ሓለዋ ኸበቢ
ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና - ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ
Aug 3, 2026 185
ሰመራ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛሪቦም። ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ተሳቲፎም። መራሒ ስራሕ ፋይናንስ እዚ ሰሜን ምብራቕ ኮሎኔል ብርሃን ጥላዬ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገራዊ ልእኽቶኡ ካብ ምውፃእ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ልምዓት እናተሳተፈ ይርከብ። ብፍላይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሕብረተሰብ ዓብዪ ረብሓ የጎናፅፍ ብምህላዉን ንወለዶ ዝሰጋገር ተግባር ብምዃኑን እጃሞም እናተዋፅኡ ምዃኖም ኣብሪሆም። ሓላፊ ሚዲያን ርክብ ህዝብን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሻለቃ ፀጋዬ ገብሬ ብወገኖም፤ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኩሎም ወሰናት እታ ሃገር ህዝባዊ ውግንናኡ ብምርኣይ ግቡኡ እናተዋፀአ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ጎና ጎኒ ዶብ ሃገር ምሕላው እውን ንሕብረተሰብ ዓብዪ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ልምዓት ኣሰሮም እናኣንበሩ ምዃኖም ገሊፆም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብምስታፍ ኣሰረን ዘዕረፋ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ሃና ተካ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዜጋታት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ስራሕቲ ብምስታፍ ህዝባዊ ውግንናኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን፡፡ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምስታፍ እታ ሃገር ዝሓዘቶ ስራሕ ምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ብምሕጋዝ ናይ ባዕለን ግደ እናተዋፅኣ ምዃነን እውን ገሊፀን። እቲ መርሃ ግብሪ ፅልዋ ኣየር ንብረት ንምፅዋርን ንምቕናስን ዘለዎ ረብሓ ዓብዪ ስለዝኾነ ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ኣሰሮም ከም ዘዕረፉ ዝገለፁ ድማ ምክትል ዓሰርተ ሓለቓ መሐመድ ዛኪር እዮም።
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ - ርእሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)
Aug 3, 2026 453
ወልቂጤ ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ከም ዝተኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ተዛሪቦም። ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ካብ ንግሆ ጀሚሮም እናተሳተፉ ይርከቡ። በዙይ እውን ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስት እቲ ክልልን ኣብ ዞባ ጉራጌ ፍሉይ ወረዳ ቀቤና ጣብያ ፈረጀቴ ኣብ ተፋሰስ ሬቡ ብምርካብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም።   እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ። ዝትከሉ ፍራምረን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎምን ፈልስታትን ተፈጥሮ ብምሕላው ውሕስነት ምግቢ ብምርግጋፅ ዓወት እናመዝገቡ ምዃኖም እውን ወሲኾም ገሊፆም።
ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሎሚ ወለዶ ምስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ብሓለዋ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር ሓባራዊ ሓደራ እዩ - ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
Aug 3, 2026 205
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሎሚ ወለዶ ምስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ብሓለዋ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር ሓባራዊ ሓደራ እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም። ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተካየደ እዩ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣሰሮም ኣንቢሮም ። እቶም ኣፈ-ጉባኤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ፍልልያት ንላዕሊ ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ብሓባር ደው ዘብልን ዘራኽብን ሃገራዊ ወፍሪ ምዃኑ ገሊፆም።   ብተወሳኺ እውን እቲ መርሃ ግብሪ ብብርኪ ዓለም ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ ቆራፅነት ዘመላኽት እናዀነ ምምፃኡ ኣመላኺቶም። እቶም ኣፈ ጉባኤ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ናይቲ መርሃ ግብሪ መወዳእታ ዓወት ከም ዘይዀነ ብምግላፅ፣ ድሕሪ ተኸላ ንፈልስታት ብኣግባቡ ምሕብሓብ፣ ምሕላውን ናብ ፍረ ምብፃሕን ንዘላቒ ዓወት እቲ መርሃ ግብሪ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ እናርከበ እዩ
Aug 3, 2026 148
ጅግጅጋ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ የርክብ ምህላዉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ኢብራሂም ኡስማን ገሊፆም። ኣብቲ ክልል ’’ተስፋ ንትከል’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተካየደ ይርከብ። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ውፅኢታት እናተረኸቡ ምህላዎም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ክልል ምብዳም መሬትን ምሸርሸር ሓመድን ብምክልኻል መፍረያይነት ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ኢሎም። ሽፋን ኣግራብ ብምዕባይ ፅልዋ ለውጢ ኣየር ንብረት ኣብ ምክልኻል ዘበረታትዕ ውጽኢት እናተመዝገበሉ ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ጉዕዞ ብልፅግናና እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Aug 3, 2026 172
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ጉዕዞ ብልፅግናና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሓደ ሰሙን ወፍሪ ወይ ናይ ሓፂር እዋን ሸቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ነፀላ ስጉምቲ ዘይኰነስ፣ ከም ሃገር ኣካል ጉዕዞ ምብልፃግን ኩለመዳያዊ ዕብየትን እዩ ኢሎም። ስልጣነ ውፅኢት ነፀላ ተግባር ብዘይምዃኑን ዕቤት ሓደ ዓውዲ በይኑ እውን ስለዘየሰልጥንን፣ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ዓብዪ ሃገራዊ ዕላማን ካልእ መሰረት ስልጣነን ምዃኑ ኣመላኺቶም። ስልጣነ ኣብ ባዶ ኣየር ከም ዘይህነፅን ጠንካራ መሰረት ከም ዘድልን ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መሰረት ኸይፀንዐ ዝህነፅ ነገር ብቐሊሉ ፈራሲ ከም ዝዀነን ከም ዘይዘልቕን ተዛሪቦም። ዘበናት ዝሳገር ስልጣነ ብዕመቆት ሰረቱ ከም ዝፍለጥ ብምግላፅ፣ ናይ ሎሚ ሓምለዋይ ኣሰር ልክዕ ከም ልምዓት ኢነርጂ፣ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ህንፀት ኽእለት ወዘተ ካብቶም ብዙሓት መሰረታት ስልጣነ እቲ ሓደ ምዃኑ ኣብሪሆም። ብተወሳኺ እውን ንጠንካራ ስልጣነ ኣገዳስነት ዘላቕነት ስነ-ምህዳራዊ ኣስሚሮምሉ እዮም።   ህንፀት ሃገረ-መንግስታዊ ንምጥንኻር ትካላት ከም እንሃንፆ፣ ሓድነትና ንምጥንኻር ኣብ ሃገራዊ ዕርቅን ምይይጥን ከም ንረባረቦ፣ ኣብ ኢኮኖሚና መዋቕራዊ ስግግር ንምምፃእ ኣብ ኢንዱስትሪን ዲጂታል ዓወድታትን ከም ነትኩሮ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳራዊ ልህቀት ከም ንሰርሖ ኵሉ፤ ስነ-ምህዳራዊ ዘላቕነት ንምምፃእ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ምስራሕ ከም ዝግባእ እውን ኣገንዚቦም። ሕብረት እንተዘይተሃልዩ፣ ኢኮኖሚያዊ መዋቕራዊ ስግግር እንተዘይተኻይዱን ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ እንተዘይጠንኪሩን ስልጣነ ከም ዘይዕወትን ከም ዘይቕፅልን ኵሉ፤ ስነ-ምህዳራዊ ዘላቕነት እንተዘይመፂኡ እውን ስልጣነ ክቕፅል ከም ዘይኽእልን ምጉዳል እቲ ሓደ ንስልጣነ ምሉእ ከም ዘይገብሮን ጠቒሶም። ጠቕላይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) "ተስፋ ብምትካል መሰረትና ነፅንዕ" ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ኣለሚቱ ኡሞድ
Aug 3, 2026 127
ጋምቤላ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን። “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክልል ጋምቤላ ይሳለጥ ኣሎ። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምጥንኻር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለወይ ኢኮኖሚ ክንሃንፅ ይግባእ ኢለን። ንዕዉትነት ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እውን ተሳትፎ ህዝቢ እቲ ክልል ንክጠናኸር ሓቲተን።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት ክልምልሙ እናገበረ እዩ
Aug 3, 2026 108
ኣለታ ወንዶ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት ክልምልሙ ይገብር ምህላዉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማን ሓላፊ ቢሮ ትምህርትን ኣይተ በየነ በራሳ ገሊፆም። ኢትዮጵያውያን ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ሓምለዋይ ኣሰሮም ብምዕራፍ ሓዱሽ ታሪኽ እናሰርሑ ይርከቡ። ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል “ንዑ ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኣሎ። ኣብ ክልል ሲዳማ ዞባ ደቡባዊ ሲዳማ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ዞባን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ወረዳ ኣለታ ወንዶ ጣብያ ጎዋዳሞ ተኻይዱ።   ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣሰሮም ዘዕረፉ ምክትል ርእሰ መምሕዳር እቲ ክልልን ሓላፊ ቢሮ ትምህርትን ኣይተ በየነ በራሳ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት መሊሶም ክልምልሙ ምግባሩ ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተተኽሉ ፈልስታት ቡን፣ ፍራምረን ካልኦት ዘርፈ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታትን ብፍላይ ውሕስነት ምግቢ ሓረስቶት ብምርግጋፅን ዓቕሚ ኣታዊ ብምዕባይን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ምዃኖም ተዛሪቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ተፈጥሪ ኣብ ምክንኻንን ምልማዕን ዝተትሓዙ ዓበይቲ ትልምታት ጋህዲ ንክኾኑ እናኽኣለ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Aug 3, 2026 110
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍት ተፈጥሮ ኣብ ምክንኻንን ምልማዕን ዝተትሓዙ ዓበይቲ ትልምታት ጋህዲ ንክኾኑ እናኽኣለ ከም ዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብዕሊ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢተሮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እታ ሃገር ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝተለመቶም ሽቶታት ናብ ተግባር ዝቐየረ ምዕራፍ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ሃፍቲ ደንን ተፈጥሮን ምድኻሙ ብፍላይ ድማ ምስ ምውሳኽ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተኣሳሲሩ እታ ሃገር ንተደጋጋሚ ሓደጋ ድርቂ እናቃልዐ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም። እዚ ታሪኽ ንምቕያር ካብ ዝተወሰዱ ቁልፊ ስጉምትታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ሓደ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን በቢ ዓመቱ ብዝካየዱ ጎስጓሳት እቲ ህዝቢ ንህልውና ባዕሉን ቀፃሊ ወለዶን ክብል ብቢልዮን ዝቑፀሩ ፈልስታት ኣብ ምትካል ሪከርድ ዓለም ዝሓዙ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም። ሎሚ ዓመት እውን ብብርኪ ሃገር ዝትከሉ 8 ቢልዮን ፈልስታት ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል ስራሕ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ክትሽለምን ልሙዕነት ሓመዳ ክምለስን ኣኽኢሉ እዩ
Aug 3, 2026 113
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ክትሽለምን ልሙዕነት ሓመዳ ክምለስን ከም ዘኽኣለ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልሲ ካብ ንግሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተካየደ ይርከብ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ጎቦ የካ ብምርካብ ኣብ መርሃ ግበሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣሰሮም ኣንቢሮም ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሓለዋ ከባቢ ብተወሳኺ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ኢኮኖሚያዊ ተሳትፎኦም ኣዕቢይዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ጥራሕ ካብ 48 ቢልዮን ንላዕሊ ፈልስታት ምትካሎም ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ሃፍቲ ሓመድ ኢትዮጵያ ካብ ምሸርሸር ኣድሒንዎ እዩ ኢሎም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ክትሽለምን ሃፍቲ ሓመዳ ካብ ምሸርሸር ምድሓን ከም ዘኽኣለን ገሊፆም። ኣብ ቡዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ጠፊኦም ዝነበሩ ፈልፍል ማያትን ቃላያት ክምለሱን ኣኽኢሉ እዩ እውን ኢሎም።
ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ - ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ
Aug 3, 2026 111
ኣዋሽ መልካሳ ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ ክብሉ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ ከተማ ኣዳማ ወረዳ ኣዋሽ መልካሣ ጣብያ ዋቄ ሚዓ ተረኺቦም ኣብ መርሃ ግብር ኣብ ሓንቲ ፀኻይ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኣብቲ እዋን ኣመራርሓ እቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዳማ ኣይተ ሃይሉ ጀልዴ፣ ምኽትል ኮሚሽነራት ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ፈልሲ ተኺሎም። ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብዚ እዋን ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ ኢሎም። ኣብዚ ዕለት ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓባር ኮይንና ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ሰላምን ሓባርነትን ንትከል እውን ኢሎም፡፡ ኩነታት ኣየር ኢትዮጵያ ንምሕላው ፈልሲ ምትካልን ዝተተኽሉ ምሕብሓብን ካብዚ ወለዶ ትፅቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ተግባር ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ጥላሁን ከበደ
Aug 3, 2026 78
ቦዲቲ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እንትኸውን፤ ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ክልል ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ዳሞት ጋሌ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፅ ተኻኢሉ እዩ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም። ኢትዮጵያ 800 ሚሊዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምትካል ካሊእ ሓዱሽ ታሪኽ ንምፅሓፍ ቆሪፃ ኣብ ዝተልዓለትሉ ሎሚ መዓልቲ ዝትከሉ ፈልስታት ፍራ ምረ፣ቡን፣ሱራ ሱርን ካልኦት ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎምን ፈልስታት እዮም ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Aug 3, 2026 89
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብህዝባዊ ቆራፅነትን ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብምዃንን ሓምለዋይን ዘላቕነት ዘለዎን ፅባሕ ምህናፅ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ሓባራዊ ኣተሓሳስባ እናተመርሐ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ከምኡ እውን ምስ ብሄራዊ ኮሚቴ ኮፕ 32 ብምዃን ኣሰርና ብምዕራፍ እጃምና ኣበርኪትና ኢሎም። እቲ ዝተቐመጠ 800 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ምትካል ዓብይ ሽቶ ንምዕዋት ብሓባር እናሰራሕና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያውያን መዓልቲ ሙሉእ ፃዕሮም ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)
Aug 3, 2026 72
ሚዛን ኣማን/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ እንትኸውን፤ እቶም ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ወረዳ ደቡብ ቤንች ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣዕሪፎም። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ኣየር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ተረባሕነት ማሕበረሰብ እናረጋገፀ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ክልል ብዝትከሉ ፈልስታት ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ኣረጋጊፃ እያ
Aug 3, 2026 67
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ከም ዘረጋገፀት ብምዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተሓዘ ሃገራዊ ሸቶ ካብ ንግሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፓርቲ ብልፅግና ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም። ብምዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን ምክት ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ተግባራት ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ኣረኪቦም እዮም። እቲ መርሃ ግብሪ ሥነ-ምህዳር ክለምዕን ሃፍቲ ደኒ ልዕል ክብልን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ብምጥቃስ፣ ነዚ ዓወት ድማ ተራ መላእ ኢትዮጵያውያን ልዑል ምዃኑ ገሊፆም። ብፓርቲ ብልፅግና ዝመራሕ መንግስቲ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝመዝገቦ ዓወት ኣብ ኩሎም ዓወድታት ብምድጋም ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ብቆራፅደነት እናሰርሐ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም።
ተኽሊ ተስፋ እዩ፤ ፅባሕን መፃኢ ዕድል ደቅናን ኢና ንተክል ዘለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Aug 3, 2026 61
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ተኽሊ ተስፋ እዩ፤ ፅባሕን መፃኢ ዕድል ደቅናን ኢና ንተክል ዘለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ብዝለዓለ ተሳትፎ ብምንቅስቓስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤ ኣይ) ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይምቁራፅ ሙሉእ ክረምቲ ተኽሊ ብምትካል ኢትዮጵያ ንምልባስን ዘላቒ ለውጢ ንምምፃእን ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝመፀ ኣዘኻኺሮም። ቀንዲ ዕላማ እዚ ሃገራዊ ፃዕሪ ድማ ኢትዮጵያ ንክትምዕብል፣ንክትበርህ፣ንክትዓብን ንክትስልጥንን ዘሎ ዓብይ ሕልምን ባህግን ጋህዲ ምግባር እዩ ኢሎም። ከምዚ ዓይነት ዓብይ ሃገራዊ ሕልሚ ክዕወት ዝኽእል ዘተኣማምን መሰረት እንትንፀፍ ጥራሕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ስነ ምህዳር መሰረት ምንባር ማለት ሓመድ፣ማይን ጎቦታትን ምሕላው ማለት ከም ዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም። እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ተኸላ ፈልሲ ንናይ ፅባሕ ወለዶን ንቆልዑን ዝግበር ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፤ ተስፋ፣ፅባሕን ኢትዮጵያን ኢና ንተክል ዘለና ኢሎም። እዚ ድማ ብምትሕብባርን ብሓባር ዝሳለጥ ከም ዝኾነ ወሲኾም ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ብዓለም ለኸ ብርኪ ዓብዪ ኣፍልጦ ምርካቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብዙሓት ሃገራት ኣርኣያነትን ኣካይዳን ኢትዮጵያ ንምስዓብ ፃዕሪ የካይዳ ከም ዘለዋ ሓቢሮም። በዙይ ምኽንያት ድማ መንግስትታት ዓለም ንፃዕሪ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣወሃህባ ሽልማት ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣየር ንብረት (COP 32) ኢትዮጵያ ክተተኣናግድ ከም ዝወሰኑ ኣመላኺቶም፡፡ ጉባኤ ኮፕ ብብርኪ ዓለም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝምልከት ካብ 80 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዝበፅሑ ተሳተፍትን እንተውሓደ ክሳብ 100 ዝበፅሑ መራሕቲ ሀገራትን ዝሳተፉሉ ዓብዪ ኣኼባ ምዃኑ ኣብሪሆም። ነዙይ ዝመስል ዓብዪ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ ትኹን ካብ ሰሃራ ንታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ኣዳልየን ከም ዘይፈልጣ ኣዘኻኺሮም። እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ፅብቕቲ፣ እናዓበየት ዘላን ተስፋ ዘለዋን ምስላ ንዓለም እተርእየሉ፣ ጭቡጥ ተመክሮኣ እተካፍለሉ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ትረኽበሉ ዓብዪ መድረኽ ከም ዝኸውን ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ ንምድላው ኣብ ትገብሮ ምድላው ዓመት ሙሉእ ስራሕቲ ህንፀት፣ተኸላን ፅሬትን ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ብምሕባር፤ ዝተሓባበረ ህዝቢ ሃገር ምህናፅ ከም ዝኽእል መርኣያ ከም ዝኸውን እውን ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያውያን ብዝጀመርዎ መንገዲ ብምትሕብባር ዝሓዝዎ ሃገራዊ ሽቶ ንከዕዉቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም