ሓለዋ ኸበቢ
ብኽለት ከባቢ አየር  ፀገም ናብራ ከተማታት ህዝብና ኮይኑ ከይቅጽል ጠመተ ተዋሂብዎ ምስ መዳርግቲ አካላት እናተሰርሓ እዩ - በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ  
Feb 8, 2024 110
  አዲስ አበባ/ጥሪ/30/2016/ኢዜአ/ ፅባቐ እታ ከተማ ንምሕላውን ብኽለት ከባቢ አየር ንምውጋድን ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል መዚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝገበሮም ስምምዕነታት ዝርከብሉ ደረጃ ንምፍታሽን ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ትካል ንምግምጋምን ዝዓለመ መድረኽ እናካየደ ይርከብ። ኣብቲ መድረኽ ሓላፊ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ዲዳ ዲርባ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ምዃና ብምዝኽኻር፤ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ብጠመተ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም። ከም መብርሂ ኣይተ ዲዳ፤ እታ ከተማ ንዘለዉዋ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ተጠቂምካ ካብ ኣፍሪካ ሰሓቢትን ምችውትን ከተማ ንክትኾን ከምኡ 'ውን ዜጋታት ካብ ዝብክሉ ድምፅታት፣ ካብ ምንኣስ ፅርየት ከባቢን ተተሓሓዝቲ ፀገማትን ብምርሓቕ ብዝተረጋግአ ኩነታት ህይወቶም ንክመርሑ እናተሰርሐ 'ዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዙርያ ሓለዋ ከባቢ ዝተፈላለዩ ፀገማት እንተነበሩ 'ውን ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብሓባር ብዝተሰርሐ ስራሕ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ተዛሪቦም። በዚ 'ውን ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ምስ 27 ትካላት ስምምዕነት ብምፍጣር ብሓባር ንምስራሕ ተተሊሙ ምስ 20 ትካላት ብሓባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብሃገር ደረጃ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክውገን እዩ-ሚኒስቴር ሕርሻ
Feb 7, 2024 90
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/29/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ዝኾነ መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝውገን ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ። እቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ኩለን ክልላት ከምዝውገንን ክሳብ ሕዚ ድማ ዝተወሰና ክልላት መርሃ ግብሪ መመሰሲ ተፋሰስ ልምዓት ከምዘካየዱ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ፋኖሴ መኮንን ሓቢሮም፡፡ ኣብ ምድላው፣ ትግበራን መዛዘሚን ምዕራፍን ብዝተፈለዩ ልዕሊ 11 ሺሕ ተፋሰሳት ልዕሊ 2 ሚሊየን 250 ሺሕ ሄክታር መሬት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ምድላው ምዕራፍ ምስንዳእ መሳርሒታት ሕርሻ ፣ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሞያን ሓረስቶትን ተፋሰሳትን ምፍላይን ኣብቶም ተፋሰሳት ትልሚ ናይ ምውፃእ ስራሕ ከምዝተወገነ ኣይተ ፋኖሴ ኣብሪሆም፡፡ ምዕራፍ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ስዒቡ ድማ ኣብ ክልላት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብቲ ስራሕቲ እቲ ሓለዋ ተፈጥሮ ልዕሊ 16 ሚሊየን 338 ሺሕን ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ክሳብ 40 ሚሊየን ሰባት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እቲ ተሳትፎ ብገንዘብ እንትትመን ልዕሊ 30 ቢሊየን ብር ከምዝኸውን ፀሪሖም።
ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ንምልማዕን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ረብሓ ንምጥንኻርን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሓትት ተገሊፁ
Feb 5, 2024 113
  ጋምቤላ/ጥሪ 26/2016 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ንምልማዕን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ረብሓ ንምጥንኻርን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሓትት በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ በዓል መዚ፤ ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ምልማዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ዘትዩ። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ ኣብቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ሰፊሕን ዕቑርን ብዝሃ ሂወት ዘለዎ ዓብይ ፓርክ እዩ። ይኹን እምበር ብመጠን ዘለዎ ዓቕምን በቲ ዝድለ ብርክን ብዘይምልምዑ ካብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበረሉ ረብሓ ከምዘይተረኸበሉ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ንዘፈር ቱሪዝም ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት እቲ ፓርኪ ብኣግባቡ ለሚዑ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ንምልማዕን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ረብሓ ንምጥንኻርን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሓትት እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝለምዑ ወሓዝቲ ተጠቀምቲ ኣማራፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክንኸውን ኣኽኢሉና እዩ-ሓረስቶት
Jan 25, 2024 99
  ሰቆጣ/ጥሪ 16/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግ ኽምራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝለምዑ ወሓዝቲ ተጠቀምቲ ኣማራፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ሓረስቶት ወረዳ ሰቖጣ ንኢዜኣ ተዛሪቦም። ነባራይ ወረዳ ሰቖጣ ጣብያ ቄባ ዝኾኑ ሓረስታይ ደባሽ ኣለምየ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ጎቦ ፀመናቁ ካብ ምንኽኻእ ሰባትን እንሰሳትን ነፃ ብምግባር ንክሕለው እናተገበረ እዩ። ብተወሳኺ እውን ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብቲ ጎቦ ብምስላጡ ተጠቀምቲ ኣማራፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ተዛሪቦም። ስለዝኮነ እውን ጣፍ፣ሽምብራ፣ጌሾን ቡናን እናልምዑ ምዃኖም ብምግላፅ ብዓመት ክሳብ 40 ሽሕ ብር ኣታዊ ከምዝረኽቡ ሓቢሮም። ነባራይ እዚ ጣብያ ዝኾኑ ሓረስታይ እሸቱ ደሳለኝ ብግደኦም፤ ጎቦ ፀመናቁ ብልምዓት ወሓዝቲ ብምልምዑ ኣብቲ ከባቢኦም ዝርከብ ግድብ ሓመድ ብሑፃ ንከይመልእ ብምግባር ሓጋይ ሙሉእ ኣማራፂ ማይ ንክህሉ ከምዝገበረ ገሊፆም። እቲ ወሓዚ ብኣግባቡ ስለዝለምዐ ካብ ልምዓት መስኖ ብተወሳኺ ንእንሰሳት ዘቤት እውን ማይ ብቐረባ ንክረኽቡ ከምዘኽኣለ ዝገለፁ ድማ ሓረስታይ ፍቃዱ ኣድማሴ እዮም። መራሒ ጉጅለ ሓለዋ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ቤት ፅሕፈት ግብርና እቲ ወረዳ ዲያቆን ዋሲሁን ጎሹ፤ ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝለምዑ 64 ወሓዝቲ እቶም ሰለስተ ሞዴል ወሓዝቲ እዮም ኢሎም። መራሒ ጉጅለ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ መምርሒ ግብርና እቲ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣይተ ኣስፋው ተፈራ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝለምዑ ወሓዝቲ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ። ኣብቲ ምምሕዳር እቲ ብሄረሰብ 18 ሞዴል ወሓዝቲ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ኣብ ስራሕቲ መስኖ፣ምህጣር እንሰሳትን ምርባሕ ንህብን ከምዝተዋፈሩ ኣረዲኦም። ካብ ምንኽኻእ ሰባትን እንሰሳትን ነፃ ዝኾኑ ወሓዝቲ ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ ሕግን ደንብን ወፂኡ እናተሰርሐ እንትኸውን ቁፅሪ እቶም ወሓዝቲ ናብ 27 ንምዕባይ ተግባራዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል 16 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ ‘ዩ
Jan 25, 2024 95
  አዲስ አበባ/ጥሪ/16/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ኣብ ቀፃሊ እዋን ንዝህልው መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ 16 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ዞባ ማእኸል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። መተሓባበሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ነጋሽ ን ኢዜአ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ብሓደጋታት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ዝባደመ መሬት ብደኒ ንምሽፋን ሃገር ቦቆል ፈልስታት ኣብ ምድላው ይርከቡ። 16 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ልዕሊ 400 ሽሕ ሄክታር መሬት ብደኒ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ዝሓበሩ ኣይተ ፍስሃ ፅዮን፤ እቶም ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልስታት ትሕዝቶ ደኒ ንምትኽኻእን ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዘጋጥሙ ፀገማት ንምክልኻልን ከምዝሕግዙ ሓቢሮም። ነባራይ ወረዳ ላዕላይ ማጨው ጣብያ መደባይ ወለል ዝኾኑ ሓረስታይ ቀሺ ገብረ ክርስቶስ ተወልደ፤ ዝባደመ ከባቢ ብደኒ ንምሽፋን ዝግበር ፃዕሪ ናይ ወገኖም አበርክቶ ከም ዝፍፅሙ ተዛሪቦም። ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ከምዝሳተፉ ዝገለፁ ነባራይ ጣብያ ዓዲ ኢሌን ሓረስታይ ጎይትኦም ዘሚካኤል ብግደኦም፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ከባቢ ንምትሕልላፍ ከምዝሕግዝ ገሊፆም
ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸላይ 16 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ እዩ
Jan 23, 2024 113
  ኣኽሱም/ጥሪ 14/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ንዝህልው መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ 16 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ዞባ ማእኸላይ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። መተሓባበሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ነጋሽ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ብሓደጋታት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ዝባደመ መሬት ብደኒ ንምሽፋን ሃገር ቦቆል ፈልስታት ኣብ ምድላው ይርከቡ። 16 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ልዕሊ 400 ሽሕ ሄክታር መሬት ብደኒ ንምሽፋን ከምዝተተለመ እውን ገሊፆም። እቶም ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልስታት ትሕዝቶ ደኒ ንምትኽኻእን ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዘጋጥሙ ፀገማት ንምክልኻልን ከምዝሕግዙ ሓቢሮም። ነባራይ ወረዳ ላዕላይ ማጨው ጣብያ መደባይ ወለል ዝኾኑ ሓረስታይ ቀሺ ገብረ ክርስቶስ ተወልደ፤ ዝባደመ ከባቢ ብደኒ ንምሽፋን ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም። ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ከምዝሳተፉ ዝገለፁ ነባራይ ጣብያ ዓዲ ኢሌን ሓረስታይ ጎይትኦም ዘሚካኤል ብግደኦም፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ከባቢ ንምትሕልላፍ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ን ውሳነታት ጉባኤ  ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምትግባር ትብዓት ከምዘለዋ አረጋጊፃ
Jan 22, 2024 79
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/13/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ውሳነታት መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምትግባር ምስ ኩሎም መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባ ንምስራሕ ትብዓት ከም ዘለዋ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ሚኒስቴር ብኣሰናዳእነት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ከተማ ዱባይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ 30 ሕዳር ክሳብ 12 ታሕሳስስ ዝተኻየደ መበል 28 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ፡፡ ኣብ መብርሂኡ ድማ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ለውጢከባብያዊ አየር ውሕመ (COP28) ብዝርዝር ኣብ ዝተኻየዱ ድርድራት ለውጢ ከባብያዊ አየር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ እናካየደቶም ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ምላሽ ክሌማዊ ለውጢከባብያዊ አየርን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዕዉት ተሳትፎ ብምግባር ከምዝተመለሰት ኣዘኻኺሩ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተሳተፉሉ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ብሳዕቤን ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ኢትዮጵያ እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ምላሽ ንመሃብ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈለሲታት ከምዝተተኸሉ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ፀሪሑ፡፡ ብፍርያት ስርናይ፣ ቀረብ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ዝተጀመረ ትሩፋት ሌማት ከምኡ እውን ዓውዲ ትራንስፖርት ን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝስማዕማዕ መተባብዒ ኣማራፂ ዓውዲታት ትራንስፖርት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዝርዝር ከምዘረድኡ እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ብመሪሕነት ከምዝተሳተፈት ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር÷ ኣባል ኣብ ዝኾነትሎም ጉጅለ ኣፍሪካ፣ ጉጅለ ኣብ ትሑት ደረጃ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ብምምራሕ ከምዝተሳተፈት እውን ገሊፁ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ውሕመ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ማዕቐፋት ምትሕብባር ዘለዋ እምነት መሰረት ብምግባር ውሳነታት መበል 28 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምትግባርን ኣብ ከይዲ ትግበራ ምስ ኩሎም መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 10 ተንቀሳቐስቲ ጣብያታት መከታተሊ ብኽለት ኣየር ክትከሉ እዮም-ኢንስቲትዩት ሚትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ
Jan 18, 2024 65
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 10 ተንቀሳቐስቲ ጣብያታት መከታተሊ ብኽለት ኣየር ከምዝትከሉ ኢንስቲትዩት ሚትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኢንስቲትዩት፤ ሓቃውነትን እዋናውነትን ሓበሬታ ትንበያ ኣየር ዘዕብዩ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ትኹረት ከምዝገበረ ገሊፁ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ክንፈ ሃይለማርያም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፤ እቲ ኢንስቲትዩት ሓበሬታ ናይ መእካብን ምትንታንን ዓቕሙ ንምዕባይ ኣብ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት ትኹረት ከምዝገበረ ሓቢሮም። እቲ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ትካላት ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ፕሮጀክትታት ሓንፂፁ ናብ ስራሕ ምእታዉ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ብርኪ መሳርሕታት መአኪቢ ሓበሬታ ብምምሕያሽ፣ቁፅሮምን ውፅኢታውነቶምን ኣብ ምዕባይ ጭቡጣት ምንቅስቓሳት እናገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ እውን ካብ መንግስቲ ፊንላንድ ብዝተረኸበ ሓገዝ 3 ተወሰኽቲ ራዳር መከታተሊ ኩነታት ኣየርን 4 መከታተሊ መብረቕን ጣብያታት ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላዋት ተጀሚሮም እዮም ኢሎም። ብፍላይ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 10 ተንቀሳቐስቲ ጣብያታት መከታተሊ ብኽለት ኣየር ከምዝትከሉ ፀሪሖም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ወሓዝቲ እዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክሳለጥ እዩ-ኣይተ ኣብዱረ
Jan 18, 2024 56
  ኣዳማ/ጥሪ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ወሓዝቲ እዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምስላጥ ምድላው ከምዝተጀመረ ብመኣርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስጠር ገፀር እቲ ክልል ኣይተ ኣብዱረህማን ኣብደላ ገሊፆም። ኣይተ ኣብዱረህማን ኣብደላ፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ኣደኣ ጣብያ ጎበሶዬ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ወሓዝቲ ዘጀመሩ እንትኾኑ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ወሓዝቲ ፍርያትን መፍረያይነትን ግብርና ወሲኹ እዩ ክብሉ ኣብቲ እዋነ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን እቲ ስራሕቲ ልምዓት ወሓዝቲ ኣብ ምርባሕ ንህብን እንሰሳትን ንብርክት ዝበሉ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም። ኣብዚ ዓመት እውን ኣብ ልዕሊ 6 ሽሕን 400 ወሓዝቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምስራሕ ሎሚ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምሽፋን ከምዝተተለመ ብምሕባር ኣብቲ ን60 መዓልትታት ዝካየድ ወፍሪ ልዕሊ 9 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ክሳተፍ እዩ ኢሎም።
ኣብ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ምክንኻን እቲ ዝተተለመ ትልሚ ንምዕዋት ኣገዳሲ እዩ-ኣይተ ኦርዲን በድሪ
Jan 17, 2024 67
  ሃረር/ጥሪ 8/2016 (ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ምክንኻን እቲ ዝተተለመ ትልሚ ንምዕዋት ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም። እቶም ርእሰ ምምሕዳርን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምዕዛብ ኣብ ምክንኻን እቶም ፈልስታት ተሳቲፎም። ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብቲ ወፍሪ ምክንኻን ፈልሲ፤ ፈልስታት በቢዓመቱ ካብ ምትካል ብተወሳኺ ብቐረባ ምክትታትልን ምክንኻንን ይግባእ ኢሎም። ኣብቲ እዋን ክረምቲ ዝተተኸሉ ፈልስታት ንህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎም ብምሕባር ኣብ ወረዳታት ከተማታትን ገፀራትን እቲ ክልል ዝሳለጡ ስራሕቲ ምኹስኳስ፣ማይ ምስታይን ምክንኻንን እቶም ፈልስታት ኣተባቢዖም። ̎እንተኽሎም ፈልስታት ብኣግባቡ ሓለዋን ክንክንን እንተዘይተገይርሎም እቲ ዝድለ ውፅኢት ከምፅኡ ኣይኽእሉን̎ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ማሕበረሰብ ይኹን ትካላት ንዝተኸልዎም ፈልስታት ስራሕቲ ምክንኻንን ምስታይ ማይን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ሓቲቶም።
 አብ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ሃደን እንስሳ ዘገዳም ነቲ ገበን ንክሰፍሕ ይዕድም አሎ  
Jan 15, 2024 78
አዲስ አበባ/ጥሪ/6/2016/ኢዜአ/ኣብ ዘይሕጋዊ ሃደን ዝወፅ ሕጊ ዘይ ስጡም ብምዃኑ እቲ ገበን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ እዩ ክብል በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ፓርኪ ባቢሌ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሓሙሽተ ሓራምዝ ብዘይሕጋውያን ከምዝተቐተሉ 'ውን ተሓቢሩ። ኣብቲ በዓል መዚ ሓላፊ ዴስክ ምኽባር ሕጊ እንሰሳት ዘገዳም ኣይተ ዳንኤል ኣሰፋ ከምዝገለፅዎ፤ ዘይሕጋዊ ሃደንን ዝውውርን እንሰሳት ዘገዳም ከም ካልኦት ሃገራት ዓለም ንኢትዮጵያ 'ውን እናተፈታተና ይርከብ። ኣብ ኢትዮጵያ እንሰሳት ዘገዳም ብዘይሕጋዊ ሃደን ምቕታል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተፈፀመ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ዳንኤል፤ ብተመሳሳሊ ነቶም እንሰሳት ብህይወት እናሃለዉ ናብ ካልእ ሃገር ምዝውዋር 'ውን ማሕለኻ ሃገርና 'ዩ ኢሎም። ምስ ሕጊ ዘኽብሩ ኣካላት ብምዃን ገበነኛታት ተሓተትቲ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ እንተኾነ 'ውን ኣብ ሃገርና ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈፀሙ ገበነኛታት ዝቕፅዕሉ ኣግባብ ሕጊ ልሕሉሕ ብምዃኑ እቶም ገበነኛታት ነቲ ገበን ደጊሞም ናይ ምፍፃም ዕድሎም ሰፊሕ 'ዩ ኢሎም። ብፍላይ ዝሕለዉ ቦታታትን ብሄራዊ ፓርክታትን ጥሒሶም ብምእታው ዝተኸልከሉ ተግባራት ምፍፃም ዓብዪ ሓደጋ ከምዘንፀላለወ ዝተዛረቡ እቶም ሓላፊ፤ ናብቶም ቦታታት ብምእታው ሕርሻ ምሕራስ፣ ደኒ ምጭፍጫፍ፣ ፈሓም ምፍሓምን ገዛ ምስራሕን ብዝለዓለ ኩነታት ዝስትውዐሉ ፀገማት 'ዮም ክብሉ ገሊፆም።
ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው ግቡኡና እዩ-ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ
Jan 15, 2024 66
  አዲስ አበባ/ጥሪ/6/2016/ኢዜአ/ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው ግቡኡና እዩ ክብሉ ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም ከም ወለዶ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮና ሚዛናዊ ክኸውን ሓላፍነት ኣለዎ። እዞም ሓላፍነታት ሸለል ስልዝተብሃሉ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝለዓለ ጉድኣት በፂሑ ዋጋ 'ውን ተኸፊልዎ። እቲ ናይ ለውጢ መንግስትና ናብ ስራሕ ዝኣተወ ነዞም ፀገማት ብምፍታሕ 'ዩ። ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት ልዕሊ ኹሉ ተሳትፎ ግልጋሎት ዜግነት፣ ምውዳድ ተሳትፎ ሰብ ሞያ ግብርናን በቢ ብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ወሳኒ ግደ ኣበርኪቱ። ኣብዚ ዓመት ተመኩሮታት ዝሓለፉ ዓመታት ብምውዳድ ነቲ ለውጢ ብዝበለፀ ተግባራዊ ንምግባር ኹሎም ኣድለይቲ ቕድመ ምድላዋት እናተዛዘሙ 'ዮም። በዚ መሰረት ብግልጋሎት ዜግነትን ብመሓውር መንግስትን ኣስታት 10 ሚሊዮን ኣባላት ማሕበረሰብ ብምንቅስቓስ ኣብ ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ልምዓት ተፋሰስ፣ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምስራሕ ተተሊሙ። እቲ ስራሕ ናብ ጥረ ገንዘብ እንትቕየር 10 ቢሊዮን ዋጋ ይህልዎ። ኣብ መወዳእታ 'ውን ኣብቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ዓወት ንዝተሳተፉ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ሰብ ሞያ ግብርናን በቢ ብርኩ ዘለዉ ኣካላት ኣመራርሓን እናመስገንኩ፤ ኣብ ቀረባ ብዕሊ ንዝጅመር ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኩሉኹም መዳርግቲ ኣካላት ምድላው ንኽትገብሩ ፃውዒተይ እናቅረብኩ አብ ቀፃሊ አብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንዝህልው ምርብራብ ኩላህና ከምቲ ናይ ቅድሚ ሓዚ ድልዋት ንክንከውን ሕድሪ ይብል
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም