ሓለዋ ኸባቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ኸበቢ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ጥላሁን ከበደ
Aug 3, 2026 47
ቦዲቲ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እንትኸውን፤ ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ክልል ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ዳሞት ጋሌ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፅ ተኻኢሉ እዩ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም። ኢትዮጵያ 800 ሚሊዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምትካል ካሊእ ሓዱሽ ታሪኽ ንምፅሓፍ ቆሪፃ ኣብ ዝተልዓለትሉ ሎሚ መዓልቲ ዝትከሉ ፈልስታት ፍራ ምረ፣ቡን፣ሱራ ሱርን ካልኦት ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎምን ፈልስታት እዮም ኢሎም።
ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ዘመና ዓብዪ ኣሰር እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Aug 3, 2026 49
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ብሓባራዊ ምትሕብባር እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ናይዚ ወለዶ ዓብዪ ኣሰር ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ሕብረተሰብን ትካላትን እናተሳተፉ ከም ዝርከቡ ኣመላኺተን። ንትክሎ ተስፋ እዩ፤ እዙይ ድማ ብልፅግናን ልሙዕነትን ኢትዮጵያ ፅባሕ ንወለዶ ነረክቦ ዓብዪ ተስፋ እዩ ኢለን። ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ለውጢ ኣየር ንብረት ፣ ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢን ጥዕና ንምሕላውን ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ተዛሪበን። ፈልሲ ካብ ምትካል ብተወሳኺ ብሓባር ምሕብሓብን ምሕላውን ናይ ኹሉ ሓላፍነት ምዃኑ’ውን ኣገንዚበን።
ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Aug 3, 2026 50
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብህዝባዊ ቆራፅነትን ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብምዃንን ሓምለዋይን ዘላቕነት ዘለዎን ፅባሕ ምህናፅ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ሓባራዊ ኣተሓሳስባ እናተመርሐ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ከምኡ እውን ምስ ብሄራዊ ኮሚቴ ኮፕ 32 ብምዃን ኣሰርና ብምዕራፍ እጃምና ኣበርኪትና ኢሎም። እቲ ዝተቐመጠ 800 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ምትካል ዓብይ ሽቶ ንምዕዋት ብሓባር እናሰራሕና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያውያን መዓልቲ ሙሉእ ፃዕሮም ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)
Aug 3, 2026 32
ሚዛን ኣማን/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ እንትኸውን፤ እቶም ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ወረዳ ደቡብ ቤንች ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣዕሪፎም። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ኣየር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ተረባሕነት ማሕበረሰብ እናረጋገፀ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ክልል ብዝትከሉ ፈልስታት ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ኢሎም።
መርሃ -ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕባለ ምህርትን መፍረያይነትን ከምኡ እውን ንሓለዋ ከባቢ ልዑል ኣበርክቶ ኣበርኪቱ እዩ
Aug 3, 2026 23
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 27/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ -ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕባለ ምህርትን መፍረያይነትን ከምኡ እውን ንሓለዋ ከባቢ ልዑል ኣበርክቶ ኣበርኪቱ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ፈንታሌ ቀበሌ ኢላላ ብምርካብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣዕሪፎም። ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ብበዝሒ ብምውፃእ ኣሰሮም የንብሩ ኣለዉ። ኣብ ቀበሌ ኢላላ 25 ሽሕ ፈልስታት ክትከሉ እዮም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ-ርእሰ ምምሕዳር ኣሻድሊ ሓሰን
Aug 3, 2026 33
ኣሶሳ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ካብ ዘለዎ ፋይዳ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ ከም ዝርከብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ወረዳ ኣቡራሞ ኣጀሚሮም። ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዘለዎ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ብተወሳኺ መግለፂ ኢትዮጵያውያን እዩ። እቲ መርሃ ግብሪ ሽፋን ደኒ ብምዐባይን ሓምለዋይ ኣሰር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምቕናስን ካብ ዘለዎ ፋይዳ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓንቲ ፀሓይ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም
Aug 3, 2026 25
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቃሉ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብቶም ርእሰ ምምሕዳር ብተወሳኺ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል፣ ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን ከምኡ’ውን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ተረኺቦም እዮም። በቲ መርሃ ግብሪ ንኢኮኖሚያውን ንሓለዋ ደኒን ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ፈልስታት እናተተኽሉ ይርከቡ።
ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ኣረጋጊፃ እያ
Aug 3, 2026 30
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ከም ዘረጋገፀት ብምዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተሓዘ ሃገራዊ ሸቶ ካብ ንግሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፓርቲ ብልፅግና ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም። ብምዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን ምክት ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ተግባራት ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ኣረኪቦም እዮም። እቲ መርሃ ግብሪ ሥነ-ምህዳር ክለምዕን ሃፍቲ ደኒ ልዕል ክብልን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ብምጥቃስ፣ ነዚ ዓወት ድማ ተራ መላእ ኢትዮጵያውያን ልዑል ምዃኑ ገሊፆም። ብፓርቲ ብልፅግና ዝመራሕ መንግስቲ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝመዝገቦ ዓወት ኣብ ኩሎም ዓወድታት ብምድጋም ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ብቆራፅደነት እናሰርሐ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም።
ተኽሊ ተስፋ እዩ፤ ፅባሕን መፃኢ ዕድል ደቅናን ኢና ንተክል ዘለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Aug 3, 2026 28
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ተኽሊ ተስፋ እዩ፤ ፅባሕን መፃኢ ዕድል ደቅናን ኢና ንተክል ዘለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ብዝለዓለ ተሳትፎ ብምንቅስቓስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤ ኣይ) ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይምቁራፅ ሙሉእ ክረምቲ ተኽሊ ብምትካል ኢትዮጵያ ንምልባስን ዘላቒ ለውጢ ንምምፃእን ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝመፀ ኣዘኻኺሮም። ቀንዲ ዕላማ እዚ ሃገራዊ ፃዕሪ ድማ ኢትዮጵያ ንክትምዕብል፣ንክትበርህ፣ንክትዓብን ንክትስልጥንን ዘሎ ዓብይ ሕልምን ባህግን ጋህዲ ምግባር እዩ ኢሎም። ከምዚ ዓይነት ዓብይ ሃገራዊ ሕልሚ ክዕወት ዝኽእል ዘተኣማምን መሰረት እንትንፀፍ ጥራሕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ስነ ምህዳር መሰረት ምንባር ማለት ሓመድ፣ማይን ጎቦታትን ምሕላው ማለት ከም ዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም። እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ተኸላ ፈልሲ ንናይ ፅባሕ ወለዶን ንቆልዑን ዝግበር ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፤ ተስፋ፣ፅባሕን ኢትዮጵያን ኢና ንተክል ዘለና ኢሎም። እዚ ድማ ብምትሕብባርን ብሓባር ዝሳለጥ ከም ዝኾነ ወሲኾም ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ብዓለም ለኸ ብርኪ ዓብዪ ኣፍልጦ ምርካቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብዙሓት ሃገራት ኣርኣያነትን ኣካይዳን ኢትዮጵያ ንምስዓብ ፃዕሪ የካይዳ ከም ዘለዋ ሓቢሮም። በዙይ ምኽንያት ድማ መንግስትታት ዓለም ንፃዕሪ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣወሃህባ ሽልማት ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣየር ንብረት (COP 32) ኢትዮጵያ ክተተኣናግድ ከም ዝወሰኑ ኣመላኺቶም፡፡ ጉባኤ ኮፕ ብብርኪ ዓለም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝምልከት ካብ 80 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዝበፅሑ ተሳተፍትን እንተውሓደ ክሳብ 100 ዝበፅሑ መራሕቲ ሀገራትን ዝሳተፉሉ ዓብዪ ኣኼባ ምዃኑ ኣብሪሆም። ነዙይ ዝመስል ዓብዪ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ ትኹን ካብ ሰሃራ ንታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ኣዳልየን ከም ዘይፈልጣ ኣዘኻኺሮም። እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ፅብቕቲ፣ እናዓበየት ዘላን ተስፋ ዘለዋን ምስላ ንዓለም እተርእየሉ፣ ጭቡጥ ተመክሮኣ እተካፍለሉ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ትረኽበሉ ዓብዪ መድረኽ ከም ዝኸውን ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ ንምድላው ኣብ ትገብሮ ምድላው ዓመት ሙሉእ ስራሕቲ ህንፀት፣ተኸላን ፅሬትን ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ብምሕባር፤ ዝተሓባበረ ህዝቢ ሃገር ምህናፅ ከም ዝኽእል መርኣያ ከም ዝኸውን እውን ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያውያን ብዝጀመርዎ መንገዲ ብምትሕብባር ዝሓዝዎ ሃገራዊ ሽቶ ንከዕዉቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብሓድነት ሓሳብን ተግባርን 800 ሚልዮን ፈልስታት እንተኽለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ-ሚኒስትር እናታለም መለሰ
Aug 3, 2026 39
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብሓድነት ሓሳብን ተግባርን 800 ሚልዮን ፈልስታት እንተኽለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ ክብላ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናታለም መለሰ ገሊፀን። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናታለም መለሰ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ ምጅማሩ ብዝምልከት መግለፂ ሂበን። እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂአን፤ ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብሓድነት ሓሳብን ተግባርን 800 ሚልዮን ፈልስታት እንተኽለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ ኢለን። ዓበይቲ፣መናእሰይን ህፃናትን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምድሪ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ምልባስ ጀሚሮም ክብላ እውን ተዛሪበን። ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝተጎሳቖለትን ዝባደመትን መሬት ሓምለዋይ ንከልብሱ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።
ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ መፍረያይነት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ኢትዮጵያ እናዕበየ እዩ ዝርከብ-ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ
Aug 2, 2026 267
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2018(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ መፍረያይነት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ምስሊ ኢትዮጵያ እናዕበየ ከም ዝርከብ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ/ም ኣብ 8 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ሃይቅ ሆራ ኣርሰዲ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከም ዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብዚ ኣዋርሕ ክርርምቲ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ታሪኻዊ ዓቀት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ብምድጋም ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንመፃኢ ወለዶ ምትሕልላፍ ከም ዝግባእ ገሊፆም እዮም። ብመሰረት እዚ እውን መላእ ኢትዮጵያውያን 27 ሓምለ 2018 ዓ/ማብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ሓዱሽ ታሪኽ ልምዓት ንክፅሕፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሓለዋ ከባብን ድሕንነት ስነ ምህዳርን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብሰፊሑ ካብ ዝሳተፍሎም ዓውድታት ልምዓት እዮም ኢሎም። ዳይሬክተር ኮንሰርቲየም ህዝቢ፣ ጥዕናን ከባብን ኢትዮጵያ (PHE Ethiopia Consortium) እንዳሻው ሞገሴ ብግደኦም፤ ትካሎም ኣብ ዓውድታት ልምዓት ሓለዋ ከባቢ፣ ድሕንነት ስነ ምህዳር፣ ስነ ህዝብን ጥዕናን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ሓምለዋይ ኣሰር ዝተመጣጠነ ስርዓት ስነ ምህዳር ኣብ ምህናፅ፣ሃፍትታት ብዝሃ ሂወት ኣብ ምሕላውን ዝባደሙ መሬታትን ኣብ ምሕዋይን ጭቡጥ ውፅኢታት እማዝገበ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። እቲ መርሃ ግብሪ ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነት ምግቢ ዘጠናኽር፣መፍረያይነት ግብርና ዘዕብን ዓለም ለኸ ምስሊ ኢትዮጵያ ዘጠናኽርን ኣፍልጦ እናተረኸበሉ እዩ ኢሎም። ዓለም ለኸ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ እጃም መሪሕነት ብምውፃእ ጭቡጥ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ ቆራፅ ሃገር እናተብሃለት ከም ትርከብ ፀሪሖም። ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሁሴን ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ተረባሕነት ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ዓቕሚ መፍረያይነት ዝፈጠረ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ሲቪል ማሕበራት እውን በቢ ዓመቱ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ዘለዎ ተሳትፎ ብምግባር ፃዕርታት ሓለዋ ከባብን ዘላቒ ልምዓትን እናደገፉ ከም ዝርከቡ ተዛሪቦም።
ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ንብረት ኣየር ኢትዮጲያ ብተግባር ዘርአየ እዩ -ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
Aug 1, 2026 203
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 25/2018 (ኢዜኣ)፦ ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ንብረት ኣየር ኢትዮጲያ ብተግባር ዘርአየ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ተኸላ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዱ ። ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፍ ፈልሲታት ተኺሎም። ሰራሕተኛታት እተን ትካላት፣ "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲታት ኣካይዶም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ሓዊሱ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኣምባሳደራት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣባላት ዳያስፖራን ተሳቲፎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣቮካዶ፣ ፓፓያን ካልኦት ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ዓይነታት ፈልስታት ተተኺሎም። ኢትዮጵያ ተግባራዊ እትገብሮ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ንሓበራዊ ብልፅግና እቲ ዞባ ተስፋ ፅባሕ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ ኣብቲ መርሃ ግብሪ። ምስ ሱዳን ፣ ኬንያን ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ኣፍሪካን ዝተኻየደ ምትካል ፈልሲ ንልምዲ ምትካል ፈልሲ ንምክፋል፣ ዞባዊ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ንምሕያል ከምዝሕግዝ ታሓቢሩ ኣሎ።
ኢዜኣ እዋናዊ ሓበሬታታት ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ እዩ ዝርከብ
Jul 31, 2026 361
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2018 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ትኽክለኛ፣ተኣማንን እዋናውን ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ ከም ዝርከብ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣብርሃ ግርማይ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያውያን ቀፃሊ ሰኑይ ብሓደ ቅልፅም ተሓባቢሮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ካሉእ ታሪኽ ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሎሚ መዓልቲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣብርሃ ግርማይ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢዜኣ ዘተኣማምን ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ ምንቅስቓስ ልምዓት እታ ሃገር ብትግሃት እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ። እቲ ትካል ኣብ ዝርገሐ ሓበሬታ ሃገር ናይ ምህናፅ ብፅሒቱ ብኣግባቡ ከም ዝዋፃእን ኣብ ሓለዋ ከባቢ እውን እጃሙ እናበርከተ ከም ዝርከብ ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል በቢ ዓመቱ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ናይ ምስታፍ ባህሎም እናዕበዩ ከም ዝመፁ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ እታ ሃገር ዝሓዘቶ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሽፋን ደኒ ንምዕባይን ንዝሓዘቶ ትልሚ ብተግርባር ዝድግፍ እዩ ኢሎም። ሎሚ መዓልቲ ንስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ዝስማዕምዑ ዝተፈላለዩ ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ዝገለፁ እቶም ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ንዝተሓሰበሎም ዕላም ንክውዕሉ ኣድላይ ስራሕ ክንክንን ሓለዋን ከም ዝሳለጥ ኣረጋጊጾም። ኣብቲ “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ፣ሰሓቢትን ምችውትን ኢትዮጵያ ምህናፅ ሓደራ እዚ ወለዶ እዩ ኢሎም።
ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ምጥንኻር ይግባእ
Jul 30, 2026 367
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 23/2018 (ኢዜኣ)፦ ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ምጥንኻር ከምዘድሊ ተሓቢሩ። ሕብረት ኣፍሪካ ብሙቐት ውቅያኖስ ፓሲፊክ ምኽንያት ዝፍጠር ምዛባዕ ኣየር ንብረት (ኤልኒኖ) ብዝመልከት ህፁፅ ኣኼብኡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ብፍሉይ ኮሚቴ ቴክኒክ ግብርና፣ ልምዓት ገጠር፣ ማይን ከባቢ ኣየርን (ADREE) እቲ ሕብረት ዝተዳለወ እቲ ኣኼባ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2026 ከጋጥም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ-ምድላው ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ። እቲ ዝልዓለ መድረኽ ምኽክር" ቕድመ-ድልወት ኣፍሪካ፣ ዓቕሚ ምፅዋርን ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምጥንኻርን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ የካየድ ኣሎ። ዋና ትኹረት እቲ ኣኼባ ኣፍሪካ ንኤልኒኖ ዝተዋደደ ምላሽ ንኽትህብ ሓባራዊ ምትሕብባር ምፍጣር እዩ። ብተወሳኺ ኣብ መበል 31ን መበል 32ን ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ትካል ሕቡራት መንግስታት ለውጢ ኣየር ንብረት (COP31) ን (COP32) ን ግደ ኣፍሪካ ምዕባይን ጀንዳታ እታ ኣህጉር ጎሊሆም ኽረኣዩ ምግባርን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ምምካር እዩ፡፡ ማእኸል ልምዓት ትግበራታት ሜቲዎሮሎጂ ኣፍሪካ (ACMAD) ትንበያ ክስተት ኤልኒኖን ኣብታ ኣህጉር ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋን ብዝመልከት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከቕርብ እዩ። ብተወሳኺ ብመሪሕነት ጉጅለ ተደራደርቲ ኣየር ንብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ኣብ ዝመፁ ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ኣየር ንብረት ትገብሮ ተሳትፎን ንዓለምለኻዊ ጉባኤ ቕነሳ ስግኣት ሓደጋ ዝግበሩ ድልወታትን ቐሪቦም ዘተ ክገበረሎም እዩ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ማይ ኣፍሪካ (AMCOW) እውን ምስ ናይ 2026 ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕ ሓሳብ ዝተኣሳሰረ ሪፖርት ከቕርብ እዩ። ሚኒስትራት ኣባላት ሃገራት እውን ብዛዕባ ፅልዋ ኤልኒኖን ኣህጉራዊ ምላሽን መግለፂታት ክህቡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። እቲ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኤልኒኖ ዝተዳለወ ሓባራዊ መርሃ ግብሪ ስራሕ፣ሪፖርት ክኢላታትን ሓበራዊ መግለፂ ቅዋምን ከም ዘፅድቕ ተመላኺቱ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም። ኤልኒኖ (El Nino) ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ሙቐት ማይ ካብቲ ስሩዕ ወፃኢ ብምውሳኹ ምኽንያት ዝኽሰት ዓለምለኻዊ ክስተት ምዛባዕ ከባቢ ኣየርን ኣየር ንብረትን እዩ። ፅልዋ ኤልኒኖ ብብርኪ ዓለምለኸ ዘይተለመደ ዝኸፍአ ድርቂ፣ ዝልዓለ ሓደጋ ውሕጅን ምውሳኽ መጠን ሙቐት ብምስዕብ ኣብ ግብርናን ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባትን ዝልዓለ ጉድኣት የብፅሕ።
መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ
Jul 29, 2026 405
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምሌ 22/2018 (ኢዜኣ): - ሎሚ ዘመን ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ምዛዛሙ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 27 ሓምሌ 2018 ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ከምዝትኸሉ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕላዊ ገይሮም እዮም። ኣብ መልእኽቶም እውን ኣብቲ ሓሙሽተ መዓልትታት ዝተረፎ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ታሪኻዊ ኣሰሮም ንምዕራፍ ክዳለዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መሪሕ ስራሕ ፈፃሚ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ተፈጥሮ ሃፍቲ ከምኡ እውን ፀሓፊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፋኖሴ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ሎሚ ዘመን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 8 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ተግባራዊ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ እዩ። በዘይ እውን ብንቑሕ ተሳትፎን ቆራፅነትን ሕብረተሰብ ክሳብ ሐዚ ካብ 4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ኣመላኺቶም። ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተኸሉ ፈልስታት 40 ሚኢታዊ ሃገር በቆል ንልምዓት ኣግራብ ከምኡ እውን 60 ሚኢታዊ ዝተፈለለየ ጥቕሚ ዘለዎም ምዃኖም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ሰፊሕ ህዝቢ ብምስታፍን ምትሕብባር ብምርኣይን ጎሊሁ ከምዝርአ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሎሚ ዘመን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ዘድሊ ምድላው ተዛዚሙ እዩ ኢሎም፡፡
ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት እናምፀአ እዩ
Jul 27, 2026 406
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት የርክብ ምህላዉ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ገሊፀን። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ምምሕዳር ቤተ-መንግስትን ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስትን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ቆቃ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ኣብዚ እዋን ከምዝበላኣ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተጎድኡ ብዙሓት ከባቢታት ተመሊሶም ንኽሓወዩ ዓብዩ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ። ፍርያትን መፍረያይነትን ንኽውስኽ እውን ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ንዕውትነቱ ምችው ኩነታት ምፍጣሩ ተዛሪበን። ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ኣግራብ ኽውስኽ እናገበረ እዩ ዝበላ ሚኒስትር ዓለምፀሃይ፤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ምክልኻል መዳይ ዓለምለኻዊ ጥቕሙ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፀን። ብመርሃ ግብረ ሓምለዋይ ኣሰር ፈልስታት ኣቮካዶን ቡንን ተተኺሎም ንውፀኢት ከምዝበቕዑ ብምዝኽኻር፤ እዙይ እውን ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ክዓቢ ኣኽኢሉ እዩ ኢለን። ሚኒስትር ድኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ብወገኖም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ኢትዮጵያ ይሃንፅ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ዘለዎ ብምዃኑ ንዝስዕብ ወለዶ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምውራስ ሎሚ ስራሕቲ ምትካልን ምንክብኻብን ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ኣለዎ
Jul 26, 2026 365
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/ 2018 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ከም ዘለዎ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ገሊፁ። ስትራቴጂክን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሄራዊ ድሕንነት ፈልሲ ብምትካል ከም ትካል ዝሳለጥ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዕሊ ኣጀሚሮም። ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሃገር ዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ጭቡጥ ውፅኢት እናምዝገቡ እዮም። ምክትል ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣሰፋ ኣብዩ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ልዕሊ ስነ ምህዳር ከባቢ ዘጋጥሙ ዕንወታት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ድሕንነት ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቑ ሓቢሮም። ብምኽንያት ምብዳም ስነ ምህዳር ዘጋጥም ሕፅረት ዝናብ፣ ምሽርሻር መሬትን ድርቅን መፍረያይነት ብምቕናስ ህዝብታት ንሕፅረት ምግብን ፍልሰትን ብምቅላዕ ሓደጋ ብሄራዊ ድሕንነት ከም ዘስዕብ ተዛሪቦም። ስለ ዝኽክነ ድማ ኣብ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ክንክንን ልምዓትን ተፈጥሮ ከም ሓደ ወፍሪ ምርግጋፅ ብሄራዊ ድሕንነት ተገይሮም ክውሰዱ እዮም ኢሎም። ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፤ እቶ ቤት ዕዮ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሰራሕተኛታት ብዘሳተፈ መልክዑ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንምስላጥ ምድላው ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።
ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን እዩ
Jul 25, 2026 292
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ /18/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ምዃኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣባላትን ኣመራርሓን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ቃላይ ሆራ ኣርሰዲ ''ተስፋ ንትከል'' ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ኣካቢ ቦርድ ኢዜኣን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ስምን ዝናን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ኣደባባይ ልዕል ዘብል ዘሎ ሃገራዊ ተበግሶ እዩ። ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቢሊዮን ፈልስታት ምትካሎም ሃገር ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ትገብሮ ስግግር እናተሳኸዐ ምህላዉ ብተግባር ዘርእይ ምኻኑ ገሊፆም። ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሃገር ውሽጢ ሓለዋ ከባቢ ሓሊፉ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር እውን ሓዱሽ መልእኽቲ ዲፕሎማሲ የሕልፍ ምህላዉ ጠቒሶም። ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ፈልሲ ብምቕራብን ተሞክሮታት ሓለዋ ከባቢ ብምክፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ተጠናኽር ኣላ፤ እዙይ እውን ብዙሓት ረብሓታት ዲፕሎማሲ የርክብ ኣሎ ኢሎም። ፅልዋ ኣየር ንብረት ንምፅዋር ዝተወሰደ ተግባራዊ ስጉምቲ ዓለም ከም ተሞክሮ ይርእዮ ምህላዉ እውን ጠቒሶም። እዙይ እውን ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ኣድንቖትን ክትርክብ ዘኽኣላ ምኻኑ ኣብሪሆም። ኣብ ሃገር ውሽጢ እውን ሓምለዋይ ኣሰር ሓባራዊ ተሳትፎ ዜጋታት ብምዕባይ ሃይማኖት፣ ዕድመን ፆታን ከይደረቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ዓላማ ዘተኣኻኽብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ልምዓት ምኻኑ ተዛሪቦም። እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ምስታፍ ዘለዎ ረብሓ ዘርኣየን ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኸረን ምኻኑ ጠቒሶም። ብመንፅር ኢኮኖሚ እውን ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍርያትነትን ብምዕባይ ኢኮኖሚ ገጠርን ከተማን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ብብርኪ ቤተሰብ ዝሓሸ መነባብሮ ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ምህላዉ ገሊፆም። ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ብወገኖም፤ ኢዜኣ ከም ትካል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም። ኣብ ቢሾፍቱ ከተማ ዝተኻየደ ተኸላ ፈልሲ እውን ኢዜኣ ኣብዚ ኽረምቲ ዘካየዶ ንኻልኣይ ግዘ ዘካየዶ ሓምለዋይ ኣሰር እንትኸውን፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ኣብ ክልላት ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተኸላ ፈልስታት ከምዘካይድ ገሊፆም። ኢዜኣ ዜጋታት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ነቝሕ ተሳትፎ ክገብሩ ስራሕቲ ምግንዛብን ምንቃሕን ብዝተጠናኸረ መገዲ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋግፆም።
ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ይግባእ
Jul 23, 2026 486
ጎንደር፤ ሓምላ 16/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም። በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጎንደር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዱ። ዋና ዳይሬክተር ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ከምዝገለፅዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ልምዓት ታሪኽን ባህላዊ እሴታትን ምጥዕዓም ዘላቒ ዕብየት ንምምዝጋብ ዘለዎ ግደ ዝልዓለ እዩ። ኣካል ናይዚ ዝኾነን ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተተግበረን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንኩለመደያዊ ረብሓ ክውዕል ንምኽኣል ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኦም። ሰብ ስራሕ ብልሕን ተፈጥሮኣዊ ሓድግታትን ምስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምትእስሳር ዕብየት ሃገር ንምፍጣን ሓጋዚ እዩ ኢሎም። በቲ በዓል መዚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ በጀት ምምዳብ ሓዊሱ ዘድሊ ክንክንን ሓለዋን ከምዝገብረሎም ኣረዲኦም። "ሎሚ እንተኽሎም ፈልስታትን እንሰርሖም ተግባራትን መፍትሒ ዕለታዊ ፀገማት ጥራሕ ዘይኮኑስ ፣ ንወለዶ ሃፍትታት ታሪኽ፣ ተፈጥሮን ፍልጠትን እዮም" ክብሉ ኣመላኺቶም፡፡