ቁጠባ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣቪዬሽን ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ኣብ ምትእስሳር ግንባር ቀደም ግደ እናፃወተ እዩ
May 7, 2026 122
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 29/2018 (ኢዜኣ)፦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣቪዬሽን ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ኣብ ምትእስሳር ግንባር ቀደም ግደ እናፃወተ ከም ዝኾነ ሓላፊ መገዲ ኣየር ኤርባስ ኣፍሪካ ገሊጾም፡፡ መገዲ ኣየር ኢትየጵያ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንዕዳጋ ዓለም ብምብፃሕ ንግድን ኢንቨስትመንትን እናቃላጠፈ ከም ዝኾነ ድማ ፕሬዝዳንት ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ስጋ ኢትዮጵያ ከሊፋ ሁሴን ተዛሪቦም። ዳይሬክተር ማርኬቲንግ መገዲ ኣየር ኤርባስ ኣፍሪካ ዩፕ ኢለርስ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ዓውዲ ኣቪዬሽን ምትእስሳር ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምቅልጣፍ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ዓውዲ እዩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣገልግሎት በረራኡ ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ኣብ ምትእስሳር ዝርከብ ነባር ኣህጉራዊ ትካል ምዃኑ ገሊፆም፡፡ ብፍላይ ፍርያትን ኣገልግሎትን ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብምልላይ ንግድን ኢንቨስትመንት እናበረታተዐ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦ መስተንግዶ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ዝንኣድ ከም ዝኾነ እውን ኣረጋጊጾም፡፡ ካብ ኣገልግሎት በረራ ብተወሳኺ ብፅገና ኣውሮፕላን፣ ትምህርትን ስልጠናን ዕብየት ዓውዲ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘሳልጥ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ቀፃሊ እውን ኤርባስ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ስልጠና ኣቪዬሽን ብሓባር ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጦም፡፡ ፕሬዝዳንት ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ስጋ ኢትዮጵያ ከሊፋ ሁሴን ብወገኖም፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ምልክት ኣፍሪካ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣድማስ በረራኡ እናስፈሐ ብምምጻእ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን እናጠናኸረ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡
ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሃገራዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ፍርያታት ማኑፋክቹሪንግ ብምርኣይና ኮሪዕና ኢና-ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ
May 6, 2026 234
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018 (ኢዜኣ) ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሃገራዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ፍርያታት ማኑፋክቹሪንግ ብምርኣይና ኮሪዕና ኢና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፆም። ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያ ተፍሪ ንኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተዓዚቦም። ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብዚ እዋን፤ ኣብቲ ኤክስፖ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ምዕዛቦም ገሊፆም። ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ስርዓት ትገብሮ ጉዕዞ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩ ቴክኖሎጂታት ተዓዚብና ኢና ኢሎም። ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ መፍረያይነት ዜጋታት ምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት እውን መፍረያይነት ብዘላቕነት ንክረጋገፅ ኣብ ሰላም ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም። ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ፤ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ፍርያታት ካብ ወፃኢ እተእቱ ሃገር ኮይና ከምዝፀንሐት ሓቢሮም። ይኹን እምበር ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብሃፍትን ሓይሊ ሰብን ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፤ ኣብ ዑደቶም ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ዕቤት ከምዘላ ከምዝተዓዘቡ ኣረዲኦም። ላዕለዋይ ፀሓፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣባ ኣብርሃም ገብረማርያም ብግደኦም፤ ኢትዮጵያውያን ፍርያት ውሽጢ ሃገር ናይ ምጥቃም ባህልና ክነዕቢ ይግባእ ኢሎም። እዚ ወለዶ ንመፍረያይነት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ናይ ምጥቃም ባህሉ ንከዕቢ ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ እውን ገሊፆም። ምክትል ፕሬዚዳንት ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ታሪኩ ብርሀኑ፤ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ እተእትዎ ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ተካእቲ ፍርያታት ብሰፊሑ ምፍራይ ንኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ከምዝሕግዝ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዕዳ እፎይታ ጭቡጥ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ
May 6, 2026 239
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /28/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዕዳ እፎይታ ጭቡጥ ለውጢ ከም ዝተመዝገበ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊጸን፡፡ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዘደለዎ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንቐፃሊ ሰለስተ መዓልትታት ዝካየድ መበል ካልኣይ ፎረም ሉኣላዊ ፋይናንስ ኣፍሪካ እናተሳለጠ ይርከብ፡፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ከም ዝተዛረብኦ፤ ምምሕዳር ልቓሕ ዕዳ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ፣ ንስትራቴጂ ልምዓትን ተኣማንነት ፖሊሲን መሰረት እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ እፎይታ ዕዳ ጭቡጥ ለውጢ ከም ዝተምዝገበ እውን ገሊጸን፡፡ ኢትዮጰያ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ጉጅለ 20 ብምዃን ኣብ ዓብዪ ምዕራፍ ከም ዝበጽሐት ብምግላፅ፤ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ግዘ እፎይታ ልቓሕ ረኺባ እያ ኢለን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ኩለመደያዊ ሪፎርም ምክያዱ ናብ ዕዳጋ መሪሕ ስርዓት ሸርፊ ምስግጋር፣ ፖሊሲ ገንዘብ ምጥንኻር፣ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ፣ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ግልጽነት ምፍጣር ከም ዘኽኣለ ተዛሪበን፡፡ ናህሪ ዋጋ ብምቕናስ፣ ኣታዊ ንግዲ ወፃእን ሸርፊ ወፃእን ብምዕባይ ጠንካራ ኢኮኖሚ ምህናጽ ከም ዝተኽኣለ ሓቢረን። ኣብ አፍሪካ ዘላቕነት ዘለዎ ኢኮኖሚ ንምህናጽ ወጻኢ ልቓሕ ምቕናስ፣ዕዳጋጋታትን ዓቕሚ ምሕደራ ዕዳን ሃገር ውሽጥን ዞባን ምጥንኻር ከም ዝግባእ እውን ገሊፀን፡፡
ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ዝነኣድ ውፅኢት እናምዝገበ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
May 6, 2026 133
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 28/2018 (ኢዜኣ) መሬት ፆሙ ክሓድር የብሉን ብዝብል ፅኑዕ እምነት ዝተጀመረ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ዘደምም ውፅኢት እናምዝገበ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ሱልልታ ኣብ ልዕሊ 2 ሽሕን 150 ሄክታር መሬት ዝለምዐ ሕርሻ ስርናይ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ እዋን ዑደቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ግብርና ብዝወሰዶም ስትራቴጂካዊ ስጉምትታት ዝርከቡ ዘለዉ ውፅኢታት ዝነኣዱን ንቀፀልቲ ስራሕቲ ስንቂ ዝኾኑን እዮም ኢሎም። ልምዓት ሕርሻ ሓጋይን ስርናይ ሓጋይን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም። መሬት ፆሙ ክሓድር የብሉን፣ካብ ልመና ዓርስና ክነላቕቕ ኣለና፣ክሕረስን ክለምዕን ዝኽእል መሬት ክሕረስ ኣለዎ ብዝብል ፅኑዕ እምነት ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ከምዝተጀመረ ኣብራህሪሆም። ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ዋላ ኳ ጅማርኡ ፈታኒ እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ዘደምም ውፅኢት እናምዝገበ ከምዝመፀ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓመታት ስርናይ ካብ ወፃኢ እተእቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ትሑት ፍርያት ምስ ዘለወን ሃገራት ትምደብ ከምዝነበረት እውን ኣረዲኦም። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 4 ነጥቢ 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት፣ኣብዚ ሓጋይ ድማ 3 ነጥቢ 8 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብሓፈሻ ልዕሊ 8 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብስርናይ ከምዝለምዐ ገሊፆም። ብሓፈሻ ልዕሊ 330 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ስርናይ ከምዝተረኸበን እዚ ድማ ኢትዮጵያ ስርናይ ብምፍራይ ኣብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ንክትኸውን ዘኽእላ ከምዝኾነን ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሕርሻ ክረምትን ሓጋይን 280 ኩንታል ፍርያት ስርናይ ከምዝተረኸበ ብምዝኽኻር፤ ፍርያት እዚ ዓመት ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 50 ሚልዮን ኩንታል ወሰኽ ከምዘለዎ ኣብሪሆም። እቲ ዝተረኸበ ልዑል ኣፈላላይ ፍርያት ካብ ዝተርኣየሎም ከባብታት እቲ ሓደ ሰሜን ሸዋ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዘይሕረስ መሬት ብምሕራስ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ መፍረያይነት ስርናይ ከምዝዓበየ ተዛሪቦም። እቲ ልምዓት ስርናይ ሩባታት ብምጥላፍን ዝናብ ክረምቲ ብምዕቛርን ከምዝተሳለጠ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን መፍረያይነት ንምስፋሕ ኣብቲ ዞባ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም። ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ካልኦት ዓውድታት ውፅኢታዊ፣ዝነኣድን መዋፅእን ኮይኑ ከምዝተረኸበ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ምዕባይ ዓቕሙ ሰፊሕ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ብሓፈሻ እቲ ዝተርኣየ ስራሕ ኢትዮጵያ ዓብይ ተስፋ ከምዘለዋን እታ እንሓልማ ሃገር ምፍጣር ዘኽእል መሰረት ብኣግባቡ እናተነፀፈ ከምዝኾነን ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኩሎም መዓልትታትን ወቕትታትን ክንጥቀመሎም ኣለና፤ ንምፍራይ፣ንምስራሕ፣ንምልፋዕ፣ንምብላዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሕጋዝ እውን ክንጥቀመሎም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ከይዲ ስራሕን ልምዓትን ዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ክንሳገሮም ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኩሉ ዜጋ ብትግሃት ንክሰርሕ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ነበርቲ ኣብ ምርግጋፅ ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኦም እዮም
May 6, 2026 112
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018(ኢዜኣ) ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ነበርቲ ኣብ ምርግጋፅ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ንምርግጋፅ ብድሌቶም ተወዲቦም ንዝሰልጠኑ ወገናት መስርሒ ቦታ ኣረኪበን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነበርቲ ብፍትሓዊ ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ዝገብሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ብምሕንፃፅ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ብምግባር ጭቡጥ ውፅኢት ምምፃእ ተኻኢሉ እዩ ኢለን። ሎሚ መዓልቲ እውን ብሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ዝተሃነፁ ብርክት ዝበሉ መስርሒ ቦታታት ንተጠቀምቲ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን። ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ብድሌቶም ተወዲቦም ንዝሰልጠኑ 1 ሽሕን 278 ኢንተርፕራይዛትን 3 ሽሕን 889 መንቀሳቐስትን ሼዳትን መስርሒ ቦታን ከምዝተውሃቡ ኣፍሊጠን። ኩሉ ዜጋ ተጊሁ ብምስራሕን ድኽነት ብምትራፍን ዘላቒ ዕቤት ሃገር ከቀላጥፍ ይግባእ ኢለን። እቶም መስርሒ ቦታ ዝተውሃቦም ዜጋታት እውን ንዓርሶም ብምልዋጥ መርኣያነት ዓወት ብተግባር ብምርግጋፅ ዓቕሚ ዕቤት ኢኮኖሚ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲአን። ኣብ ቀፃሊ እውን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፀን።
ኣብቶም ዓመታት ለውጢ መሰረተ ልምዓታት መፈልፈሊ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕን ብምምዕባልን ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ምምሕያሽ ተኻኢሉ እዩ-ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ
May 6, 2026 74
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018(ኢዜኣ) ኣብቶም ዓመታት ለውጢ መሰረተ ልምዓታት መፈልፈሊ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕን ብምምዕባልን ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ምምሕያሽ ከምዝተኽኣለ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ገሊፆም። ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዕቤት ከተማታት፣ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪታትን ዲጂታል ስግግርን ተኣሳሲሩ ድሌት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እዚ ዘበን ዝሓቶ ሓይሊ ብምቕራብ ድሌት ዜጋታት ንምዕጋብ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ምምዕባልን ኣሳሊጡ እዩ ኢሎም። መንግሥቲ ኣብቶም ዓመታት ለውጢ ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምሃብ ጣብያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ምስፍሕፋሕን ምምዕባልን፣መስመራት መተሓላለፊ ሓይሊ ምህናፅን ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም። ስራሕቲ ህንፀትን ምስፍሕፋሕን ጣብያታት መፈለፈሊ ሓይልን መተሓላለፍቲ መስመራትን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ዝፍፀም ስርቂ ምክልኻል ካብ ኩሎም ኣካላት ትፅቢት ከምዝግበር ኣረዲኦም።
ኣብ ከተማ ባህር ዳር ፀጋ ናብ በረከት ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም እናተሃነፁ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
May 4, 2026 440
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ባህር ዳር ፀጋ ናብ በረከት ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ከተማ ብህር ዳር ብ3 ነጥቢ 3 ቢልዮን ብር ዝህነፅ ህንፀት ፕሮጀክት ሆቴል ፎር ፖይንትስ ባይ ሸራተን ጣና ኣጀሚሮም። ኣብ ታሪኻዊ ሆቴል ጣና ኣብ ዘለዎ ስፍራ ብኢንቨስትመንት ሚድሮክ ዝህነፅ እዚ ዓለም ለኸ ሆቴል ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ተሃኒፁ ከምዝዛዘም ተገሊፁ። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ንልዕልና መባፅሒ ቱሪዝም ከተማ ባህር ዳርን ሃገርናን ከምኡ እውን ኢኮኖሚ ንምንቕቓሕ ዓብይ ብስራት እዩ። ግሩፕ ኢንቨስትመንት ሚድሮክ ኣብ ሕርሻ፣መዓድንን ካልኦት ዓውድታትን ዘመዝግቦ ዝነኣድ ዓወት ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብተግባር ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም። ኣብ ከተማ ባህር ዳር ህንፀቱ ዝተጀመረ እዚ ሆቴል እንትዛዘም ፀጋ ናብ በረኸት ብምቕያር ኢትዮጵያ ነዚ ዘበን ዝምጥንን ዘላቕን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኸውን ሓቢሮም። ኣብ ከተማ ባህር ዳር ፀጋ ናብ በረከት ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ መንግሥቲ መባፅሒ ቱሪዝም ኢትዮጵያን ከተማታታን ዘዕብዩ ወለዶ ተሳገርቲ ፕሮጀክትታት ንክዕወቱ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም። ፕሮጀክት ፎር ፖይንትስ ባይ ሸራተን ጣና ሆቴል ብቕልጡፍ ብምዝዛም ንኣገልግሎት ንምብቃዕ ምትጋህ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መገደኛታት ተዓዋቲ ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 ኮይኑ
May 4, 2026 283
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ/ 26/2018 (ኢዜኣ)፦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መገደኛታት ተዓዋቲ ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 ኮይኑ፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መንገደኛታት ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 (Best Airline in Africa) ብምዕዋት መሪሕነት ኣቪዬሽን ኣረጋጊፁ፡፡ እቲ ሽልማት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝገበሮም በረራታት ዝተሳለጠ፣ ምችውን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ንምሃብ ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኢ እንትኸውን፤ እቲ ሽልማት ሙሉእ ንሙሉእ ብሓቃዊ ተሞክሮ መንገደኛታት ካብ ዝተውሃበ ድምፂ ዝተረኽበ እዩ፡፡ እቲ መንገዲ ኣየር 'ራእይ 2040' ኣብ ዝተሰየመ ስትራቴጂክ ትልሙ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ቀዳሞት 20 ግሩፓት ኣቪዬሽን እቲ ሓደ ንምዃን እናሰርሐ እንትኸውን፤ ኣብ ቶጎ፣ ማላዊ፣ ዛምቢያን ኮንጎን ምስ ዝርከቡ መንገዲ ኣየራት ብምትሕብባር ስትራቴጂ ብዙሓት ማእኸላት (multi-hub) ኣብ ምትግባር ከም ዝርከብ እውን ተገሊፁ፡፡
ምርካብ ምላሽ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ዞባዊ ድሕንነት ንምርግጋፅን ንሓባራዊ ዕቤትን ወሳኒ እዩ
May 4, 2026 175
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2018(ኢዜኣ) ምርካብ ምላሽ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካ፣ሓባራዊ ተረባሕነትን ድሕንነት እቲ ዞባ ንምጥንኻርን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ሙሁራን ተዛሪቦም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማርን ምጣነ ሃፍቲ ዱጋሳ ሙሉጌታ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገድታት ተኸቲላ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ። ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንምንቅስቓስ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ከምኡ እውን ንማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ወሳኒ እዩ ኢሎም። ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ፣ሕጋዊ፣ታሪኻውን መልክኣ ምድራውን ሓቅነት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም። ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር ብምጥንኻር ኣብ ቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረን ንዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ልምዓትን ሃገራት እቲ ዞባ ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማርን ሃፍቲ ማይ ሲሳይ ደመቁ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ በሪ ባሕሪ ካብ ዝውውር ሸቐጣት ብዝዘለለ ዋሕዚ ሓሳብ፣ቴክኖሎጅን ቱሪዝም ኣብ ምስላጥ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብራህሪሆም። ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካ፣ዕቤት ኢኮኖምን ቴክኖሎጅን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ምርካብ ምላሽ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወፃኢ ሎጂስቲክስ ብምቕናስ ጎና ጎኒ ምዕባይ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወጻእን ኣታውን ድሕንነት እቲ ዞባ ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ብምፍራይ ክብርናን ነፃነትናን ብምኽባር ዕቤት ክነምፅእ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
May 3, 2026 374
‎ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያውያን ብምፍራይ ክብርናን ነፃነትናን ብምኽባር ዕቤት ክነምፅእ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 25 ክሳብ 30 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኤክስፖ ‘ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ’ መሪቖም ከፊቶም። ኣብቲ ንራብዓይ ግዜ “ኢትዮጵያ ተፍሪ ንኩለ መዳያዊ ልኣላዊነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንፈረስ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ኤክስፖ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴዎድሮስ ምህረት፣ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መግስትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ምፍራይ ልኣላዊነት የጎናፅፍ፣ ዘይምፍራይ ድማ ታሪኽ የበላሹ። ኢትዮጵያ ፀጋታታ ኣልሚዓ ብዘይምጥቃማ ብምኽንያት እዋናዊ ኩነታት ዓለም ፈተና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረ ከም ኣብነት ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ምፍራይ ዝተማልአ ልኣላዊነት ዘረጋግፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። መብዛሕቲኡ ድሌታ ኣብ ፍርያት ኣታዊ ዝገበረት ሃገር ነፃን ሉኣላውን እየ ክትብል ከምዘይትኽእል ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ኣፍርያ ዝተማልአ ሉኣላዊነት ንክትጎናፀፍ ብሕብረትን ሓድነትን ብምስራሕ ንደቅና ነፃን ዝተማልአን ሉኣላዊነት ዝወነነት ኢትዮጵያ ጋህዲ ምግባር ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም። ቅድሚ 4 ዓመት ዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እውን መፍረያይነት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብፅሬት፣ብርክን ዓይነትን እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም። ሎሚ ዘበን እውን ዕቤት 10 ነጥቢ 2 ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኢንዱስትርን ኢትዮጵያ ተፍርን ዝፈጥርዎ ጥምረት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎም ኣብሪሆም። ቅድሚ ዓመታት ንግዲ ወፃኢ 3 ቢልዮን ዶላር ንምስጋር እናተፀገመ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ሎሚ ዓመት ንፈለማ እዋን 10 ቢልዮን ዶላር ብምዕዋት ዓብይ ዓወት ከምዝኸውን ኣረዲኦም። ዓውዲ ኢንዱስትሪ እውን ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እንትጅመር ዝነበሮ 4 ነጥቢ 7 ዕቤት ኣብዚ ሕዚ እዋን 10 ነጥቢ 7 ዕቤት ከምዘመዝገበ ተዛሪቦም። ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት እውን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዝነበረ ናይ 14 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ምትካእ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም። ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ 993 ኢንዱስትሪታት ዳግማይ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት 3 ሽሕን 680 ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ናብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ከምዝተፀምበሩ እውን ፀሪሖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ተካእቲ ፍርያትን ንግዲ ወፃእን ሃናፂ እጃም እናበርከቱ ንዝርከቡ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ምስጋና ኣቕሪቦም። ኣብ ቀፃሊ እውን እንተዘይኣፍሪና ነፃነትና ክንጎናፀፍ ስለዘይንኽእል ኮሚቴ ቴክኒክ ብምጥያሽ ንዕቤት እቲ ዓውዲ ደገፍ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ’ እውን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ብምጉብናይ ከትርፉሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መፍረያይ ዓውዲ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ፃዕሪ ዘጠናኽር መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ኢትዮጵያ ተፍሪ’ 2018 ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም
May 3, 2026 174
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018(ኢዜኣ) ‎ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መፍረያይ ዓውዲ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ፃዕሪ ዘጠናኽር መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ኢትዮጵያ ተፍሪ’ 2018 ብዕሊ መሪቖም ከምዝኸፈቱ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 4ይ ኤክስፖ 'ኢትዮጵያ ተፍሪ' ከምዝመረቑ ብምሕባር እቲ ኤክስፖ ክሳብ ሕዚ ዘርኣዮምን ዝተመዝገቡን ዋና ዋና ዓወታት ዘርዚሩ። ቀረብ እታዎት ዓውዲ መፍረያይ ብዓመት ካብ 9 ሚልዮን ናብ 15 ሚልዮን ቶን ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ንሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ኢንዱስትሪ ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ጊጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝቐረበ ወሲኹ ሓቢሩ። ንታሕተዎትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝቐርብ ቀረብ ፋይናንስ ካብ 8 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ናብ 50 ቢልዮን ብር ከምዝዓበየ ብምሕባር፤ ንላዕለዎት ኢንዱስትሪታት ድማ ብልዕሊ 262 ቢልዮን ብር ከምዝዓበየ ፀሪሑ። ነቲ ዓውዲ ልዕሊ 2 ነጥቢ 28 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፂ ከምዝተመደበ እውን ኣፍሊጡ። ዓቕሚ ምፍራይ ፋብሪካታት ካብ 47 ሚኢታዊ ናብ 67 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ኣረዲኡ። ዓቕምን ዕቤትን ምፍራይ ካብ 4 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ናብ 10 ነጥቢ7 ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ተወሳኺ ዕቤት ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፁ። ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ ክሳብ 4 ነጥቢ 85 ቢልዮን ዶላር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ንግዲ ወፃኢ እውን ልዑል ዕቤት እናርኣየ እዩ ዝርከብ ኢሉ። ልዕሊ 2,800 ኢንቨስትመንትታት ምስሓብ ከምዝተኽኣለን ን1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረን እውን ኣብራህሪሁ። እቲ ኤክስፖ ንኢንዱስትሪታት ዘተኣሳስር፣ ኢንቨስትመንትታት ዝስሕብ፣ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣፍረይትን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ጎብነይትን ዘራኽብ ቁልፊ ሃገራዊ መድረኽ ኮይኑ ይብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር። ‎ብሓፈሻ ምኽፋት እቲ ኤክስፖ እቲ መፍረያይ ዓውዲ ንዕቤት ኢኮኖሚ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነትን ዘለዎ ፋይዳ ብምጉላህ ንስግግር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እናቀላጠፎ ከምዝኾነ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
May 3, 2026 116
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ‘ተኸታታሊ ፃዕርን ዝጭበጥ ውፅኢትን 4 ዓመታት!’ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ ኢሎም። ብውፅኢት ተኮር ኣመራርሓና ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ተራእዩ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። እዚ ድማ ማእኸላይ ዓቕሚ ምፍራይ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ካብ 47 ሚኢታዊ ናብ 67 ሚኢታዊ ብምዕባይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ልዕሊ 2800 ኢንቨስትመንትታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ፈላሞት 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ ብተካእቲ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ልዕሊ 4 ነጥቢ 85 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣመላኺቶም። እቲ ኤክስፖ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ንቑሓት ኣፍረይትን ስታርትኣፓትን ብዝወሰኸ ዓቕሚ ብሓድነት ከምዘተኣኻኸበ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብሓባር ብምዃን እዚ ጠንካራ ምንቕቓሕ ብምቕፃል ነቲ ዝመፅእ ወለዶ ፅንዕቲ፣ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ዓርሳ ዝኸኣለትን ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ንዕቤት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኢኮኖምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
May 2, 2026 245
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ንዕቤት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኢኮኖምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርክት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል"ን ካልኦት ፋብሪካታትን ተዓዚቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብበዓል ሃፍቲ ውልቀ ዝተሃነፀ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ካብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ጅማን ኮምቦልቻን ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝበልፅን ምስ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ድማ ብመጠን ዝመጣጠን ከምዝኾነን ኣብሪሆም። ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ሰላሳ ሼዳር ዘለውዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሰፊሕ፣ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝሕዝን ናብ ከተማ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብን ስለዝኾነ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዘለዎ እጃም ኣጉሊሁ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኣብ ጨርቃ ጨርቂ መሰረት ዝገበረ ዝነበረ ፍርያት ፓርክ ኢንዱስትሪታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክሰፍሕ ብዝተሳለጠ ስራሕ ሶላር፣ባጃጅ ኤሌክትሪክ፣ጫማን ክዳውንትን ዝመሳሰሉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ኢኮኖሚ ንክፈርዩ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።   ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ኢኮኖሚ ዘሎ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ጊጋ ዋት እናፍረየ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተወሳኺ ክልተ ጊጋ ዋት ምፍራይ ከምዝጅምር ኣረዲኦም። ፍርያት ሶላር ሴል ኣብ ሓፂር እዋን ምፍራይ ዝጀመረን እናሰፍሐ ዘሎን እዩ ኢሎም። ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ብርክት ዝበሉ ሼዳት ዘለውዎን ስለዝኾነ ብርክት ዝበለ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከምስዝስሕ ሓቢሮም። ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ንዕቤት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኢኮኖምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርክት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተግባራዊ ለውጢ እናምዝገበን ሽግሽግ ኢንዱስትሪ እናምፀአን ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም። እዚ ምጥንኻር እንተተኻኢሉ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኢትዮጵያ ብብዙሕ መልክዑ ዓርሳ ናይ ምኽኣል ዕድል ከምዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ጠንኪርና እንተሰሪሕና፣ጀሚርና እንተዛዚምናን ክፍተታት እናረኣና ምምላእ እንተኽኢልናን ዘላቕን ተኸታታልነት ዘለዎን ዕቤት ብምምዝጋብ ብልፅግና ኢተዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጋህዲ ክንገብሮና ኢና ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ብምስፋሕን ብምዕባይን ብልፅግና ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር ዓብይ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስሊ እታ ከተማ ኣብ ምቕያር ዝነኣድ ለውጢ ኣርእዮም እዮም
May 2, 2026 172
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጡ ዘለዉ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስሊ እታ ከተማ ኣብ ምቕያር ዝነኣድ ለውጢ ከምዘርኣዩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደራት ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት እዋናት ኣብታ ከተማ ዝተርኣየ ልዑል ለውጢ ዝነኣድ እዩ። ኣምባሳደር ሮማኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ፓቲካ፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ተሰሪሑ ዝተርኣየ ለውጢ ንምእማኑ ዝኸብድ እዩ ኢለን። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን እታ ከተማ ዝነኣድ ለውጢ ከምዘርኣየት እውን ተዛሪበን። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌሃንድሮ ኢቭስ እስቲቪሊ ካስትሮ ብግደኦም፤ እቲ ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ፅባቐ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ነቲ ህዝቢ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ምዕዛቦም ሓቢሮም። ብፍላይ ድማ ንዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ኣብታ ከተማ ንምዝውዋር፣ንምሽክርካርን ንምዝንጋዕን ኣዝዩ ሰሓቢ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣምባሳደር ፊንላንድ ኢትዮጵያ ሲኒካ ኣንቲላ፤ ኣብ እዋን ፃንሒቶም ዝተዓዘብዎ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ ፓርክታትን ወሰና ወሰን ሩባን ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ገሊፀን። እቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ እታ ከተማ ንምንባርን ንምዝንጋዕን ተመራፂት ንክትኸውን ኣኽኢሎማ እዮም ኢለን። ኣምባሳደር ባንግላዴሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኤር ቫይስ ማርሻል ሲትዋት ናዪማ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ለውጢ ዝተርኣየሉ ቅልጣፍ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ዝነበረ ኩነታትን ሕዚ ዘሎ ለውጥን ሰማይን ምድርን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ተዓዚቦም
May 2, 2026 132
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ተዓዚቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ተዓዚበ ኢሎም። እዚ ፋብሪካ ኣብ 2025 ብኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ (Invest in Ethiopia Forum) ኣቢሉ ዝተፈረመ ስምምዕ መበገሲ ብምግባር ብ100 ሚልዮን ዶላር ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ብውፅኢታዊ ደገፍን ክትትልን ኣብ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ ጋህዲ ዝኾነ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ብዘበናዊ ማሽናትን ቴክኖሎጂን ዝተዋቐረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መፍረዪ ኣብ ልዕሊ 38 ካሬ ሜትር ከምዝዓረፈን ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን እውን ኣረዲኦም። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዓመታዊ 2 ጊጋ ዋት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድሌት ሓይሊ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ብተሓዳሲ ሓይሊ ንምምላእ ንዝተጀመረ ሃገራዊ ራኢ ጋህዲ ንምግባር ተወሳኺ ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ዝርከብ መፍረዪ ጫማን ንእሽተይ ጣብያ ኤሌክትሪክን ተዓዚበ ክብሉ ኣፍሊጦም።
‎ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ ሓደ ስራሕና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር)
Apr 30, 2026 631
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) ‎ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ እቲ ሓደ ስራሕና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ፓርክ ኣራዳ መሪቖም ኣገልግሎት ኣጀሚሮም።   እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቅድሚ ሕዚ ተረሲዑን ንሓደጋ ተቓሊዑን ዝነበረ ከባቢ ኣራዳ ሎሚ ተሃኒፁ ዘደንቕ ኣካል ከተማ ምዃን ክኢሉ እዩ ኢሎም። ‎ፓርክ ኣራዳ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዘለና ራኢ ብተግባር ዘርኣናሉ እቲ ሓደ ስራሕና እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ንዓና‎ ብመንፈስ እትሰኣል ሕልሚ ጥራሕ ዘይኮነትስ ብተግባር እትህነፅ ሓቂ እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ጥዕና ዘለዎ፣ ፅኑዕ፣ ንመፃኢ ወለዶ ተስፋ ምስ ጭቡጥ ሃፍቲ እትህብ፣ ኣብ ኣፍሪካ መራሒት፣ ኣብ መድረኽ ዓለም ድማ ተወዳዳሪት ዝኾነት ሃገር እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢሎም። በቢ መዓልቱ እውን እዚ ተስፋ ናብ ሓቂ ናይ ምልዋጥ ስራሕና ክንቕፅለሉ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መርኣያ ህንፀት ሃገርን ልህቀት ኣቪዬሽን ኣፍሪካን እዩ-ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግሥቲ
Apr 30, 2026 403
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ሃገር ካብ ዘለዎ ብሄራዊ ኩርዓት ብተወሳኺ መርኣያ ህንፀት ሃገርን ልህቀት ኣቪዬሽን ኣፍሪካን ከምዝኾነ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግሥቲ ገሊፆም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተመስረተሉ መበል 80 ዓመት ብዝምልከት ምስ ዓማዊልን መሓዙትን መድረኽ ተሞኩሮ ዓማዊል የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው፣ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣብቲ መድረኽ ኣገልግሎት እቲ መንገዲ ኣየር ብዝምልከት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ዘተ ፓነል ተኻይዱ። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውፅኢት ዘለዎን ንነዊሕ ዓመታት ዓወት ምቕፃል ዝኸኣለን ዓብይ ኩባንያ ንግዲ መንግስቲ እዩ። እቲ መንገዲ ኣየር ንህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዕቤት ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ትካል እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምኡ እውን ምትእስሳር ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻር ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን፤ እቲ መንገዲ ኣየር ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ኩሉ ናተይ እዩ ዝብሎ መግለፂ ሓባራዊ መንነት ብሄራዊ ትካል እዩ ኢለን። እቲ መንገዲ ኣየር ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ እውን ኣብቲ ዓውዲ መርኣያ ምኽኣልን ልህቀትን ዝኾነ ትካል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መርኣያ ዓቕሚ ምፍጻም ኢትዮጵያ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን። ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፤ እቲ መንገዲ ኣየር ዓብይ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ሎጅስቲክስ ከምዝሃነፀ ተዛሪቦም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንንግዲ ወፃእን ዲፕሎማስን ዓብይ እጃም ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንፅባሕ ሎሚ ዝሃንፅ ዘሎ ዘኹርዕ ኩባንያ እዩ ኢሎም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ 80 ዓመታት ፈተና ናብ ዕድል ብምቕያር ኣህጉራዊ ምልክነቱ እናቕፀለ እዩ
Apr 30, 2026 219
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ 80 ዓመታት ፈተና ናብ ዕድል ብምቕያር ኣህጉራዊ ምልክነቱ እናቕፀለ ከምዝርከብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉሩፕ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ገሊፆም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተመስረተሉ መበል 80 ዓመት ብዝምልከት ምስ ዓማዊልን መሓዙትን መድረኽ ተሞኩሮ ዓማዊል የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓሰርተ ዓመታት ጉዕዞታት ዕቤትን ዓወትን እናሳለጠ ኣብዚ ሎሚ ዝበፅሐሉ ብርኪ በፂሑ እዩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያኣብ ናብ ካይሮ ሓደ ኢሉ ዝጀመሮ ዓለም ለኸ ኣገልግሎት በረራ ኣብዚ ሕዚ እዋን መባፅሒኡ ናብ 145 ከምዘስፈሐ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ወናኒ 147 ዘበናዊ ኣውሮፕላናት ብምዃን ኣብ ዓመት ልዕሊ 20 ሚልዮን መንገደኛታት ምትእንጋድ ዘኽእል ዘተኣማምን ዓቕሚ ከምዝሃነፀ ኣረዲኦም። እቲ መንገዲ ኣየር ንዓማዊል ዝነኣድ ኣገልግሎት ብምሃብ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን ሽልማትን ከምዝረኸበ ብምግላፅ፤ ንመላእ ኣፍሪካ ሞዴል ዝኾነ ዓብይ መዕርፎ ነፈርቲ እናሃነፀ ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም። ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት እውን 74 ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ከምዘምፀአን 117 ኣውሮፕላናት እውን ከምዝኣዘዘን ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ቁፅሪ መንገደኛታት ብዕፅፊ ብምዕባይ ዓመታዊ ኣታዊኡ 120 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ትርፉ ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዘዕበየ ሓቢሮም።
ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘበረታትዕ ኣኽኣላይ ምህዳር ፈጢሩ እዩ-ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ላሜክ
Apr 30, 2026 251
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘበረታትዕ ኣኽኣላይ ምህዳር ከም ዝፈጠረ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ገሊፆም። ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብትብባዕ ንዓለም ለኻዊ ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ምቹው ምህዳር ፈጢሩ እዩ። ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ዕብየትን ብልፅግናን ዘቀላጥፍ ሰፊሕ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዋ ሃገር እያ። መንግስቲ ኣማራፂታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምስፋሕ ዝወሰዶም ምምሕያሻት ፖሊሲ ዝንኣዱ ከም ዝኾኑ እውን ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ልምዓት ንምትብባዕ ዝተወሰዱ ተግባራት ምምሕያሻት ፖሊሲ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ተመራፂት መባፅሒ ኢንቨስትመንትን ንግድን ሃገር ከም ዝገበራ ተዛሪም። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለጸ ንምስፋሕ ብትኹረት እናሰርሑ ከም ዝኾኑ እውን ኣመላኺቶም። ፈረንሳይ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለጸ ንምጥንኻርን ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ሓገዝ እናገበረት ከም ዝኾነት እውን ገሊፆም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም