ቁጠባ
ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ንክህቡ ዝተፈቐደሎም ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዕላዊ ገይሩ
Nov 12, 2025 65
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ንክህቡ ዝተፈቐደሎም ስም ዝርዝር ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ እውን እቲ ባንኪ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፤ ቅድም ኢሉ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ከይህብ ተኣጊዱ ዝነበረን ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቪርጂኒያ ኣብ ፎልስ ቸርች ዝርከብን ራማዳ ፔይ (ካህ) ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ሓፈሻዊ ግምገማ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ውሽጢ ስም ዝርዝር ሕጋዊ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዳግማይ ንክምዝገብ ከምዝተገበረ ገሊፁ። ኣብዚ ውሳነ ክብፃሕ ዝተኽኣለ ብመሰረት ሕግን ደንብን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ኣድላይ ከይዲ ቁፅፅርን ክትትልን ድሕሪ ምዝዛሙ እዩ ይብል እቲ መግለፂ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ንከይህቡ ተኣጊዶም ዝርከቡ ኩሎም ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ሕግን ደንብን እታ ሃገር ዝሓቶ ረቛሒ ንምምላእ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስዱ ኣተሓሳሲቡ። ዕላማ ብሄራዊ ባንኪ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ብግልፅን እቲ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረትን ጥራሕ ንክሰርሑ ደገፍ ምግባር ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ። ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ገንዘብ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፍሉ እዋን ሕጋውን ግልፅን ዝኾነ ኣካይዳ ምኽታሎም ከረጋግፁ ከምዘለዎም ሓቢሩ። ገንዘብ ሕጋዊ ፍቓድ ብዝተውሃቦም ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ምልኣኽ እቲ ገንዘብ ድሕንነቱ ተሓልዩን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ኣሸባሪነትን ብገንዘብ ምድጋፍ ዝፃረር ኣሰራርሓ ተኸቲሉን ናብ ተቐባሊ ንክበፅሕ ከምዝገብር ኣብቲ መግለፂ ኣመላኺቱ። እቲ ህዝቢ እውን ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላተ መተሓላለፍቲ ገንዘብ ፈልዩ ንምፍላጥ ንክኽእል ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ስም ዝርዝር ሕጋዊ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ ብድሕረ ገፅ https://nbe.gov.et/mta/ ዕላዊ ምግባሩ ገሊፁ። ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣገልግሎት ሓዋላ ንምትብባዕን ጥዕና ዘለዎ ዕቤት ዓውዲ ፋይናንስ ንምድጋፍን ዝሕግዝ ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ግልፅን ቅልጡፍን ምህዳር ፋይናንስ ንክህሉ ብትግሃት ምስርሑ ከምዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ።
ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Nov 12, 2025 72
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ኣምሕራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፍረዪ ብቑሊን ኣልማዒ ምግብን ብራውን ፉድ መሪቖም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣብ ፈጠራ፣ ኢንተርፕራይዝን ልምዓት ኢንዱስትሪን ውፅኢት እናመዝገበት እያ ትርከብ። ቆራፅነት ህዝብን ጥንካረ ኢንዱስትርን ከተማ ደብረ ብርሃን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ መርኣያ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም። ብመሰረት ግልፂ ሽቶን ኣረኣእያን ናይ መደመር መንግሥቲ ስራሕ ብምፍጣርን ምስፋሕን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ኢኮኖሚ እናተሃነፀ እዩ ኢሎም። ማእኸልነት ኢንዱስትሪ ደብረ ብርሃን ክልል ኣምሓራ ዓቕሚ ዓርሰ ምትእምማን መፍረያይነት ብምህናፅ ፋብሪካ ካብ ምህናፅ ዝተሳገረ ህያው መሰረት ሓዱሽ ዘበን ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ክልል ኣምሓራ ብልሙዕ ሓመድ፣ህርኩትን ፈታዊ ስራሕን ህዝቢ ከምኡ እውን ጥበበኛታት ኣእዳው ዝተሓገዘ ልዑል ዓቕሚ ክለምዕ ከምዘለዎ ኣብራህሪሆም። ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ክልል ዝተዓደሎ ዕቑር ፀጋ ልምዓት ብሓረስቶት፣ሰራሕተኛታት፣ፈጠርቲ ስራሕን ዝሓበረ ቅልፅም እቲ ኣመራርሓን ናብ ፀጋ ምቕያር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። መንግሥቲ እውን ዕቤት ኢኮኖሚ ዘሳልጡ ስጉምትታት ፖሊሲ መሰረተ ልምዓትታ መንገድን ቀረብ ሓይልን ብምውሳድ ተወዳዳሪነት ኢንቨስትመንት ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ዘዕቢ ምህዳር እናፈጠረ ከምዝርከብ ገሊፆም። ፀጋታት ከባቢ ደብረ ብርሃን ተረባሕነት ዕድል ስራሕ መናእሰይን ዋሕዚ ኢንቨስትመንትን ብምዕባይ ክብሪ መፍረያይነት ከምዘረጋግፁ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ኢንቨስትመንትን ዘላቒ ልምዓት ኢንዱስትሪን ዓወት ብምስፋሕን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብምሃብን ንደብረ ብርሃን ሞዴል ከተማ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ዝተመዝገቡ ዓወትታ ብምቕፃል ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፃ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምህናፅ፣ምስልጣን፣ ምፍጣርን ምምራቕን ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም። ከተማ ዕቤት መፍረያይነት ክልል ብምቅልጣፍ ዝተረጋግዐ ባህሊ ስራሕን ዘላቒ ስልጣነን ኣብ ምንባር ርኡይ እጃም ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን እኩይ ልኡኽቶ ባንዳን ፀላእን ብፅኑዕ ብምቅዋም ንዕቤትን ብልፅግናን ሃገር መሰረት ዘንብሩ ስራሕቲ ልምዓት ምስፋሕ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ዓሰብ ልኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለንኣምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ንድግፍ ኢና-አርዱፍ
Nov 11, 2025 140
ሰመራ/ሕዳር 2/2018 (ኢዜኣ) ዓሰብ ልኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለንኣምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ንድግፍ ኢና ክብሉ ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር ኣብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ዓፋር(አርዱፍ) መሐመድ ኣወል ወግሪስ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ኣብ ቀረባ እዋን እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ፃዕርታት እናተገበሩ ከምዝርከቡን ምላሽ ከምዝረክብን ምግላፆም ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር ኣብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ዓፋር(አርዱፍ) መሐመድ ኣወል ወግሪስ፤ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዝነበራን ወናኒት ወደብ ዓሰብ ምንባራን ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን መንግሥቲ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ሃገራዊ ኣጀንዳ ምግባሩ ትኽክለኛ ውሳነ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናይ ግድን ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘድልያ ኣረዲኦም። ጉዳይ ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕርን ምምላስ ዓሰብን ሓባራዊ ቅዋም ህዝቢ ዓፋርን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፖለቲካን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝርከቡ ዓፋረቶት ኣብ ልዑል ፅዕንቶን ምንግልታዕን ስለዝርከቡ ጉዳይ ምምላስ ዓሰብ ንህዝቢ ዓፋር ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ልምዓት ኢንዱስትሪ ምዕምባቡ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተደማሪ ዓቕሚ እዩ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Nov 11, 2025 69
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ልምዓት ኢንዱስትሪ ምዕምባቡ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተደማሪ ዓቐሚ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሎሚ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ንዝርከቡ ፓርክ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ፋብሪካ ሴራሚክስን ፋብርካ ፐልፕ ወረቐትን ተመልኪቶም።   እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እዞም ዓበይቲ ፋብሪካታት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝጀመርናዮ ሃገራዊ ሪፎርምን ትግበራን ውፅኢት እናተርኣየሉ ከምዝኾነ ህያው ምስክራት እዮም። ኢትዮጵያ ብፍሉይ ትኹረት ዝሓዘቶ ዓውዲ ምፍራይ ብባህሪኡ ኣብ ምብዛሕ ሃፍትን ምትእስሳር ዘፈራትን ዝፈጥር እዩ ኢሎም። ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝተመልከትናዮም ፋብሪካታት ኣፍረይቲ ብምዃኖም ሓዱሽ ሃፍቲ ናብቲ ኢኮኖሚ ከምዝድምሩ እውን ፀሪሖም። ኣብ ምትእስሳር ዓውድታት እውን ፍርያት እቲ ሓደ ንካሊእ እታወት ዝኸውንን ብፍላይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምድሓንን ልዑል እጃም ዘወፍዩ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ሰላምን ትግሃትን እንተሃልዩ ፋብሪካታት ንልምዓት፣ዜጋታት ንለውጢ፣ሃገር እውን ናብ ዘላቒ ምዕባለ ከምዝስጉሙ ዞባ ሰሜን ሸዋ መርአያ እዩ፡፡ ኣብቲ ዑደት፤ ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኣኩ ኣለበል፣ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ክልልን ፌዴራልን ተሳቲፎም።
ከተማታት ንነበርቲ ምችዋት ንክኾናን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ንከኽእላን ትኹረት ተገይሩ እዩ-ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ
Nov 11, 2025 24
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2018(ኢዜኣ) መንግስቲ ከተማታት ንነበርቲ ምችዋት ንክኾናን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ንከኽእላን ትኹረት ከምዝገበረ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን። መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ካብ 6 ክሳብ 10 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሎጊያ ክካየድ እዩ። ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪተን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን። ኣብ መግለፂአን እውን፤ ኣብቲ መበል 10 ፎረም ከተማታት ልዕሊ 150 ከተማታት ዝሳተፋ እንትኸውን ካብ ጎረቤት ሃገራት ዝመፁ ሓለፍቲ ኣሓት ከተማታት እውን ከምዝሳተፉ ተዛሪበን። "ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዚ ፎረም፤ መንግስቲ ከተማታት ንምምዕባል ዘሳልጦም ዘለዉ ጉዳያት ተላዒሎም ከምዝዝተየሎምን ልምዲ ልውውጥ ከምዝግበረሎምን ኣረዲአን። ምልዋጥ ከተማታት መርኣያ ዕቤት ሃገር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣብ ምንቕቃሕ ከምዝኾና ሓቢረን። መሰረተ ልምዓት ከተማታት ንምምላእ ዝተፈላለዩ ስራሕ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ልምዓት ኮሪደር ከም ኣብነት ፀሪሐን። ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ልዕሊ 73 ኣብ ዝኾና ከተማታት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ መንግሥቲ ከተማታት ንነበርቲ ምችዋትን ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ዘኽእላን ንክኾና እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢለን።
መንገድታት እታ ከተማ ምችውን ዝተሳለጡን ንምግባር ዘኽእሉ ልዕሊ 110 ፕሮጀክትታት ብፍሉይ ትኹረት እናተሳለጡ እዮም
Nov 11, 2025 35
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2018 (ኢዜኣ) ድሕንነት መንገዲ እታ ከተማ ንምሕላው ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ምችውን ዝተሳለጠን ንምግባር ዘኽእሉ 111 ዝተፈለላዩ ስራሕቲ ህንፀት ሓደሽትን ፅገናን መንገድታት ኣብዚ በጀት ዓመት ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሳለጡ ከምዝኾኑ በዓል መዚ መንገድታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል መዚ መሰረተ ልምዓት መንገዲ እታ ከተማ ናይ ምህናፅ፣ምፅጋንን ምምሕዳርን ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ኢያሱ ሰሎሞን ንኢዜኣ ገሊፆም። ብመሰረት እዚ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 111 ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ህንፀት ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም እቶም 31 ሓደሽቲ ምዃኖም ተዛሪቦም። ኩሎም ፕሮጀክትታት ብሓፈሻ 291 ንጥቢ 8 ኪሎ ምትር ከምዝሽፍኑ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 30 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝግበረሎም ኣረዲኦም። ድሕንነት መንገዲ እታ ከተማ ንምሕላው ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ምችውን ዝተሳለጠን ንምግባር ስራሕቲ ፅገና መንገዲ ኣብዚ በጀት ዓመት ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም። ብሓፈሻ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ፅገናን ህንፀትን መንገዲ ምንቅስቓስ ትራፊክ ካብ ምስላጥ ብተወሳኺ እዋን ጉዕዞ ኣብ ምቕናስ ኢሉ እውን ነዳዲ ኣብ ምቑጣብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንምቕፃል ልዑል እጃም ኣለዎ
Nov 10, 2025 122
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ልምዓትን ንምቕፃል ኢሉ እውን ዞባዊ እጃም ንምጉላህ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዙኣየሁ ደገፋ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረብሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ጉዳይ ቀይሕ ባህሪ ሕጋዊ፣ታሪኻዊ፣መልክኣ ምድራዊ(ጂኦግራፊያዊ)ን ኢኮኖሚያውን ሕቶ ከምዝኾነ ምግላፆም ዝዝከር እዩ። ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዙኣየሁ ደገፋ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መንገዲ ሕጋውን ታሪኻውን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ። ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ልምዓትን ንምቕፃል ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዞባዊ ሓባራዊ ተረባሕነት እውን ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም። ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተቐባልነት እናረኸበ ምምፅኡ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ለውጢ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ኢሉ እውን ንልምዓትን ዕቤትን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንጎረቤት ሃገራትን እቲ ዞባን ንክትሕግዝ ከምዘኽእላ ዝገለፁ ብዙኣየሁ ደገፋ(ዶ/ር)፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓት ሓይልን ዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ንስርናይ መስኖ ሓጋይ ቀረብ ሙሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን ብሰፊሑ እናተሳለጠ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና
Nov 10, 2025 82
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2018(ኢዜኣ) ንስርናይ መስኖ ሓጋይ በጀት ዓመት 2018 ፍርያትን መፍረያነትን ዘዕብዩ ቀረብ ሙሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን ብሰፊሑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ስርናይ መስኖ ሓጋይ እዚ በጀት ዓመት 4 ነጥቢ 29 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ 175 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምፍራይ ብምትላም እናተሰርሐ እዩ። ኣብዚ ዓመት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ወሰኽ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ኣብ ስርናይ መስኖ ሓጋይ እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 767 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምሕራስ ልዕሊ 359 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ብብርኪ ሃገር ኣብ ስርናይ መስኖ ሓጋይ ዝተረኸበ ልምዲ ብዝበለፀ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብዘኽእል መልክዑ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። ነዚ ድማ ቀረብ ማዳበሪያ፣ሙሩፅ ዘርእን ፓምፕታት ማይን ተበፃሒ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።  
ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ዘረጋግፅ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ እዩ-ሚኒስትር ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር)
Nov 8, 2025 147
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ዘረጋግፅ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም። ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና 2018 ዓ/ም እናተውሃበ እዩ ዝርከብ። እቶም ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ጎና ጎኒ እቲ ስልጠና እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ስራሕቲ ግብርና ተዓዚቦም። ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ዘረጋግፅ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ወሰንቲ ዓውድታት ልምዓት ኢኮኖሚ ብልዑል ምህዋር ለውጢ እናተጉዓዘት እያ ትርከብ ኢሎም። እቲ ስልጠና እውን ኣንፈት ዓወት ኢትዮጵያ ብፍልጠትን ክእለትን ምምራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ኣመራርሓ እውን ኢትዮጵያ ብዘለውዋ ፀጋታት ልክዕ ዕቤታን ብልፅግናኣን ንምርግጋፅ ልዑል ወነን ልውውጥ ልምድን ዝተፈጠረሉ መድረኽ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።  
እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንጎንደር ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት እታ ከተማ ናብ ልዕልናኣ እናተመለሰት እዩ-ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር
Nov 8, 2025 109
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንጎንደር ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ዘሳልጦም ዘለዉ ስራሕቲ እታ ከተማ ናብ ነባር ልዕልናኣ እናመለሳ ከምዝርከብ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምግምጋሞምን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል ምምራቖምን ዝፍለጥ እዩ። እቶም ኣፈ ጉባኤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ መብርህርሂ፤ ከተማ ጎንደር ብዙሕ ነገር እናሃለዋ ኩሉ ነገር ዝሰኣነት እያ ኔራ ኢሎም። ዝሓለፉ መንግስትታትን መራሕትን እውን ነታ ከተማ ክገብርዎ ዝግባእ ከይገበሩ ምፅንሖም ኣዘኻኺሮም። ጎንደር ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ጥንታውን ዓበይትን ከተማታት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ እውን ዓብይ ብፅሒት ከምዘለዋ ሓቢሮም። ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ፀጋታትን ሃፍትታትን ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ገሊፅካ ናይ ምርኣይ ሓሳብን ተግባርን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ውፅኢት ከምዝተረኸበሉ ተዛሪቦም። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝዘንገዐ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝሃብዎ ኣንፈት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። መገጭ መሰረታዊ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ጎንደር ከምዝፈትሕ ብምሕባር፤ እቲ ፕሮጀክት ነታ ከተማ ዓብይ ዓቕሚ ልምዓት ከምዝኾነ ፀሪሖም። ከተማ ጎንደር ጥንታዊነታ ብዝሓለወ መልክዑ ንምልማዕ ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ካብዚኣቶም ድማ ሕድሳት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል እቲ ሓደ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝሃብዎ ኣንፈት ልዑል በጀት ብምምዳብ ብዝተሰርሐ ስራሕ ፋሲል ዳግማይ ተወሊዱ ክብሉ እውን ገሊፆም። ፋሲል ድሕሪ ዘበናት ትንሳኤ ጎንደር ዘርኢ ኮይኑ እዩ ኢሎም። ኣብ ከተማ ጎንደር ዝሳለጡ ዘለዉ ሰራሕቲ እታ ከተማ ናብ ነባር ልዕልናኣ ዝምልስዋ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም።  
መርኣያ ትግሃት ምቕፃል ታሪኽ ዝኾነ ሕድሳት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል 
Nov 8, 2025 75
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ሕድሳት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ታሪኽ ብምሕላው ንደቅና ናይ ምውራስ ትግሃት መርኣያ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምግምጋሞምን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል ምምራቖምን ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ስዒቡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ምስረኣዩ ክሕደስ ከምዘለዎ ምውሳኖም ኣዘኻኺሮም። እዚ ቆራፅነት እውን ሃፍቲ እቲ ከባብን ዓለምን ዝኾነ ሓድጊ ምድሓን ከምዘኽኣለ ፀሪሖም። ንምሕዳስ ኣብ ዝነበረ ከይዲ እውን ውሽጣውን ደጋውን ፈተናታት ኣጋጢሞም ከምዝነበሩ ሓቢሮም። ካብ ደገ ዘጋጠመ ፈተና ‘እዚ ሓድጊ ኣይትንክእዎ፤ እንተነኺእኹሞ እውን ክፈርስ እዩ፤ ከምዘለዎ ይቀመጥ’ዝብል ዓብይ ፅልዋ ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ እቲ ደጋዊ ፅልዋ ብምርኣይን ‘እቲ ምሕዳስ ብውሽጢ ሃገር ኣይከኣልን’ ዝብሉን ኣተሓሳስባታትን አመለኻኽታታትን ድማ ካብ ውሽጢ ምልዓሎም ተዛሪቦም። እዞም ኩሎም ፅልዋታት ብምስባር እቲ ሓድጊ ዳግማይ ተወሊዱ ንኣገልግሎት ከምዝበቕዐ ብምሕባር፤ ብኣንፃር እዚ ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ተሓዲሱ ካብ ምባል ተወሊዱ እንተዝበሃል ብዝበለፀ ይገልፆ ክብሉ እውን ገሊፆም። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ከምትኽእል የርኢ፤ ካልኦት ሓድግታት ንምሕዳስ ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዘሎ እውን ዝምስክር እዩ ኢሎም። እቲ ሕድሳት ብኮንትራክተራት ውሽጢ ሃገር ብዓወት ምዝዛሙ ብምግላፅ፤ በቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዓቕሚ ዓበይቲ ኮንትራክተራት ውሽጢ ሃገር እናዓበየ ምምፅኡ ሓቢሮም። ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ኢትዮጵያ ዓባይ ከምዝነበረት፣ሕዚ እውን ከምዝኾነትን ቀፃሊ እውን ከምትኸውንን ምልክትና እዩ ኢሎም። ብካሊእ መዳይ ምስ ግድብ መገጭ ብዝተኣሳሰረ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ዓመታት ከምዝወሰደ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መሬት እቲ ካበቢ ካብ ምልማዕ ብተወሳኺ ንፀገም ቀረብ ዝስተ ማይ ከተማ ጎንደር መፍትሒ ከምዝኸውን ትፅቢት ከምዝግበር ኣረዲኦም። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምዝንግዑ ሓደጋ ምፍራስ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ከም ብሓዱሽ ዝስራሕ ዘሎ ዓብይ ግድብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እዚ ድማ ብኮንትራክተር ውሽጢ ሃገር ብፅቡቕ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ዓመት ከምዝዛዘም ትፅቢት ይግበር ኢሎም።  
ህንፀት ግድብ መገጭ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ክህብ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ
Nov 8, 2025 69
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብቆራፅነት መንግስቲ ህንፀቱ ዳግማይ ዝቐፀለ ህንፀት ግድብ መገጭ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምግምጋሞምን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል ምምራቖምን ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ስዒቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ግድብ መስኖ መገጭ ተጓቲቱ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብቆራፅ ውሳነ መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝቐፀለን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምዝዛም ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት ከምዝርከብን ኣረዲኦም። ህንፀቱ እንትዛዘም እውን ንሓረስቶት እቲ ከባቢ ብልምዓት ዓውዲ መስኖ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ከምኡ እውን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣረጋጊፆም። እቲ ግድብ ዓብይ ስለዝኾነ መስሕብ ቱሪዝም ብምዃንን ኢኮ ሲስተም እቲ ከባቢ ኣብ ምስትኽኻልን እውን ክጠቅም እዩ፤ ሰሓቢ ከባቢ ንምፍጣር እውን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ኢሎም። ብሓፈሻ ህንፀት እቲ ግድብ እንትዛዘም ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዝህብ ተዛሪቦም። ኣብያተ መንግስትታት ፋሲል መግለፂ ታሪኽና፣መንነትናን ስልጣነናን እዮም ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ምሕዳስ እቶም ኣብያተ መንግስትታት ንህዝቢ እቲ ክልል ኢሉ እውን ንሃገርና ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም። ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ብምውዳድ መንግስትን ዓውዲ ውልቀን ዝሳለጡ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እዞም ስራሕቲ እንትዛዘሙ ልምዓትን ሃፍትን እቲ ክልል ከምዘዕብዩ ገሊጾም።  
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳርን ዘላቒ ዕቤትን ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ
Nov 8, 2025 32
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዞባዊ ምትእስሳርን ዘላቒ ዕቤትን ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብ ባንኪ ኢምፖርት-ኤክስፖርት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኦፕሬሽናት ባንኪ ክዋቤና አዪሬቢ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብ ባንኪ ኢምፖርት-ኤክስፖርት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኦፕሬሽናት ባንኪ ክዋቤና አዪሬቢ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር ልዑል ሃፍቲ ካብ ዘለወን ዓበይቲ ሃገራት እታ ሓንቲ እያ ኢሎም። ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ኣብታ ኣህጉር ብዝበለፀ ለውጢ ንከምፅኣ ምሕጋዝ ኣድላይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብምፍጣር ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዝፈጥሩ ሓቢሮም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እውን ምትሕብባርን ሓባራዊ ብልፅግናን ንምስፍሕፋሕ ዓብይ መሳርሒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ግድብ ነፃነት ሓይሊ ብምርግጋፅ እታ ኣህጉር ትገብሮም መመሓየሽታት ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ሃፍትታት ሓይሊ ብሓባር ብምትእኽኻብ ዞባዊ ውህደት ጋህዲ ንምግባር ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ኣረዲኦም። እኹል ቀረብ ሓይሊ ከየማላእኻ ኣፍሪካ ምልዋጥ ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ፕሮጀክትታት ኣድላይ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንፁህን ተሓዳስን ሓይሊ ብምቕራብ ንዞባዊ ውህደት ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም። እቲ ባንኪ ጠንካራ መሓዛ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምቕፃልን ኣብ ውሽጢ ለውጢ ኢንዱስትሪ እታ ሃገር ንምስታፍን ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።
ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብኦንላይን ተሳሊጡ
Nov 8, 2025 34
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምዝተሳለጠ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ንግዲ ውሽጢ ሃገር ሊቁ በነበሩ ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ኦንላይን (E-Trade) ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ። በዚ አገልግሎት ድማ ኣገልግሎታት ምዝገባ ፍቓድ ንግዲ፣ምቅልጣፍን ምትእስሳርን ንግዲ ወፃኢ ከምዝወሃቡ ገሊፆም። እዚ ድማ ቅልጣፈ ብምውሳኽ፣ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምርግጋፅ ኢሉ እውን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ብምዕባይ ንኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 956 ሽሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም። ብመዳይ ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት እውን ኣብቲ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 934 ሚሊዮን ኩንታል ሽኮርን ልዕሊ 211 ነጥቢ 348 ሚሊዮን ሊትር ዘይቲ ብልዒ ንዕዳጋ ከምዝቐረበ ኣረዲኦም። ብመዳይ ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽ ደረጃን ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን እውን ዝነኣዱ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1 ሽሕን 700 ዕዳጋታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣገልግሎት እናሃቡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም። ኣብቲ ርብዒ ዓመት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምትራፍ ብዝተገበረ ቁፅፅር እውን ኣብ ልዕሊ 57 ሽሕን 212 ዘይሕጋዊ ነጋዶ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ኮይኖም እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Nov 8, 2025 29
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና 2018 ዓ/ም እናተውሃበ እዩ ዝርከብ። ጎና ጎኒ እቲ ስልጠና እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን፣ ልምዓትን ቀረብን ኣባይቲ እናጎብነዩ እዮም ዝርከቡ። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እወዋን ከምዝበልኦ፤ ህዝቢ እታ ከተማ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ኮይኖም እዮም። በዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ መርኣያ ዝገበሩ ውፅኢታት ዝተረኸብሉ እዩ ኢለን። ኣብ ልምዓትን ቀረብን ኣባይቲ ዓውዲ ውልቀ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ስራሕቲ እቲ ቀረብ ንምዕባይ ከምዘኽኣሉ እውን ገሊፀን። በቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት መንበሪ ምርካቦም ብምግላፅ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ውፅኢት ከምዝተረኸበ ሓቢረን። ኣብታ ከተማ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ግምት ዘእተዉ ስፍራታት ስፖርት ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝተገበሩ ብምሕባር፤ ቅዋም ምፍጣርን ምቕልጣፍን ብምኽታል ርብርብ እናተገበረ እዩ ኢለን።  
ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ እዮም-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና
Nov 8, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ ከምዝኾኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም። ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት እናጎብነዩ እዮም ዝርከቡ። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ዝግበር ዘሎ ኡደት ኣብታ ከተማ ተግባራዊ ዝግበሩ ዘለዉ ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓታት ይጉብነዩ ኣለዉ። ሕቶ መንበሪ ዜጋታት ንምምላስ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቃም ማለት እውን ብልቓሕ መንግሥቲ፣ሰናይ ተግባር፣በጀት ምምሕዳር እቲ ከተማ፣ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ከምኡ እውን ብውልቀን ብማሕበርን ተወዲቦም ኣባይቲ ንክለምዑ ብምግባር ሕቶ መንበሪ ዜጋታት ንምምላስ እናተሰርሐ እዩ ተባሂሉ። እዞም ስራሕቲ ልምዓት ኣባይቲ ሕቶታት ካብ ምምላስ ብተወሳኺ ንዜጋታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ። ብኣተሓሳስባ ብልፅግና ዝተቐረፀ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ማእኸላት ፍርያትን ቀረብን እናለምዑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ሰንሰለት ደላሎ ብምብጣስ ዜጋታት ብቀጥታ ካብ ሓረስቶት ፍርያት ንክረኽቡ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ምኽባር ናብራ ኣብ ምቕናስ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ተባሂሉ።  
ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Nov 8, 2025 28
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝነበረና ዑደት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ከምኡ እውን ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምችው ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተዓዚብና ኢሎም። ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ብመሰረት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ዘቐመጦ ስታንዳርድ ደረጅኡ ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ብትኹረት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም። እቲ ስታዴም 52 ሽሕ ተመልከትቲ ምሓዝ ከምዝኽእል ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ምግጥጣም ወናብርን ምንፃፍ ሳዕርን ከምዝተዛዘመ እውን ፀሪሖም። ዝርገሐ መብራህቲ ሓዊሱ ካልኦት መሰረተ ልምዓታት ውሽጢ እቲ ስታዴም እውን ብቕልጡፍ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ እውን ኢኮ ሪዞርት ጎርጎራ መሰረት ብምግባር ኣብ ባህር ዳር ወሰን ቃላይ ጣና ዝህነፅ ዘሎ ሪዞርት ፈለገ ግዮን ከምዝተዓዘቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሪዞርት ናብ ስራሕ እንትኣቱ ቱሪዝም እታ ከተማ ካብ ምንቕቓሕ ብተወሳኺ ንብርክት ዝበሉ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣረዲኦም። ብካሊእ መዳይ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባህር ዳር ዘህንፆ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኢትዮ-ፌሪስ ኣብ ወሰና ወሰን ቃላይ ጣና ምስ ዝሳለጡ ዘለዉ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ተደሚሩ ንባህር ዳር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከተማነት ንምስግጋር ዓብይ እጃም የበርክት ክብሉ ገሊፆም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።  
ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ብልፅግና ጋህዲ ንምግባርን እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና
Nov 8, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018(ኢዜኣ) ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ብልፅግና ጋህዲ ንምግባርን እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም። ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ዓቕሚ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሃንፁ ርእሰ ጉዳያት እናተውሃበ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ “ብኣመለኻኽታ ናይ መደመር መንግሥቲ፣ዕቤት ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ልዕሊ 2 ሽሕ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልላትን እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ። ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ስልጠና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ስራሕቲ ልምዓት ክላስተር ግብርና ጎብንዮም። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብቲ ዑደት ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘዐውቱ ውፅኢታት ርኢና ኢና ኢለን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ገጠርን ከተማን ለውጢ ዘምፅኡ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ስልጠና እዞም ውፅኢታት ብዝለዓለ ብርኪ ምቕፃል ኣብ ዝከኣለሉ ኣንፈት ተረዳዲእና ኢና ክብላ እውን ፀሪሐን። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ህዝቢ ብልምዓት ተረባሒ ብምግባር ኩነታት መነባብሮ ንክመሓየሽ ብቆራፅነት ከምዝስራሕ ገሊፆም። ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ 4 ፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር ከምዝተዛዘሙ ብምሕባር፤ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ካልኦት ከባብታት ንምጅማር ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም። ኣብ ኩሎም ከባብታት ዝምዝገብ ዘሎ ዕቤት ውፅኢት ፖሊሲታትን ኣንፈታትን ፓርቲ ብልፅግና እዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ብልፅግና ብዝለዓለ ብርኪ ንምርግጋፅ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ሓቢሮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፤ እቲ ዝገበርናዮ ዑደት ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ኢሎም። እቲ ስልጠና እውን ተሞኩሮ ልውውጥ ብምግባር ሓባራዊ ኣንፈታት ንምቕማጥ ዕድል ዝሃበ ከምዝኾነ ፀሪሖም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሀሰን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ፀጋታት ኣብ ረብሓ ብምውዓል እቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ዝግበር ርብርብ ክጠናኸር እዩ። እቲ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ብምግላፅ፤ እቲ ውፅኢት ብዝበለፀ ንምስፋሕ ከምዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ብግደኦም፤ ፀገም ቀረብ ሓረስቶትን ኣርባሕትን ብምፍታሕ ፍርያትን መፍረያይነትን ንክውስኽ ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ዘጋጥሙ ፈተናታት ብሓባር ብምሕላፍ ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘዕብዩ ዕዉታት ስራሕቲ ንምስላጥ ብትግሃት ክንረባረብ ኢና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም