ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር እዩ
Nov 12, 2025 662
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ 7 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክኽበር እዩ። እቲ መዓልቲ፤ ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከብ ኢንሼቲቭ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ፣ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን፣ኣገልግሎት ድሕንነት መንገድን ፈንድ መድሕንን ከምኡ እውን ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሲኤ) ዝተዳለወ እዩ። ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2012 ዘሕለፎ ውሳነ እቲ መዓልቲ በቢዓመቱ ዝኽበር እንትኸውን ምስ መዘከርታ ጉዱኣት ሓደጋ ትራፊክ ዓለም ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። እቲ መዓልቲ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ ሂወቶም ዝሰኣኑን ዝተጎድኡን ሰባት ዝዝከርሉን ብብርኪ ኣፍሪካ ድሕንነት መንገድን ዘላቒ ምንቅስቓስ ትራንስፖርትን ንምርግጋፅ ሃገራት ሓባራዊ ቆራፅነተን ዝገልፃሉን እዩ። ካብ ተሽከርከርቲ ዓለም ትሕቲ 4 ሚኢታዊ ዝርከበላ ኣፍሪካ፤ ኣፍሪካ 25 ሚኢታዊ ሓደጋ ትራፊክ ዓለም ከምዝምዝገበላ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ። ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 2 ሚኢታዊ ዝኸውን ዓመታዊ ጥሙር ፍርያተን(ጂዲፒ) ወፃኢ ከምዝገብራ እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ። ኢንሼቲቭ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ቁፅፅር ምጥንኻርን ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት “Safe System”ዝተብሃለ ዘበናዊ ስርዓት ድሕንነት መንገዲ ናይ ምልላይ ስራሕን ኣብቲ መዓልቲ ከምዘሳልጥ እውን ሓቢሩ።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣንጎላ ክካየድ እዩ
Nov 7, 2025 718
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ካብ 15 ክሳብ 16 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ክካየድ እዩ። እቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ጆአኦ ሎሬንቾን ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ኣውሮፓ አንቶኒዮ ኮስታን ብሓባር ክመርሕዎ እዮም። ኣብቲ ጉባኤ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካ፣መራሕቲ ሃገራት እቲ ሕብረት፣ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌይንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓን፣ጉጅለ ልኡኻት መናእሰይ፣ሲቪክ ማሕበራትን ንግድን ክሳተፉ እዮም። ምሕዝነት ክልቲኦም ትካላት 25 ዓመታት ኣብ ዘቑፀረሉ እዋን ዝካየድ እዚ ጉባኤ፤ ኢ-ተገማትነት እናዓበየ ኣብ ዝመፀሉ ዓለምን ጂኦፖለቲካዊ ምህዳራት እናተቐየርሉ ኣብ ዘለሉ እዋንን ዝሳለጥ ጉባኤ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት። መራሕቲ እቶም ትካላት ንኩለ መዳያዊ ምትሕብባር፣ምሕዝነትን ንዝርኣዩ ዘለዉ ፈተናታትን ዝተዋደደ ምላሽ ናይ ምሃብ ሓባራዊ ቆራፅነቶም ከምዝገልፁ ኣፍሊጦም። ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ዝዝትዩሎም ጉዳያት፤ ምስ ኣጀንዳ 2063፣ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ከምኡ እውን ሓባራዊ ራኢ 2030 ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።
መራሕቲ ኣፍሪካ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ከተኣሳስርዎ ይግባእ-ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ
Nov 6, 2025 635
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 27/2018(ኢዜኣ) መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ብምትእስሳር ተግባራዊ ክገብርዎ ከምዝግባእ ምክትል ኣቦ መንበት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ገሊፀን። ካብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቦትስዋና ጋቦሮኒ ክካየድ ዝፀንሐ ፈላማይ ጉባኤ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ተዛዚሙ። እቲ ጉባኤ “ብዝሃ ሂወት ብዘላቕነት ብምጥቃም ብልፅግና ኣፍሪካ ምርግጋፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ። ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ፤ እቲ ጉባኤ ኣፍሪካ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ንምሕላው ኣብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ታቲኻዎ ኩነት ከምዝኾነ ተዛሪበን። ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ብኽለትን ዘላቒ ዘይኮነ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ስግኣታት ከምዝኾኑ እውን ሓቢረን። ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ዝተዋደደ ተግባራዊ ምላሽ ከምዘድሊ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር፤ ነቲ ዓውዲ ዘድሊ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ምግባር ይግባእ ኢለን። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኣባል ሃገራት፣ዞባዊ ትካላት፣ሲቪክ ማሕበራትን ዓውዲ ውልቀን ብምዃን ስትራቴጂ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ምስ ኣጀንዳ 2063ን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ኣረዲአን። መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ብምትእስሳር ተግባራዊ ክገብርዎ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን። እቲ ጉባኤ ኣብ ሃፍትታት፣ዕድላት፣ፈተናታትን ቀፃሊ ስጉምትታትን ምዝታዩ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ማእኸል ትኹረት ኣጀንዳ ልምዓተን ክገብርኦ ይግባእ-ኮሚሽነር ሞሰስ ቪላካቲ
Nov 4, 2025 589
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 25/2018(ኢዜኣ) ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋን ክንክንን ብዝሃ ሂወት ከም ኣጀንዳ ልምዓት ብምሓዝ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ገሊፆም። ፈላማይ ጉባኤ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ኣብ ቦትስዋና ከተማ ጋቦሮኒ ካብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቲ ጉባኤ፤ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ብብርኪ ሰብ ሞያ እናተሳለጠ ብምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ሚኒስትራት ተኻይዱ። “ብዝሃ ህይወት ብዘላቕነት ብምጥቃም ብልፅግና ኣፍሪካ ምርግጋፅ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ሃፍትታት፣ዕድላት፣ፈተናታትን ቀፃሊ ስጉምትታትን ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ዝዝቲ እዩ። ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካ ካብ ፀጋ ብዝዘለለ መሰረት ዕቤት ኢኮኖሚ፣ ውሕስና ምግብን መንነት ባህልን እታ ኣህጉር እዩ። ኣፍሪካውያን ብዝሃ ሂወት ዓምዲ ኣጀንዳ ልምዓት እታ ኣህጉር ከምዝኾነ ብምርዳእ ኣድላይ ሓለዋ ብምግባር ቆራፅነቶም ከርእዩ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም። ኣፍሪካ ኣብ ዓለም መሪሕ ሓለዋን ዘላቒ ኣጠቓቕማን ብዝሃ ሂወት ንግበራ፣ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ነገር ነረክብ ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቲ ጉባኤ፤ ፅባሕ ብብርኪ መራሕቲ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ከምዝዛም ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ክግበር እዩ-ኢጋድ
Nov 3, 2025 540
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 24/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግብን መፍረያይነት ግብርናን ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ከምዝገብር በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ። ወርክሾፕ መረጋገፂ ስትራቴጂ መፅናዕቲ መስኖ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ኢጋድ ዳይሬክተር ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ምትእስሳርን ሞሄለዲን ኤልቶሀሚ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዞባ ንተደጋጋሚ ድርቅን ፀገማት ቀረብ ማይን እናተቓልዐ እዩ ዝርከብ። ኣባል ሃገራት ኢጋድ መፍረያነት ግብርና ንምውሳኽ ንልምዓት መስኖን ኣተሓሕዛ ሃፍቲ ማይን ቀዳምነት ክህባ ይግባእ ኢሎም። እቲ ስትራቴጂ መስኖ ኣብቲ ዞባ ዓቕሚ ልምዓት መስኖን ግብርናን ንምዕባይ፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንምብዳም መሬት መፍትሒ ንምሃብን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዞባ ንሕርሻ ምችው ዝኾነ መሬት ምህላዉ ስዒቡ መፍረያይነት ግብርና ብመስኖ ብምድጋፍ ምዕባይ ከምዝከኣል እውን ሓቢሮም። ኣብ ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን መራሒ ፈፃሚ ስራሕ መፅናዕትን ዲዛይንን ፕሮጀክት መስኖ ያሬድ ሙላት ብግደኦም፤ እተን ኣባል ሃገራት ተደጋጋሚ ድርቅን ፀገም ዝርገሐ ቀረብ ማይን ብዘስዕብዎ ፀገማት እናተፈተና ከምዝርከባ ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ግብርና መስኖ ምስፍሕፋሕ፣መፍረያይነት ግብርና ምምሕያሽ፣ዘላቒ መነባብሮ ነበርቲ ገጠር ምርግጋፅ፣ድኽነት ንምቕናስን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን እቲ ቀንዲ መንገዲ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ማዕቐፍ ልምዓት መስኖን ኣተሓሕዛ ማይን ብምቕራፅን እቶም መትካላት ተግባራዊ ብምግባርን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም። እቲ ማዕቐፍ ዋላ ኳ ኣህጉራዊ ትልሚ እንተኾነ መብዛሕቲኦም ብሄራዊ ስትራቴጂታትን ፖሊሲታትን ኢትዮጵያ ምስቶም መትከላት ዝተጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። መንግሥቲ ተቓላዕነት ለውጢ ካብያዊ ኣየር ንምቕናስ ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ኣተኣኻኽባ ማይ ዝናብን ኣተሓሕዛ ተፋሰስ ማይን ጠመተ ዝገበሩ ፕሮግራማት ሓንፂፁ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ይግባእ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
Oct 25, 2025 808
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 11 ፎረም ጣና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እንትኸውን፤ መራሕቲ፣ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ፣ፍሉያት ልኡኻት፣ሙሁራንን ዝምልከቶም ኣካላትም ይሳተፉ ኣለዉ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ኢኮኖሚያዊ ልኣላዊነተን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ኩነታት ከመቻችዋ ይግባእ። መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንክዓቢ ቀንዲ ሞተር ንክኾኑ ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ህንፀታት መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ከምዝደልዩ ሓቢሮም። ብመዳይ ኢንቨስትመንት እውን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ከምዝግባእ ተዛሪቦም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኢንቨስት ብምግባር ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ዞባዊ ምትእስሳር ንክጠናኸር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተ እዩ ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ዝግበሩ ተዛመድቲ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ልኣላዊነት ብልፅግና ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ዓብይ ስጉምቲ ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።
ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሕ እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Aug 28, 2025 2771
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣህጉራዊ ህንፀት ሰላምን ምርግጋዕን ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝሰርሕ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሓዳሽ ሹመኛ ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈላማይ ስትራቴጂካዊ ዘተ ገይሮም። እቶም ኣቦ መንበር፤ ኣብ ፃዕርታት ኣፈታትሓ ጎንፅታት ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነትን ሓለዋን ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ማእኸል ትኹረት ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም። ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ጎንፅን ስግኣትን ኣብ ዘለዎም ከባብታት እቲ ጉድኣት ፍሉይ ትኹረት ከምዘድልዮ ፀሪሖም። ሓላፍነት ስራሕ ኣምባሳደር ላይቤራታ ምስ ከም ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን መዋቕር ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ(APSA) ዝበሉ ሽቶታት ነዊሕ እዋን ከምዝተኣሳሰር ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ኣብ ዝመርሖም ድርድራትን ከይድታት ሰላምን ምስ ኣሸማገልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣረኣእያ ስርዓተ ፆታን ናይ ምትእስሳር ሽቶ ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም። ካብ ዘረባ ብዝሓለፈ ንደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ እውን ወሃብቲ ውሳነ ንክኾና ምግባር ይግባእ ኢሎም። ብደቂ ኣስትዮ ንዝምርሑ ኢንሼቲቫት ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ሙሉእ ደገፍ ከምዝህብ ኣረጋጊፆም። ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም። ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ብግደአን፤ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዘበነ ስልጣነን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ብምምጓት፣እጃም መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ኣብ ስርዓተ ፆታ ዝጭበጡ ውፅኢታት ንምምፃእን ብትኹረት ከምዝሰርሓ ሓቢረን። እቲ ዘተ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ቃል ኪዳናት ኣህጉራውን ኣባል ሃገራትን ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ብምቕያር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከይድታት ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ዘለወን እጃም ብምዕባይ ለውጢ ንምምፃእ ዘለዎ ቆራፅነት ከምዝርኢ ምግላፀን ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ጉባኤ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ
Aug 21, 2025 2142
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ከምዝፈጥር ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። “ምዘና ትምህርቲ ንምሽግጋር ፅሬት ዘለዎ ትምህርትን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረን ውሳነ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ካብ 19 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ኣብ ሆቴል ስካላይት ክሳለጥ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ምስ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ብምስራሕና እዚ መድረኽ ክነዳልው ተመሪፅና ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ ቀዳምን ሰንበትን ቅድመ ጉባኤ ዝግበረሉ መርሃ ግብሪ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ጠንካራን ተኣማንነት ዘለዎን ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ፀሪሖም። ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዓውዲ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንምርግጋፅ ዘኽእል ምችው ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ምፍጣር ዘኽእል ምኽክር ከምዝግበር ተዛሪቦም። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝመፁ 500 ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ 124 ዝተመረፁ ፅሑፋት ምርምር ከምዝቐርቡ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ትምህርትን ምዘናን ዘለዋ ተሞኩሮ እተካፍለሉ መድረኽ ከምዝህሉ ብምሕባር፤ ስርዓት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ምምሕያሽ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ፀሪሖም። ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ልምዓት እተርእየሉ መርሃ ግብሪ ከምዝተዳለወ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ “ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ብተግባር እነርእየሉ ዕድል ዝፈጥረልና እዩ”ኢሎም።
ኢጋድን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም
Aug 21, 2025 2645
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ኣብ ጃፓን ከተማ ዮካሃማ ሎሚ ካልኣይ መዓልቱ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ፎረም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ክልቲኣዊ ዘተ እናሳለጡ እዮም ዝርከቡ። እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ፉጂ ሂሳዩኪ ዘትዮም። ኣብ ዘተኦም እውን፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓለዋ ድሕንነት ዜጋታት፣ምብቃዕ መናእሰይ፣ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። ጃፓን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ንኣካዳሚ ኣመራርሓ ኢጋድ ንትገብሮ ዘላ ደገፍ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኣመስጊኖም። ኢጋድን ጃፓንን ክልቲኣዊ ምትሕብባሮም ዘጠናኽር ስምምዕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2016 ምፍርራሞም ካብ ኢጋድ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር። መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ፅባሕ ክዛዘም እዩ።
መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Aug 12, 2025 2691
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2017(ኢዜኣ) መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልትታት ከምዝፀንሕ ኢዜኣ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ኣብቲ መድረኽ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ይሳተፉ ኣለዉ። ዞባዊ ምትእስሳር፣ሰላምን ፀጥታን፣ኩለመዳያዊ ምምሕዳር፣ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን እጃም ውድባት ፖለተካ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓትን ዝብሉ ኣጀንዳታት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝዝተየሎም ትፅቢት ይግበር።
መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ
Aug 11, 2025 1464
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2017(ኢዜኣ) መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ። ፈላማይ ዞባዊ ኮንፈረንስ ሰላምን ድሕንነትን መናእሰይ ኢጋድ ካብ 7 ክሳብ 8 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ክካየድ እዩ። መናእሰይ ልዑል ሓይሊ ለውጢ እዮም ዝበለ ኢጋድ፤ ሰላማውን ኣሳታፍን መፃኢ ግዜ ናይ ምፍጣር ቁልፊ እጃም ከምዘለዎም ገሊፁ። መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለዎም እጃም ንምዕባይ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ፀሪሑ። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሰላም ዝሳተፉ መራሕቲ መናእሰይ ሃገራት ኣባል ኢጋድ ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኽብ እዩ። እቶም መናእሰይ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ዘኽእሉ መፍትሒ ሓሳባት ኣብቲ ኮንፈረንስ ከምዘቕርቡ እውን ኢዜኣ ካብ ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ስደተኛ መናእሰይ እውን ከምዝሳተፉን ኣብ ዞባዊ ምላሽ ሰላም ዘለዎም ሓሳብ ከምዘካፍሉን ተሓቢሩ። እቲ ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ዞባዊ ሰላም፣ልምዓትን ምርግጋዕን ኢንሼቲቫት ሃገራት ብዝተዋደደ መልክዑ ተግባራዊ ንምግባር ዘለዎም ሓባራዊ ቆራፅነት ዘርእይሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። መናእሰይ መራሕትን መሃንዲሳትን ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ንዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ እውን ኢጋድ ኣፍሊጡ። ኢጋድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ኢንቴቤ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ፎረም ሰላም መናእሰይ ኢጋድ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን እቲ ፎረም መናእሰይ ኣብ ሰላም፣ድሕንነትን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ዘለዎም እጃም ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምጥንኻር ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ እዩ-ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ
Aug 7, 2025 1361
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ብምጥንኻር ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ፖሊሲ ንምሃብ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ ኣፍሊጡ። ኣብ ውድብ ሕቡራት መመንግስትታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ተፀዋዒ ማእኸል ስታትስቲክስ ቲንፊሲ ጆሴፍ ኢልቦውዶ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሓበሬታታት ግብርና ቀፃልነት ንዘለዎ ስርዓት ግብርና መሰረት እዮም። ኣብ ጥዕና፣ግብርና፣ትምህርቲ፣ስነ ህዝብን ካልኦት ዓውድታትን ዝተወደበ ሓበሬታ ስታትስቲክስ ምህላዉ ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ትልሚ ልምዓትን ውሳነ ፖሊስን ንምሃብ መሰረት እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ብምሃብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ሓበሬታ ስታትስቲክስ ዝተባብዑ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም። ሓድነታ ዝጠንከረ፣ዝማዕበለትን ዘላቒ ሰላም ዝዓሰላን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ኣጀንዳ 2063 ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ኣፍሪካ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ፖሊሲ ብምሃብ ልኣላዊነት ምግባ ንምርግጋፅ ሓበሬታ ብምእካብ፣ ብምትንታንን ብመፅናዕቲ ብምርግጋፅን ስርዓት ሓበሬታኣን ስታትስቲክስን ንምጥንኻር ትኹረት ምሃብ ከምዘድሊ ፀሪሖም። ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ ስርዓት ምምሕዳር ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ኣብ መንጎ ሃገራት ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ማእኸል ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ፤ ሓበሬታታት ስታትስቲክስ ግብርና ሓዊሱ ጠንካራ ማእኸል ሓበሬታ ንምህናፅ ዓቕሚ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ጉባኤ ብኸነት ምንካይ ድህረ ምህርቲ ኣፍሪካ ን አውደ ርዕይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Aug 3, 2025 1309
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 27/2017(ኢዜአ)፦ መበል ሓምሻይ ጉባኤ ብኸነት ምንካይ ድህረ ምህርቲ ኣፍሪካ ን አውደ ርዕይን ካብ መስከረም 6 እስጋብ ዕለት 9 /2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። ኣብ እቲ ጉባኤ ልዕሊ 400 ልኡኻን ከምዝሳተፉ ካብ ኣጋኡ ተገሊፁ ኣሎ። ጉባኤ ብኸነት ምንካይ ድህረ ምህርቲ ኣፍሪካን አውደ ርዕይን “ ምሕላው ምህርቲ፤ መፍትሕታት ምምሕዳር ብኸነት ድህረ ምህርቲ ንዘይብዳህን ንኹሉ ዘካትት ስርዓተ ምግብን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ እዩ።
ኢትዮጵያ ትሳተፈሉ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ኣብ ሉዋንዳ ተጀሚሩ
Jun 23, 2025 1626
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 16/2017 (ኢዜኣ) ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ንግስቲ ኣሜሪካን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣንጎላ ከተማ ሉዋንዳ ብዕሊ ተጀሚሩ። ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ትማሊ ኣብ ሉዋንዳ ከምዝበፅሐ ኢዜኣ ካብቲ ቦታ ፀብፂቡ እዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣንጎላ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ። ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ እዚ ዓመት፤ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ትኽተሎ ደገፍ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ርክብ ወጻኢ ናብ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምቕያር ምውሳኑ ስዒቡ ዝካየድ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ኣንጎላ ምክያዱ ብፍላይ ድማ እታ ሃገር ነፃነታ ካብ ትረክብ 50 ዓመታ ኣብ ተኽብረሉ እዋን ምዃኑን ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣኦ ሎሬንሶ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ኣብ ዝኾንሉ እዋን ምዃኑን ተወሳኺ ፍሉይ ዝገብሮ ኩነት እዩ። ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ፣ሚኒስትራት፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣሜሪካ፣መራሕቲ ቢዝነስ ክልቲኦም ወገናት ሓዊሱ 1 ሽሕን 500 ተሳተፍቲ ከምዝርከቡ ትፅቢት ይግበር። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታትን ዕድላትን ብምዝታይ ቀፃሊ ኣንፈታት ከምዘቕምጥ እውን ተገሊፁ። ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ መደረ ዘስምዑ እንትኸውን ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊ ዘተታት ክገብሩ እዮም። ብተወሳኺ እውን ኣባላት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝሳለጡ ዘተታት ፓነልን ካልኦት ኣኼባታትን ክሳተፍ እዩ።
ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዎ ልዑል ቁሩብነት ዝተርኣየሉ ኢዩ - ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ
May 24, 2025 1877
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/16/ 2017 /ኢዜኣ/መበል 20 ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ዜጋታታ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዋ ልዑል ቁሩብነት ዘርአየትሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን፡፡ መበል 20 ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ስራሕ ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ኣኼባ ሰብ ሞያ እንትዛዘም ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ከምዝገለፀኦ፤ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ንማሕለኻታትን ሰናይ ዕድላትን ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ። መርሃ ግብሪታት ምውፋር ስራሕ ምስ ሃገራዊ ልምዓት ብምውዳድ ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ሓበራዊ ቅዋም ዝተትሓዘሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን። እቲ ጉባኤ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ማሕበራዊ ሓለዋን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ምስ ዝዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ብምወሃድ ኣብ ዘኽእሉ ሜላታት ብምጥማት ትኹረት ምግባሩ ኣረዲአን። ቀፃሊ ዕድል እታ ኣህጉር ዝውስኑ ኩለመዳይ ዕድላት ኢኮኖሚ ኣብ ዘባብዑ ፖሊሲታት ዓሚቕ ዘተ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪበን። ካብዚ ብተወሳኺ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ መንግስታት፣ ኤጀንሲታት ልምዓት፣ ሲቪል ማሕበራትን ዘፈር ውልቀን ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘድሊ ከምዝተሓበረ ኣመልኪተን። ዳይሬክተር ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ፋንፋን ሩዋንዪንዶ ካዪራንጉዋ ብግደኦም ኢትዮጵያ ዕዉት ጉባኤ ከምዘካየደት ብምሕባር፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም። እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተገበሩ ዝሐሸ ተሳተፍቲ ዝተረኸቡሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ 30 ሚኒስትራት፣ ክልተ ሺሕ ተሳተፍቲን 50 ሃገራትን ዝተረኸቡሉ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ክንክን ስደተኛታት ክብ ንምባል ዝዓለመ ሓቛፊ ስትራቴጂ ኣብ ቀረባ ክትጅምር ኢያ
May 23, 2025 1736
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2017 /ኢዜኣ/ኢትዮጵያ ክንክን ስደተኛታት ክብ ንምባል ዝዓለመ ሓቛፊ ስትራቴጂ ኣብ ቀረባ ክትጅምር ኢያ። ኢጋድ ብምኽኒያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ንዘጋጥሙ ምምዝባላትን ስደትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ምክትል ዋና ፀሓፊ ኢጋድ መሓመድ ኣብዲ ዋሬ፥ ብምኽኒያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ንዝመዛበሉ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ምስ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ልምዓት ምዝማድ የድሊ ምስ በሉ ምውዳድ መዳርግቲ ኣካላት ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።
ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ንግዲ ዓለም ድሌታታ ንክሕለዉ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ
May 17, 2025 1837
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /9/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ድሌታት ኣፍሪካ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ኣፍሊጡ። ማዕቐፋት ሕጊ ካልኣይ ምዕራፍ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ከምዝፀደቑ ተገሊፁ። ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ካብ ዘሕለፎም ውሳነታት ነቲ ኮሚሽን ዘይሻራዊ ኣማኻሪ ኣካል ምጥያሽ እቲ ሓደ እዩ። ብመሰረት መጣየሺ ደንቢ ሕብረት ኣፍሪካ ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ተጣይሹ። ምጥያሽ እቲ መማኸሪ ኣካል ሕብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ንምትእስሳር ዘለዎ ቆራፅነት ዘርእን ዓለም ለኸ ሕጊ ዘለዎ ራኢ ንምዕዋት ዘለዎ ወሳኒ እጃም ኣብ ግምት ዘእተወን ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ካብ 14 ክሳብ 15 ግንቦት 2017 ዓ/ም መበል 11 ፎረሙ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘካይድ እንትኸውን፤ እቲ ፎረም “ዓለም ለኸ ሕጊ፣ሪፎርም ትካል ንግዲ ዓለምን ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክካየድ። ኣብቲ ፎረም፤ ተመራመርቲ ሕጊ ዓለም ለኸ ንግዲ፣ተደራደርቲ ብሄራዊ ፖሊሲ ንግዲ፣ተወከልቲ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ፣ተወከልቲ ፖሊሲ ንግዲ ዞባዊ ማሕበረሰባት ኢኮኖሚ፣ሰብ ሞያ ንግድን ሕግን ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ከምዝርከቡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL)፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ድሌታት ኣፍሪካ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፁ። ዓለም ለኸ ሕግታት ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ስርዓት ንግዲ ዓለም ዘየግልሉን ዘለዋ ተሳትፎ ዘይግድቡን ንክኾኑ ብቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ሓቢሩ።
ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ድሉዋት እዮም
May 17, 2025 988
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 9/2017 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፃት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም። መበል 34 ስሩዕ ጉባኤ ሊግ ዓረብ ኣብ ኢራቅ ከተማ ባግዳድ ይካየድ ኣሎ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ኣሊ ዩሱፍ ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ትካላት ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራጽነት ኣረጋጊፆም። ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም፣ጉዳያት ፖለቲካን ምክልኻል ጎንፅን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ምግላፆም እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ብብርኪ ሚኒስትራት ዝተጀመረ እቲ ስሩዕ ጉባኤ ፅባሕ ብብርኪ መራሕቲ ክካየድ እዩ።
ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅን ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅን ቀፃሊ ዓውድታት ትኹረት እቲ ሕብረት እዮም-መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ
May 13, 2025 746
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 5/2017 (ኢዜኣ) ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ክስማዕ ምግባር፣ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅን ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅን ቀፃሊ ዓውድታት ትኹረት እቲ ሕብረት ከምዝኾኑ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ ተዛሪቦም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ ቀጻሊ ስትራቴጂክ ትኹረት እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኣመልኪቶም ንውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ሕገ መንግስታዊ ዘይኮኑ ለውጥታት መንግስቲ ልምምድ ዲሞክራሲ እታ ኣህጉር ብምድኻም ድሌት ምርግጋዕን ሰላምን ኣፍሪካውያን ኣብ ሓደጋ እናውደቕዎ እዮም ዝርከቡ። ስለዝኾነ እውን ድሕንነት ልኣላዊነት ኣባል ሃገራት ብምሕላው ሰላማ ዝተሓለወት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝተረጋገፀላ ኣፍሪካ ንምፍጣር ቀዳማይ ስራሕ ቀጻሊ ትኹረት እቲ ኮሚሽን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። ዓለም ለኸ ተሰማዕነት ኣፍሪካ ብምዕባይ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመን ካልኦት ትካላትን ምምሕያሽ ንክግበር ቁልፊ ሽቶ እቲ ኮሚሽን እዩ ኢሎም። ፈጠራ ዘለዎ ዘላቕን ዘተኣማምንን ኣህጉራዊ ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ብምህናፅ ዕቤት ኢኮኖሚ እተን ኣባል ሃገራት ምስላጥ እውን ካሊእ ብትኹረት ዝስራሕ ጉዳይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ነዚ ንምዕዋት ድማ ምጥንኻር ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ማእኸላይ ዓምድታት ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ኣቦ መንበር፤ ነዚ ድማ ነበር ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ታንዛንያ ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ ሕብረት ኣፍሪካ ገይሮም ከምዝሾሙ ኣረዲኦም። ኣብ ዓውዲ ጥዕና እውን ድሉውነት ኣወሃህባር ምላሽ ለበዳን ምክልኻል ሕማምን ኣፍሪካ ብምጥንኻር ዓቕሚ ማእኸል ምክልኻል ሕማም ኣፍሪካ ንምዕባይ ከምዝስራሕን ቀፃሊ ኣንፈት እቲ ትኹረት ከምዝኾነን ኣረጋጊፆም።
ሕብረት ኣፍሪካ አብ ምምሕዳር ዘላቒ ዕዳ አህጉራዊ ኮንፍረንስ ከካይድ እዩ
May 8, 2025 827
አዲስ አበባ/ ሚያዚያ /29/2017 (ኢዜአ)፡- ሕብረት ኣፍሪካ አብ ምምሕዳር ዘላቒ ዕዳ አህጉራዊ ኮንፍረንስ አመልኪቱ ዘሰናድዎ ኮንፈረንስ ካብ ዕለት ግንቦት 4/ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ አብ በቶጎ ሎሜ ከካይድ እዩ ። ኮንፈረንሱ “የአፍሪካ የመንግስት የእዳ አስተዳደር አጀንዳ፤ ዘላቂ የእዳ አስተዳደርን የሚያረጋግጡ ስትራቴጂዎችን መተግበር” በሚል መሪ ሀሳብ ይከናወናል። እቲ ዝካየድ ኮንፍረንስ “ን አጀንዳ ምምሕዳር ዕዳ መንግስታት እፍሪካ ንምትግባር ዘኸእሉ ዘላቒ ምምሕዳር ዕዳ ዘረጋግፁ ስትራቴጂታት“ አብ ትሕቲ ዝብል መረሒ ሓሳብ ክሳለጥ እዩ ተባሂሉ ተስፋ ይግበር ። አሰናዳኢ እቲ ኮንፍረንስ ክፍሊ ስራሕ ልምዓት ኢኮኖሚ ፣ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪካ ፣ ቱሪዝም፣ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪ ን ማእድንን እዩ።