ሓለዋ ኸበቢ
ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላው ወሳኒ እጃም ኣለዎም
May 10, 2025 445
  ኣዳማ/ጉንበት/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላውን ኣብ ዕቤት ፍርያትን መፍረያይነትን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ 5 ዓመት መፈፀሚ ፍሉይ ፈንድ ሓምለዋይ ኣሰርን መሕወዪ ዝባደመ መሬትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንምዝታይ ዘዳለዎ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ። ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣይተ ከበደ ይማም ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላውን ኣብ ዕቤት ፍርያትን መፍረያይነትን ወሳኒ እጃም ኣለዎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሃገርናን ዓለምናን ቀንዲ ፈተና ዝኾነ ፀገም ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምብዳም መሬትን ንምፍታሕ ኣዋጅ ፍሉይ ፈንድ ሓምለዋይ ኣሰርን ምሕዋይ ዝባደሙ መሬታትን ተደንጊጉ እዩ ኢሎም። እዚ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዘለዋ ልዑል ቆራፅነት ከምዘርኢ ሓቢሮም። ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ መተሓባበሪ ማዕቐፍ ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰርን ምሕዋይ ዝባደሙ መሬታትን ኣይተ ዘሪሁን ጌቱ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ሰነድ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ፍሉይ ፈንድ ንስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዋምን ትካላውን ስርዓት ዘለዎ ዓቕሚ ፋይናንስ ንክህሉ ወሳኒ እዩ። እዚ ድማ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዘላቕነት ዝፃወርን ካብ ብኽለት ኣየር ዝፀረየ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ራኢ ንምዕዋት ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዘለዎን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-እቲ ሚኒስቴር
May 9, 2025 388
  ኣዳማ/ጉንበት/ 1/2017 (ኢዜኣ) ብኽለት ከባቢ ንምክልኻልን ዘለዎ ፅልዋ ንምፅዋርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ። መበል 5ይ ዓለም ለኸ ሲምፖዜም መፅናዕትን ምርምርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ኣካዳሚክ ኤባ ሚጀና(ዶ/ር) ኣብቲ ሲምፖዜም ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ስራሕቲ ምርምር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ክኾኑ ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብርዎ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም። ዕላማ እቲ ሲምፖዜም፤ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክን ወረቐትን ከምኡ እውን ኣብ ኣተሓሕዛ፣ ዳግማይ ምጥቃምን ናብ ሃፍቲ ምቕያርን ተረፈ ፍርያታት ግብርናን ኢንዱስትሪን ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢሎም። ምክትል ፕሬዚዳንት ጉዳያት ኣካዳሚክ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ተሾመ ኣብዶ(ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብቑዕን ተወዳዳርን ሓይሊ ሰብ ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ምርምር እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። እቲ ዩኒቨርሲቲ 20 ክልላውን ሃገራውን ሜጋ ፕሮጀክትታት ናይ ምምኻር ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኣይሲቲን ልምዓት ሶፍትዌራትን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብቲ ሲምፖዜም፤ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ውሽጢ ሃገር፣ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ምርምርን ደቡብ ኮሪያ፣ህንድን ኣውስትራሊያን ተሳቲፎም።
ትካላት ፋይናንስ  ለዉጢ ከባብያዊ አየር ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ እጃሞም ንኸበርክቱ ፃዉዒት ቀሪቡ
Mar 14, 2025 351
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/5/ 2017 /ኢዜአ/ ትካላት ፋይናንስ ለዉጢ ከበብያዊ አየር ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ እጃሞም ንኸበርክቱ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ፀዊዑ፡፡ “ትካላት ፋይናንስ ብብርኪ ዓለም ዘሎ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምክልኻል ፋይናንስ ከምፅኡ ትፅቢት ይግበረሎም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኩሎም ኣመራርሓ ትካላት ፋይናንስ ዘተ ኣሳሊጡ፡፡ ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ለዉጢ ከባብያዊ አየር ንምክልኻል ተካይዶ ፃዕሪ ትካላት ፋይናንስ ዉሽጢ ዓዲ እጃሞም ክዋፅኡ ኣተሓሳሲበን፡፡ መንግስቲ ለዉጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ዘኽእሉ ግሁድ ተግባራት እናወገነ ይርከብ ዝበላ እተን ሚኒስትር÷ ኣብዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዉፅኢታዊነት ዝተጉዓዘ ሓምለዋይ ኣሰር እዩ ኢለን፡፡ ትሩፋት ሌማትን ፍርያት መስኖ ሓጋይን ዉፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተወገኑሎም ዓዉዲታት ምዃኑ ከም ኣብነት ምፅረሐን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ፡፡
ንጎረባብቲ ሃገራት ሓዊሱ ኣብ ግምት ዘእተወ መእለይ ሓደገኛ ኬሚካላት ኣብ ሃገር ክህነፅ ኢዩ
Mar 11, 2025 308
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/2/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ መእለይ ሓደገኛ ኬሚካላት ክትሃንፅ ምዃና ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ለሊሴ ነሜ (ኢ/ር) ገሊፀን፡፡ እተን ዋና ዳይሬክተር ከምዝገለፀኦ፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝፈረመቶም ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣብ ሰብን ከባቢን ጉድኣት ዘብፅሑ ሓደገኛ ኬሚካላት ናብ ሃገር ከይኣትዉ ቁፅፅር እናገበረት ትርከብ። ትካላት ጥዕና፣ ኣቢያተ ትምህርቲን ካልኦት ትካላትን ኣድለይቲ ኬሚካላት ናብ ሃገር ከእትዉ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪበን። እቶም ኬሚካላት ናይ ኣገልግሎት ግዘኦም እንትሓልፍ ብግቡእ ክእለዩ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ እንተዘይተወጊዶም ኣብ ልዕሊ ሰብ፣ ጥዕናን ከባቢያዊ ስነ ምህዳርን ዝኸፍአ ጉድኣት ዘብፅሑ ከምዝኾኑ ኣገንዚበን። ብምዃኑ ድማ ኣገልግሎቶም ዝሓለፈ ኬሚካላት ዘእትዉ ትካላት ክእለዩ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ዩኒቨርሲቲታት ብምርምር ደገፍ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር
Mar 7, 2025 334
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /28/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ዩኒቨርሲቲታት ብምርምርን መፅናዕትን ደገፍ ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን። ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ምስ ዩኒቨርሲቲታት ፎረም ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምምስራት ዝዓለመ ዘተ የሳልጥ ኣሎ። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ብብርኪ ዓለም ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዝስርሑ ዘለዉ መርሃ ግብርታት ንምዕዋት ዩኒቨርሲቲታት ዝገብርዎ ምርምራት ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ። ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዘኽእሉ ስጉምትታት እናወሰደት ከምትርከብ ብምግላፅ፤ ስራሕቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ልምዓት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ምጥቃምን ምቕናስ ብኽለት ኣየርን ከም ኣብነት ፀሪሐን። ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ሓንፂፁ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ኣረዲአን። ተወካሊ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኤባ ሚጀና (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕትን ናብ ተግባር ንክኣትዉን እታዎት ፖሊሲ ንክኾኑን ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም። ስለዝኾነ እውን ቀፃልነት ዘለዎም ስራሕቲ ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ስነ ምህዳር ከባቢ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ስራሕ መስኖ ንክስፋሕፋሕ እናገበሩ እዮም
Mar 6, 2025 308
  መቐለ/ለካቲት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ስነ ምህዳር ከባቢ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ስራሕ መስኖ ንክስፋሕፋሕ እናገበሩ ምዃኖም ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊጹ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮን መተሓባባሪ ዘፈር ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ፤ ልምዓት ሃፍቲ መስኖን እንሰሳትን ንምዕባይ ስራሕ ሓምለዋይ ልምዓት ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ስነ ምህዳር እቲ ምህዳር ካብ ምቕያር ብተወሳኺ ስራሕ መስኖ ንክስፋሕፋሕን ቀረብ ቀለብ እንሰሳት ንክመሓየሽን ከምዝገበሩ ኣረዲኦም። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ጎስጓስ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወሓዝቲ ዝስራሕን ዝናብ ውሕጅ ኣልቦ ዝገብርን ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ገሊፆም። ድርቅን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ብዘላቕነት ብምክልኻል ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻን እንሰሳትን ንክውስኽ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ማእኸል ዝገበረ ስራሕ ኣብ ኩሎም ወረዳታት እቲ ክልል ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ተዛሪቦም። ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ምቕፃል መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሚኒስቴር ግብርና ብሞያ፣እታዎትን ፋይናንስን ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ሓቲቶም። ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸላይ መተሓባበሪ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ተኽላይ ኪዳነ ብግደኦም፤ ኣብቲ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተሳትፎ ህዝቢ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሓቢሮም። ኣብቲ ወረዳ በቢመዓልቱ ብማእኸላይ ልዕሊ 13 ሽሕ ማሕበረሰብ እናተሳተፈን ኣብቶም ጣብያታት ተሞኩሮ ልውውጥ እናተኻየደን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝተሃነፁ ዘበናዊ ራዳራት ቅልጡፍን እሙንን ሓበሬታ ትንበያ ኣየር እናሃቡ እዮም
Mar 5, 2025 287
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 26/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝተሃነፁ ኣርባዕተ ዘበናዊ ራዳራት ኣብ ውሽጢ 250 ኪሎ ሜትር ራድየስ ቅልጡፍን እሙንን ሓበሬታ ትንበያ ኣየር እናሃቡ ከምዝኾኑ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዘፈር ትንበያ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣሳምነው ተሾመ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ቅልጡፍን እሙንን ሓበሬታ ትንበያ ኣየር ንምእካብ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣድላይ እዩ። ኢትዮጵያ እዋኑ ዝሓለወ ቅልጡፍን እሙንን ሓበሬታ ሜቲዎሮሎጂ ንምቕራብ ቴክኖሎጂታት ኣብ ረብሓ እናውዓለት ከምዝኾነት ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝተማልአ ሓበሬታ ትንበያ ኣየር ምሃብ ዘኽእሉ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ቴክኖሎጂታት ትንበያ ተሃኒፆም ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ጀሚሮም እዮም ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት እዚ ዘበን ዝበፅሖ ብርኪ ቴክኖሎጂ ዘርእዩ 310 መሳርሕታት ትንበያ ኣየር ተተኺሎም ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓሉ ተዛሪቦም። ቴክኖሎጅታት መመዝገቢታት ትንበያ ኣየር ህፁፅ ውሕጅን ድርቅን ቀዲምካ ንምትንባይን ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታ ንምስራሕን ዝለዓለ ኣስተዋጸኦ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣርባዕተ ዘበናዊ ራዳራት ኣብ ውሽጢ 250 ኪሎ ሜትሮ ራድየስ ኩነታት ፀባይ ኣየር ብምምዝጋብ ቅልጡፍን እሙንን ሓበሬታ ትንበያ ኣየር እናሃቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ኣገልግሎት ብዝበለፀ ንምምዕባል ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣መቐለን ነገሌን ንትንበያ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ዝሕግዙ መመዝገብታት ብራኸ ነፈርቲ ተሃኒፆም ኣገልግሎት እናሃቡ እዮም ኢሎም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም