ሓለዋ ኸበቢ
ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ መፍረያይነት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ኢትዮጵያ እናዕበየ እዩ ዝርከብ-ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ
Aug 2, 2026 298
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2018(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ መፍረያይነት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ምስሊ ኢትዮጵያ እናዕበየ ከም ዝርከብ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ/ም ኣብ 8 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ሃይቅ ሆራ ኣርሰዲ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከም ዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብዚ ኣዋርሕ ክርርምቲ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ታሪኻዊ ዓቀት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ብምድጋም ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንመፃኢ ወለዶ ምትሕልላፍ ከም ዝግባእ ገሊፆም እዮም። ብመሰረት እዚ እውን መላእ ኢትዮጵያውያን 27 ሓምለ 2018 ዓ/ማብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ሓዱሽ ታሪኽ ልምዓት ንክፅሕፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሓለዋ ከባብን ድሕንነት ስነ ምህዳርን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብሰፊሑ ካብ ዝሳተፍሎም ዓውድታት ልምዓት እዮም ኢሎም። ዳይሬክተር ኮንሰርቲየም ህዝቢ፣ ጥዕናን ከባብን ኢትዮጵያ (PHE Ethiopia Consortium) እንዳሻው ሞገሴ ብግደኦም፤ ትካሎም ኣብ ዓውድታት ልምዓት ሓለዋ ከባቢ፣ ድሕንነት ስነ ምህዳር፣ ስነ ህዝብን ጥዕናን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ሓምለዋይ ኣሰር ዝተመጣጠነ ስርዓት ስነ ምህዳር ኣብ ምህናፅ፣ሃፍትታት ብዝሃ ሂወት ኣብ ምሕላውን ዝባደሙ መሬታትን ኣብ ምሕዋይን ጭቡጥ ውፅኢታት እማዝገበ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። እቲ መርሃ ግብሪ ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነት ምግቢ ዘጠናኽር፣መፍረያይነት ግብርና ዘዕብን ዓለም ለኸ ምስሊ ኢትዮጵያ ዘጠናኽርን ኣፍልጦ እናተረኸበሉ እዩ ኢሎም። ዓለም ለኸ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ እጃም መሪሕነት ብምውፃእ ጭቡጥ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ ቆራፅ ሃገር እናተብሃለት ከም ትርከብ ፀሪሖም። ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሁሴን ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ተረባሕነት ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ዓቕሚ መፍረያይነት ዝፈጠረ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ሲቪል ማሕበራት እውን በቢ ዓመቱ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ዘለዎ ተሳትፎ ብምግባር ፃዕርታት ሓለዋ ከባብን ዘላቒ ልምዓትን እናደገፉ ከም ዝርከቡ ተዛሪቦም።
ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ንብረት ኣየር ኢትዮጲያ ብተግባር ዘርአየ እዩ -ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
Aug 1, 2026 240
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 25/2018 (ኢዜኣ)፦ ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ንብረት ኣየር ኢትዮጲያ ብተግባር ዘርአየ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ተኸላ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዱ ። ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፍ ፈልሲታት ተኺሎም። ሰራሕተኛታት እተን ትካላት፣ "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲታት ኣካይዶም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ሓዊሱ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኣምባሳደራት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣባላት ዳያስፖራን ተሳቲፎም።   ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣቮካዶ፣ ፓፓያን ካልኦት ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ዓይነታት ፈልስታት ተተኺሎም። ኢትዮጵያ ተግባራዊ እትገብሮ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ንሓበራዊ ብልፅግና እቲ ዞባ ተስፋ ፅባሕ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ ኣብቲ መርሃ ግብሪ። ምስ ሱዳን ፣ ኬንያን ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ኣፍሪካን ዝተኻየደ ምትካል ፈልሲ ንልምዲ ምትካል ፈልሲ ንምክፋል፣ ዞባዊ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ንምሕያል ከምዝሕግዝ ታሓቢሩ ኣሎ።
ኢዜኣ እዋናዊ ሓበሬታታት ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ እዩ ዝርከብ
Jul 31, 2026 389
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2018 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ትኽክለኛ፣ተኣማንን እዋናውን ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ ከም ዝርከብ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣብርሃ ግርማይ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያውያን ቀፃሊ ሰኑይ ብሓደ ቅልፅም ተሓባቢሮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ካሉእ ታሪኽ ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሎሚ መዓልቲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣብርሃ ግርማይ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢዜኣ ዘተኣማምን ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ ምንቅስቓስ ልምዓት እታ ሃገር ብትግሃት እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ። እቲ ትካል ኣብ ዝርገሐ ሓበሬታ ሃገር ናይ ምህናፅ ብፅሒቱ ብኣግባቡ ከም ዝዋፃእን ኣብ ሓለዋ ከባቢ እውን እጃሙ እናበርከተ ከም ዝርከብ ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል በቢ ዓመቱ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ናይ ምስታፍ ባህሎም እናዕበዩ ከም ዝመፁ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ እታ ሃገር ዝሓዘቶ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሽፋን ደኒ ንምዕባይን ንዝሓዘቶ ትልሚ ብተግርባር ዝድግፍ እዩ ኢሎም። ሎሚ መዓልቲ ንስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ዝስማዕምዑ ዝተፈላለዩ ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ዝገለፁ እቶም ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ንዝተሓሰበሎም ዕላም ንክውዕሉ ኣድላይ ስራሕ ክንክንን ሓለዋን ከም ዝሳለጥ ኣረጋጊጾም። ኣብቲ “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ፣ሰሓቢትን ምችውትን ኢትዮጵያ ምህናፅ ሓደራ እዚ ወለዶ እዩ ኢሎም።
ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ምጥንኻር ይግባእ
Jul 30, 2026 402
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 23/2018 (ኢዜኣ)፦ ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ምጥንኻር ከምዘድሊ ተሓቢሩ። ሕብረት ኣፍሪካ ብሙቐት ውቅያኖስ ፓሲፊክ ምኽንያት ዝፍጠር ምዛባዕ ኣየር ንብረት (ኤልኒኖ) ብዝመልከት ህፁፅ ኣኼብኡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ብፍሉይ ኮሚቴ ቴክኒክ ግብርና፣ ልምዓት ገጠር፣ ማይን ከባቢ ኣየርን (ADREE) እቲ ሕብረት ዝተዳለወ እቲ ኣኼባ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2026 ከጋጥም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ-ምድላው ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ። እቲ ዝልዓለ መድረኽ ምኽክር" ቕድመ-ድልወት ኣፍሪካ፣ ዓቕሚ ምፅዋርን ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምጥንኻርን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ የካየድ ኣሎ። ዋና ትኹረት እቲ ኣኼባ ኣፍሪካ ንኤልኒኖ ዝተዋደደ ምላሽ ንኽትህብ ሓባራዊ ምትሕብባር ምፍጣር እዩ። ብተወሳኺ ኣብ መበል 31ን መበል 32ን ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ትካል ሕቡራት መንግስታት ለውጢ ኣየር ንብረት (COP31) ን (COP32) ን ግደ ኣፍሪካ ምዕባይን ጀንዳታ እታ ኣህጉር ጎሊሆም ኽረኣዩ ምግባርን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ምምካር እዩ፡፡ ማእኸል ልምዓት ትግበራታት ሜቲዎሮሎጂ ኣፍሪካ (ACMAD) ትንበያ ክስተት ኤልኒኖን ኣብታ ኣህጉር ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋን ብዝመልከት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከቕርብ እዩ።   ብተወሳኺ ብመሪሕነት ጉጅለ ተደራደርቲ ኣየር ንብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ኣብ ዝመፁ ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ኣየር ንብረት ትገብሮ ተሳትፎን ንዓለምለኻዊ ጉባኤ ቕነሳ ስግኣት ሓደጋ ዝግበሩ ድልወታትን ቐሪቦም ዘተ ክገበረሎም እዩ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ማይ ኣፍሪካ (AMCOW) እውን ምስ ናይ 2026 ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕ ሓሳብ ዝተኣሳሰረ ሪፖርት ከቕርብ እዩ። ሚኒስትራት ኣባላት ሃገራት እውን ብዛዕባ ፅልዋ ኤልኒኖን ኣህጉራዊ ምላሽን መግለፂታት ክህቡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። እቲ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኤልኒኖ ዝተዳለወ ሓባራዊ መርሃ ግብሪ ስራሕ፣ሪፖርት ክኢላታትን ሓበራዊ መግለፂ ቅዋምን ከም ዘፅድቕ ተመላኺቱ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም። ኤልኒኖ (El Nino) ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ሙቐት ማይ ካብቲ ስሩዕ ወፃኢ ብምውሳኹ ምኽንያት ዝኽሰት ዓለምለኻዊ ክስተት ምዛባዕ ከባቢ ኣየርን ኣየር ንብረትን እዩ። ፅልዋ ኤልኒኖ ብብርኪ ዓለምለኸ ዘይተለመደ ዝኸፍአ ድርቂ፣ ዝልዓለ ሓደጋ ውሕጅን ምውሳኽ መጠን ሙቐት ብምስዕብ ኣብ ግብርናን ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባትን ዝልዓለ ጉድኣት የብፅሕ።
መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ
Jul 29, 2026 430
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምሌ 22/2018 (ኢዜኣ): - ሎሚ ዘመን ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ምዛዛሙ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 27 ሓምሌ 2018 ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ከምዝትኸሉ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕላዊ ገይሮም እዮም። ኣብ መልእኽቶም እውን ኣብቲ ሓሙሽተ መዓልትታት ዝተረፎ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ታሪኻዊ ኣሰሮም ንምዕራፍ ክዳለዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።   ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መሪሕ ስራሕ ፈፃሚ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ተፈጥሮ ሃፍቲ ከምኡ እውን ፀሓፊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፋኖሴ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ሎሚ ዘመን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 8 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ተግባራዊ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ እዩ። በዘይ እውን ብንቑሕ ተሳትፎን ቆራፅነትን ሕብረተሰብ ክሳብ ሐዚ ካብ 4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ኣመላኺቶም። ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተኸሉ ፈልስታት 40 ሚኢታዊ ሃገር በቆል ንልምዓት ኣግራብ ከምኡ እውን 60 ሚኢታዊ ዝተፈለለየ ጥቕሚ ዘለዎም ምዃኖም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ሰፊሕ ህዝቢ ብምስታፍን ምትሕብባር ብምርኣይን ጎሊሁ ከምዝርአ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሎሚ ዘመን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ዘድሊ ምድላው ተዛዚሙ እዩ ኢሎም፡፡
ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት እናምፀአ እዩ
Jul 27, 2026 435
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት የርክብ ምህላዉ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ገሊፀን። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ምምሕዳር ቤተ-መንግስትን ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስትን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ቆቃ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ኣብዚ እዋን ከምዝበላኣ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተጎድኡ ብዙሓት ከባቢታት ተመሊሶም ንኽሓወዩ ዓብዩ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ። ፍርያትን መፍረያይነትን ንኽውስኽ እውን ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ንዕውትነቱ ምችው ኩነታት ምፍጣሩ ተዛሪበን። ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ኣግራብ ኽውስኽ እናገበረ እዩ ዝበላ ሚኒስትር ዓለምፀሃይ፤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ምክልኻል መዳይ ዓለምለኻዊ ጥቕሙ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፀን። ብመርሃ ግብረ ሓምለዋይ ኣሰር ፈልስታት ኣቮካዶን ቡንን ተተኺሎም ንውፀኢት ከምዝበቕዑ ብምዝኽኻር፤ እዙይ እውን ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ክዓቢ ኣኽኢሉ እዩ ኢለን። ሚኒስትር ድኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ብወገኖም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ኢትዮጵያ ይሃንፅ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ዘለዎ ብምዃኑ ንዝስዕብ ወለዶ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምውራስ ሎሚ ስራሕቲ ምትካልን ምንክብኻብን ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ኣለዎ
Jul 26, 2026 399
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/ 2018 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ከም ዘለዎ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ገሊፁ። ስትራቴጂክን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሄራዊ ድሕንነት ፈልሲ ብምትካል ከም ትካል ዝሳለጥ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዕሊ ኣጀሚሮም። ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሃገር ዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ጭቡጥ ውፅኢት እናምዝገቡ እዮም። ምክትል ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣሰፋ ኣብዩ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ልዕሊ ስነ ምህዳር ከባቢ ዘጋጥሙ ዕንወታት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ድሕንነት ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቑ ሓቢሮም። ብምኽንያት ምብዳም ስነ ምህዳር ዘጋጥም ሕፅረት ዝናብ፣ ምሽርሻር መሬትን ድርቅን መፍረያይነት ብምቕናስ ህዝብታት ንሕፅረት ምግብን ፍልሰትን ብምቅላዕ ሓደጋ ብሄራዊ ድሕንነት ከም ዘስዕብ ተዛሪቦም። ስለ ዝኽክነ ድማ ኣብ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ክንክንን ልምዓትን ተፈጥሮ ከም ሓደ ወፍሪ ምርግጋፅ ብሄራዊ ድሕንነት ተገይሮም ክውሰዱ እዮም ኢሎም። ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፤ እቶ ቤት ዕዮ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሰራሕተኛታት ብዘሳተፈ መልክዑ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንምስላጥ ምድላው ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።
ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን እዩ
Jul 25, 2026 322
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ /18/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ምዃኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣባላትን ኣመራርሓን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ቃላይ ሆራ ኣርሰዲ ''ተስፋ ንትከል'' ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ኣካቢ ቦርድ ኢዜኣን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ስምን ዝናን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ኣደባባይ ልዕል ዘብል ዘሎ ሃገራዊ ተበግሶ እዩ። ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቢሊዮን ፈልስታት ምትካሎም ሃገር ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ትገብሮ ስግግር እናተሳኸዐ ምህላዉ ብተግባር ዘርእይ ምኻኑ ገሊፆም። ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሃገር ውሽጢ ሓለዋ ከባቢ ሓሊፉ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር እውን ሓዱሽ መልእኽቲ ዲፕሎማሲ የሕልፍ ምህላዉ ጠቒሶም። ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ፈልሲ ብምቕራብን ተሞክሮታት ሓለዋ ከባቢ ብምክፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ተጠናኽር ኣላ፤ እዙይ እውን ብዙሓት ረብሓታት ዲፕሎማሲ የርክብ ኣሎ ኢሎም። ፅልዋ ኣየር ንብረት ንምፅዋር ዝተወሰደ ተግባራዊ ስጉምቲ ዓለም ከም ተሞክሮ ይርእዮ ምህላዉ እውን ጠቒሶም። እዙይ እውን ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ኣድንቖትን ክትርክብ ዘኽኣላ ምኻኑ ኣብሪሆም።   ኣብ ሃገር ውሽጢ እውን ሓምለዋይ ኣሰር ሓባራዊ ተሳትፎ ዜጋታት ብምዕባይ ሃይማኖት፣ ዕድመን ፆታን ከይደረቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ዓላማ ዘተኣኻኽብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ልምዓት ምኻኑ ተዛሪቦም። እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ምስታፍ ዘለዎ ረብሓ ዘርኣየን ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኸረን ምኻኑ ጠቒሶም። ብመንፅር ኢኮኖሚ እውን ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍርያትነትን ብምዕባይ ኢኮኖሚ ገጠርን ከተማን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ብብርኪ ቤተሰብ ዝሓሸ መነባብሮ ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ምህላዉ ገሊፆም። ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ብወገኖም፤ ኢዜኣ ከም ትካል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም። ኣብ ቢሾፍቱ ከተማ ዝተኻየደ ተኸላ ፈልሲ እውን ኢዜኣ ኣብዚ ኽረምቲ ዘካየዶ ንኻልኣይ ግዘ ዘካየዶ ሓምለዋይ ኣሰር እንትኸውን፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ኣብ ክልላት ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተኸላ ፈልስታት ከምዘካይድ ገሊፆም። ኢዜኣ ዜጋታት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ነቝሕ ተሳትፎ ክገብሩ ስራሕቲ ምግንዛብን ምንቃሕን ብዝተጠናኸረ መገዲ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋግፆም።
ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ይግባእ
Jul 23, 2026 528
ጎንደር፤ ሓምላ 16/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም። በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጎንደር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዱ። ዋና ዳይሬክተር ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ከምዝገለፅዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ልምዓት ታሪኽን ባህላዊ እሴታትን ምጥዕዓም ዘላቒ ዕብየት ንምምዝጋብ ዘለዎ ግደ ዝልዓለ እዩ። ኣካል ናይዚ ዝኾነን ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተተግበረን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንኩለመደያዊ ረብሓ ክውዕል ንምኽኣል ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኦም።   ሰብ ስራሕ ብልሕን ተፈጥሮኣዊ ሓድግታትን ምስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምትእስሳር ዕብየት ሃገር ንምፍጣን ሓጋዚ እዩ ኢሎም። በቲ በዓል መዚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ በጀት ምምዳብ ሓዊሱ ዘድሊ ክንክንን ሓለዋን ከምዝገብረሎም ኣረዲኦም። "ሎሚ እንተኽሎም ፈልስታትን እንሰርሖም ተግባራትን መፍትሒ ዕለታዊ ፀገማት ጥራሕ ዘይኮኑስ ፣ ንወለዶ ሃፍትታት ታሪኽ፣ ተፈጥሮን ፍልጠትን እዮም" ክብሉ ኣመላኺቶም፡፡
ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ስነ ምህዳር ብምሕላው ሂወት በረኻ መፀግዕን መንበርን ዝረኽብሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Jul 21, 2026 510
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 14/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ድሕንነት ስነ ምህዳር ብምሕላው ሂወት በረኻ መፀግዕን መንበርን ዝረኽብሉ ዕድል ከም ዝፈጠረ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ መበል 60 ዓመት በዓል ምስረትኡ “60 ዓመታት ንሂወት በረኻ ኢትዮጵያ” ቅብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ የኽብር ኣሎ። ኣብቲ ክብረ በዓል፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዘጠራቐመቶም ሜላታት ሓለዋ ሂወት በረኻ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብ ምስግጋር ካብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም እያ። ባህላዊ ስርዓት ሓለዋ ሂወት በረኻ ኢትዮጵያውያን እውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዝነኣድ ፀጋ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ምድኻም መፍለይ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ዝኾነ ዋሊያ ኣይቤክስ መተሓሳሰቢ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ እዚ ንምድሓን ሃገራውን ዓለም ለኻውን ግቡእ ኣለና ኢሎም። ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ብድሑር ልምድን ኣተሓሳስባን ኣብ ልዕሊ እንሰሳት ዘገዳም ዝበፅሕ ጥቕዓት ብምቁራፅ ፀጋታት ኣጥቢቕካ ምሓዝ ከም ዝግባእ እውን ኣረዲኦም።   ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሚዛን ሃፍትታት ተፈጥሮን ስነ ምህዳር ብዝሃ ሂወትን ንምሕላው ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ኣብሪሆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እውን ዝደረቑ ፍልፍላት ማይን ደንታትን ብምምላስ ጠፊኦም ንዝነበሩ እንሰሳት ዘገዳም መፀግዕን መንበርን ኮይኑ እናገለገለ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ዓወት ንክምዝገብን ንድሕንነት ብዝሃ ሂወትን ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም። ኣብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ንምምፃእ ተጊህኻ ምስራሕ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት እቲ በዓል መዚ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ተፈጥሮ ንምሕላው ንዘበርከትዎ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምጥንኻር ንመፃኢ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምርካብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም
Jul 21, 2026 324
ኣዲስ ኣበባ፤ሓምለ 14/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምጥንኻር ንናይ ፅባሕ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምርካብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ገሊፆም። በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ መበል 60 ዓመት በዓል ምስረትኡ የኽብር ኣሎ። ኣብቲ ክብረ በዓል፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።   ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ኣብዚ እዋን፤ ተፈጥሮ ንዓና ካብ ዝተውሃበ ሃፍትነት ብተወሳኺ ንመፃኢ ወለዶ እነመሓላልፎ ሓደራ እውን እዩ ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው መማረፂ ዘይኮነስ ግቡእ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ጎቦታት፣ ሩባታት፣ ዓሞቕቲ ቦታታት፣ ሽንጥሮታትን ቃላያትን መፍለይታት ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም። ዋልያ ኣይቤክስ፣ ቀያሕ ብዃርያ፣ ጭላዳ ከምኡ እውን ብርክት ዝበላ ኣዕዋፍን ዕምበባታትን ብተፈጥሮ ዝተዓደልናዮም መንነት ሃገናን ዓቕሚ ኢኮኖሚናን እዮም ክብሉ እውን ኣረዲኦም። ቅድሚ 60 ዓመታት ብክልተ ብሄራዊ ፓርክታት ዝተጀመረ ዘበናዊ ጉዕዞ ሓለዋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ሃገር ልዕሊ 30 ከም ዝበፅሑ ሓቢሮም። ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ምምሕዳር ቦታታት ሓለዋ ንክጠናኸር፣ተሳታፍነት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንክዓቢ፣ መሰረተ ልምዓታት ቱሪዝም ንክመሓየሹን ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ኣብ ስራሕ ሓለዋ ብሰፊሑ ተግባራዊ ንክግበሩን ከም ዝተገበረ ገሊፆም። ሎሚ እነኽብሮ ዘለና በዓል፤ 60 ዓመታት ዝፀንሐ ተስፋ፣ 60 ዓመታት ዝተኸፈለ መስዋእቲ፣ 60 ዓመታት ዝተፅሓፈ ታሪኽን 60 ዓመታት ንመፃኢ ወለዶ ዝተሸክምናዮ ሓደራን እዩ ኢሎም።
ፅልዋታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ጭቡጥ ተግባር ክቕየሩ ኣለዎም
Jul 15, 2026 1149
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 8/2018(ኢዜኣ) ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘስዕቦም ኣሉታዊ ፅልዋታት ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ዝጭበጥ ተግባር ምቕያር ኣድላይ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቴዎስ ገሊፆም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ፕሬዚዳንት ኮፕ 32ን ጌዲዎን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ሎሚ ምስ ፕሬዚዳንት ኮፕ 21 ዝኾኑ ሎረን ፋቢየስ ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ እውን ሎረን ፋቢየስ ኣብ ዓለም ለኸ ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓብይ ዓወት ዝተመዝገበሉ ስምምዕ ፓሪስ ብምፅዳቕ ዝተዛዘመ ኮፕ 21 ዝመርሕሉ ልምዲ ኣካፊሎም። ብተወሳኺ እውን ንኮፕ 32 ዝግበሩ ምድላዋት ከምኡ እውን ዕዉት ጉባኤ ኮፕ 32 ንምክያድ ኣስተዋፅኦ ክህልዎም ዝኽእሉ ጉዳያትን ካብ ዝሓለፉ ጉባኤታት ዝተረኸቡ ልምድትታን ግንዛበታትን ትኹረት ዘተ እቶም መራሕቲ ከም ዝነበረ ተገሊፁ።   ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ስምምዕ ፓሪስ ንዓለም ለኸ ስጉምትታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዎ ዘላቒ ረብሓ ብምግላፅ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘስዕቦም ኣሉታዊ ፅልዋታት ንምፅዋር ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ጭቡጥ ተግባር ምቕያር ኣድላይ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ እምነት ዘጠናኽር፣ ግልፂ፣ ሓቛፍን ብኣባል ሃገራት ዝምራሕን ከይዲ ኮፕ 32 ተግባራዊ ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም። ኣብ ትሕዝቶን ድርድርን፣ሎጂስቲክስን ኦፕሬሽንን፣ ምሕዝነት ከምኡ እውን ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብመዳይ ምድላው ዝተመዝገቡ ዝጭበጡ ዕቤታት እውን ኣብራህሪሆም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jul 14, 2026 1071
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 7/2018 (ኢዜኣ) “ተስፋ ንትከል” በብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈተን ብምዃን ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ(AI) ተኸላ ፈልሲ ሓምለይ አሰር ኣካይደን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ክረምቲ እዚ ዓመት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና ንርከብ ኢለን። መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 7 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣጀሚርና ክሳብ ሕዚ 4 ሚልዮንን 469 ሽሕን 710 ፈልስታት ተኽሊና ክብላ እውን ተዛሪበን። ኣፈፃፅማ እቲ ተኸላ ፈልሲ እውን 75 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ብምሕባር፤ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ኣብቲ ንሓልሞ ስለዘየብፅሐና ስራሕ ክንክን ዝተተኸሉ ፈልስታት እውን ክንሰርሕ ኢና አለን።
ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ፕሮግራማት ሓለዋ ከባቢ ተግባራዊ ብምግባር ጭቡጥ ውፅኢት እናምዝገበት እያ ትርከብ-ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)
Jul 4, 2026 4785
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27 /2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ፈተናታት ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ብምፅዋር ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ስትራቴጂካዊ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ብውፅኢታውነት ተግባራዊ ብምግባር ውፅኢት እናረኸበት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን። ንመፃኢ ወለዶ ፅርይትን፣ጥዕና ዘለዋን ሓምለወይትን ሃገር ንምርካብ ዝተጀመረ 3ይ ዙር ሃገራዊ ጎስጓስ “ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንወለዶ” ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ 3ይ ዙር ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙራት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምስፋሕ ንዘላቒ ልምዓትን ሓለዋ ከባብን እታ ሃገር ወሳኒ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ። እቲ ጎስጓስ ንዜጋታት ጥዕና ዘለዎን ፅሩይን ከባቢ ንምፍጣርን ንመፃኢ ወለዶ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንምውራስን መረጋገፂ ሓባራዊ ቆራፅነት እዩ ኢለን። ምስፍሕፋሕ ከተማታት፣ምውሳኺ ጎሓፍ ፕላስቲክ፣ሕፅረት ግቡእ ኣተሓሕዛ ሓደገኛ ኬሚካላትን ጎሓፋትን፣ብኽለት ድምፅን ከባብያዊ ፀገማትን ንጥዕና ዜጋታት፣ድሕንነት ከባብን ጉዕዞ ዘላቒ ልምዓትን እናተፈታተንዎ እዮም ዝርከቡ ክብላ እውን ተዛሪበን። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ፈተናታት ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ብምፅዋር ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካዊ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ተግባራዊ እናገበረ ከም ዝርከብ ኣረዲአን። ብመሪሕነት በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ፅሩይን ጥዕና ዘለዎን ከባቢ ንምፍጣር ካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ዓበይቲ ስራሕቲ እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ሓቢረን። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ(ዶ/ር) ብግደአን፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙራት ዝተሳለጡ ጎስጓሳት ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተሰለጠሎም እዮም ኢለን። ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 15 ሚልዮን ኣብቲ ካልኣይ ዙር ድማ ልዕሊ 54 ሚልዮን ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸብቲ ሓፋሽ ተበፃሒ ብምግባር ብበዓል ዋንነት ንክሳተፍ ከመ ዝተገበረ ኣረዲአን። እቲ 3ይ ዙር ጎስጓስ ኣብ ብኽለት ፕላስቲክ፣ምክልኻል ሓደገኛ ኬሚካላትን ጎሓፋትን ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻል ብኽለት ድምፂ ትኹረት ዝገበረ ከም ዝኾነ እውን ገሊፀን። ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ መሰረት እናንበረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፣ ንዕዉትነቱ ድማ ጠንካራ ተሳትፎ ህዝብን ሓባራዊ ቆራፅነትን ከም ዝሓትት ተዛሪበን።
ምክልኻል ከባብያዊ ብኽለት ምስ ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገር ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ብሄራዊ ልምዓትን ድሕንነትን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jul 4, 2026 2557
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27/2018 (ኢዜኣ) ምክልኻል ከባብያዊ ብኽለትን ስራሕ ሓለዋ ከባብን ምስ መፍረያይነት ኢኮኖምን ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገርን ዝተኣሳሰሩ ጉዳይ ብሄራዊ ልምዓትን ድሕንነትን ከም ዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ 3ይ ዙር ሃገራዊ ጎስጓስ “ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንወለዶ”ብዕሊ ኣጀሚሮም። ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መላእ እታ ሃገር ብመንግሥቲ መደመር ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ከተማታት ፅሩያት፣ሓምለዎት፣ሰሓብቲ ከምኡ እውን ንነበርቲ ምቹዋት ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝምነቶም እናዕበዮ እዩ ዝርከብ ኢሎም። 3ይ ዙር ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ እውን ምስዞም ሃገራዊ መርሃ ግበርታት ብዝተዋደደ መልክዑ ተግባራዊ ከም ዝግበር ተዛሪቦም። ብኽለት ፕላስቲክ፣ኣተሓሕዛ ሓደገኛ ጎሓፍን ብኽለት ድምጽን ንጉዳያት ሓለዋ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮኑስ ምስ ጥዕና ህዝቢ፣መፍረያይነት ኢኮኖሚ፣ኢንቨስትመንትን ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገርን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብሄራዊ ልምዓትን ድሕንነትን ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙራት ዝተሳለጡ ጎስጓሳት ፅርይቲ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝተሳተፉሎምን ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገብሎምን ከም ዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም። 3ይ ዙር ጎስጓስ እውን ዝሓለፉ ጠንካራ ጎንታት ብምጥንኻር ከምኡ እውን ክፍተታት ክትትል፣ስርዓት ፀብፃብን ትካላዊ ምውዳድን ብዕምቆት ብምግምጋም ከም ዝተዳለወ ኣፍሊጦም። ዕዉትነት እቲ ጎስጓስ ንምርግጋፅ እውን ኩሎም መንግስትታት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከከም ከባብያዊ ኩነታቶም ግልፂ ትልሚ ትግበራ ብምድላው፣በጀት ብምምዳብን ጠንካራ ስርዓት ክትትልን ፀብፃብን ብምዝርጋሕን ክሰርሑ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም። ዓውዲ ውልቀ፣ሲቪል ማሕበራት፣ትካላት ሃይማኖት፣ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እውን ብሓድነት ንክቀሳቐሱ ሓቲቶም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ውፅኢት እናምፅአ እዩ - ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
Jun 26, 2026 3802
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ብብርኪ ሃገር ሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀቕጢ ለውጢ ኣየር ካብ ምፅዋር ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣባላት፣ መራሕትን ሰራሕተኛታትን ቤት ኽሪ ወከልቲ ህዝብን ሰራሐተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈትን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ምትካል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ሎሚ በዶ፣ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ፣ መራሕቲ ቀወምቲ ኮሚቴታት፣ ኣካላት መሪሕነትን ሰራሕተኛታት እቲ ፅሕፈት ቤትን እዮም ሓምለዋይ ኣሰሮም ዘንበሩ፡፡ ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ እዋን ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዓለም ዓብዪ ብድሆ እናኾነ መፅዩ እዩ። ኢትዮጵያ ነቲፀገም ኣቐዲማ ብምርዳእን መፍትሒ ንምንዳይን ውፅኢታዊ መርሃ ግብሪሓምለዋይ ብምቕራጽ ብቖራፅነት ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም፡፡ እቲ መርሃ ግብሪ ሽፋን ኣግራብ ብዝለዓለ ብርኪ ክዓብይ ከምዝገበረ እውን ገሊፆም፡፡ እቲ ዓወት ኣጠናኺርካ ንምቕጻል መላእ ህዝቢ ኣብ ምራህ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እዚ ብንጡፍ ብምስታፍ ናይ ዜግነት ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም፡፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በብዓመቱ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣባላቱን መላእ ሰራሕተኛታቱን ብምንቕስቓስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብሰፊሑ ክሳልጥ ከም ዝፀንሐ ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዓለም ለኸ ብርኪ ዘደንቕ ታሪኽ ትሰርሕ ከምዘላ ዝጠቐሱ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ልምዓት ሽፋን ኣግራብ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዓብዪ ተራ ይፃወት ከምዘሎ ኣረዲኦም፡፡ ኢትዮጵያ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዕቦ ጉድኣት ንምፅዋር፣ ሽፋን ኣግራብ ንምዕባይን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዘኽእል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚራ ብሃገር ለኸ ብርኪ ብዕሊ ተግባራዊ ምግባር ከምዝጀመረት ዝዝከር እዩ። እዙይ ዓብዪ ሃገራዊ ምንቕስቓስ ክሳብ ሒዚ ኣብ ዘለዉ ዓመታት ካብ 48 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ዱር፣ ፍረታትና ፅላልን ንምልማዕ ዘኽኣለ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሚዛን ስነ-ምህዳር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ናይ ፈልሲ ውህብቶታት እተበርክተሉ ዓብዪ ኣህጉራዊ ኣሰር ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ‘‘ተስፋ ንትከል’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ 8 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ንምትካል ዝተሓሰበ እንትኸውን ፤ እዚ ድማ ቁፅሪ ሓፈሻዊ ዝተተኽሉ ፈልስታትናብ 56 ቢሊዮን ከብፅሖ እዩ፡፡
ነበርቲ እታ ከተማ ሓላፍነቶም ብምውፃእ ከባቢኦም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ክከላኸሉ ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jun 23, 2026 3302
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 16/2018 (ኢዜኣ)፦ ነበርቲ ከተማና መስመራት መወገዲ ፈሳሲ ብምፅራይን ጐሓፍ ብኣገባብ ብምውጋድን ከባቢኹም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ክትሕልዉ ይግባእ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፃውዒት ኣቕሪበን። ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዓይ ኣብ ዝዀነ ቦታ ስራሕቲ ምክልኻል ውሕጅን ምድላውነት ሓደጋን ብዕሊ ኣጀሚርና ኢለን። ኣቃቂ ቃሊቲ ብተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጥኡ ታሕተዋይ ክፋል ኣዲስ ኣበባ ብምዃኑ፤ ቅድሚ ሕዚ ብሓደጋ ውሕጅ ብተደጋጋሚ ተጠቃዒ ኰይኑ ከምዝፀንሐ እውን ኣዘኻኺረን።   ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ነዚ ከባቢ ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ኲሎም ቦታታት ከተማና ውሕጅታት ተፈጥሮኣዊ ዋሕዞም ሓልዮም ክውሕዙ ጎስጓስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ህንፀትን ምፅራይን መስመራት መውሓዚ ፈሳሲ ኣቐፂልና ክብላ እውን ኣፍሊጠን። ክቡራት ነበርቲ ከተማና ምምሕዳርና ኣብ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሓደጋ ምክልኻልን ከየጋጥም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብንቕሓት ተሳተፉ ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን። ብተወሳኺ መስመራት መውሓዚ ፈሳሲ ብምፅራይን ጐሓፍ ናብ መውሓዚ ፈሳሲ ብዘይምድፋእን ብኣገባቡ ብምውጋድን ከባቢኹም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ሓልዉ ክብላ ኣተሓሳሲበን፡፡
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም