ሓለዋ ኸባቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ኸበቢ
ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ኣየር ንብረት ጠንካራ ራእይን ዘበረታትዕ ኣፈፃፅማን ኣለዋ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
Jun 23, 2026 2720
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 16/2018 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ኣየር ንብረት ጠንካራ ራእይን ዘበረታትዕ ኣፈፃፅማን ከም ዘለዋ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተሰያሚ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቻተም ሃውስ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ ለንደን ዘሰናደኦን “ኣብ ውሽጢ ዝተመቓቐለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኣገዳስነት ዋዕላታት ኮፕ ምጉላህ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ ሰሙን ኣየር ንብረት መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተሰያሚ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፤ ፕሬዚዳንት ኮፕ30 ኣንድሬ ኮሬያ ካብ ብራዚል ከምኡ እውን ንኮፕ31 ዝወከሉ ሚኒስትር ከባቢ፣ ልምዓት ከተማን ለውጢ ኣየርን ቱርኪ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም እዮም። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ኣየር ንብረት ጠንካራ ራእይን ዘለዋ ዘበረታትዕ ኣፈፃፅማን ኣልዒሎም። ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ብፖሊሲ ተደጊፎም ተግባራዊ ዝተገበሩ ኣፈፃፅማታት ኣፅንኦት ብምሃብ ኣብራሆም። ተሰያሚ ፕሬዚዳንት ኮፕ32 ዝኾኑ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ወሲኾም ከም ዝሓበርዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ እተሰናድኦ ኮፕ32 ቀዳሚ ተግባር ብቱርክን ኣውስትራሊያን ብሓባር ካብ ዝዳሎ ኮፕ31 ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምብጋስ ቀፃልነቱ ምርግጋፅ ከም ዝኸውን ኣመላኺቶም። እቲ ኣካይዳ ቅድሚ ኢትዮጵያ ጉባኤታት ኮፕ ምስ ዘዳለዋ ሃገራት ብምውዳድ ብምስራሕ ሓባራዊ ተግባራት ምጥንኻር ምዃኑ ጠቒሶም። ከምኡ እውን ኣብ መስርሕ ብዙሕ ወገናት ዲፕሎማሲያዊ ዘሎ ተስፋ መሊስካ ምልዕዓል ዝብል መትከል “መደመር” ከም ዘንፀባርቕ ኣፅንኦት ሂቦም ገሊፆም እዮም።
ኩሉ ዜጋ ናብ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝለዓለ ተበግሶ ብምፅምባር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር እጃሙ ከበርክት ኣለዎ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
Jun 21, 2026 2233
ኣዲስ ኣበባ ፤ሰነ 14/2018 (ኢዜኣ) ኩሉ ዜጋ ናብቲ ዝተጀመረ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብልዑል ተበግሶ ብምፅባር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብዕሊ ኣጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እውን ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ካብ ሓለዋ ከባቢ ብዝዘለለ ንዘላቕ ልምዓት ርኡይ እጃም ኣለዎም። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተሰርሐ ዓብይ ስራሕ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተረኸበሉ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። እቲ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ብብርኪ ትካል ተወዲቡ እናተሰርሐ ብምዃኑ እውን ነቲ ስራሕ ውፅኢታውን ዕዉትን ከምዝገበሮ ኣብራህሪሆም። ብስራሕ ሓምለዋይ ፅባቐን ልምዓትን ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ኣፍሪካ ብመርኣያነት እትግለፅ ከተማ እናኾነት ከም ዝመፀት ኣረዲኦም። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ዜጋ ናብቲ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝለዓለ ተበግሶ ብምፅምባር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር እጃሙ ንከበርክት ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ንሓምለዋይ ሽፋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ 24 ሚኢታዊ ኣዕብይዎ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jun 21, 2026 1413
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 14/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከተማ ኣዲኣ ኣበባ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ናብ 24 ሚኢታዊ ከም ዘዕበዮ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብዕሊ ኣጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተወደበ ኣግባብ ካብ ዝጅመር 8 ዓመታት ከም ዝገበረን ኣብዚ ከይዲ ድማ ዕዉታት ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡን ተዛሪበን። በዚ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዘሳለጦም ተኸታተልቲ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ምዕባይ ከም ዝኸኣለ ሓቢረን። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓምለዋይ ሽፋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ 24 ሚኢታዊ ምብፃሕ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲአን። ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እውን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝትከሉ ኣፍሊጠን። ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ 30 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ተተሊሙ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ኣብራህሪሀን። እቲ ንተኽሎ ተስፋና፣ ራኢናን ምግብናን እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ሎሚ ተስፋ ንትከል ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እንተኽሎም ፈልስታት ፅባሕ ዝሓሸትን ብልፅግናኣ ዝተረጋገፀን ኢትዮጵያ ንምህናፅ እዩ ኢለን።
ንኣዲስ ኣበባ ፅርይትን ንናብራ ምችውትን ንምግባር ንህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ተግባራት ውፅኢት ኣመዝጊቦም እዮም
Jun 20, 2026 1012
ኣዲስ ኣበባ / ሰነ/ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ንኣዲስ ኣበባ ፅርይትን ንናብራ ምችውትን ንምግባር ንህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ተግባራት ውፅኢት ኣመዝጊቦም እዮም ክብላ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንመርሃ ግብሪ ፅሬት ወርሓት ክረምቲ ብዕሊ ኣጀሚረን ። ኣብ ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እቲ ስፍራ ተረኺቦም፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ እቲ እዋን ከምዝበለዖ፤ ንኣዲስ ኣበባ ፅርይቲ ምችውትን ንናብራ እትሰማማዕ ንምግባር ንህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ተግባራት ጭቡጥ ውፅኢታት ኣመዝጊቦም እዮም ኢለን ። "ሎሚ ብዕሊ ዝተጀመረ ስራሕ ፅሬት ውፅኢታዊ ንክኸውን በብ ሕድሕድ ህንፃ ኣብየ ከባቢኡ ዕለታዊ ተግባር ክኸውን ይግበእ "ኢለን ።
ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቢዪ ግደ ኣለዎ
Jun 17, 2026 1672
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /10/2018 (ኢዜኤ)፦ ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ምትሕብባር ኤምባሲ ፊንላንድ ቶሚ ሳርኪዮጃ ገሊፆም። በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ዕላዊ ገይሩ። ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ብኽለት ከባቢ ንምንካይን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅን "ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ" (Circular Economy Roadmap) ብምድላው ጓሓፍ መሊስካ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዘተባብዕ ስራሕቲ እናሰረሐት ትርከብ። ከም ኣዲስ ኣበባ እቲ ፍኖተ ካርታ ናብ መሬት ብምውራድ ምስ ዕብየት እታ ከተማ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ስግኣት ኣተሓሕዛ ጓሓፍ ናብ ሰናይ ዕድል ንምቅያር ብርክት ዝበሉ ተግባራዊ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለዉ። ኣብዚ ዛዕባ ኣመልኪቶም ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ምትሕብባር ኤምባሲ ፊንላንድ ቶሚ ሳርኪዮጃ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ብፖሊሲታታ ሰርኩላር ኢኮኖሚን መጠነ-ሰፊሕ ዝኾኑ መርሃ ግብሪታት ሓለዋ ከባብን ኣቢላ ዘላቂ ልምዓት ንምርግጋፅ ዘተባብዑ ስጉምትታት ትወስድ ከምዘላ ተዛሪቦም። ፊንላንድ ኣብዚ ዓውዲ ዘለዋ ሰፊሕ ተመክሮ መሰረት ብምግባር ካብ ሓለዋ ከባቢ ብተወሳኺ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ልዑል ዕድል ኣብ ዝሓዘ ዓውዲ ኣወጋግዳ ጓሓፍን መሊስካ ኣብ ረብሓ ምውዓልን (ሰርኩላር ኢኮኖሚ) ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ እቶም ሓላፊ ሓቢሮም። እቲ ዓውዲ ንሓለዋ ከባቢን ንትካላት ንግዲን ሓባራዊ ተረባሕነት ዝፈጥር ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ብሄራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚን መሊስካ ኣብ ረብሓ ምውዓልን ብምድላውን ዘላቒ ኣሰራርሓታት ንግዲ ዘተባብዕ ሃዋህው ፖሊሲ ብምፍጣራ ዝንኣድ እዩ ኢሎም። እቲ ኣጀንዳ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ምስ መርሃ ግብሪ ሃገር በቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰርን ፍፁም ዝጠዓዓም ምዃኑ ገሊፆም። ንሓለዋ ከባቢን ንዘላቒ ዕብየትን ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ብምዃኖም ነኒሕድሕዶም ዝደጋገፉ ምዃኖም ኣብሪሆም። ኢትዮጵያ ብወገን ሓለዋ ከባቢ እትረኽቦ ዘላ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ እታ ሃገር ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት (COP32) ንከተተኣናግድ ምሕራያ ከም ዓቢዪ መርኣያ ጠቒሶም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 11 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብኣግራብ ክሽፈን ኣኽኢሉ እዩ
Jun 16, 2026 1392
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 11 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብኣግራብ ክሽፈን ከም ዘኽኣለ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ትማሊ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ወሰን ቃላይ ሆራ ኣርሰዲ ብወግዒ ኣጀሚሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ዓመት 8 ቢሊዮን ፈልሲታት ንምትካል ሽቶ ብምሓዝ ናብቲ ልዕል ዘበልናዮ 65 ቢሊዮን ፈልሲታት ናይ ምብፃሕ ትልምና ንምዕዋት ብፅንዓት እናገስገስና ንርከብ ኢሎም። ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ከም ዝበልዎ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መንግስትን ህዝብን ተዋሃሂዶም ዘዕወቱዎ ዓብዪ ታሪኽ እዩ። ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት 48 ቢሊዮን ፈልሲታት ከም ዝተተኸሉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዓመት ብማእኸላይ 25 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከም ዝተሳተፉ እውን ተዛሪቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተተኸሉ ፈልሲታት እቶም 60 ሚኢታዊ ንጥሙር ሕርሻ ዝውዕሉ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ እቲ 35 ሚኢታዊት ድማ ኣግራብ ጫካ ምዃኖም ኣረዲኦም። ትግበራ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 11 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብኣግራብ ክሽፈን ከም ዘኽኣለ እውን ገሊፆም። እዚ ድማ ሽፋን ኣግራብ እቲ ሃገር ካብ ምዕባይ ሓሊፉ መጠን ሓምለዋይነት ብምውሳኽ ናብ ኣካላት ማይ ዝወርድ መጠን ደለል ክቕንስ ከም ዘኽኣሉ ሓቢሮም። ፍግረ መሬት ብምንካይ በቢዓመቱ ናብ ሩባታት ተሓፂቡ ዝኣቱ ዝነበረ ሃፍቲ ሓመድ ካብ 2 ቢሊዮን ቶን ናብ 208 ሚሊዮን ቶን ክወርድ ከም ዝገበረ እውን ተዛሪቦም። እቲ መርሃ ግብሪ ልሙዕነት ሓመድ ብምውሳኽ ፍርያትነት ንምዕባይ ከም ዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ሓደጋ ምድራቕ ተጋሪድዎም ዝነበሩ ኣካላት ማይ ክሓውዩ ገይሩ እዩ ኢሎም። ፀቕጢ ኩነታት ለውጢ ኣየር ንምፅዋር ዘኽእል ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እውን ዓብዪ ዓቕሚ ይፈጥር ከም ዘሎ ጠቒሶም።
ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ኣዋዲዱ ዘረጋግፅ ወሳኒ ኣንፈት ልምዓት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 16, 2026 1130
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 8/2018(ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ኣዋዲዱ ዘረጋግፅ ወሳኒ ብሄራዊ ኣንፈት ልምዓት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣጀሚሮም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ምጅማር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምክያዱ እታ ከተማ ካብ ባዕላ ብዝዘለለ ንኣዲኣ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ፈልሲ እተቕርብ ከተማ ከም ዝኾነት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ኣዋዲዱ ዘረጋግፅ ወሳኒ ብሄራዊ ኢንሼቲቭ ልምዓት ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ብክልተ ነገራት እዩ ዝድፈር ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሓደ ግዳማዊ ፀላእቲ ሓይልታት ሓሲቦምሉን ዶብ ጥሒሶምን እንትኣትዉ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ናትና ሃፍትን ንብረትን ብሸለልትነት እንትወፅእ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰኣነቶ መጠን ሓመድ ብገንዘብ ክትመን ዘይኽእል ልዑል ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ተዛሪቦም። ኣቦታትና ኣብ ዓድዋ ንወራሪ ብምሕፋር ታሪኽ ሰሪሖም እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ናትና ወለዶ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ናብ ወለዶ ዝሳገር ዓብይ ገድሊ እናሰርሐ እዩ ኢሎም። መሪሕ ሓሳብ እዚ ዓመት “ተስፋ ንትከል” ብሩህ ፅባሕ ሎሚ ብምፅሓፍ፣ ሱራት ተስፋ ዘሊቖም ጉንዲ፣ ጨንፈርን ፍረን ብልፅግና ተስፋሕፊሑ ሃፍቲ ንክኾኑ ዘመላኽት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። መረፃ ተስፋ እውን ነበርቲ ከተማ ቢሾፍቱን መላእ ኢትዮጵያውያንን ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ኣየር ከይፀለዎም ተስፋ ብምስናቕ ድምፂ ምሃቦም ምስቲ መሪሕ ሓሳብ ኣዋዲዶም ኣገንዚቦም። ሓምለዋይ ኣሰር ብመትከል መደመር ተመፅዋታይነት ኢትዮጵያ ታሪኽ ናብ ዝገብር ዘበን ዘሰጋግር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ሓመድና ካብ ስደት፣ ግድብና ካብ ሑፃ ዘድሕን ዕዉት ዓምዲ ልምዓት እዩ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝተመዝገበ ዓወት ምስፋሕን ምጥንኻርን ከም ዝግባእ ገሊፆም። ካብ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ብምሕባር፤ ሎሚ ዓመት እውን ልዕሊ 8 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ብሓፈሻ 56 ቢልዮን ከም ዝበፅሕ ኣፍሊጦም። ኢትዮጵያ ኮፕ-32 እንትተተኣናግድ 65 ቢልዮን ፈልስታት ምትካል ዝኸኣለት ሃገር ከም ዝኾነት ንዓለም ክነበስር ኢና እውን ኢሎም። ነዚ ድማ ኩሉ ዜጋ ዓወት ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ብቆራፅነት ክሰርሕ ከም ዘለዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣጀሚሮም
Jun 15, 2026 1314
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 8/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚርና ኢሎም። ኣብዚ ዓመት 8 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና ሓፍ ናብ ዘበልናዮ ሽቶ 65 ቢልዮን ፈልስታት ናይ ምብፃሕ ትልምና ንምዕዋት ብፅንዓት እናገስገስና ኢና ንርከብ ክብሉ ገሊፆም። ናብቲ ጎስጓስ ብምፅምባር ንመፃኢ ወለዶ ሓምለዋይ ኣሰሮም የንብሩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ንዘላቒ ልምዓት እቲ ዞባ ዘተኣማምንን እዋናውን ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ይግባእ
May 18, 2026 8456
ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 10/2018(ኢዜኣ) ንዕውትነት ዘላቒ ልምዓት እቲ ዞባ ዘተኣማምን፣ፅሬት ዘለዎን እዋናውን ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ብሓባር ምጥንኻርን ተበፃሒ ምግባርን ከም ዘድሊ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ተዛሪቦም። ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያን ማእኸል ትንበያ ፀባይ ኣየር በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ዝተዳለወ መበል 73 ፎረም ኩነታትን ትንታነን ፀባይ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ። ኣብቲ ፎረም ተወከልቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ሰብ ሞያ እቲ ዓውድን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም እዮም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደት እያ ትርከብ። ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታት ተፈጥሮን ተቓላዒ ብምዃኑ፤ ነዚ ፀቕጢ ንምፅዋር ዘተኣማምን ልውውጥ ሓበሬታ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያዊ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ከም ዝኾነት እውን ኣረዲኦም። ካብዞም ስራሕቲ ማእኸል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሕርሻ፣ኣብ ትንታነታት ትንበያ ኣየርን ትንበያ ሚቲዎሮሎጂን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ከም ዝርከብዎም ገሊፆም። በዙይ ድማ ጭቡጥ ለውጥታት ከም ዝተመዝገቡ ተዛሪቦም። ትንታነታት ትንበያ ኣየር ብዝበለፀ ተኽክለኛን ተኣማንን ንምግባር እታዎታት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ከም ዝተጠቐሙ ሓቢሮም። ንዘላቒ ልምዓት እቲ ዞባ ዘተኣማምንን እዋናውን ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም። ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብተደጋጋሚ ንድርቂ፣ሃንደበታዊ ውሕጅን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ምቅልዑ ሓበራዊ ስግኣት ከም ዝኾነ ኣብቲ ፎረም ኣልዒሎም። ስለዝኾነ እተን ሃገራት ብተናፀል ካብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ብዝተወሳኺ ብብርኪ ዞባ ቀጥታውን ሳይንሳውን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስራሕ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይግባእ ኢሎም። ሓበሬታት ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ሓረስቶት፣ ኣርባሕቲ እንስሳን መውፃእቲ ፖሊሲን ኣቐዲሞም ውሳነ ንከሕልፉን ኣብ ትልምታት ልምዓት ዘላቕነት ንከረጋግፁን ዓብዪ ዓቕሚ ከም ዝፈጥር እውን ገሊፆም። እቲ ፎረም ፅባሕ እውን ከም ዝቕፅል ተገሊፁ።
ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ይግባእ- ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)
May 15, 2026 4830
ኣዳማ/ግንቦት 7/2018(ኢዜኣ) ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ከም ዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ግምገማ ትንበያ እዋን ፅድያን ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየር መፃኢ ክረምትን ዕላዊ ንምግባር ዘዳለዎ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን መነባብሮ እቲ ማሕበረሰብን ምስ እዋናዊ ኩነታት ፀባይ ኣየር ብቀጥታ ዝተኣሳሰረ እዩ። እቲ ኢንስቲትዩት ንማሕበራዊ፣ኢኮኖሚን እቲ ሕብረተሰብን ዝውዕሉ ኣገልግሎታት ትንበያ ሚቲዎሮሎጂን ቅድመ ጥንቃቐን ኣብ እዋኑን ብብቕዓትን ናይ ምዝርጋሕ ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም። እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ትንበያ መፃኢ ክረምቲ ዕላዊ ዝግበረሉ ስለዝኾነ ሓረስቶትን ኣርባሕትን፣ ትካላት ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ፣ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ካልኦት ዓውድታት ልምዓትን ቀዲሞም ንምድላው ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ስለዝኾነ ድማ ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ኣድላይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ብግደኦም፤ እቲ ትካል ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር፣ተቓላዕነት ሓደጋ ንምፅዋርን ቀዲምካ ብምትንባይ ድሌት ዓማዊልን መዳርግቲ ኣካላትን ንምምላእን ብትግሃት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም። እቲ ኢንስቲትዩት ትንበያ መዓልታዊ ኩነታት ኣየር ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ትንበያ ናይ ነዊሕ እዋን ፀባይ ኣየር ብምትንታንን ብምግምጋምን ንዝተፈላለዩ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ኣገልግሎት ቅድመ ምድላው ኣብ እዋኑን ብብቕዓትን ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ፎረም ትንበያ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
May 11, 2026 5430
ኣዲስ ኣበባ/ጉንቦት /3/2018 (ኢዜኣ)፡- መበል 73 ፎረም ትንበያ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ (GHACOF 73) ካብ 10 ክሳብ 11 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። እቲ ፎረም፤ “ኣገልግሎታት ፀባይ ኣየር፤ ንዘይብዳህን ዘለቂ ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ኮይኑ፤ ማእኸል ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየርን መተግበርን በዓል መዚ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ICPAC) ምስ መሓዙት ልምዓት ብምዃን ዘዳልዎ ከም ዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ፎረም ትንበያ ካብ ምሃብ ብዝሓለፈ እቶም ትንበያታት ናብ ተግባር ምቕያርን ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምክልኻልን ስጉምትታት ቅድመ መጠንቀቐታትን ቅድመ ምድላውን ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ። ንሓረስቶት፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ብቐጥታ ሓበሬታ ብምሃብ ምሕጋዝ ኣብ ዝክኣለሉ ኩነታት ከም ዝመክር ኢጋድ ንኢዜኣ ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ። ኣብ ሞንጎ ትካላት ብሄራዊ ሚቲዎሮሎጂ ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ካልእ ናይቲ ፎረም መዛተዪ ኣጀንዳ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ንሕርሻን ሃፍቲ ማይን ዓባይ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ ዝኾነ ትንበያ እዋን ዝናብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ ጁን ክሳብ ሴፕቴምበር 2026 ክቐርብ እዩ። ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ናይ ርሑቕ ስግኣት ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ኣፍ ደገና ዘሎ ጭቡጥ ሓደጋ እዩ ዝበለ ኢጋድ፤ እቲ ፎረም ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪካ እኹል ሓበሬታ ክህልዎምን ቀዲሞም ድሉዋት ክኾኑን ኣብ ምኽኣል ትኹረቱ ከም ዝገበረ ኣመላኺቱ። ኣብቲ ፎረም፤ ሚኒስትራት፣ ትካላት ምርምር፣ ሰብኣዊ ትካላት፣ ሲቪክ ሚሕበራትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ክሳተፉ እዮም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ
May 6, 2026 5366
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኢትዮጵያ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ዓመታት ብዘካየደቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዓለም ለኸ ትኹረት ዝሰሓበ ለውጢ ኣመዝጊባ እያ። መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍረያይነትን ብጭቡጥ ንክውስኽ ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ ቅድሚ ሕዚ ብሄክታር ዝሕፀብ ዝነበረ 130 ቶን ሓመድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 54 ቶን ከምዝወረደ ሓቢሮም። ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ፍርያትን መፍረያይነትን ከምዝዓበየ፣ሽፋን ደኒ ከምዝወሰኸን ምሽርሻር ሓመድ ከምዝቐነሰን ዝገለፁ እቶም ዋና መተሓባበሪ፤ ሓምለዋይ ከባብታት ብምስፍሕፋሕ ንመነባብሮ ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠረ እውን ተዛሪቦም። ጣብያታት ፈልሲ ብምብዛሕን ክትትል ብምጥንኻርን ፅሬትን መጠንን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝትከሉ ፈልስታት ፍራ ምረ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝተመዝገበ እውን ኣብሪሆም። ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ከባብያውን ረብሓታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበዩ ከምዝመፁ ብምሕባር፤ ፍርያታት ፍራ ምረ ንዕዳጋ ወፃኢ፣ኣፍረይቲ ኢንዱስትርታትን ማእኸላት ዕዳጋን ምቕራብ ዝጀመሩ ሓረስቶት ከምዘለዉ ተዛሪቦም። እዞም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምስፋሕ እውን ስራሕ ደገፍን ክትትል ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊጾም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምፅዋር ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምዝማን ዓውዲ ሚቲዎሮሎጂን ዘሳለጠቶም ተግባራት መርኣያ ዝኾኑ እዮም
May 6, 2026 1247
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /28/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅዋር ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምዝማን ዓውዲ ሚቲዎሮሎጂን ዘሳለጠቶም ዕዉታት ስራሕቲ ዓቕሚ ኣፍሪካ ዘዕብዩ ከም ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፀኡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፆም፡፡ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ምስ ሶሳይቲ ሜቲዎሮሎጂ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ፈላማይ ኮንፈረንስ ሳይንቲፊክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ከም ዝገለፅዎ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ኣብ ሚቲዎሮሎጂ ከምኡ እውን ኣብ ዙሪያ ምልከታ ሃይድሮሎጂ ብሓባር ምስራሕ ወሳኒ እዩ፡፡ እዙይ ድማ ሓደጋታት ተፈጥሮ ከይተፈጠሩ ኣቐዲምካ ጥንቃቐ ንምግባር ዘኽእሉ ስልትታት ቅድመ ጥንቓቓ ንምሕያል ከም ዝሕግዝ ኣመላኺቶም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ንዘሳለጠቶም ኢንቨስትመንታት መሰረተ ልምዓትን ቴክኖሎጂን ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፤ እቶም ኢንቨስትመንት ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንምትእስሳርን ዓቕሚ ተፀዋርነት ንምህናፅን ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎም ገሊፆም፡፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምስፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይልን ካልኦትን ለውጢ ኩነታት ኣየር ምጽዋር ዘኽእሉ ተግባራትን ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ቆራፅነት መንግስቲ ብተግባር ዘመላኽቱ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ማእኸል ኣብ ዝገበረ ውፅኢታዊ ኣንፈት ልምዓት እያ ትርከብ
Apr 27, 2026 1229
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ማእኸል ኣብ ዝገበረ ውፅኢታዊ ኣንፈት ልምዓት እያ ትርከብ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(CIf) ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ጉባኤ፤ ሙሁራን፣ መሓዙት ልምዓትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ሓዊሱ ኣምባሳደራትን ተወከልቲ ሃገራትን ተረኺቦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ራእን ኣንፈትን ዕቤት ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ማእኸል ዝገበረ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ተሓዳሲ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕ፣ቀረብ ማይ ብምምሕያሽ፣ ዝባደሙ መሬታት ዳግማይ ንክሓውዩ ብምግባር ዓቕሚ ምፅዋር እቲ ማሕበረሰብ ዘዕብዩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም። ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ ከተማ ዘበናዊ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዕቤት ምስ ሓለዋ ከባቢ ብዝተናበበ መልክዑ ከመይ ከምዝሳለጥ መርኣያ እዮም ኢሎም። መንግሥቲ ምስ ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣማራፂ ቀረብ ሓይልን ተፈጥሮ መሰረት ዝገበሩ መፍትሕታትን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ እውን ኣረዲኦም። ኣብዚ ጉባኤ ልውውጥ ልምዲ እውን ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ዘለዋ ተሞኩሮ ንምክፋልን ካብ ካልኦት ተሳተፍቲ ንምምሃርን ድሉውቲ እያ ኢሎም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(CIF) ታሪዬ ባድጌሲን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ብቢልዮን ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ከምዘሳለጠት ሓቢሮም። ኢትዮጵያ መበል 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ቅድሚ ሕዚ ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ምትእንጋዳ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ልዑል ተሞኩሮ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ፈንድስ ኢንቨስትመንት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ንዝለዓለ ውፀኢታውነት ሓለዋ ከባቢ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ወሳኒ እታዎት እናተጠቐመት ትርከብ
Apr 23, 2026 1522
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 15/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ከባቢ ተሳልጦ ዘላ ውፅኢታዊ ስራሕ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣደጊፋ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ወሳኒ እታዎት እናተጠቐመት ከም ዝኾነት ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም። እቲ ኢንስቲትዩት ምስ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘዳለዎ "ዲጂታል ስርዓት ሪፖርት መግበሪ ብኽለት ከባቢ" ብዕላዊ ስራሕ ኣጀሚሩ። እቲ ሓዱሽ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ስራሕቲ ሓለዋን ቁፅፅርን ብኽለት ከባቢ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተሓገዘ ትንታነ ዳታ ንምስላጥ ዝዓለመ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ትካል ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ "ኤ. ኣይ ንኹሉ" ብዝብል ኣምር ንሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት ዝሕግዙ ውፅኢታት እናፍረየ እዩ ዝርከብ። እቲ ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ መተግበሪ እውን ሕብረተሰብ ሓበሬታታት ብኽለት ብቐሊሉ ከመላኽትን ብቅልጡፍ ትንታነ ዳታ ግቡእ መልሲ ምሃብን ዘኽእል ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም። ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን በረከት ፍስሃጽዮን፤ መንግስቲ ተረባሕነት ወለዶ ሕዝን መፃእን ኣብ ግምት ንዘእተወ ልምዓት ኢኮኖሚ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ገሊፆም። ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ ዲጂታል መተግበሪ እውን መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ዝገብሮም ምምሕያሻት ፖሊሲን ፈጣን መልስታትን ኣብ ዳታ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም እታዎት ዘገልግል እዩ ኢሎም። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ሌሊሴ ነሜ (ዶ/ር) ብወገነን፤ እቲ መተግበሪ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዝተሃነፁ ልምዓታት ኮሪደር፣ወሰና ወሰን ሩባን ስራሕቲ ፅሬትን ብዘላቕነት ንምሕላው ዝለዓለ እጃም ከም ዝህልዎ ገሊፀን። እቲ ቴክኖሎጂ ትካለን ኣብ ሓበሬታ ዝተደረኸ ውሳነ ክውስንን ፍልፍል ብኽለት ከባቢ ብቕርበት ንምቁፅፃርን ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ተዛሪበን። ስለዝኾነ ንፅህቲ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሕብረተሰብ ብንቕሓት ብምስታፍ ጥቆማታት በቲ መተግበሪ ንክህብ ፃውዒት ኣቕሪበን። እቲ ዲጂታል ሪፖርት መግበሪ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምላዋይ ልምዓትን ፅባቐ ከተማታትን ዝጀመረቶም ዕዉታት ስራሕቲ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ዝሓሸ ኩነታት ኣየር ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓብይ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ንኮፕ 32 ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሻ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Apr 17, 2026 1273
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 9/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንኮፕ 32 ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሻ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠት ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ኮፕ 32 ከም ምዃና መጠን ብሄራዊ ኮሚቴ ብምጥያሽ ምድላዋታ ቅድም ኢላ ጀሚራ እያ ኢሎም። እዚ ከይዲ ብግልፂ ሽቶን ብዝለዓለ ምልከታን ንምምራሕ ቀልፊ ኣመራርሓ መዲብና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ነዚ ስዒቡ መሓውር ፕሬዚዳንት ኮፕ ዝተዋደደን ዝለዓለ ውፅኢትን ዘምፅኡ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋቱ ከምዝጀመረ ኣመላኺቶም። ሎሚ ምስቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝነበረና ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክሳብ ሕዚ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብምግምጋም ክፍተታት ምፍላይን ኩሎም ፃዕርታትና ምስ ሃገራዊ ራኢና ዝተጠዓዓሙ ምዃኖምን ተዳህሲሶም እዮም ክብሉ ገሊፆም። ኣብቲ መድረኽ ካብ ግምገማ ብዝዘለለ ሓባራዊ ቀፃሊ ኣንፈት ኣቐሚጥና ኢና ኢሎም። ትኹረትና ግልፂ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብጠንካራ ምትሕብባር፣ብዝተወሃሃደ ዓብይ ራእን ሓባራዊ ፅኑዕ ትግሃትን ተናቢብና እዚ ዓለም ለኸ ፍፃመ ብልህቀት ብምትእንጋድ ልዕልና ሃገር ዳግማይ ክነርኢ እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ሃናፂ ግደ እናተዋፅአ እዩ
Apr 14, 2026 506
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 6/2018(ኢዜኣ)፡- መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ስርዓተ ምግቢ ብምምሕያሽ፣ ዕዳጋ ብምዕባይን ስነ ምግዳር ብምምላስን ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ሃናጺ ግደ እናተፃወተ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ፕሮፌሰር ኢያሱ ኤልያስ ገሊፆም፡፡ መበል 20 ዓመት ምስረታ ጥምረት ሓምለዋይ ቃልሲ ኣፍሪካ /ኣግራ/ ምኽንያት ብምግባር ዘተ ላዕለዎት ሰብ ሞያን ሓለፍቲ ስራሕን ተሳሊጡ፡፡ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ፕሮፌሰር ኢያሱ ኤልያስ ኣብዚ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርጋፅን ዘላቒ ዕብየት ንምምዝጋብን ስግግር ሕርሻ ወሳኒ እዩ፡፡ ስግግር ሕርሻ ንምርግጋጽ ድማ ንሓረስታይ ዘላቒ ዕድላት ኢንቨስትመንት ምፍጣር የድሊ ኢሎም። ኢትዮጵያ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ብምዕባይ፣ ጠንካራ ስጉምቲ ፖሊሲ ብምኽታልን ቖራጽ ኣመራርሓ ብምሃብን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እምርታዊ ውጽኢት ከም ዘመዝገበት ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳሚት መፍረይት ስርናይን ለኣኺት ቡንን ክትኸውን ከም ዝኸኣለት ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ኣበርክቶ ልምዓት መስኖን ስራሕቲ ኤክስቴንሽንን ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ ሕርሻ ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ኣግሮ ፎረስትሪን ካልኦት ኢንሼቲቫትን ብምጅማር ስርዓት ፍርያት ክቕየር፣ እታዎት ትራክተርን ኮምባይነርን ክመሓየሽ ከም ዝተገበረ ገሊፆም፡፡ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከባቢ ብምሕላው፣ ዕዳጋ ብምዕባይን ስርዓተ ምግቢ ብምምሕያሽን ንፍርያትን መፍረያይነትን ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ ኢትዮጵ ብለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይስዓር ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ስርዓት ሕርሻ ተግባራዊ እናገበረት ከም ዝኾነት እውን ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ኩለመደያዊ ስግግር ብምፍጣር ስግግር ገጸር፣ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ከም ዕላማ ብምሓዝ እናሰርሐት ከም ዝኾነት ኣመላኺቶም፡። ጥምረት ሓምላዋይ ቃልሲ ኣፍሪካ /ኣግራ/ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ዘኽእሉ ስራሕቲ ምምኻር፣ ኣብ ልምዓት መስኖን ዝተመሓየሸ ሕርሻን ትኹረት ብምግባር ንታሕተዎት ሓረስቶት ድጋፍ እናገበረ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ ኢትዮጵያ ብጠንካራ ኣመራርሓን ውሳነ ውሃብነትን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዓወታት እናመዝገበት እያ ኢሎም፡፡
ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Apr 9, 2026 1524
ኣዲስ ኣበባ/1 ሚያዝያ/2018 (ኢዜኣ) ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መኣከቢት ኣፍሪካውያን ኣዲስ ኣበባ መበል 16 ጉባኤ ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ኣፍሪካ (ARC-COP16) ብዕሊ ኣጀሚርና ኢሎም። ኣህጉርና ብለውጢ ከባብያዊ ኣየር እናተፈተነት እያ ትርከብ ዝበሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተምስገን፤ ይኹን እምበር እዚ ፈተና ተስፋና ዘፀልምት፣ ጉዕዞና ዘዐንቅፍ ኣይኸውንን ክብሉ ሓቢሮም። ንሕና ኣፍሪካውያን ድሕሪ ሓደጋ ንዝመፅእ ረድኤት ኢድ ካብ ምዝርጋሕ ሓደጋ ቀዲምካ ምክልኻልን ብሳይንሳዊ መንገዲ ንመፍትሒ ምድላውን መሰረት ህልውናና ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ራኢ ሰኒቓን ቅልፅማ ኣጠንኪራን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ እናሃነፀት ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ብሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ምድሪ እናቐየርና ኢና ክብሉ ፀሪሖም። ብጎስጓስ ልኣላዊነት ምግቢ ዓርስና ንምኽኣል እናፀዓርና ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ እውን ገመድ ኣህጉራዊ ምትእስሳር እናኾንና ኢና ክብሉ ኣረዲኦም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ። ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣብ ዝበዝሕሉን ዓለም ለኻዊ ደገፋት ኣብ ዝቐነስሉን እዚ እዋን፤ ከም ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ኣፍሪካ(African Risk Capacity-ARC) ዝበሉ ኣህጉራዊ ትካላት ምጥንኻር ኣማራፂ ዘይብሉ ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም። ስግኣት ሓደጋ ብመፅናዕቲ ምፍላይ፣ ቀዲምካ ምክልኻል፣ ፀገም እንተጋጥም እውን ብኣፍሪካዊ ዓቕሚ ምላሽ ምሃብ ከም ዝግባእ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ እውን ንዕዉትነት እዚ ካሊእ ሽቶ ልኣላዊነት ኣፍሪካውያን መርኣያ ኮይና ክትሰርሕ እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ትገብሮ ፃዕሪ ብምርምር ክድገፍ ኣለዎ
Mar 31, 2026 505
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 22/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ትገብሮ ፃዕሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምርምርን ሳይንስን ክድግፉ ከም ዘለዎም ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም። ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፎረም ትግበራ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ብሄራዊ ፃዕሪ ክህልዎም ዝግባእ ስትራቴጂካዊ እጃም ኣፅንኦት ሂቦም። ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምምካት ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር ግንባር ቀደም ከም ዝኾነት ተዛሪቦም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካልን ብልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ኢትዮጵያ ንኣፍሪካን ዓለምን መርኣያ ምዃና መርኣያ እዮም ኢሎም። እቲ ፎረም፤ ዝተዋደደ ስራሕ ፖሊሲ መውፅእን ትካላት ትምህርትን ዘጠናኽር መድረኽ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ጉዳያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ትካል ስለዝኾነ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ዝጀመሮ ምውዳድ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም። ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ዩኒቨርሲቲታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋር ዘኽእሉ ሳይንሳዊ መፍትሕታት ኣብ ምንዳይ ልዑል እጃም ኣለዎም ኢሎም። ምጥያሽ እቲ ፎረም እውን ንመፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ከም ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምድጋፍ ዘኽእል ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ምስኻዕ ብዝኽእል መልክዑ ምድላው እናተገበረ እዩ
Mar 25, 2026 769
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 16/2018(ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ.ም እቲ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ምስኻዕ ብዘኽእል መልክዑ ውፅኢታዊ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ መተሓበበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ እቶም መተሓባበሪ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መጠቓለሊ ዓመት ፈላማይ ምዕራፍ ብምዃኑ ንምድላዋት ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሳለጠ እዩ ኢሎም፡፡ ስለዝኾነ ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኸቡ ተሞኩሮታት ብምውሳድ ፈልስታት ፍራምረ ምስፋሕን ቁፅሪ ዘቤታዊ ዓሌታት ምውሳኽን ከምኡ እውን ዓይነታት እፅዋት ንምስፋሕ እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ገሊጾም፡፡ ኣብ እዋን ሓጋይ ቦታታት መትከሊ ምፍላይ፣ኣብ ዝተፈለዩ ቦታታት ዕቀባ ሓመድን ማይን ምስላጥ፣ ምስ ኩነታት ኣየር ዝስማዕመዑ ፈልስታት ምፍላስ ከምኡ እውን ስራሕቲ ምድላው ካርታ ዝተፈለዩ ቦታታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም፡፡ በዚ እውን ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልላት ንተኸላ ፈልሲ ዝውዕል 2 ነጥብ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከም ዝፈተለየ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 110 ሽሕ ጣብያታት ፈልሲ ናብ ስራሕ ኣትዮም ፈልሲ ኣብ ምፍላስ ይርከቡ ኢሎም፡፡