኣምባሳደር ሪቻርድ ቱሙሲሜ ካቦኔሮ ብግደኦም፤ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብዝበለጸ ንምዕባይ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ምክያዱ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ዕፀገነት ይመኑ፤ እዚ ኣኼባ እናዓበየ ንዝመፀ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ከምዘለዎ ምግላፀን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የሕብር። ሰብ ሞያ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ፣ንግድዲ፣ኣቪዬሽን፣ምክልኻል፣ቱሪዝም፣ጥዕናን መሰረተ ልምዓትን ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻል ገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ዝተፈላለዩ ዘፈራትን ከምዝዝቲ ትፅቢት ይግበር።
ጉባኤ ኣመራርሓ መናእሰይ ፓን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ
Apr 3, 2025 220
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/25/ 2017 /ኢዜኣ/ጉባኤ ኣመራርሓ መናእሰይ ፓን ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ጉባኤ÷ "ዓቕሚ መናእሰይ ንዝማዕበለት ኣፍሪካ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ፥ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ መናእሰይን ሚኒስትር ጉዳያት መናእሰይን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ምሁራን መናእሰይ፣ መናእሰይ ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብን ፅዕንቶ ፈጠርቲን ውልቀ ሰባት ተሳቲፎም፡፡ እቲ ጉባኤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 27 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ምግላፁ ኣብ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ክኣቱ እዩ
Mar 31, 2025 210
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 22/2017 (ኢዜኣ) ሃፍትታት ባሕርን ዝስተ ማይን ኣፍሪካ ዘለዎ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ተገሊጹ። እቲ ስትራቴጂ ንምፅዳቕ ዝተዳለወ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም ክካየድ እዩ። እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ዝተዳለወ እዩ። ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ሃገራትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ኣብ ሃፍትታት ባሕርን ዝስተ ማይን ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝግበር ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ትካላዊ ማዕቐፍ፣ስርዓት ክትትልን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን እቲ ስትራቴጂ ዘተ ካብ ዝግበረሎም ጉዳያት እዮም። ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ስትራቴጂ ምስ ብሄራዊ ትልመን ኣጠዓዒመን ተግባራዊ ኣብ ዝገብራሉ ኩነታት እውን ከምዝዝትያ ተገሊፁ። እቲ ስትራቴጂ ምስ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ፣ዘላቒ ልምዓትን ዓለም ለኸ ሽቶታትን ኣብ ዝህልዎ ምትእስሳር ዘተ ክግበር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ኣሜሪካ ኒው ዮርክ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ኣጠቓቕማ ዓለም ለኸ ብዝሃ ሂወት ባሕሪ (BBNJ Agreement) ኣፈጻፅምኡ እውን ተወሳኺ መዛተዪ ዛዕባ እቲ መፅናዕቲ እዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆጿፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ሰነ 2025 ኣብ ዝሳለጥ መበል 3ይ ኮንፈረንስ ባሕሪ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ሒዘንኦ ዝቐርባ ሓባራዊ ቅዋም ዕላዊ ከምዝገብራ እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት ይሕብር። እቲ ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ንምፅዳቕ ዝግበር ዓውደ መፅናዕቲ ክሳብ 26 መጋቢት 2017 ዓ/ም ዝፀንሕ እዩ።
ፎረም ፍሉይ ልኡኽ ከይዲ ሰላም ሱዳን አብ አዲስ አበባ ዘተ ይካየድ ኣሎ
Mar 18, 2025 267
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/9/ 2017 /ኢዜአ/በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ፎረም ፍሉይ ልኡኽ ከይዲ ሰላም ሱዳን ኣኼባኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ይርከብ፡፡ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ እቶም ፍሉያት ተወከልቲ ንከይዲ ሰላም ሱዳን ዘለዎም ምውዳድን ምትሕብባርን ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ፎረም ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ዝግበሩ ፃዕሪታት ዝተዋደዱን ዝተናበቡን ክኾኑ ዝስራሕ ስራሕ እንትኸውን÷ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ሓበራዊን ግልፂን ኣካይዳ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ኢዜአ ፀብፂቡ። ኢጋድ እቲ ከይዲ ሰላም ብወናንነትን መሪሕነትን ሱዳናውያን ክሳለጥን ብቖራፅነት ከምዝሰርሕን ኣረጋጊፁ።
ኢትዮጵያ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት እናዘርገሐት እያ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
Mar 17, 2025 241
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስራሕቲ ዝርገሐ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ጌራ እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ተዛሪቦም። መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስን ምጣነ ሃፍትን ኮሚሽን ኢኮሚክ ኣፍሪካ ብብርኪ ሚኒስትራት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ክላቨር ጋቴቴ፣ዋና ፀሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ፋይናንስ፣ልምዓት ኢኮኖምን ኢንቨስትመንትን ዚምባብዌ ከምኡ እውን ተሰናባቲ ኣቦ መንበር ቢሮ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ኢኮኖምን ልምዓትን ኣንድሪው ቡቩምቤን ተረኺቦም። ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ሽግግር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምግባር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ትርከብ። ድሌት ዶብ ኣልቦ ነፃ ዕድጊት ሸቐጥን ኣገልግሎትን ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ካብ ባህጊ ዝሓለፈ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ሃገራት ስምምዕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ምፅዳቕ ብተወሳኺ ናብ ተግባር ምቕያርን ዕዉት ኮሚቴ ብሄራዊ ምትሕብባር ብምጥያሽ ብቆራፅነት ምስራሕን ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ንውህደት ንግዲ ኣፍሪካውያን ወሳኒ እጃም ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምዝርጋሕ ትኹረት ከምዝገበረት እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ዞባዊ ዓቕሚ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ዝኸውን ተመጣጣኒ፣ተሓዳስን ዘተኣማምንን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ውህደት ኢኮኖሚ ንምስላጥ እናሰርሐት ከምትርከብ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ጉባኤ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ
Mar 17, 2025 304
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/8/ 2017 /ኢዜአ/መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፣ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ዋና ፅሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ፣ ዋና ፅሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔ፣ ሚኒስትራት ፣ ሓለፍቲ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ተረኺቦም፡፡
ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ስልጣኖም ብዕሊ ተረኪቦም
Mar 13, 2025 252
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/4/ 2017 /ኢዜአ/ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ የሱፍ ሓዊሱ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ስልጣኖም ብዕሊ ተረኪቦም። ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ርኽክብ፥ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ጆአዎ ሎሬንሶ፣ ተሰናባቲን ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮሚሽን እቲ ሕብረትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም። 9ን 10ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝተሳለጠ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ናይጂቡቲ ዜግነት ዘለዎም ማህሙድ ዓሊ የሱፍን ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣልጄሪያዊት ኣምባሳደር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ ምክትል ኣዶ መንበር እቲ ኮሚሽን ንክኾኑ ምምራፁ ይዝከር።
ኢትዮጵያ ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ገሊፃ
Mar 12, 2025 212
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/3/ 2017 /ኢዜአ/ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣካል መበል 57 ጉባኤ ሚኒስትራት ዝኾነ ኣኼባ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፤ ኢትዮጵያ ንትግበራ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ መርአያ ዝኾኑ ተግባራት ምውጋን ከምዝኸኣለት ገሊፀን። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓትን ቀረብ ሓይሊን ንምትእስሳር እናሰርሐቶም ትርከብ ተግባራት ብምፅራሕ፤ ንትግበራ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፀን። እቲ ጉባኤ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ምቅልጣፍ፤ ኣፈፃፅምኡ ዘደንፍዑ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲታት ምሕንፃፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳብ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ብቐንዱ ዛዕባታት ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ዝዝቲ ጉባኤ እንትኸውን÷ ኣብ ዲጂታላይዜሽን፣ ቴክኖሎጂ፣ ጉዳያት ኢነርጂን ውሕስና ምግቢን ከምዝሽፍን እውን ተሓቢሩ።