ቁጠባ - ኢዜአ ትግርኛ
ቁጠባ
መንግሥቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ነቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ እዮም-ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ
Dec 10, 2025 11
መቐለ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ነቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ብሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ብ2 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ወፃኢ ንዝህነፅ ፕሮጀክት መፃረይን መወገድን ፈሳሲ ሎሚ መዓልቲ እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ። ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀኔራል ታደሰ ወረደ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘሳልጦም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ልምዓት እቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም። ተዛመድቲ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም እምነ ኩርናዕ ዘንበሩ ሚኒስትር ማይን ሚነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፤ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝውዕሉ ፕሮጀክትታት ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣፍሊጦም። እቲ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ህንፀት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ዝህነፅ ፕሮጀክት መፃረይን መእለይን ፈሳሲ ኣጀሚሩ ኢሎም። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ብ2 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ወፃኢ ከምዝህነፅ እውን ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ልምዓት መስኖ ተረባሕቲ ከምዝገብሮም ገሊፆም። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተተለመሉ እዋንን ፅሬትን ንምዝዛም እውን እቲ ሚኒስቴር ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ከምዝገብር እቶም ሚኒስትር ኣረጋጊፆም። እቲ ሚኒስቴር፤ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት እቲ ክልል ኣገልግሎት ማይን ሳኒቴሽንን ዝህቡ ፕሮጀክትታት እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ከተማ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት መንበሪ ብምህናፅ ከምዘረከቡ ዝዝከር እዩ። ኣብ ወረዳ እንደርታ ነባሪ ጣብያ ማይ ዓለም ዝኾኑ ቀሺ ገብረኪዳን ታደሰ፤ እቲ ፕሮጀክት ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ብልምዓት መስኖ ብምጥቃም ካብ ተመፅዋታይነት ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንክንሕግዝ ዘኽእለና እዩ ኢሎም። ወይዘሮ ለተመሰቀል ሓዱሽ ብግደአን፤ እቲ ፕሮጀክት ንደቅና ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ትፅቢት ንገብር ኢለን።
ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ እዩ-ሚኒስትር መላኩ ኣለበል
Dec 10, 2025 28
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም። ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ንልምዓት ኢንዱስትሪ ዝሃቦ ትኹረት እቲ ዓውዲ ንክነቓቓሕን ዝለዓለ ለውጢ ንከምፅእን ኣኽኢሉ እዩ። ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ለውጢ ፖሊሲ፣ትካላትን ስትራቴጂን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ መመሓየሺ ምስላጦም ብምሕባር፤ በቶም መመሓየሽቲ ብምሕጋዝ መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ንምዕባይን ዕቤት መፍረያይ እቲ ዓውዲ ብቀፃልነት ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ዓወታት ምምዝጋቦም ተዛሪቦም። እቲ ዝተረኸበ ዓወት ኣተሓሳስባ ኩለ መዳያዊ ዓውዲ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ተወዳደርቲ ኣልማዕቲ እናፍረየ ከምዝኾነ ከም መርኣያ ዝውሰድ እዩ ኢሎም። ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝሳለጡ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ምኽባር መነባብሮ ንምቕናስን ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ስርዓት ፍርያትን ኣጠቓቕማን ሓይሊ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባን ኣፍሪካን እውን ንምትራፍ ዝዓለመ እዩ
Dec 10, 2025 18
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት፣ዝርገሐን ኣጠቓቕማን ሓይሊ ዘለዋ ስርዓት ካብ ሃገር ብዝዘለለ ነቲ ዞባን ኣፍሪካን ንምትራፍ ብምዕላም እናሰርሐት ከምዝኾነት ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ውፅኢታውነት ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኣፍሪካ(Energy Efficiency Conference) ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህን እቲ ኮንፈረንስ ብሓባር ከፊተሞ። እቲ ኮንፈረንስ፤ “ኣጀንዳ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ኮንፈረንስ፤ ብምትሕብባር ፍሉይ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ እዩ። ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ፍርያትን ኣጠቓቕማን ኣህጉራዊ ሓይሊ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ተሞኩሮኣ ኣብቲ መድረኽ ከምዘካፈለት ሓቢሮም። ስርዓት ፍርያት፣ዝርገሐን ኣጠቓቕማን ሓይሊ ኢትዮጵያ ንተሓዳሲ ኣማራፂ ሓይሊ ቀዳምነት ዝህብ፣ኢነርጂ ኣብ ምፍራይ ክፍጠር ዝኽእል ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን መሰረቱ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ገይሩ ንኣህጉራዊ ምትእስሳርን ዘላቒ ልምዓትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ምብርካትን ንጎረቤት ሃገራት እውን ንምትራፍን ሽቶኡ ገይሩ ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ዝፈረየ ሓይሊ ብውፅኢታውነት ምዝርጋሕን ምጥቃምን ንሕና ኣፍሪካውያን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ሂብና ብምትሕብባር ክንሰርሖን ልምዲ ክንለዋወጠሉን ዝግባእ ወሳኒ ጉዳይ እዩ ክብሉ ገሊፆም። እቲ ኮንፈረንስ፤ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ብምርግጋፅ ንዕቤትን ዘላቒ ልምዓትን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየርን መቀፃፀሊ ሞተር ተግባራዊ ምላሽ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ፈላማይ ኮንፈረንስ ክሳብ ፅባሕ ዝፀንሕ እዩ።
መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)
Dec 8, 2025 156
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 29/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም። መድረኽ ምኽክር መጀመሪ መርሃ ግብሪ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ከምኡ እውን መጀመሪ ስራሕ ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ፣ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ሚካኤል ቹዳኮቭን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መዳርግቲ ትካላትን ተረኺቦም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ስልጣነ ደቂ ሰባት ምስ ልምዓት ኣማራፂ ሓይሊ ሓዊ፣ማይ፣ንፋስን ሃፋን ዝተኣሳሰረ እዩ። ኢትዮጵያም ብልምዓት ሰብ ስራሕ ብልሕን ቴክኖሎጂን ኣብ ጉዕዞ ሓዱሽን ኣድላይ ኣብዮት ኢንዱስትርን ከምትርከብ እውን ሓቢሮም። ሓይሊ ኒውክሌር ንዘላቒ ብልፅግና መሰረት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ድሌት ሓይሊ ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚን በዝሒ ህዝብን ኢትዮጵያ ንምምላእ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂካዊ ኢንቨስትመንትታት ህንፀት መሰረተ ልምዓት ምስፋሕ ኣድላይ ኮይኑ እዩ ኢሎም። መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ጥዕና፣ግብርናን ካልኦት ዓውድታት ልምዓትን ተግባራዊ ብምግባር ድሌት ሓይሊ ብምምላእ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እታ እንደልያ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብር ብሄራዊ ትካል ልምዓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ እውን ብርኪ ድሕንነትን ግልፅነትን ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንምሕላው እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ኣብ ጠንካራ ምትሕብባር መሰረት ብምግባር ምስ ዓለም ለኸ ረቛሕታት፣ብርክታትን ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ሙሉእ ብሙሉእ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር እዩ ኢሎም።
ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ወፅኢት ተመዝጊቡ እዩ-ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ
Dec 8, 2025 90
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 29/2018(ኢዜኣ) ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ወፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም። ኣብ ልምዓት ስርናይ እኽልታት ቅብኣትን ዝጠመተ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ግብርና ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዓብይ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ። ብፍላይ ድማ ብብርኪ ኢንሼቲቭ ፍሉይ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ከም ስርናይን እኽልታት ቅብኣትን ኣብ ዝበሉ ፍርያታት ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ፍርያትን መፍረያይነትን ስርናይ ብዝለዓለ ብርኪ ብምዕባይ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም። ኣብ እኽልታት ቅብኣት እውን ልዑል መፍረያይነት ከምዝተመዝገበ ፀሪሖም። መፍረያይነት ስርናይን እኽልታት ቅብኣትን ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባርን ዘጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ንምፍታሕን ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።
ካሜሩን ንዕዉትነት ስትራቴጂካዊ ስምምዕ ካምቴልን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር)
Dec 6, 2025 216
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ካሜሩን ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን(CAMTEL)ን ኢትዮ ቴሌኮምን ዝፈጠርዎ ስትራቴጂካዊ ጥምረት ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣድላይ ደገፍ ከምትገብር ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን(CAMTEL)ን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ካሜሩን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምቅልጣፍ ዘኽእል ስምምዕ ኮንትራት ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ ኣብ ካሜሩን ብምርካብ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ዋና መካየዲት ስራሕ ካምቴል ጁዲት ያህ ሰንዴይን እዮም ፈሪመምዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ካሜሮን ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር)፤ ኢትዮ ቴሌኮምን ካምቴልን ዝፈጠርዎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንኢዶም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዲጂታላይዜሽን ዓምዲ ዘላቒ ልምዓት ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ጋህዲ ክኸውን ዝኽእል ድማ ኣብ መንጎ ትካላት ቴሌኮም ኣፍሪካ ጠንካራ ምትሕብባር እንትህሉ እዩ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ድማ ክልቲኦም ትካላት ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ንኢዶም። መንግስቲ ካሜሩን ንዕዉትነት ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት እቶም ትካላት ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም። እቲ ጥምረት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ካሜሩን እውን ንክድገም ከምዝገብር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምግላፆም ኢትዮ ቴሌኮም ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
ደቂ መራሕቲ ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካ ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጎብንዮም
Dec 6, 2025 120
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018 (ኢዜኣ) ደቂ፣ደቂ ደቂ ንምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጎብንዮም። ንፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝነበሩ ፓትሪስ ሉሙምባ ወዶም ኦኪቶ ሮላንድ፣ ንፈላማይ ፕሬዚዳንት ጋና ዝነበሩ ኩዋሜ ኑኩሩሃማ ወዲ ወዶም ሜሌጋ ክዋሜ ቶማስ፣ንፈላማይ ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ዝነበሩ ኬኔት ካውንዳ ወዶም ካውንዳ ካውቼ፣ንነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ኔልሰን ማንዴላ ወዲ ወዶም ማንዴላ ንዲሌካን ንፈላማይ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጁሊየስ ኔሬሬ ወዱ ኔሬሬ ጎድፍሬይ ማዳራካን ካብቶም ጎብነይቲ እዮም። እቶም ጎብነይቲ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መግለፂ ዓርስኻ ምኽኣል ኣፍሪካን መርኣያ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንዕቤት ንምጥቃም ዘለዎ ቆራፅነትን እዩ ኢሎም። እቲ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ምልክት ለውጢ፣ሰዓራይነትን ልኣላዊነትን ንክትኸውን ከምዝገበራ ሓቢሮም። ደቂ መራሕቲ ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካ መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስን ዝጎብነዩ እንትኸውን ካልኦት ስራሕቲ እውን ከምዝጉብንዩ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ጣብያታት መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ ፅሬት ኣገልግሎትን መጠን ተበፃሕነትን ዘዕብዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም
Dec 6, 2025 84
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ጣብያታት መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ ፅሬት ኣገልግሎት ዘመሓይሹን መጠን ተበፃሕነት ዘስፍሑን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ፅሬትን ተበፃሕነትን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስራሕ እናሳለጠ ፀኒሑ እዩ። ስለዝኾነ እውን ዓቕሚ ምሽካም ሓይሊ ጣብያታት ንምዕባይ ስዊቻት መቆፃፀሪ ጣብያታት ብምቕያር ተወሳኺ ዓማዊል ንክተኣናግዱ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ሓደሽትን ተወሳኺ ዓቕሚ ዘለዎምን ትራንስፎርመራት ናይ ምቕያር ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ ፅሬት ኣገልግሎት ብምምሕያሽን ተበፃሕነት ብምስፋሕን ተጠቀምቲ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ኣገልግሎት ንክረኽቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብ ኣዋሽ ሰባት፣ወልቂጤ፣ኮምቦልቻ፣ወላይታ ሶዶ፣ከተማ ኣለም ገናን ኣብ ካልኦት ከባብታትን ዝርከቡ መከፋፈልቲ ጣብያታት ብዘበናዊ ስዊቻት መቆፃፀሪ ከምዝተቐየሩ ኣረዲኦም። ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ንኬንያ፣ጁቡቲን ታንዛንያን ብመሸጣ ካብ ዝቐረበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ካብቲ ትልሚ 25 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፆም።
ካምቴልን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ካሜሩን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምቅልጣፍ ስምምዕ ገይሮም
Dec 5, 2025 97
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018(ኢዜኣ) ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን(CAMTEL)ን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ካሜሩን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምቅልጣፍ ዘኽእል ስምምዕ ኩንትራት ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ፤ ኣብ ካሜሩን ያውንዴ ብምርካብ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ዋና መካየዲ ስራሕ ካምቴል ጁዲት ያህ ሰንዴይን ፈሪመምዎ። ስምምዕ ክልቲኦም ትካላት(Master Service Agreement) ኣካል ሓለፍቲ ስራሕ ኩባንያ ካምቴል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ሚያዝያ 2025 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስዒቡ ዝተጀመረን ጋህዲ ዝኾነን ርክብ ምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣብቲ እዋን እውን ኣመራርሓ ካምቴል ኢትዮ ቴሌኮም ሃገራዊ ኣጀንዳ"ዲጂታል ኢትዮጵያ" ኣብ ምቅልጣፍ ዘበርከቶ ወሳኒ እጃም ብምዕዛብ ኣብ ካሜሩን ተመሳሳሊ ዲጂታል ዓወታት ንምትግባር ዘለዎም ድሌት ገሊፆም ኔሮም እዮም። ስትራቴጂካዊ ዕላማ ካምቴል እውን ኣገልግሎታት መንግሥቲ ናብ ዲጂታል ምቕያር፣ ሓቛፊ መፍትሕታት ዲጂታል ፋይናንስ ጋህዲ ምግባርን ምምዕባል ገመድ ኣልቦ ኔትወርክን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ
Dec 5, 2025 76
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጄል ክላርክን እቲ ሃገር በቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ብሓባር መግለፂ ሂቦም። ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጄል ክላርክ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ምዕዛቦም ተገሊፁ። ካብ ዑደት ብተወሳኺ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተወከልቲ ውልቀ ዓውድን ምዝታዮም እውን ተሓቢሩ። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝተገበረ ዝተማልአ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብታ ሃገር ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ። ትግበራ እቲ ሪፎርም ጠንካራን ዘላቕን ልምዓት ንክምዝገብ ከምኡ እውን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንክሳለጡ ከምዘኽኣለ እውን ሓቢሮም። እቲ ሪፎርም፤ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብሙሉእ ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታትን ልዑል ለውጢ ከምዘመዝገበ ተዛሪቦም። ድሕሪ እቲ ሪፎርም ዝምዝገብ ዘሎ ውፅኢት ንኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ካብቶም ወነንቲ ዝዓበየ ኢኮኖሚ እታ ሓንቲ ንክትኸውን ከምዝገበራ እውን ኣረዲኦም። ኣታዊ መንግሥቲ ንክዓብን ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ሸርፊ ወጻኢ ንክህሉን ከምዘኽኣለ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ኣጀንዳ ለውጢ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ንዝገበሮ ኣድላይ ደገፍ ኣመስጊኖም። ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጄል ክላርክ ብግደኦም፤ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዕዉት ንክኸውን ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም። ጠንካራ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ዝተመሓየሸ ምርግጋዕ ኢኮኖምን እቲ ኢኮኖሚ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ንምግባርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ዕቤት ኢኮኖሚ ብምንኣድ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሮም ምቕፃል ኣድላይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ኣብ ምምላእ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ እየን
Dec 4, 2025 105
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ኣብ ምምላእ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ ከምዝኾና ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በረኦ ሓሰን ገሊፆም። መንግሥቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንምስፍሕፋሕ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐሉ እዩ ዝርከብ። እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣማራፂ ቀረብ ተሽከርከርቲ ብምስፋሕ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንምርግጋፅ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ዝለዓለ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለወን ብምሕባር፤ መንግሥቲ ብሰፊሑ ናብ ውሽጢ ሃገር ንክኣትዋን ኣገልግሎት ንክህባን ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ኣብ ምምላእ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ ከምዝርከባ እውን ኣረዲኦም። እዚ ድማ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብምስላጥ በቢእዋኑ እናዓበየ ንዘሎ ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ምላሽ ዝሃበ እዩ ኢሎም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተግባራዊ ዝተገበራ 110 መመላለስቲ ትራንስፖርት ብዙሓት ''ቬሎሲቲታት''ሕፅረት ኣብ ዘለዎም 11 መስመራት ንክዋፈራ ዝተገበረ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ልዑል ውፅኢት ተረኺቡ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን 22 ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ሚኒባሳት ምስተን ቬሎሲቲታት ተጠዓዒመን ኣገልግሎት ንክህባ ከምዝተገበረ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ እዚ ድማ ድሌት ትራንስፖርት ተበፃሒ ንምግባር ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ፅሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም
Dec 4, 2025 80
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ተገማትን ግልፅን ከባቢ ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ፅሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኮሚሽነር ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ኮሚሽነር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዘምፀኦም ውፅኢታትን እቲ ኮሚሽን ተገማትን ግልፅን ከባቢ ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ፅሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ብዘሳለጦም ስራሕትን ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ልዕሊ 961 ሚልዮን ዶላር ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም። ካብ ንግዲ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዝርከቡ ኢንቨስትመንትታት ልዕሊ 49 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እውን ኣፍሊጦም። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ርብዒ ዓመት 123 ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝሃበ ብምግላፅ፤ ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እቶም 34 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኸፈተ ንግዲ ኣታውን ወፃእን ዝተዋፈሩ እዮም ኢሎም። ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ማኑፋክቸሪንግ፣ምውፃእ መዓድን፣ቱሪዝምን ኣይሲቲን ንሰብ ሃፍቲ መተባብዕታት ኢንቨስትመንት እናተውሃቡ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ከም ፀገም ንዝተፈለዩ ጉዳያት መፍትሒ ብምሃብን እቲ ኮሚሽን ንዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ህንፀት ብምጥቃም እናሰርሐ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Dec 4, 2025 57
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ህንፀት ብምጥቃም እናሰርሐ ከምዝርከብ ከንቲባ እቲ ምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ በቲ ምምሕዳር ከተማን ብሌጋሲ ሆም ምሕዝነት መንግስትን ውልቀን ኣብ ላፍቶ ሳይት ዝህነፅ ፈላማይ ምዕራፍ ህንፀት 26 ሽሕ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣጀሚረን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ተረባሕነት ነበርቲ እታ ከተማ ንምርግጋፅ ተጊሁ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ቁልፊ ጉዳይ ነበርቲ ዝኾነ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ልምዓት ኣባይቲ ሓንፂፁ ተግባራዊ እናገበረ እዩ እውን ኢለን። ሎሚ ብዕሊ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ህንፀት ኣባይቲ ብብርኪ ሃገር ይኹን ከተማ ብዓይነቱ ሓዱሽን ፈላማይን ዝኾነ ቴክኖሎጂ ከምዝጥቀም ተዛሪበን። እቲ ህንፀት ጋልቫናይዝድ ውፅኢት ሓፂን ብምጥቃም ክሳብ 12 ደብርታት ዝበፅሑ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምግጥጣም ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ሓቢረን። እዚ ፋብሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንትኣቱ 26 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ብዓመት ምስራሕ ከምዝኽእል ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ስታትስቲክስ ኣብ ከይዲ ትልምን ትግበራን ልምዓት ስትራቴጂክ እጃም ንክህልዎ ገይራ እያ
Dec 3, 2025 79
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሔራዊ ልምዓት ስታትስቲክስ ኣብ ከይዲ ትልምን ትግበራን ልምዓት ስትራቴጂክ እጃም ንክህልዎ ከምዝገበረት ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ በከር ሻሌ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ትካላት ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ በከር ሻሌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ስታትስቲክስ ልዑል ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ ትርከብ። ኣብ ምትግባር ዘሎ ፕሮግራም ብሄራዊ ልምዓት ስታትስቲክስ 3 ዓመት እውን ከም ኣብነት ፀሪሖም። ዓቕሚ ስታትስቲክስ ኣብ ምጥንኻር፣ኣብ እዋናዊነትን ምምሕያሽ ፅሬት ዳታን ከምኡ እውን ኣብ ቆፀራ ግብርናን ቆፀራ ትካላት ኢኮኖምን ስትራቴጂክ መፅናዕትታት እናተሳለጡ እዮም ኢሎም። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ስታትስቲክስ ንምጥንኻር ዘለዋ ዘይናወፅ ቆራፅነት ከምኡ እውን ስታትስቲክስ ኣብ ከይዲ ትልምን ትግበራን ልምዓት ብሄራዊ እጃም ንክህልዎ ምግባራ ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ትካላት ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ንያካሲ ሳንያንግ ብግደኦም፤ ድሌት ዳታ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ብምምፅኡ እጃም ሰብ ሞያ ስታትስቲክስ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ኣብታ ኣህጉር ስምምዓትን ዝተጣየሹ ጉጅለታት ቴክኒክን ብዝተማልአ ኩነታት ናብ ተግባር ምእታው ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ግብርና ብዘላቕነት ንምቕያርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዲጂታል ግብርና ትራንስፎርሜሽን ክስራሕ እዩ
Dec 3, 2025 62
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ግብርና ብዘላቕነት ንምቕያርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዲጂታል ግብርና ትራንስፎርሜሽን ከምዝስራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ጉባኤ ዲጂታል ግብርና ተዛዚሙ። እቲ ጉባኤ፤ “ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ንዓውዲ ግብርና ብምጥቃም መፃኢ ግዜ ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልትታት ክካየድ ፀኒሑ። ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ኣብዚ እዋን፤ ዓውዲ ግብርና ኣፍሪካ ናብቲ ዝድለ ዕቤት፣ውሕስና ምግብን ዓቕሚ ምፅዋርን ንምዕባይ ዲጂታል ግብርና ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ዓውዲ ግብርና ብዘላቕነት ንምልዋጥን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዲጂታል ግብርና ትራንስፎርሜሽን ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ንዕዉትነት ዲጂታል ግብርና ዲጂታል ልኣላዊነት ምጥንኻር ግቡእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሓበሬታ ግብርና ከም ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ ምሕላው፣ኣብ መንጎ ስርዓታት ኣፍሪካ ዓቕሚ ምርድዳእ ወይ ድማ ኮሙኒኬሽን ምርግጋፅን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብምብቃዕ ግብርና ኣፍሪካ ምዕባይን ከምዝከኣል እውን ኣረዲኦም። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ዝተባባዕ ስራሕ እናሳለጠት እያ ኢሎም።
ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ንቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና
Dec 3, 2025 74
ኣዳማ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ንቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ንምዕባይ ስትራቴጂ ተሓንፂፆም ናብ ስራሕ ኣትዮም እዮም። እቲ ስትራቴጂ ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ኢትዮጵያ ብምርግጋፅ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪነት ንምዕባይ ዝጠመተ እዩ ኢሎም። እቲ ፅሬት ፍርያት ንምርግጋፅ ኩነታት ኣመጋግባን ምርባሕን እንሰሳት ከምኡ እውን ኣብ ጥዕንኦም ክትትል ብምግባር ካብ ዝተወለድሉ ክሳብ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ዘሎ ሓበሬታ ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን ንመፍረያይነትን ጥዕናን እንሰሳት ዝጎድኡ ዶብ ተሳገርቲ ሕማማት ንምክልኻል ሕግታትን መምርሕታትን ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን መድሓኒት ክትባት እንሰሳት ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም። ክትትል ጥዕና እንሰሳት፣ኤክስቴንሽን ጥዕናን ኣገልግሎት ሕክምናን እንሰሳት ዝህቡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ በቢ ወረድኡ ተመዲቦም ብትኹረት እናሰርሑ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም። ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ላብራቶሪ ጥዕና እንሰሳት ተሃኒፁ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ክልላት ላብራቶሪታት ጥዕና፣ናውቲ ሕክምና፣መድሓኒታትን ኬሚካላት ምርመራ ላብራቶሪን እንሰሳት ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ንምዕዋት ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Dec 3, 2025 53
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018 (ኢዜኣ) ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ንምዕዋት ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘጀመሩ ሓቢሮም። ሓበሬታ ስታትስቲክስ እቲ እንምነዮ ዕቤት ኣህጉርና ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር እንምረሐሉ ካርታ ልምዓትና እዩ ክብሉ እውን ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ስታትስቲክስ ከም ወሳኒ ዓቕሚ ብምፍላይ ፍሉይ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም። መንግስቲ ፖለሲታት፣ትግበራታት ልምዓትን ውሳነታትን ኣብ ፅሬት ዘለዎም ሓበሬታታት መሰረት ዝገበሩ ንክኾኑ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ኣብ ምዕዋት እውን ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ሽቶታት ልምዓት ኣፍሪካ ንምዕዋት ነዚ ዘበን ዝምጥን ስርዓት ስታትስቲክስ ምህናፅ ወሳኒ እዩ
Dec 3, 2025 28
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ሽቶታት ልምዓት ኣፍሪካ ንምዕዋት ነዚ ዘበን ዝምጥንን ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተደገፈን ስርዓት ስታትስቲክስ ምህናፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ገሊፀን። መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ኣብዚ እዋን፤ ዓውዲ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዘርኣዮ ዕቤት ንኢደን። እቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ንምምዕባል ዕድላት ዲጂታል ለውጥን ሰብ ስራሕ ብልሕን ብኣግባቡ ምጥቃም ወሳኒ እዩ ኢለን። ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ስትራቴጂ ምጥዕዓም ካልኣይ ኣህጉራዊ ስታትስቲክስ ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ምውዳድ ስታትስቲክስ፣ህንፀት ዓቕምን ዘተኣማምን ሓበሬታ ኣብ ምፍልፋልን ርኡይ ምምሕያሽ ከምዘርኣየት እውን ሓቢረን። እቲ ስትራቴጂ ቁልፊ ጉዳይ እታ ኣህጉር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ምስ ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ፣ሽቶታት ዘላቒ ልምዓትን ካልኦት ኣህጉራዊ ማዕቐፋትን ዝተጠዓዓመ፣ክልካዕ ዝኽእልን ልዑል ፅሬት ዘለዎን ስታትስቲክስ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ እናጠናኸረ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ስታትስቲክስ ቻርተር ኣፍሪካ ኣብ ስርዓት ስታትስቲክስ ኣፍሪካ መሰረት ሕጊ ኮይኑ እናገልገለ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ እዚ ድማ መትከላት ሞያዊ ነፃነት፣ምውዳድን ምርግጋፅ ፅሬትን ከምዘተባብዕ ፀሪሐን። እቲ ቻርተር ከም ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ፈጠራ፣ቅልጡፍ ስታትስቲክስ ከምኡ እውን እናዓበየ ምስ ዝመፀ ድሌትን ሓደሽቲ ጭቡጣት ኩነታትን ተዛማዲ ኮይኑ ንክቕፅል ዝተጀመረ ከይዲ መመሓየሺ ዝተባባዕ እዩ ኢለን። ክሳብ ሕዚ እቲ ቻርተር ዘይፈረማን ዘየፅደቓን ኣባል ሃገራት ንክፍርማን ኣፅዲቐን ተግባራዊ ንክገብራን እውን ፃውዒት ኣቕሪብን። ብምትሕብባር፣ብፈጠራን ሓባራዊ ሓላፍነትን ንለውጢ ኣፍሪካ ዝድግፍ ህንፀት ጠንካራ ስርዓት ስታትስቲክስ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፀን።
ኢትዮጵያ መበል 2ይ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ተግባራዊ እንትትገብር ንስታትስቲክስ ወሳኒ ዓምዲ ብምግባር እዩ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ
Dec 3, 2025 30
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን መበል 2ይ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ተግባራዊ እንትትገብር ንስታትስቲክስ ወሳኒ ዓምዲ ብምግባር እዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምምዕባል እንሰርሐት እያ ትርከብ። ስታትስቲክስ ንዓወት ሃገራውን ኣህጉራውን ኣጀንዳታት ልምዓት ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅን ንሕቶታት ምላሽ ንምሃብን ቀንዲ ዓቕሚ እዩ ኢሎም። ትኽክለኛን እዋናውን ሓበሬታ እንተዘይሃልዩ ሓንቲ ሃገር ውፅኢታዊ ስትራቴጂታት ልምዓት ምሕንፃፅ ይኹን ተሓታትነት ምርግጋፅ ከምዘይትኽእል እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ዋና ኣጀንዳ ሃገራዊ ሪፎርም ዝኾነ መበል 2ይ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ተግባራዊ ምግባር እንትትጅምር ንስታትስቲክስ ወሳኒ ዓምዲ ብምግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም። ዓቕሚ ብሔራዊ ስታትስቲክስ ምጥንኻር፣ፅሬት ሓበሬታ ምምሕያሽን ስታትስቲክስ ትኹረታት ልምዓት እታ ሃገር ብቀጥታ ንክመርሕን ናይ ምግባር ዕላማ ዘለዎ ፕሮግራም ስታትስቲክስ ከምዝተዳለወ እውን ተዛሪቦም። ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተሰማዕነትን ተደማፅነት ኣጀንዳታታን ዝውሰን ብፅሬት ሓበሬታታት ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ እውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ፣ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓት ብምትሕብባር ንምህናፅ ቆራፅ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Dec 3, 2025 24
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ልምዓት ኣፍሪካ ዝድግፍ ጠንካራ፣ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓት ብምትሕብባር ንምህናፅ ቆራፅ ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ንዘሎ ዝተሓላለኸ ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራዊ፣ስነ ህዝብን ከባብያውን ፀገም ውፅኢታዊ ምላሽ ንምሃብ እዋናዊ፣እምነት ዝግበረሉን ዝተጠዓዓመን ሓበሬታ ስታትስቲክስ ወሳኒ እዩ። ስታትስቲክስ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ትልምን ብሓበሬታ ዝምራሕ ልምዓትን ንምስላጥ ቀንዲ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ዘበናዊ ስታትስቲካዊ ስርዓት ኣፍሪካ ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅኡ ፖሊሲታት ንምሕንፃፅ ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ብሔራዊ ትልምታት ልምዓት ንምሕንፃፅ፣በጀት መንግሥቲ ብኣግባቡ ንምምራሕ፣ ስእነት ስራሕ ንምቕናስን ካብ ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ክሳብ ምዝባዕ ዕዳጋን ዘለዉ ቅልውላዋት ንምፅዋር ኣብ ዘተኣማምን ሓበሬታ ዝተመስረተ ኣሰራርሓ ምኽታል ግድን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ጠንካራ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምህናፅ እናሰርሐት እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ኣብ ጠንካራ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም። መፍረያይነት ንምምሕያሽ፣ስርዓት ምግቢ ንምዕባይ፣ መሰረተ ልምዓት ንምስፍሕፋሕን ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ትኽክለኛ ስታትስቲክስ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ስራሕቱ እናማዕበለ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣተኣኻኽባ ዲጂታል ሓበሬታ ብምስፋሕ፣ ስርዓታት ሓበሬታ ምምሕዳር ብምምሕያሽን ወሰንቲ ዝኾኑ ስታትስቲክስ ቤተሰብ፣ኢኮኖምን ካልኦት ዘፈራትን እናፈልፈለ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምህናፅ ምምሕዳር ስታትስቲክስን ትካላዊ ነፃነትን ምጥንኻር፣ እኹልን ቀፃልነት ዘለዎን ፋይናንስ ስታትስቲክስ ምርግጋፅ ከምኡ እውን ኣብ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ውህደትን ምንባብን ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም። ልምዓት ብትምኒት ዘይኮነስ ብፍልጠት፣ትኽክለኛ ዓቕሚ ትንተና ስታትስቲክስን ኣብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ትግበራን ከምዝዕወት ኣፍሊጦም። ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ልምዓት ኣፍሪካ ዝድግፍ ጠንካራ፣ ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓትን ብምትሕብባር ንምህናፅ ምስ ኩለን ኣባል ሃገራትን መሓዙት ልምዓትን ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።