ሓለዋ ኸበቢ
መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ
Nov 27, 2025 318
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን እቲ በዓል መዚ ንዘሳልጦ ስራሕን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ገሊፆም። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ትማሊ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ዝወሃብ ሽልማት ፕሪንስ ዊሊያም 2025 ኣሸናፊ ኮይኖም። ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ፤ ኣብ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ካብ በዓል ሞያ ክሳብ ዋና ዳይሬክተርነት ልዕሊ 30 ዓመት ዘገልገሉ እንትኸውን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ስራሕቲ ምምሕዳር ብዘበርከትዎዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ እቲ ሽልማት ንከሸንፉ ኣኽኢልዎም እዩ። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል መዚ እንሰሳት ዘገዳምን መንበሪ ከባቢኦምን ብኣግባቡ ተሓልዩን ለሚዑን ብዘላቕነት ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። እቶም ስራሕቲ ሓለዋ ምስ ክልላት፣እቲ ማሕበረሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እንሰሳት ዝፍፀሙ ገበናት ንምክልኻል ምስ ሃገራት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ተዛሪቦም። ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን እቲ በዓል መዚ ንዘሳልጦ ስራሕን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ኣረዲኦም። እቲ ዝረኸብዎ ሽልማት እውን ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረት ዓለም ለኸ ትኹረት ንክረክብ ከምዘኽኣለ መርኣያ እዩ ኢሎም።
ትማሊ ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ምስያሙ ስዒቡ ሎሚ ንጉሆ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቁልፊ ስራሕቲ ምድላው ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ኮሚቴ ብሄራዊ መተሓባበሪ ተገይሩ
Nov 27, 2025 300
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018 (ኢዜኣ) ትማሊ ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ምስያሙ ስዒቡ ሎሚ ንጉሆ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቁልፊ ስራሕቲ ምድላው ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ኮሚቴ ብሄራዊ መተሓባበሪ ተገይሩ። ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ-32) ንክተተኣግድ ምምራፃ ስዒቡ ትማሊ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ኮይኖም ተሰይሞም እዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ሎሚ ንጉሆ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቁልፊ ስራሕቲ ምድላው ኮፕ 32 ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ኮሚቴ ብሄራዊ መተሓባበሪ ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። እቲ ኣኼባ፤ ኢትዮጵያ ንኮፕ 32 እንተተኣናግድ ሓቛፍን ብኣግባቡ ዝተዳለወን ጉባኤ ንክተዕዉት ንምርግጋፅ መንግሥቲ ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኣየሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።  
ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት እናመዝገበት እያ-ትካል ጥዕና እንሰሳት ዓለም
Nov 26, 2025 741
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት ኣብ ምህናፅ መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት እናመዝገበት ከምትርከብ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና እንሰሳት ዓለም ባባ ሱማሬ ገሊፆም። እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት ዝተባባዕ ውፅኢት እናመዝገበት እያ። ኣብ ሓለዋን መፍረያይነትን ሃፍቲ እንሰሳት ተግባራዊ ዝተገበሩ ስርዓታት ኣሰራርሓ ውፅኢታውነት እቲ ዓውዲ ኣብ ምምሕያሽ ዝረአ ለውጢ ከምዝተረኸበሎም ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ተሳጋሪ ምንቅስቓስን ልምዓትን እንሰሳት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዋ ቆራፅነት ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት ዝወሰደቶም መመሓየሽታት ፖሊሲ ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ዝኾኑ እዮም ኢሎም። ትካል ጥዕና እንሰሳት ዓለም ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ሃፍቲ እንሰሳተ ዘሕድሮ ፅልዋ ንምቕናስ ደገፍን ክትትልን እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ኮይኖም
Nov 26, 2025 441
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ገይሩ መዲብዎም። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፆ፤ ብመሰረት ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ኮፕ 32 ምዃና ስዒቡ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ገይሩ ምምዳቡ እንትገልፅ ታሕጓስ ይስምዖ። ዶክተር ጌዲዮን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ውሽጢ ሃገር፣ ኣካላት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ዓለም ለኸ መሓዙትን ብምትሕብባር ምድላው ኮፕ 32 ከምዝመርሑ እውን ኣፍሊጡ። መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሃገራት ኣባል ኮንቬንሽን ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ንኢትዮጵያ ናይ ምድላው ሓላፍነት ብምሃበን ምስጋና ብምቕራብ፤ ብኣተሓባባሪነት ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ማሕበረሰብ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ብቐረባ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ይገልፅ ክብል ሓቢሩ።
COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Nov 23, 2025 391
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ብራዚል ኣዳላዊት COP30 ስለዝነበረት COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናችዮ ሉላ ደ ሲልቫ ምዝታዮም ኣፍሊጦም። እቲ ዘተ፤ ኣብ ጉዳያት ኢኮኖምን ዘላቒ መሰረተ ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ክልቲኣዊ ርክብና እነጠናኽረሎም ዕድላት ዝምልከት እዩ ኔሩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ብራዚል ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተኻየደ COP30 ኣዳላዊት ስለዝኾነት COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ ክብሉ ሓቢሮም። ስራሕ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ዘዕቢ ብኣግባቡ ዝተዳወ እንግዶት ንክህልወና ካብ ልምድታት ዝተረኸቡ ሓሳባት ምልውዋጥ ኣጠናኺርና ንምቕፃል ተሊምና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 32) ክተተኣናግድ ምምራፃ እታ ሃገር ንትግበራ ፖሊሲን ስትራቴጂን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ
Nov 21, 2025 372
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 32) ክተተኣናግድ ምምራፃ እታ ሃገር ንፖሊሲን ትግበራ ስትራቴጂን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ ክብሉ መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2011 ዓ/ም ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ድሕንነት ስነ ምህዳር ከባቢ ኣብ ምሕላው ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ። ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 30) መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዝፍለጥ እዩ። መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተረኸበሉ ዘደምም ዓወት ልምዓት ተመዝጊቡ እዩ። ስለዝኾነ እውን ዓወት ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ (ኮፕ 32) ንምትእንጋድ ተመራፂት ንክትኸውን ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ሓለፍቲ ስራሕ ዓለም ለኸ ትካላት ምኽክር ብምግባር ውሳነ ዘሕልፍሉ መድረኽ ስለዝኾነ ልምድን ተሞኩሮን ንምክፋል ዓብይ ትርጉም ከምዝወሃቦ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ንተኸላ ፈልሲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ፖሊሲን ስትራቴጂን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዘለዋ ቆራፅነት እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ ዘቕረበቶ ሕቶ ቅልጡፍ ምላሽ ንክረክብ ከምዘኽኣለ ኣረዲኦም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻትን ብብቕዓት ናይ ምትእንጋድ ልምድን ተሞኩሮን እውን ካሊእ ንክትምረፅ ዝገበረ ዓብይ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ዓወታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እውን ንፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ (ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንስጉምቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዘለዋ ፅኑዕ ቆራፅነት ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ-ኢጋድ
Nov 15, 2025 852
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንስጉምቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓምለዋይ ልምዓትን ዘለዋ ቆራፅነት ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ገሊፁ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም። ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትእንጋዳ ኣብ ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ልምዓትን ዘለዋ መሪሕነት እናዓበየ ምምፅኡ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ስነ ምህዳር ከባቢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፣ ዘላቒ ዕቤትን ጠንካራ ዓቕምን ንምህናፅ ዘለዋ ጠንካራ ቆራፅነት ዘመላኽትን ነዚ ስርሓ ድማ ኣፍልጦ ዝሃበን ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኮፕ 32 ንዞባ ኢጋድ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ድርቅን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዝፈጠሮ ምምዝባል ዜጋታትን ካልኦት ህፁፃት ኣጀንዳታትን ብዝበለፀ ትኹረት ንክወሃቦም ከምዝገብር እውን ኣረዲኦም። ኢጋድ ምስ ኢትዮጵያ፣ቤት ፅሕፈት ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(UNFCCC Secretariat)ን ዓለም ለኸ መሓዙትን ብምዃን እቲ ጉባኤ ኣሳታፊ፣ ቀዳሞት ትኹረታት ኣፍሪካ ማእኸል ዝገበረን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉን ንክኸውን ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም። ኣብ ብራዚል ቤለም ዝካየድ ዘሎ መበል 30 ጉባኤ ኮፕ 30 ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ዝካየድ ኮፕ 32 ኢትዮጵያ ንክተተኣናግዶ ምምራፃ ዝፍለጥ እዩ።
ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ታሪኻዊ እዩ-ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ
Nov 15, 2025 421
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ታሪኻዊ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። እቶም ኣቦ መንበር፤ ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ብምምራፃ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም። እቲ ጉባኤ ናይ ምትእንጋድ ውሳነ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ታሪኻዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር፤ እዚ ድማ ኣፍሪካ ንስጉምቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣቢላ ተርእዮ ዘላ እጃም መሪሕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እውን ንኢዶም። ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዳግማይ ልምዓት ደንን ሓምለዋይ ኣሰርን ሓዊሱ ጠንካራ ስጉምትታት ሓለዋ ከባቢ እናወሰደት ከምትርከብ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መድረኻትን ጉባኤታትን ብዓወት ኣብ ምትእንጋድ ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ላዕለዎት ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ጉባኤታት ንምድላው ጠንካራ ትካላዊ ዓቕምን ልምድን ከምዘለዋ እውን ኣረዲኦም። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ፣ማዕቐፍ ለውጢ ካብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት (UNFCCC)ን መሓዙትን ብምዃን ኮፕ 32 ሓቛፍን ውፅኢታውን ብምግባር ቀዳሞት ትኹረታት ለውጢ ካባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ምሕዝነት ንምጥንኻር ብቐረባ ከምዝሰርሕ ምግላፆም እቲ ሕብረት ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ። ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 30) ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ዝሳለጥ ኮፕ 32 ንክተተኣናግድ ተመሪፃ።
ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሓባራዊ ስጉምቲ ዘተባብዕ ውፅኢት ንምምፃእ ቆራፅ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Nov 14, 2025 376
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኮፕ 32 ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሓባራዊ ስጉምቲ ዘተባብዕ ጠንካራን ትርጉም ዘለዎን ውፅኢት ንምምፃእ ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣረጋጊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልአኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ንክተተኣናግድ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዓብይ ሓላፍነት ስለዝሃበና ክብሪ ይስመዓና ኢሎም። ኣፍሪካ ኣብ ኮንፈረንስ ለውጢ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት 2025(COP 30) ኣብ ብራዚል ብሓደ ድምፂ ተዛሪባ፤ ዓለም እውን ኣዳሚፅዋ ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ኮፕ 32 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምትእንጋድ ዘቕረበቶ ሕቶ ንዝደገፉ ኩሎም ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ምስጋና ኣቕሪቦም። ኣብ መነባብሮ ወዲ ሰብ ኣዝዮም ኣንገብጋቢ ካብ ዝኾኑ ፈተናታት እቲ ሓደ ምፍታሕ ንኽከኣል ሓባራዊ ፃዕርታት ንምምራሕ እቲ ዕድል ስለዝረኸብና እውን ኣመስገንቲ ኢና ኢሎም። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እዚ ዓብይ ሓላፍነት ስለዝሃበና እውን ክብሪ ይስመዐና ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር። እዚ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅ ስጉምቲ፣ኣመራርሓን ዋና ዋና ዓለም ለኸ ምድላዋት ናይ ምትእንጋድ ዓቕምን ከምዘርኢ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ተተኣናግዶ መድረኽ ኮፕ 32 ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሓባራዊ ስጉምቲ ዘዘተባብዕ ጠንካራን ትርጉም ዘለዎን ውፅኢት ንምምፃእ ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፃ እያ ኢሎም።
ሕቶ ኣፍሪካ ምፅዋት ኣይኮነን፤ እንደልዮ ፍትሒ ክሌማን ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስን እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Nov 8, 2025 499
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ምፅዋት ኣይትደልን ሕቶና ፍትሒ ክሌማን ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስን ክህሉ ይግባእ ዝብል እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 30) ካብ 1 ክሳብ 12 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ብራዚል ቤለም ክካየድ እዩ። “ስጉምትን ተግባራውነትን ክሌማ”መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ እዩ። ቅድሚ እቲ ዋና ጉባኤ፤ ጉባኤ መራሕቲ ክሌማ ቤለም ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ኣፍሪካ ናብ ጉባኤ ኮፕ 30 ብጠንካራ ቅዋም ከምዝመፀት ብምግላፅ እታ ኣህጉር ወኪል ለውጢ እያ ኢሎም። ካብ ስፍራታት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ክሳብ ሓምለዋይ ኢንቬሽን ዝወነኑ መናእሰይ ዝሓዘት ኣፍሪካ ቀፃሊ ግዚ ፍትሓዊ፣ኩለ መዳያውን ትሑት ልቀት ካርቦንን ንክኸውን እጃም መሪሕነታ እናተዋፅአት ከምትርከብ ሓቢሮም። ኣፍሪካ ዋላ ኳ 40 ሚኢታዊ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ ዓለም ዘለዋ እንተኾነት እትረኽቦ ፋይናንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ግና ትሕቲ 12 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ንሕና ዝሓተትናዮ ሰናይ ተግባር ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ኣቦ መንበር፤ ፍትሒ ክሌማ፣ፍትሓዊ ተበፃሕነት ፋይናንስ፣ቴክኖሎጅን ዕድላት እዩ ኢሎም። ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ትሑት ብፅሒት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ጉድኣት ክሽከማ ኣይግባእ እውን ኢሎም። ኮፕ 30 ቃል ካብ ምእታው ናብ ለውጢ፣ካብ ተቓላዕነት ናብ ጥንካረ ክሰጋገር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ስራሕ ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምሕዝነት፣ፍትሓዊነትን ኣተሓሳስባ ሓባራዊ ብልፅግናን ክምራሕ ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ፍርቂ መፍትሒ ጥራሕ ዘምፅኡ ስጉምትታት ምውሳድ ግዚኡ ኣብቂዑ እዩ፤ ሕዚ ዘድሊ ድፍረት ዝተመልኦን ሓባራውን ተግባራዊ ምላሽ እዩ ምባሎም ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ምርካባ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ-ሚኒስቴር ግብርና
Oct 16, 2025 1067
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 6/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣፍልጦ ምርካቡ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ምልዕዓል ዝፈጠረን ምዃኑ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ጣልያን ሮም ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ ምግቢ ዓለም ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ዘፈር ኣፍልጦ ሂቡ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፋኖሴ መኮንን ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ ትካል ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳልጦም ንዘላ ስራሕቲ ዝሃቦ ኣፍልጦ ነቲ ህዝቢ ዓብይ ስንቂ ሞራል ዝኸውንን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ ኢሎም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ 2011 ዓ/ም ዕላዊ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ውሽጢ 8 ዓመታት ኣብ ክልተ ምዕራፍ 50 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ክሳብ ሕዚ 48 48 ቢልዮን ፈልሲ ምትካል ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም። ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ ተኸላ ፈልሲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ መርሃ ግብሪ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ንዘላቒ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከት ከምዝኾነ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ዝተውሃባ ኣፍልጦ እውን ሃገር ዘኹርዐን ንዜጋታታን ካልኦት ሃገራትን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።  
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብሙሩፅ ዘላቒ ልምዓት ደኒ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ተዋሂብዋ
Oct 15, 2025 1018
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋ። ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበቶ ኣብ ጣልያን ሮም እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ምግቢ ዓለም እዩ። እቲ ጉባኤ ኣካል መዓልቲ ምስረታ ፋኦ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተሳቲፈን። እቲ ትካል ንኢትዮጵያ“ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ”ብዝብል ዘፈር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝሃበ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ካሳ ንመንግሥቲ ኢትዮጵያ ወኪለን እቲ ሽልማት ተቐቢለን። ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብዚ እዋን፤ ፋኦ ጥሜት ንምጥፋእ፣ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻርን ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ልዑል ኣሰር ከምዘዕረፈ ሓቢረን። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ብመርኣያነት ሙሩፅ ዘላቒ ልምዓትን ሓለዋን ደኒ ኣፍልጦ ብምርካቡ ኮሪዕና ኢና ኢለን። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ብብዙሕ ቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ሽፋን ደኒ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪበን። እዚ ድማ ብግልፂ ራኢ መራሕን ጠንካራ ተሳትፎ ህዝብን ዝተረኸበን ተስፋና ዘለምለመን ዓወት እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ እዚ ጭቡጥ ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ንክጉብንይዎን ብዓይኖም ሪኦም ንክምስክሩን እውን ዓዲመን። ፋኦ ቅድሚ ሕዚ ብልዑል ኣፈፃፅማ ውሕስና ምግቢ፣ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግብን ፍርያት ስርናይን ንዘርኣይዎ ቆራፅነት ክቡር ሜዳሊያ አግሪኮላ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምሽላሙ ዝዝከር እዩ። ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ስራሕቲ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ትካል ብዝድህስሱ ከምኡ እውን ቀፃሊ ራእዩ ብዝገልፁ ምድላዋት መበል 80 ዓመት ምስረትኡ እናኽበረ እዩ ዝርከብ።
መንግስትታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፃዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ይግበረሎም- ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
Sep 3, 2025 2328
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 28/2017(ኢዜኣ) መንግስትታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፃዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም። መበል 2ይ ዓለም ለኸ ቅነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣዳላውነት ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሂወት ሰባት ብምህዋኽን መሰረተ ልምዓታት ብምዕናውን ሰፊሕ ጉድኣት እናብፀሐ እዩ ዝርከብ። ኣፍሪካ ንፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ እጃም ዋላ ኳ ኣብዚ እቶ ዝበሃል እንተዘይኮነ ነቲ ፅልዋ ከምዝተቓልዐት ግና ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ኣብታ ኣህጉር ንከባብያዊ ኣየር ዝስማዕማዕ ልምዓት ምቅልጣፍ፣ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ውሕስና ምግቢ ምምሕያሽን ኩለመዳያዊ ቀረብ ሓይሊ ምርግጋፅን ከምዘድሊ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ስርዓት ኢኮኖሚ እናሃነፀት እያ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ተሓዳሲ ሓይልን ልምዓት ኮሪደርን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጭቡጥ ውፅኢት እናመዝገቡ እዮም ኢሎም። መንግስትታት ካልኦት ሃገራት እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ገሊፆም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብግደኦም፤ ኣፍሪካ መበል ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ንምክያድ ከምዝተዳለወት ሓቢሮም። ብለውጢ ከባብያዊ ኣየር እናተፈተነት እትርከብ ኣፍሪካ ድምፃ ሓፍ ኢሉ ንክስማዕን ምላሽ ንክረክብን ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ንፍትሓዊነት፣ስግግር ቴክኖሎጅን ህንፀት ዓቕምን ፋይናንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ጎኒ ኣፍሪካ ጠጠው ንክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ እቲ ቅነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ካብ ቃል ዝሓለፈ ዕዉት ድርድርን ተግባራዊ ስጉምትን ንምውሳድ ድልድል ኮይኑ ከምዘገልግል ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ምስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዝስማዕማዕ መልክዑ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብ እውን ኣረዲአን። ምክትል ዋና ፀሓፊ ስምምዕ ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ ኑራ ሀመላዲጂ፤ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበን ምልክት ነፃነትን ዲፕሎማስን ኣፍሪካ ኮይና ፀኒሓ እያ ኢለን። ዓለም ለኸ ቅልውላው ብዘይ ትሕብብር ምስዓር ኣይከኣልን ዝበላ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊ፤ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጭቡጥ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምትሕብባር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢረን።  
ፅሩይቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ክኸውን ይግባእ-ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ
Aug 28, 2025 2081
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ፅሩይቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ክኸውን ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ ገሊፀን፡፡ ቁፅሪ ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ 1383/2017 ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምፅዳቑ ዝዝከር እዩ። በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ኣግባብ ዝጠመተ ስልጠና ንመዳርግቲ ኣካላት ሂቡ። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ኣዋጅ ካብ ዝሓዞም ቀንዲ ጉዳያት ስርዓት ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክ እቲ ሓደ እዩ። ውፅኢታት ፕላስቲክ ኣብ ውሽጢ መሬት ከይበስበሱ ንነዊሕ እዋን ስለዝፀንሑ ጠንቂ ብኽለት ከባቢ፣ንጥዕና ወዲ ሰብ ድማ ጉደኣት እናኾኑ ከምዝመፁ እውን ተዛሪበን። ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝጠዓዓምን ነዚ ዘበን ዝምጥንን ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ ምድላዉ ሓቢረን። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ንሓደ ግዜ ጥራሕ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ፍርያታት ፕላስቲክ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው፣ምፍራይን ንዕዳጋ ምቕራብን ከምዘይከኣል ኣረዲአን። እዚ ድማ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተፈፃሚ ከምዝኸውን ተዛሪበን። ኣብ ከባቢ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘየብፅሑ ፍርያታት ንምቕራብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብቐረባ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ፀሪሐን። እቲ ናይ ሎሚ ስልጠና እውን እቲ ኣዋጅ ብኣግባቡ ንክፍፀም መዳርግቲ ኣካላት ግንዛበ ንክሕዙ ዝዓለመ እዩ ኢለን። ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ሓላፊ ዴስክ ክትትል ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ከተማ ዋሲሁን ኣለሙ ብግደኦም፤ ፅሩይን ንናብራ ምችውን ከባቢ ንምፍጣር እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም ኢሎም። ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እኹል ግንዛበ ብምሓዝ እጃሞም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ተሳታፊ እቲ መድረኽ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተስፋዬ ደጀኔ፤ እቲ ስልጠና እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ሓባራዊ ቅዋምን ግንዛበን ንክንሕዝ ዝገብር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።  
አርባምንጭ ካብ ሞቦቆላ ፅብቐትን ታሃራፊትን  እያ።
Aug 16, 2025 1931
  ኣብ ከተማ አርባምንጭ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ስርሓትታት ልምዓት ኣብ ቀረባ ዑደት ኣብ ዝገበርናሉ እዋን ንፕሮጀክት ገበታ ትውልዲ ተመልኪትና። እዚ ስራሕ ብዓቐኑ ርኡይ ገዚፍ ብምኹኑ ከተማ አርባምንጭ ዓበይቲ ጉባኤታት ንኸተታኣናግድ ዓዲምዋ እያ። ቅድሚሓዚ ካብ ዝነበረና ምልከታ ስፍሕ ኢሉ ዝተሳለጠ ልምዓት ገምገም ሩባ ኩልፎ ነዛ ከተማ ተወሳኺ ፉሉይ ግርማ ሞገስን መልክዕን ፈጢሩ እዩ ። ናብ ጫካ አርባምንጭ መእተዊ ሓደሽቲ መንገድታት ዝተሰርሑ እንትኾኑ ንጎቦታት፣ንማይን ደንታት ከባብን መባፅሕቲ በሪ ኮይኖም እዮም ።እዚኦምን ካልዖት ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ብዝረእናዮም ምምሕያሻት ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ከምዘለዉ ዘመላኸቱ ዘይተጠቐምናሎም ዓቐምታት ከምዘለዉና ዘርእዩ እዮም ። እዚ ምዕባለ ብሓበራዊ ፃዕርታትና ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓትታት ከምነዕውት ዘመላኸቱ ርኡያት ምልክታት እዮም ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ስራሕቲ ማሕበረሰብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ማእኸል ሓበሬታ ንምእታው እናተሰርሐ እዩ
Aug 14, 2025 2077
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 8/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ሽሕን 800 ተፋሰሳት ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ናብ ማእኸል ሓበሬታ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምእታው ህንፀት ዓቕሚ ሓዊሱ ተዛመድቲ ስራሕቲ እናተሳጡ እዮም። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና ኣብ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ሓላፊ ዴስክ ምትሕብባር ማሕበረሰብ ፈቀደ ኣዳነ ከምዝበልዎ፤ ነቲ ስራሕ ዘድልዩ ላፕቶፕ፣ዘይተገደበ ኢንተርኔትን ተዛመድቲ እታዎታትን ብደገፍ መሓዙት ትካላት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ተገዚኦም ንሰብ ሞያ ክከፋፈሉ እዮም። እዋኑ ዝሓለወ፣ተኣማንነቱ ዝተረጋገፀ ትልሚ፣ክትትልን ፀብፃባትን ንምልውዋጥ፣ስራሕቲ ልምዓት ምስ ዝርከብሉ ከባቢ ንምቕማጥ ከምኡ እውን ንወሃብቲ ውሳነ፣ተመራመርትን ሚድያታትን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምሃብ ማእኸል ሓበሬታ ኣድላይ እዩ ኢሎም። ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ኣብ ዘለዉ 492 ወረዳታት ዘለዉ 11 ሽሕን 800 ተፋሰሳት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ሓበሬታ ንዝእክቡን ናብ ማእኸል ሓበሬታ ንዘእትዉን ሰብ ሞያ ወረዳ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ቀንዲ ዕላማ ማሕበራዊ ስራሕቲ ተቓላዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምቕናስን ስራሕቲ ህንፀት ሃፍቲ ቤተሰብ ንምድጋፍን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ብስራሕቲ ማሕበረሰብ ካብ ዝሳለጡ ስራሕቲ፤ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ስራሕቲ ምውህላል ማይ፣ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኣናእሽተይ መስኖ፣ስራሕ መንገዲ፣ህንፀት መሰረተ ልምዓት ማሕበረሰብ፣ንስርዓተ ምግቢ ዝሕግዙ ስራሕቲ ምስራሕን ካልኦትን ከምዝኾኑ እውን ኣብራህሪሆም።
ልኡኽቶና ባህጊ ኢትዮጵያ ብምዕዋት ክንዕቅኖ ኣለና
Aug 2, 2025 1147
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2017(ኢዜኣ) ባህጊ ኢትዮጵያ ብምዕዋት ልኡኽቶና ክንዕቅኖ ኣለና ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) 20 ሰነ 2017 ዓ/ም “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ። ነዚ ስዒቡ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 24 ሓምለ 2017 ዓ/ም ተሳሊጡ እዩ። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ እውን ነዚ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ልኡኽትኡ ንምዕዋት ካብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ሃገራውን ጉዳያት ብምስታፍ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ። እቲ ሎሚ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ኣካል እዚ እዩ ኢሎም። ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ኣህጉር ተፀራሕን ምችውን ሃገር ኣብ ምፍጣር እቲ ትካል ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት እናተዋፅአ ከምዝኾነ ወሲኾም ተዛሪቦም። ሽቶ እቲ ትካል ባህጊ ኢትዮጵያ ምዕዋት እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ኣብዚ ከይዲ ንወለዶ ዝመሓላለፍ ስራሕ እናሳለጠ ብልፅግና ኢትዮጵያን ህዝባን ክውን ኣብ ምግባር ዝገብሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን 24 ሓምለ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኢትዮጵያ 714 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ታሪኻዊ ዓወት ከምዘመዝገበት ኣዘኻኺሮም። ስለዝኾነ እውን ኢንሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሃገራዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ከምዝኾነ ብተግባር ዘርኣየ እዩ ኢሎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታ ኢዜኣ ብግደኦም፤ ብምትካል ምንስርራእ ኣብ ዝብል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፎም ከምዝተሓጎሱ ሓቢሮም። በዚ ድማ ብሞይኦም ካብ ዘሳልጥዎ ስራሕ ብተወሳኺ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም። እቲ ሎሚ ብኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ እቲ በዓል ሞያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ንክሳተፍ ዕድል ዝፈጠረን ኣብ ኩለመዳያዊ ልምዓት ሃገር ዘለዎ ተሳትፎ ንክውስኽን ዝሓገዘ እዩ ኢሎም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 4ይቲ ኣውሮፕላን ኤርባስ A350-1000 ሎሚ ተረኪቡ
Aug 2, 2025 1212
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2017 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 4ይቲ ኣውሮፕላን ኤርባስ A350-1000 ሎሚ ከምዝተረከበ ኣፍሊጡ። እታ ኣውሮፕላን ንዓማዊል ዝለዓለ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ዝተገጠመላ ከምዝኾነት እውን ገሊፁ። ኣውሮፕላን A350-1000 ካብ 350 ክሳብ 410 መንገደኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዋ እያ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣውሮፕላናት ኤርባስ A350-1000 ንምግዛእ ብምእዛዝ እታ ናይ መወዳእታ ኣውሮፕላን ሎሚ ከምዝተረከበ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ መንገዲ ኣየር ዝተረከባ ኣውሮፕላን A350-1000 እውን ብዓይነታ ፍልይትን ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይትን እያ ኢሉ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነት ኣውሮፕላን መንገደኛታት A350-1000 ዝተረከበ እንትኸውን እታ ኣውሮፕላን ''Ethiopia land of origins'' ብዝብል ሰይምዋ እዩ። እዚ ድማ ምስ ምልላይ መስሕብ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ እዩ። እታ ኣውሮፕላን ፈላማይ በረራኣ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ናብ ናይጄሪያ ከተማ ሌጎስ ምግባራ ዝዝከር እዩ። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘለውኦ ልዕሊ 160 ኣውሮፕላናት ልዕሊ 140 ዓለም ለኸን 22 ሃገር ውሽጥን መባፅሕታት በረራ እናሸፈነ እዩ ዝርከብ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2035 ዓመታዊ ኣታዊኡ ናብ 25 ቢልዮን ዶላር ንምዕባይን ኣብ ዓመት 67 ሚልዮን መንገደኛታት ንምጉዕዓዝን ትልሚ ተሊሙ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም