ሓለዋ ኸባቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ኸበቢ
ሎሚ ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Jul 31, 2025 259
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ሎሚ ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ንመርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ናይ ምኽኣል ዓቕምና ደጋጊምና እነርእየሉ ፍሉይ መዓልቲ እዩ ኢሎም። 24 ሓምለ 2017 ዓ/ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ባዕልና ክብረ ወሰን ብባዕልና እነመሓይሸሉ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም። ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ልዕሊ 40 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ንሓለዋ ከባቢ ዓለም እጃምና ተዋፂእና ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ዘቕረብዎ ፃውዒት ኢትዮጵያውያን ተቐቢሎም ተዳሊዎም እዮም ኢሎም። ሎሚ መዓልቲ እውን ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ ስለዝኾነ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብሉ ተዛሪቦም። ኣብዚ ዓመት ብምትካል ምንስርራእ ብዝብል መሪሕ ቃል 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ደኒ፣ቀለብ፣ኣትክልትን ፍራ ምረን ንምትካል ስራሕ ጀሚርና ክብሉ ሓቢሮም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ህፃን ክሳብ ዓብዪ፣ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክሳብ ሰብ ሞያ፣ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኩሎም ዜጋታት ከምዝሳተፉ ኣረዲኦም። ፈልሲ እንተክል ምሽርሻር መሬት ንምክልኻል፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ንምልባስን እዩ ኢሎም።
ኣብ ሓንቲ ፃሓይ መርሃ ግብሪ ምትካል 700 ሚሊዮን ፈልስታት ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ
Jul 31, 2025 212
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 24/2017(ኢዜአ):- ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣካል ሓምለዋይ ኣሰር ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ፃሓይ መርሃ ግብሪ ምትካል 700 ሚሊዮን ፈልስታት ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ። ካብ ንጉሆ ሳዓት 12 ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገርና ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ኣብ ሓንቲ ፃሓይ 700 ሚሊዮን ፈልስታት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ምድላዎም ኣፃፊፎም ንምትካል ተዋፊሮም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣጀሚሮም ኣለዉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ጅማ ሓምለዋይ ኣሰሮም ብምንባር ኢዮም ነቲ መርሃ ግብሪ ኣጀሚሮም። ናይ ሎሚ ዘበን ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ካብ ንጎሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ኣብ ከተማ ድሬደዋ ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣድላይ ምድላው ተገይሩ
Jul 30, 2025 231
ድሬደዋ/ሓምለ 23/2017(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ድሬደዋ ፅባሕ ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ንምዕዋት ምድላው ከምዝተገበረ ሓላፊ ቢሮ ግብርና፣ማይ፣መዓድንን ኢነርጅን ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣይተ ኑረዲን ኣብደላ ገሊፆም። ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኑረዲን ኣብደላ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ድሬደዋ ምችውቲ ከባቢ ስራሕን መንበርን ንክትኸውን ኣኽኢልዋ እዩ። ሓደጋ ውሕጅ ከተማ ድሬደዋ ኣብ ምክልኻልን ውሕስና ምግቢ ሕብረተሰብ ገጠር ኣብ ምርግጋፅን እውን ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበሎም ሓቢሮም። ኣብዚ ዓመት እውን “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም። ብብርኪ ሃገር ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝተፈላለዩ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ከምዝትከሉ ብምሕባር፤ ኣብዚ ታሪኻዊ ስራሕ ንምስታፍ ድማ ኣብ ከተማ ድሬደዋ እውን ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬደዋ ከድር ጁሃርን ኣባላት ካቢኔ እቲ ምምሕዳርን፣ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ድሬደዋ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን በቢብርኩ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ከምዝሳተፉ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓመታዊ በዓል ናፍቆት ድሬደዋ እናተሳተፉ ዘለዉን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፃኢ ዝመፁ ኣጋይሽን ክሳተፉ እዮም ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክዓቢ ኣኽኢሎም እዮም
Jul 30, 2025 193
ሰመራ/ሓምለ 23/2017(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክዓቢ ከምዘኽኣሉ ኣብ ክልል ዓፋር ሓምለዋይ ኣሰሮም ዘንበሩ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ተፃዋዕቲ ትካላቱን ገሊፆም። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ተፃዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣሚበራ ጣብያ ኮማጊደሮ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክውስኽ ኣኽኢሎም እዮም። ፈልስታት ዝተፈላለዩ ረብሓ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ብኽነት ማይ ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ብምኽንያት ውሕጅ ዝበፅሕ ጉድኣት ከምዘትረፉ እውን ኣብ ዑደቶም ከምዝተዓዘቡ ሓቢሮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ግድባት ብሑፃ ከይመልኡ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ሓደጋታት ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን ምትራፍ ከምዘኽአለ ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ዓቕምታት ማይ ክውስኽ ብምግባር ልምዓት ፍራ ምረን መስኖን ንክስፋሕፋሕ ገይሮም እዮም ኢሎም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ምዝባዕ ፀባይ ኣየር ኣብ ምፅዋር ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጠሩ ፀሪሖም። ኣብ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ይኹን ዝተተኸሉ ምክንኻን እቲ ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ስለዝተሳተፈ ንዕዉትነት እቲ ስራሕ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ታመነ ሃይሉ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ብምውሳኽ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክውስኽን በረኻነት ንምክልኻልን ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ ኢሎም። እቶም ፈልስታት ምትካሎም እውን ንሓለዋ ከባቢ ዝተፈላለዩ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እዚ ስራሕ ምቕፃል ድማ ንቀፃሊ ወለዶ ምችው ከባቢ ንምውራስ ከምዘኽእል ተዛሪቦም።
ፅባሕ ብሓባር ታሪኽ ንስራሕ!
Jul 30, 2025 187
ኣብዚ ሰሙን ኢትዮጵያ ሓምለዋይን ንፈተና ዘይቃላዕን ፅባሓ ንምህናፅ ንትገብሮ ፃዕሪ ዳግማይ ክትለዓል እያ። ፅባሕ ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ኣካል ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰርና ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል ዕላማ ንምዕዋት ክንተክል ኢና። ዝለዓለ ሽቶ እዩ። ጥንካረና፣ሓድነትናን ንህዝብና ዘለና ቆራፅነትን የርኢ። እዚ ፈልሲ ካብ ምትካል ንላዕሊ እዩ። ንእሽተይ፣ዓብዪ፣ገጠርን ከተማን ከይበልና ኩላትና ዜጋታት ከባቢና ንክሓዊ፣ፍልፍላት ማይና ንክሕለዉ፣ኩነታት መነባብሮና ንክመሓሽ ከምኡ እውን ንቀፃሊ ወለዶታት ዘላቕነት ዘለዎ ፅባሕ ንምርግጋፅ እንሳተፈሉ ስራሕ እዩ። ኩልኹም ኣብዚ ዓብይ ስራሕ ንክትሳተፉን ንክተተሓባብሩን የተሓሳስብ። ብሓባር ጠንካራ ኣእዋም ጥራሕ ዘይኮነስ ጠንካራን ዝበለፀን ሓምለወይቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክነዕቢ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) "ኣብ መበል 7ይ ዓመት 700 ሚልዮን ፈልስታት ክንተክል ኢና"
ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jul 29, 2025 255
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 22/2017(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። መበል 7ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር”ብምትካል ምንስርራእ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዕሊ ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ዕላዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ እንትኸውን፤ ሎሚ እውን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባት፣ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ሰብ ሞያ ሚድያ፣ስፖርተኛታት፣ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኮሙኒኬሽን ብምዃን ሓምለዋይ ኣሰረን ኣንቢረን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ። ፈልሲ ምትካል ንሎሚ ጥራ ዘይኮነስ ንናይ ፅባሕ ወለዶ እውን ምችውቲ ሃገር ብምህናፅ እነረክበሉን ውሕስና ምግቢ እነረጋግፀሉን ቁልፊ መሳርሒ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ስለዝኾነ እውን ኣካላት ሚድያ ሓዊሱ ኩሎም ዜጋታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተሳትፈኦም ንከጠናኽሩ ብምግላፅ፤ ወለዶ ኣብ ምህናፅ እውን ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ኣብ ክልል ዓፋር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ረብሓ ሕብረተሰብ ክዓቢ ገይሩ እዩ -ርእሰ ምምሕዳር አወል ኣርባ
Jul 24, 2025 359
ሠመራ/ሓምለ/ 17/2017(ኢዜአ)፦ ኣብ ክልል ዓፋር ክሳለጥ ዝፀንሓ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ረብሓ ሕብረተሰብ ክዓቢ ገይሩ እዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር አወል ኣርባ ገሊፆም ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ዓፋር ኣብ ወረዳ ዱብቲ ጣብያ ጉሩሙዳሌ ሎሚ ፈልስታት ብምተካል ሓምለዋይ ኣሰር አንቢሮም ። ኣብ ምትካል ፈልሲ ዝተሳተፉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር አወል አርባ ኣብ እቲ እዋን ከምተዛረብዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ረብሓ ሕብረተሰብ ክዓቢ ገይሩ እዩ ኢሎም። ብፍላይ መናእሰይ ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ዝተውሃቦም መሬት ፍራምረታትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ኣልሚዖም ንፍርያት ብምብቃዕ ምህርትታት ናብ ዕዳጋ ምቐራብ ምጅማሮም ሓቢሮም እቶም መናእሰይ ካብ ከባቢኦም ሓሊፎም ንጎረባብታ ከተማታት ብምቐራብ እውን ተጠቀምቲ ምኹኖም ተዛሪቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘበስር ሃገራዊ ዓወትን መርኣያ ጉዕዞ ልዕልናን እዩ
Jul 24, 2025 258
ጎንደር/ሓምለ/ 17/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘበስር ሃገራዊ ዓወትን መርኣያ ጉዕዞ ልዕልናን ከምዝኾነ ተገሊፁ። ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ተፋሰስ ኣንገረብ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ሚኒስትር መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበን ተሻጋርን ኣብ መንጎ ህዝብታት እውን ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሊ እናዕበየ ዝመፀን ዘኹርዕ ተግባር እዩ። ከም ሃገር ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝትከሉ ሓቢሮም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘበስር ሃገራዊ ዓወትን መርኣያ ጉዕዞ ልዕልናን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሃገር ቦቆልን ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎን ፈልሲ እናተተኸለ ከምዝኾነ ዝገለፁ ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ቻላቸው ዳኘው፤ ኣብ ተፋሰስ ኣንገረብ ሎሚ ዝተሳለጠ ተኸላ ፈልሲ ነታ ከተማ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንዘቕርብ ግድብ ኣንገረብ ካብ ሑፃ ብምክልኻል ዝህቦ ኣገልግሎት ንምዕባይ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም። ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ፃንሒቶም ኣብታ ከተማ ሕድሳት መንበሪ ኣባይቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ዘጀምሩ እንትኸውን፤ ንዝተፀገሙ ተምሃሮ ደገፍ ናውቲ ትምህርቲ ከምዝገብሩ እውን ተፈሊጡ።
ንሃገራዊ ሓምለዋይ ኣሰርና ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ንትጋህ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jul 21, 2025 398
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 14/2017(ኢዜኣ) ንሃገራዊ ሓምለዋይ ኣሰርና ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ንትጋህ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ቀፅሪ ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ምስ ማሕበረሰብ ስፖርት ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል፣ዓበይትን መናእሰይን ስፖርተኛታትን ተሳቲፎም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ “ንምፃኢ ወለዶ ሓምለወይቲ ሃገር ንምርካብ ምስ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር መናእሰይ፣ዓበይቲ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ከተማ ባህር ዳርን ሓምለዋይ ኣሰርና ኣንቢርና” ኢሎም። ሓምለዋይ ኣሰር ከም ሃገር ፍልፍል ፅባቐን ተወሳኺ ዓቕሚ ኢኮኖምን ንምግባር ብምትላምን ተግባራዊ ብምግባርን ውፅኢት ክርከበሉ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።ሓምለዋይ ኣሰር ብምትካል ኣብ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢና ዘለና እውን ኢሎም። ኣብ ከተማ ባህር ዳር እውን ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ብዘንባባታትን ልምሉም ፀጋታትን ዝፀበቐት ከተማ ብዝበለፀ ፅብቕትን ምችውትን ዓለም ለኸ መባፅሒት ከምዝገብራ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር”ብምትካል ምንስርራእ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዕሊ ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ- ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ
Jul 16, 2025 447
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 9/2017(ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ መንበሪ ቀፅርን ግብኡ ንምፍፃም ኣብ ዝተዋፈረሉ ዞባን ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብዕሊ ከምዘጀመርዎ ዝፍለጥ እዩ። መርሃ ግብሪ ምጅማር ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዋና ቀፅሪ ሓፈሻዊ መምርሒ ተሳሊጡ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ሚኒስትር ዲኤታትት ሚኒስቴር ምክልኻል፣ጀነራል መኮንናትን ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም። ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ተሳትፎ ገይሩ እዩ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከም ሃገር ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ሽፋን ደንን ውሕስና ምግብን ኣብ ምርግጋፅን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻልን ውፅኢት እናምፀአ እዩ ኢሎም።ሰራዊት ምክልኻል እውን እጃሙ ብምውፃእ ኣሰሩ እናንበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ካብ ሎሚ ጀሚሩ እቲ ሰራዊት በብዘለዎ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ሓቢሮም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ቶማስ ቱት ብግደኦም፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጎና ጎኒ ዝተውሃቦ ግቡእ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ብንቕሓት እናተሳተፈ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ዓመት ልዕሊ 18 ሚልዮን ሃገር ቦቆልን ንምግቢ ዝውዕሉን ፈልስታት ከምዝትከሉ ኣፍሊጦም።
እቲ ሕብረተሰብ ንፅድቀት ብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝትከሉ ፈልስታት ሕብረተሰብ ግቡእ ጠመተ ክህቦም ይግባእ
Jul 15, 2025 399
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ሕብረተሰብ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ንዝፀደቑ ፈልስታት ግቡእ ክንክን ክገብር ከምዝግባእ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ወንድሙ ሴታ ገሊፆም። ቤት ፅሕፈት መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ትካላትን “ብምትካል ምንስርራእ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ከባቢ ፓርክ እንጦጦ ኣካይዶም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ከተማን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረትሰብን ተሳቲፎም። ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ወንድሙ ሴታ ኣብዚ እዋን፤ “ሃፍትታት ተፈጥሮ ብኣግባቡ ብዘይምሕላውና ንዝተፈላለዩ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋታት ተቓላዕቲ ኮይንና ፀኒሕና ኢና” ኢሎም። ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘምፅኦ ሳዕቤን ንምፅዋር መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ዜጋታት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘርእይዎ ንቑሕ ተሳትፎ ብምጥንኻር ፈልሲ ካብ ምትካል ብተወሳኺ ንፅድቀት እቶም ፈልስታት እውን ግቡእ ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኮሚሽነር ምትሕብባር ተሳትፎ ሕብረተሰብን ሰናይ ፍቓድን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይመር ከበደ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር እንሃንፀሉ ዓብይ ተበግሶ እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ እውን ኩላትና ኣብ ተኸላን ክንክንን ፈልሲ ንገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ይግባእ ክብሉ ፀሪሖም። ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ኣገልግሎት ሲቪል ምዝገባን ነባርነትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዮሴፍ ንጉሴ፤ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን ንፍረ ንክበቕዑ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ኣብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓውን ሓደጋን መካየዲ ስራሕ ጨንፈር ክፍለ ከተማ የካ ኒቆዲሞስ ቡቼ ብወገኖም፤ ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምክልኻል ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ምግባር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዕዉት ተሞኩሮኣ ክተቕርብ እያ-ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን
Jul 15, 2025 319
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ካብ ምድላው ብተወሳኺ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዕዉት ተሞኩሮኣ ኣብቲ ጉባኤ ከምተቕርብ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም። እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ እውን ልዑል ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ኣብ ወርሒ ጳጉሜን እንተተኣናግዶ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ዝምልከት ምስ ተወከልቲ ዓለም ለኸ መሓዙት ትካላትን ሲቪክ ማሕበረሰብን መድረኽ ምኽክር ተሳሊጡ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከምዝበሎ፤ ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብብርኪ ምኽንያትነት ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ዋላ ኳ ትሑት እንተኾነ ልዑል ጉድኣት እናተኣናገደት እያ። ድርቂ፣ውሕጅ፣ምስፍሕፋሕ ሕማም፣ባርዕ ሓውን ካልኦት ፀገማትን ብምኽንያት እቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እታ ኣህጉር ግዳይ እናገበርዋ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም። ሓደጋ ንምክልኻልን ፅልዋ ንምፅዋርን ብብርኪ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት እናተወሰዱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ እውን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ፖሊሲ፣ስትራቴጅን ማዕቐፍ ሕግን ኣዳሊዋ ጭቡጥ ስጉምቲ እናወሰደት እያ ኢሎም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ዓለም ሓደጋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ተግባራውን ውፅኢታውን ዝኾነ ተበግሶ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ዝውሰዱ ዘለዉ ሃገር ቦቆል መፍትሕታት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ፀሪሖም። ዝማዕበላ ሃገራት ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝመፅእ ሓደጋ ንምክልኻል ዋላ ኳ ደገፍ ፋይናንስ ንምግባር እንተተስማዕመዓ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዝተረኸበ መጠን ገንዘብ ግና ትሑት እዩ ኢሎም። ዕላማ እቲ ጉባኤ እውን እቶም ዝግበሩ ዘለዉ ስጉምትታት ብዝሰፊሑን ብዝሓሸን መንገዲ ንክፍፀሙ ከምዝኾነ ፀሪሖም። እቲ መድረኽ፤ ብብርኪ መራሕቲ ሃገራት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ዝመሓላለፍሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ ከባቢ 25 ሽሕ ኣጋይሽ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝርከቡ ገሊፆም። እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዘለዋ እጃም መሪሕነት እተጠናኽረሉ ከምኡ እውን ተሞኩሮታታ እተካፍለሉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)
Jul 12, 2025 391
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 5/2017(ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓለምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብዕሊ ከመዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ኮዬ ፈጬ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዕዉትነት ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ምንስርራእን ጉዕዞ ልዕልናን ኢትዮጵያ እዩ። ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ኣብ ኩሎም ከባብታት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። ክሳብ ሕዚ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እውን 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም። ምክትል ከንቲባን መተሓባበሪ ክላስተር ግብርናን ከተማ ሸገር ግርማ ሃይሉ ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከተማ ሸገር ንምፅባቕን ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝድግፍን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ከንቲባ አዳነች አቤቤን ኣባላት ቤት ምኸሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም
Jul 12, 2025 267
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 5/2017(ኢዜአ)፦ ከንቲባ አዳነች አቤቤን ኣባላት ቤት ምኸሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ጎቦ እንጦጦ ኣንቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ -ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ "ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰነ 20/2017 ዓ/ም ብዕሊ ምጅማሮም ይፍለጥ ። ሎሚ ዘበን ብብርኪ ሃገር ለኸ 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ኣብ ኩሎም ከባቢታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ምስላጥ ይርከብ ።
ሓምለዋይ ኣሰር ግድባትን ቃላያትን ብሑፃ ንከይመልኡ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን
Jul 11, 2025 312
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ግድባትን ቃላያትን ብሑፃ ንከይመልኡን ማይ ከርሰ ምድሪ ንክውስኽን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ሱልጣን ወሊ(ዶ/ር ኢ/ር) ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2017 ዓ/ም 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተጠናኸረ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ተፀዋዕቲ ትካላት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጦም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ሱልጣን ወሊ(ዶ/ር ኢ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኩለመዳያዊ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር በቢዓመቱ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ተዛሪቦም። እቲ መርሃ ግብሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ፈልሲ ብምትካል ሕዳሰ ግድብ ብሑፃ ከይመልእ ንምክልኻል ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ታመነ ሃይሉ (ዶ/ር)፤ እቲ መርሃ ግብሪ ሃፍቲ ማይ ምጥንኻር ከምዘኽእል ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ እናገበረ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
Jul 11, 2025 286
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2017(ኢዜ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ስርዓተ ምህዳር ብምጥንኻር ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ እናገበረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴን ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንትን ኣብ ጎቦ የካ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ትሩፋት እናተረኸበሉ እዩ። ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ልዑል ኣፍልጦ ንክትረክብ ዘኽኣለ እዩ ኢሎም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከምዝተረኸበሉ ብምግላፅ፤ ስርዓተ ምህዳር ዝባደመ ከባቢ ንክሕደስን ንክልምልምን እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም። ምንሽርታት ኣብ ምክልኻልን ሃፍቲ ማይ ኣብ ምሕላውን እውን ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ኣፍሪካ በረኻነት ንምክልኻል መርኣያ ዝኾነ ተበግሶ ከምዝኾነ ገሊፆም። ሓምለዋይ ኣሰር ተዳኺሙ ዝነበረ ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ እናገበረ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ምስ ሂወት ወዲ ሰብ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም። ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስታፍ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ናይ ምትሕልላፍ ሃገራዊ ኣጀንዳ ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረትሰብ ፈልሲ ኣብ ምትካል ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዕዉትነት እቲ መርሃ ግብቲ ሓሳብ ካብ ምፍልፋል ጀሚሮም ክሳብ ተግባር ንዝገብርዎ ዘለዉ እጃም መሪሕነት ምስግና ኣቕሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድ ልምዓት እናሳለጠት እያ ትርከብ-ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት
Jul 10, 2025 257
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 3/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድ ልምዓት ሓለዋ ከባቢ እናሳለጠት ከምዝኾነት ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት”ብምትካል ምንስርራእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ እውን 7 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ብምትላም ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ ይርከብ። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ምስ ተወከልቲ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ካልኦት መሓዙት ልምዓትን ብምዃን ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ረዳት ተወካሊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውሕመ ዴቪድ ካርፕ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዝነኣድ እዩ ኢሎም። ሎሚ ንካልኣይ ግዜ ምስ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ጉዳይ ስደተኛታት ውሕመ ብምዃን ሓምለዋይ ኣሰሮም ምንባሮም ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ተሳትፈኦም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣረጋጊፆም። ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ፕሮግራም ምግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ኬቪን ሆጅሶን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ትህቦ ተፈጥሮኣዊ ምላሽ ዝነኣድ እዩ ኢሎም። ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ብምስታፎም ሕጉስ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ተሳትፎኦም ከምዝቕፅልሉ ሓቢሮም። ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ሙሉዓለም ደስታ፤ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት መዕቖቢ ስደተኛታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ፈልስታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ንክፀድቁ ተኸታታሊ ክንክን እናገበረ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም። ስራሕ ተኸላን ክንክን ፈልሲ ጎና ጎኒ ብምስላጥ ዝተተኸሉ እፅዋት ንፍርያት ንክበቕዑ ምግባር ከምዝግባእ መራሒት ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ምስራቅ መሐመድ ገሊፀን።
መርሃ ግብር ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ዕቀባ ሓመድን ማይን ናይ ምውዳድ ስራሕ ብስፍሓት ይነጥፍ ኣሎ
Jul 8, 2025 252
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/1/ 2017 /ኢዜአ/ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ እዋን ሓጋይ እናትኻየዱ ምስ ዝፀንሑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ብስፍሓት ይነጣጠፍ ኣሎ። ሓላፊት እቲ ቤት ዕዮን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለም ፀሃይ ጳውሎስ፥ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ብወግዒ ካብ ዝጅመርዎ ንደሓር ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ምትካል ይነጥፉ ከምዘለዉ ሓቢረን ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ ንጉሆ ኣብ ጎቦ የካ ተረኺቦም ምስ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ኣሰሮም ኣንቢሮም። ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ይሳተፉ ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ 100 ሺሕ ፈልስታት ናይ ምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪበን። ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ዕቀባ ሓመደን ማይን ኣብ ዝተኻየደሎም ቅድም ክብል ብፈልስታት ተሸፊኖም ኣብ ዝነበሩ ስፍራታት ምክያዱ ገሊፀን። እቲ መርሃ ግብሪ ብቐፃልነት ስንቂ ናይ ፅባሕ ወለዶ ምዃኑ ሓቢረን። ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ኣብ ከባቢኡ ብንቕሓት ብምስታፍ ኣሰሩ ንከንብር ፃውዒት ኣቕሪበን "ብምትካል ምንስርራእ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ዘሎ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሸውዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢሊዮን ፈልስታት ክትከሉ እዮም።