የትግራይ ህዝብ የተጀመረው የሰላም ስምምነት በስኬት እንዲጠናቀቅ የበኩሉን ሊወጣ ይገባል--ዶክተር አብርሃም በላይ

224

አዲስ አበባ (ኢዜአ) ህዳር 1 ቀን 2015 የትግራይ ህዝብ የተጀመረው የሰላም ስምምነት እንዳይደናቀፍ ከሌሎች ወገኖቹ ጋር በመሆን ዘብ ሊቆም ይገባል ሲሉ የመከላከያ ሚኒስትሩ ዶክተር አብርሃም በላይ ገለጹ።

ይሄንን የሰላም ጅማሮ ለማደናቀፍ የሚንቀሳቀሱ አንዳንድ ግለሰቦችና ቡድኖች ስላሉ ከድርጊታቸው እንዲቆጠቡ ተዉ ሊላቸው እንደሚገባም ገልጸዋል።

የሰላም ስምምነቱ ቀዳሚ ተጠቃሚ የትግራይ ህዝብ እንደመሆኑም ለተፈጻሚነቱ ዘብ እንዲቆም ጥሪያቸውን አስተላልፈዋል።

የሚኒስትሩ ሙሉ ንግግር እንደሚከተለው ቀርቧል።

ህዝቢ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ዋግ-ዋጎ እማመ ሰላም ከይተዓናቐፍ ዘብዒ ሰላም ኮይኑ ደው ክብል ይግባእ። ነዚ ከይዲ እማመ ሰላም ንዘሐንክሉ ውልቀ ሰባትን ጉጅለን ድማ ዓገብ! ክብልን ንዝህቅንሉ መንገዲ ጥፍኣት ክነፅግን ከምዝግበኦ ገሊፆም።

ውዕሊ ዘላቒ እማመ ሰላም ካብ ዝግበር ንነዘ፣ ዛጊድ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ምርግጋእ ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ ሸቐጣ-ሸቐጥ ምዝሓልን ምትሓትን ቀሊል ተስፋ ከምዘይኮነ ህዝብና ብኣንደበቱ እናመስከረ ይርከብ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ፣ ኣብ ቀፃሊ ከምዝድግፉን ንተግባራዊነቱ እውን እጃሞም ንምውፋይ ቅሩባት ምዃኖም ምግላፆም ዝነኣድ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ብኣንፃሩ፣ ዝተበፅሐ ስምምዕ እማመ ሰላም ንቅድሚት ከይስጉም፣ ከይትግበርን ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ኣካላት ምህላዎም እውን ሓቢሮም እዮም።

እዞም ኣካላት ዓርሶም ካብ ሃፈፅታ ሃልሃልታ-ሓዊ ኣርሒቖም ዝነብሩ፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኾይኖም ብሓፁር መንእሰይ ትግራይ ተኸዊሎም ሂወት ዕሸላት እናቖፀዩ ዝነብሩ ዝመስሎም እዮም።

ነዚይ እውን ዳግም ብርሰት፣ ዳግም ዂናት፣ ዳግም ስደትን መከራን ክመፅእ፤ ራህዋን ቅሳነት ከይሰፍን፣ ሕጊጥ ዝብሉ ኣካላት ከምዘለው ክንርስዕ የብልናን እንትብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዞም ኣካላት ካብ መፈለምትኡ ኣትሒዙ ኣጀንዳ ህዝቢ ዘይብሎም፤ ዘይነበሮም እዮም።

ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይመሃሩ፣ ህዝብና ገጢሙዎ ዘሎ ፀገምን ሓሳረ-መከራን ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ውልቃዊ ረብሐኦም ዘቐደሙ ጥቕመኛን ጨካናትን እዮም እንትብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ተበፂሑ ዘሎ ከይዲ ሰላምን ፅቡቕ ንፋስ-እዱንያን ከተዓናቕፉ ንዝወሳወሱ ኣካላት ክቃለሶም ከምዝግባእ ጠቒሶም፣ በዓል ዋናን ዘብዒን ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕነት ከይዲ ሰላም ክኸውን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም